ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/12 ገጽ 13-18
  • ‘ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ህያብ ንየሆዋ’
  • ህያባት ንቤተ–መቕደስ
  • ኣብ ግዜ ክርስትና ዝነበረ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሃብቲ
  • እሙናት ኣሳሰይቲ
  • ሓደ ኣብነት ናይ ልግሲ
  • ‘ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ’
  • ናይ ሓቂ ሃብቲ ድለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዝግበር ወለንታዊ መስዋእቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/12 ገጽ 13-18

‘ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ’

“ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ: . . . ብሒደት እሙን ዝ [ኾ]ነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ።”​—⁠ሉቃስ 16:​9, 10

1. ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ከመይ ገይሮም ኢዮም ንየሆዋ ዝወደሱ?

ብሓደ ትእምርቲ ዝደሓኑ​— ክንደይ ንእምነትካ ዘደልድል ተሞክሮ ኾን ኢዩ! ናይ እስራኤላውያን ብተኣምራት ካብ ግብጺ ምውጻእ በቲ ኹሉ ዝኽእል የሆዋ እንተዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይግበርን ኢዩ። ሙሴን እስራኤላውያንን “እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ። ምድሓን ከአ ኮነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ: ከኽብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ: ክብ ከብሎ እየ” ኢሎም እንተዘመሩስ ዘገርም ኣይኮነን።​—⁠ዘጸኣት 15:​1, 2፣ ዘዳግም 29:⁠2

2. ህዝቢ የሆዋ ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ እንታይ ኢዮም ዝተማልኡ?

2 እዚ ናይ እስራኤላውያን ሓድሽ ሓርነት: ምስቲ ኣብ ግብጺ ዝነበርዎ ኵነታት ክነጻጸር ከሎስ ከመይ ኮን ኢዩ! ሕጂ ንየሆዋ ብዘይ ዕንቅፋት ከምልኽዎ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ ኸኣ ጥራይ ኢዶም ኣይወጹን። ሙሴ “ደቂ እስራኤል ከኣ . . . ካብ ግብጻውያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ኹሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞገስ ሃቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም” ኢሉ የዘንቱ። (ዘጸኣት 12:​35, 36) ነዚ ናይ ግብጺ ሃብቲ ግን ብኸመይ ተጠቕምሉ? ‘ንየሆዋ ክብ ከም ዘብልዎዶ’ ገይርዎም ኢዩ? ንሕናኸ ካብቲ ናታቶም ኣብነት እንታይ ንማሃር?​—⁠ምስ 1 ቈረንቶስ 10:⁠11 ኣነጻጽሮ።

‘ህያብ ንየሆዋ’

3. እስራኤላውያን ነቲ ወርቂ ንሓሶት ኣምልኾ ምጥቃሞም: ካብ የሆዋ እንታይ ምላሽ ኣምጽኣሎም?

3 በተን ሙሴ ንእስራኤላውያን ዝኸውን ሕጊ ኣምላኽ ክቕበል: ኣብ ከረን ሲናይ ዝነበረለን 40 መዓልትታት: እቶም ኣብ ታሕቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ህዝቢ ሓንጊዶም ነበሩ። ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቀላብቲ ወርቆም ቀንጢጦም ንኣሮን ዘምልኽዎ ምስሊ ክሰርሓሎም ኣዘዝዎ። ኣሮን ከኣ ሓደ መሰውኢ ሰርሓሎም እሞ: ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ኣብኡ መስዋእቲ ኣቕረቡ። እዚ ኣጠቓቕማ ናይዚ ኣዋርቖምሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘድሓኖም ከም ዝፍተዉዶ ገይርዎም? ያእ ኣይፋሉን! የሆዋ ንሙሴ “ሕጂ [ኹ]ራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ: ክውድኦም ሕደገኒ” በሎ። ሽሕኳ እቶም ዓመጸኛታት ኣሕሉቕ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መዓት እንተተቐጽዑ: ምእንቲ ልመና ናይ ሙሴ ኢሉ ጥራይ: የሆዋ ነቶም ህዝቢ ነሓፎም።​—⁠ዘጸኣት 32:​1-6, 10-14, 30-35

4. ‘ህያብ የሆዋ’ እንታይ ነበረ: መን ኢዩኸ ዘቕረቦ?

4 ድሕርዚ: እስራኤላውያን ነቲ ዝውንኑዎ ሃብቶም ንየሆዋ ብዘሐጉስ መገዲ ክጥቀምሉ ዝኽእሉሉ ኣጋጣሚ ነበሮም። ንሳቶም ‘ንየሆዋ ህያብ’ ወሰዱ።a ወርቂ: ብሩር: ኣስራዚ: ሰማያዊ ፈትሊ: ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝሰተየ ኣቅሑት: ቆርበት ድዓውል: ቈራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሸጢምን ካብቶም ንምህናጽን ምምልካዕን እቲ ማሕደር እተወፈዩ: ነበሩ። እቲ ጸብጻብ ንቆላሕታና ናብቲ ዝንባለ ናይቶም ለገስቲ ኢዩ ዝወስዶ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ።” (ዘጸኣት 35:​5–9: ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ናይ እስራኤል ምላሽ ዝለዓለ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ብመሰረት ቃላት ናይ ሓደ ምሁር እቲ ማሕደር “ናይ ጽባቐን ምዕሩግ ዕዙዝነትን” ቅርጺ ኢዩ ነይሩ።

ህያባት ንቤተ–መቕደስ

5, 6. ዳዊት ምስታ ቤተ–መቕደስ ብዝተተሓሓዘ ንሃብቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ: ካልኦትከ ብኸመይ መለሱ?

5 ሽሕኳ ንጉስ ሰሎሞን ናይ እስራኤል: ንኣምልኾ የሆዋ ዝኸውን ቀዋሚ ቤት ንኽሃንጽ እንተ መርሔ: ኣቦኡ ዳዊት ኢዩ ንዓኣ ዝኸውን ሰፊሕ ምድላዋት ገይሩ ዝነበረ። ዳዊት: ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ: ብሩር: ኣስራዚ: ሓጺን: ዕንጸይትን ክቡር ኣእማንን ኣከበ። ዳዊት ንህዝቡ ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቅድስቲ ቤት ዘዳሎኽዎ [ኹ]ሉ ድማ: ነታ ቤት ኣምላኸይ ፈትየያ እየ እሞ: ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ: ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣሎኹ፤ ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ . . . ሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተ[ኾ]ልዔ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ።” ዳዊት ካልኦትውን ለጋሳት ክኾኑ ኣተባብዐ። እቲ ምላሽ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ማለት ዝያዳ ወርቂ: ብሩር: ኣስራዚ: ሓጺንን ክቡር ኣእማንን ነበረ። እቶም ህዝቢ ‘[ንየሆዋ ትሓዓ ] ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ሀብዎ።’​—⁠1 ዜና መዋእል 22:5፣ 29:⁠1-9

6 እስራኤላውያን በዚ ናይ ፍታው ህያባቶም ንኣምልኾ የሆዋ ዘለዎም ዓሚቍ ሞሳ ገሊጾም ኢዮም። ዳዊት ብትሕትና “ከምዚ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ: . . . አነ መን እየ? እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም?” ብምባል ጸለየ። ስለምንታይ? “ኵሉ ካባኻ ድኣ ኢዩ: ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ: . . . ኣነ ኸኣ እዚ ኹሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ ኣሎኹ።”​—⁠1 ዜና መዋእል 29:​14, 17

7. እንታይ ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ ኢና ካብቲ ብግዜ ኣሞጽ ዝነበረ እንማሃር?

7 እቶም ነገዳት ናይ እስራኤል ግን ብልቦምን ኣእምሮኦምን ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ምሃብ ኣይቀጸልዎን። ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እታ ዝተመቓቐለት እስራኤል ናይ መንፈሳዊ ሸለልትነት ገበነኛ ኮነት። የሆዋ ብኣሞጽ ገይሩ ብዛዕባ እታ ዓሰርተ ነገድ ዝሓዘት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል “እቶም ኣብ ጽዮን ሀዲኦም: ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተኣሚኖም ዚነብሩ: . . . ወይለኦም[!]” በለ። ንሱ “ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ: ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ: ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ: ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ:. . . ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ” ሰባት ኢሉ ይገልጾም። ሃብቶም ግን ኣይተኸላኸለሎምን። ኣምላኽ: “ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኪማረኹ እዮም: ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤል ኣብ ኢድ ኣሶር ወደቐት። (ኣሞጽ 6:​1, 4, 6, 7) ኣብ ግዜኡ ኸኣ ሰሜናዊት መንግስቲ ይሁዳውን ናይ ፍቕረ ንዋይ ግዳይ ኮነት።​—⁠ኤርምያስ 5:​26-29።

ኣብ ግዜ ክርስትና ዝነበረ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሃብቲ

8. ዮሴፍን ማርያምን ንኣጠቓቕማ ናይ ሃብቲ ዝምልከት እንታይ ጽቡቕ ኣብነት ኢዮም ዝሃቡ?

8 ምስዚ ብምንጽጻር: ኣብቲ ዳሕራይ እዋን: እቲ ብተዛማዲ ድኻ ዝኾነ ኩነታት ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ቅንኢ ካብ ምርኣይ ኣይዓገቶምን። ዮሴፍን ማርያምን እንተድኣ ርኢና ንኣዋጅ ናይ ቄሳር ኣውጉስጦስ ክፍጽሙ ናብታ ዝተወልዱላ ዓዶም ቤተ ልሄም ተጓዕዙ። (ሉቃስ 2:​4, 5) ኣብኡ የሱስ ተወልደ። ድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ: ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ስርዓት ዝነበረ መስዋእቲ ምንጻህ ከቕርቡ ናብታ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረት የሩሳሌም ዘሎ ቤተ–መቕደስ ከዱ። ትሑት ደረጃ ናይ ናብራ ከም ዝነበሮም ዘርኢ ድማ: ማርያም ክልተ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ኣቕረበት። ዮሴፍ ይኹን ማርያም ነቲ ድኽነቶም ምኽንያት ኣይገበሩዎን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ዝነበሮም ውሱን ትሕዝቶ ብተኣዛዝነት ተጠቕምሉ።​—⁠ዘሌዋውያን 12:8፣ ሉቃስ 2:​22-24

9-11. (ሀ) እቲ ኣብ ማቴዎስ 22:21 ዘሎ ቃላት የሱስ: ንገንዘብ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝህበና? (ለ) ስለምንታይ ኢዩ እቲ ናይታ መበለት ንእሽቶ ወፈያ ንኸንቱ ዘይቀረበ?

9 ድሕርዚ: እቶም ፈሪሳውያን ምስ ሄሮድሳውያን ኮይኖም: ንየሱስ “እንታይ ይመስለካ[?] ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን[?] እስኪ ንገረና” ኢሎም ክጠልፍዎ ፈተኑ። እቲ ናይ የሱስ ምላሽ ብልሂ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። የሱስ: ነቲ ዝሃብዎ ሰልዲ እናኣመልከተ “እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ[?]” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ናይ ቄሳር” ኢሎም መለስሉ። ሽዑ ንሱ ብጥበብ “እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ ደምደመ። (ማቴዎስ 22:​17–21) የሱስ እቲ ነታ ሰልዲ ዝሓተመ በዓል ስልጣን ግብሪ ክኽፈል ከም ዝጽበ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ግን የሱስ ንሰዓብቱ ይኹን ንጸላእቱ: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ’ ክህብ ይደሊ ምዃኑ ንኽርድኡ ሓጊዙዎም ኢዩ። እዚ ግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ሓደ ሰብ ስጋዊ ሃብቲ’ውን የጠቓልል ኢዩ።

10 እቲ የሱስ ኣብ ቤተ–መቕደስ ዝሃቦ ምስክርነት: ነዚ የብርሆ ኢዩ። ነቶም “ኣባይቲ መበለታት ዝውሕጡ” ጸሓፍቲ: ብልክዕ ኮኒንዎም ኢዩ። “ቍሊሕ ኢሉ: ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየ” ብምባል ሉቃስ ጸብጻብ የቕርብ። “ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ክልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ [የሱስ] ረኣየ እሞ፤ ካብ [ኵ]ላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እዚኣቶምሲ [ኵ]ላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ [ኵ]ሉ ምግባ እያ ዘውደቐት በለ።” (ሉቃስ 20:​46, 47፣ 21:​1–4) ገለ ካብቶም ሰባት እቲ ቤት መቅደስ: ብክቡር ኣእማን ምስላሙ ጠቐሱ። የሱስ ከኣ “እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም: ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” ኢሉ መለሰሎም። (ሉቃስ 21:​5, 6) ናይታ መበለት ሒደት ልግስስ ከንቱ ኢዩ ነይሩ ማለት ድዩ? ያእ ኣይፋሉን። ንሳ ነቲ ሓደ ግዜ የሆዋ ዘቖሞ ስርዓት ኢያ ደጊፋ።

11 የሱስ ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ “ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ: ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። (ሉቃስ 16:13) ስለዚ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ገንዘብና ክንጥቀመሉ ከሎና ቅኑዕ ሚዛን ከነርኢ እንኽእል?

እሙናት ኣሳሰይቲ

12-14. (ሀ) ክርስትያናት ናይ ኣየናይ ሃብቲ ኣሳሰይቲ ኢዮም? (ለ) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ በየናይ ዝበለጸ መገድታት ጌሮም ኢዮም ነቲ ኣሳሳይነቶም ብተኣማንነት ዝፍጽምዎ ዘለዉ? (ሐ) እቲ ሎሚ ንዕዮ ኣምላኽ ዝድግፍ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ?

12 ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ከሎና: ዘሎና ኵሉ ሃብትናውን ብምሉኡ ናቱ ኢዩ ኢልና ኢና። ስለዚ ነቲ ዘሎና ከመይ ጌርና ኢና ክንጥቀመሉ ዘሎና? ሓው ሲ. ቲ. ራስል: እቲ ቀዳማይ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ናይ ክርስትያን ኣገልግሎት ኣብ ጉባኤ ክዛረብ ከሎ “ነፍሲ ወከፍ ንገዛእ ርእሱ ብጐይታ ከም እተመዘዘ ኣሳሳዪ ናይ ግዜኡ: ሓይሉ: ገንዘቡ ወ.ዘ.ተ. ከም ዝኾነ ገይሩ ክሓስብ ኣለዎ: ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቲ ተውህቦኡ ንኽብሪ ጎይታ ኢሉ ክሳዕ ዝከኣሎ ክጥቀመሉ ክደሊ ኣለዎ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ዘ ኒው ክሪኤሽን ገጽ 345

13 ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:⁠2 “ምስናይዚ ኻብ [ኣሳሰይቲ ትሓዓ] ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ዝብል ተጠቒሱ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ኣካል ኮይኖም ናይ ኣመሃህራ ክእለቶም እናመሓየሹ: ንግዜኦም ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምሕላፍ ምስዚ መግለጺ እዚ ክሰማምዑ ኢዮም ዝጽዕሩ። ብተወሳኺ ናይ ወለንተኛታት ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ዞባዊ ናይ ህንጻ ከሚቴ ኮይኖም: ንኣምልኾ ድሉው ዝኾነ ጽቡቕ መኣከቢ ቦታታት ክሰርሑ ግዜኦም: ሓይሎምን ፍልጠቶምን ብፍታዎም ዝሃቡ ኣለዉ። የሆዋ በዚ ኹሉ ኣዝዩ ሕጕስ ኢዩ።

14 እቲ ነዚ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ወፈራን ናይ ህንጻ ስርሓትን ዝኸውን ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ? ከምቲ እታ ማሕደር: ክትህነጽ ከላ ዝነበረ: ካብቶም ፍታው ልቢ ዘለዎም ኢዩ ዝመጽእ። በብውልቅና ኣብዚ ንካፈልዶ ኣሎና? ኣጠቓቕማ ገንዘብና: ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ንዓና ልዑል ኣገዳስነት ከም ዘለዎዶ የርኢ ኢዩ? ብገንዘብ ዝመጸ እውን እሙናት ኣሳሰይቲ ንኹን።

ሓደ ኣብነት ናይ ልግሲ

15, 16. (ሀ) እቶም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያናት ልግሶም ከመይ ጌሮም ኢዮም ዘርኣዩ? (ለ) ነዚ ናይ ሕጂ ምይይጥና ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና?

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መንፈስ ልግሲ ናይቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካያን ዝነበሩ ክርስትያናት ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 15:26) ሽሕኳ ንርእሶም ስኡናት እንተነበሩ: ንኣሓዋቶም ንምሕጋዝ ብፍታው ወፍዮም ኢዮም። ጳውሎስ ነቶም ናይ ቈረንቶስ ክርስትያናት: ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ተረፎም ንጐደሎ ናይቶም ካልኦት ክምልእ ብልግሲ ክህቡ ኣተባብዖም። ዝኾነ ሰብ ንጳውሎስ ከም ብሓይሊ ዝወስድ ገይሩ ክኸሶ ዝኽእል የለን። ንሱ “እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ: እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:​1-3, 14፣ 9:​5-7, 13

16 ኣሕዋትን ተገደስቲ ሰባትን: ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ለጋስ ውህበታት: ነዚ መሰል እዚ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድንቅዎ ዘረጋግጽ ኢዩ። እንተኾነ ግን ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዘዘኻኸሮም: ንሕና ኸኣ ነዚ ዘረባዚ ከም መዘኻኸሪ ክንወስዶ ሰናይ ኢዩ።

17. እንታይ ኣገባብ ናይ ኣወሃህባ ኢዩ ጳውሎስ ዘተባብዐ: እዚኸ ሎሚ ክግበር ይከኣልዶ?

17 ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋት: ኣብቲ ኣወሃህባኦም ኣገባብ ክኽተሉ ኢዩ: ተማሕጺኑዎም። ንሱ “ኣብ ሰሰሙን በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ” በለ። (1 ቈረንቶስ 16:​1, 2) እዚ ንዓና ይኹን ንደቅና: ብመገዲ ጉባኤ ጌርና ወይ ቀጥታ ናብቲ ዝቐረበ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክንውፊ ከሎና ከም ኣብነት ኮይኑ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ከተማ ክሰብኩ እተመደቡ ሰብኣይን ሰበይትን ሚስዮናውያን: ነቶም ተገደስቲ ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሓብሩዎም ዓደምዎም። እዞም ሚስዮናውያን ኣብ መወዳእታ ናይዛ መጀመርታ ምርኻቦም: ኣብቲ “ወፈያታት ንዕዮ እታ መንግስቲ” እተጻሕፎ ሳጹን ብጥበብ ገለ ሰናቲም ኣቐመጡ። ካልኦት ተኣከብቲ ኸኣ ከምኡ ገበሩ። ድሕርዚ እዞም ሓደሽቲ ናይ ክርስትያን ጉባኤ ኮይኖም ምስ ተመሓደሩ: ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ በጽሖም እሞ ስርዓታውያን ኮይኖም ወፈያ ምግባሮም ነኣዶ።​—⁠መዝሙር 50:​10, 14, 23

18. ከመይ ጌርና ኢና ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ኣሕዋትና ክንሕግዝ እንኽእል?

18 ንሕናውን ነቶም ግዳያት ናይ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝኾኑን ኣብቲ ውግእ ዘናወጾ ከባቢታት ዘለዉን ንምሕጋዝ: ነቲ ዘሎና ሃብቲ ክንጥቀመሉ መሰል ኣሎና። ናብቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ናዕብታት እናስፋሕፍሐ ዝኸደሉ ዘሎ ክፍሊ ዓለም ማለት ምብራቕ ኤውሮጳ: ሓገዛት ከም ዝተላእከ ከነንብብ ከሎናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝትንክፈና! ናይ ኣቅሑትን ገንዘብን ወፈያታት: ኣብቶም እተሸገሩ ክርስትያናት ዝግለጽ ምሕዝነትን ልግስን ናይ ኣሕዋትና ዘርኢ ኢዩ።b​—⁠2 ቈረንቶስ 8:​13, 14

19. ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ንኽንሕግዞም እንታይ ተግባራዊ ዝኾነ ነገራት ምገበርና?

19 ነቲ ኣሕዋትና ከም ፓይነራት: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ሚስዮናውያን: ናይ ቤትኤል ወለንተኛታት ብምዃን ምሉእ ግዜኦም ኣብቲ ኣገልግሎት እናሕለፉ ዝዓይዎ: ዓቢ ግምት ኢና እንህቦ። ኣይኮነን ድዩ? ኵነታትና ከም ዘፍቅዶ: ንሕናውን ገለ ስጋዊ ደገፍ ብቐጥታ ክንህቦም ንኽእል ንኸውን። ንኣብነት ናይ ወረዳ ተዓዘቢ ንጉባኤኹም ክበ⁠ጽሕ ክመጽእ ከሎ: መዕረፊ መግቢ ከተዳልዉሉ ወይ ከኣ ናይ መጐዓዝያ ወጻኢታቱ ክትሽፍንሉ ትኽእሉ ትኾኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ በቲ ንኣገልገልቱ ክሕለየሎም ዝደሊ ሰማያዊ ኣቦና ከይተራእየ ኣይተርፍን ኢዩ። (መዝሙር 37:25) ገለ ዓመታት ይገብር: ሓደ ቅልል ዝበለ መግቢ ጥራይ ክቕርብ ዝኽእል ዝነበረ ሓው: ንሓደ ገያሺ ተዓዛብን ሰበይቱን ንገዝኡ ዓደ​ሞም። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ናብቲ ምሸታዊ ግራት ኣገልግሎት ክኸዱ ከለዉ: እቲ ሓው ነቶም ኣጋይሹ ሓንቲ ሰታሪት ኣብ ኢዶም ሃቦም። ኣብ ውሽጣ: ሓንቲ ናይ ባንክ–ኖትን (ማዕረ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር) ሓንቲ “ንኩባያ ሻሂ ወይ ንሓደ ጋሎን ነዳዲ” ዝብል እተጻሕፋ ንእሽቶ ወረቐትን ነበራ። በዚ ትሑት ዝኾነ ኣገባብ እዝስ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ሞሳ ኮን ኢዩ ዝተገልጸ!

20. ከመይ ዝበለ መሰልን ሓላፍነትን ኢና ሸለል ክንብሎ ዘይብልና?

20 ህዝቢ የሆዋ ብመንፈስ እተባረኹ ደይኮኑን! ኣብቲ ሓድሽ ጽሑፋትን ሰናይ ትምህርትን ተግባራዊ ምኽርን እንቕበለሉ ኣሰምብሊታትናን ዓበይቲ ኣኼባታትናን ዝቐርብ መንፈሳዊ ድግስ ንሕጎሰሉ ኢና። ምስቲ ልብና ነቲ መንፈሳዊ በረኸታት ዘሎና ሞሳ ምምልኡ: ነቲ ዓለምላኻዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፍሕፋሕ ዝውዕል ገንዘብ ንምውፋይ ዘሎና መሰልን ሓላፍነትን ኣይንርስዖን ኢና።

‘ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ’

21, 22. ሕጂ እቲ ቅኑዕ ክንገብር ዘድልየናስ “ገንዘብ ዓመጻ” ድሕሪ ቐረባ እንታይ ስለ ዝኸውን ኢዩ?

21 ብሓቂ: ኣብ ናብራና ኣምልኾ የሆዋ ከም እነቐድም ከነርእየሉ እንኽእል ኣዝዩ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። እዚ ከነርእየሉ እንኽእል እተፈልየ ኣድላዪ መገዲ ኸኣ ነቲ “ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበልኹምሲ: ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ” ዝብል ናይ የሱስ ምኽሪ ብምቕላብ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 16:⁠9

22 የሱስ: ውድቀት ናይ ገንዘብ ዓመጻ ከም ዝተዛረበ ኣስተብህሉ። እወ: ገንዘብ ናይዚ ኣገባብ’ዚ ዋጋ ዘይብሉ ዝኾነሉ መዓልቲ ክመጽእ ኢዩ። ህዝቅኤል “ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ: ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን . . . በታ መዓልቲ [ቍ]ጥዓ እግዚኣብሄር: ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን” ኢሉ ተነበየ። (ህዝቅኤል 7:19) እዚ ክሳዕ ዚኸውን: ኣብ ኣጠቓቕማ ናይቲ ዘሎና ስጋዊ ነገራት: ጥበብን ምስትውዓልን ከነርኢ ኣሎና። ስለዚ: ከምቲ የሱስ “ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትኾኑ: ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን ኢዩ[?] . . . ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽአሉን ኢኹም” ኢሉ ዘጠንቀቖም ብዘይምቕላብና ኣይክንጠዓስን ኢና።​—⁠ሉቃስ 16:​11-13

23. ነየናይ ኢና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ዘሎና: ዓስብናኸ እንታይ ክኽወን ኢዩ?

23 ስለዚ እምበኣር ኵልና ኣብ ናብራና ንኣምልኾ የሆዋ ከነቕድምን ነቲ ዘሎና ስጋዊ ሃብቲ ኩሉ ኸኣ ብጥበብ መታን ክንጥቀመሉን እሙናት ኮይንና ነዚ መዘኻኸሪታት ነቕልበሉ። በዚ ኸምዚ ምስቶም ገንዘብ ዋጋ ዘይብሉ ምስ ኮነ: ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ወይ ኣብታ ምድራዊት ገነት ብምሃብ “ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም” ክቕበሉና ምዃኖም እተመባጽዑልና የሆዋን የሱስን ዘሎና ዕርክነት ክንቅጽሎ ንኽእል።​—⁠ሉቃስ 16:⁠9

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ኣብዚ “ህያብ” ተባሂላ ዘላ እብራዊት ቃል: ቃል ብቓሉ ካብቲ “ልዕል ምባል፣ ምውዳስ፣ ምልዓል” ዝትርጉሙ ግሲ ዝመጸት ኢያ።

b ናይ የሆዋ መሰኻኽር​— ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል ብ1993 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ንዮርክ እተሓትመት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 307–315 ርአ።

ትዝክርዎዶ?

◻ የሆዋ ንእስራኤላውያን ነቲ ማሕደር ከወፍዩ ምስ ዓደሞም ብኸመይ መለሱ?

◻ ስለምንታይ ኢዩ እቲ ናይታ መበለት ወፈያ ከንቱ ዘይነበረ?

◻ ክርስትያናት ኣብቲ ኣጠቓቕማ ናይ ሃብቶም እንታይ ሓላፍነት ኢዮም ዝስከሙ?

◻ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ገንዘብና ብኸመይ ኢና ንጣዕሳ እነወግዶ?

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ናይታ መበለት ህያብ: ይውሓድ ድኣ ’ምበር ከንቱ ኣይነበረን

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

ህያባትና ነቲ ናይታ መንግስቲ ዓለምኻዊ ዕዮ ይድግፍ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ