ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
የሆዋ ካብ ጸላእቱ ይሕይል
ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብናይ ሓሶት ሃይማኖትን ጥንቆላን ገይሮም ነቲ ስብከት ናይቲ ብስራት ንምዕንቃፍ ንነዊሕ ግዜ ፈቲኖም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ቆረንቶስ 4:4 ብዛዕባ ናይ ሰይጣን እኩይ ዕላማ ከምዚ ይብል:- “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።”
ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሰይጣን ይሕይል። ጸላእቲ የሆዋ ነቲ “ኹሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ዝብል መለኮታዊ ፍቓዱ ከይተፈጸመ ንኽተርፍ ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓንቲኳ የለን። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) እዚ ዝስዕብ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ እተረኽበ ጸብጻብ ነዚ ዘጉልሕ ኢዩ።
◻ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ሃይማኖት ዝነበራ ርክብ ን20 ዓመታት ዝኸውን ድሕሪ ምቁራጻ: እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ጀመረት። እዚ እንደገና እተሓደሰ ተገዳስነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዙሕ ሕቶታት ከም እትሓትት ስለ ዝገበራ መልሲ መታን ክትረክብ ክሕግዛ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ሓቂ ከተናዲ ደለየት: ይኹን እምበር: ናብቲ ቅድም ዝነበረቶ ሃይማኖት ምምላስ ነቲ ግድላታ ከም ዘይፈትሓላ ከኣ ፈለጠት። ኣብ ክንድኡስ: ናብ ሓደ ናይ ሓራጅ መጻሕፍቲ ዝሽየጠሉ ድኳን ብምብጻሕ: ገለ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ መጻሕፍቲ እንተ ኣለዎም ብምሕታት ድማ ከተናዲ ጀመረት።
እታ ዋና እቲ ድኳን ሓንቲ ናይ ሃይማኖት መጽሓፍ ኣብቲ ድኳና ዘይኮነስ ኣብ ገዛ ከም ዝነበረታ ዘከረት። እታ ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ ዩ ካን ሊቭ ፎርኤቬር ኢን ፓራዳይዝ ኦን አርዝ እትብል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ነበረት። እታ ሰበይቲ ነታ መጽሓፍ ተገዲሳ ኣንበበታ ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታታ መልሲ ረኸበት። ብናይ ቴሌፎን መሓበሪ ገይራ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ምድላያ: ኣብ መወዳእታ ንዕኦም ረኺባ ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።
◻ ሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ክታብ መታን ክሽየጠላ ነቲ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ረክላም ክገብረላ ተወዓዓለቶ። እቲ ንዕኡ ዘመልክት ረክላም ድማ ‘ኣዝዩ ሓያል ዝኾነ ናይ ማእከላይ ዘበን ክታብ’ ይብል ነበረ። ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ረክላም ረኣየቶ። በቲ ኣብኡ እተዋህበ ቁጽሪ ቴሌፎን ገይራ ክትድውል ወሰነት: ነታ ሰበይቲ ከኣ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ምንጪ ሓይሊ ናይቲ ክታብ ተዛረበታ። መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ኣጋንንቲ ንጥፈት ዘለዎ ኣረኣእያ ዝገልጽ ምይይጥ ድማ ሰዓበ። እታ በዓልቲ ክታብ ዝኾነት መንእሰይ ሰበይቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ: ኣጋንንቲ ስለ ዘሸገርዋ ናብ ኣምላኽ ክሕግዛ ከም ዝጸለየት ገለጸትላ። እታ ምስክር ብቴሌፎን እንደገና ካልእ ግዜ ክዘራረባ መደብ ገበረት።
ስልኪ ምስ ገበረት እታ መንእሰይ ሰበይቲ ኣብ ገዛ ኣይነበረትን። ኣዲኣ በታ ስልኪ ገይራ “ንጓለይ እንታይ ከም ዝበልክያ ኣይፈልጥን ኢየ: ይኹን እምበር እቲ እተፈጸመ ተኣምራት ኢዩ!” ኢላ መለሰትላ። ድሕሪ እታ ናይ መጀመርያ ምድዋል: ጓላ ንኹሉ ሰይጣናዊ ስእልታትን መጽሓፍታን ደርብያ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከም ዝጀመረት ኣዘንተወትላ።
ብኡብኡ: ነታ መንእሰይ ሰበይቲ ብብሕቲ ንምብጽሓ መደባት ተገብረ። ንሳ ብቅልጡፍ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ኰነት። ከምኡውን ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ብምክፋል ምስቶም መሰኻኽር ክትሓብር ጀመረት። የሆዋ እንደገና እቲ ርጡብ ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ከም ዝበርህ ብምግባር ንኣጋንንቲ ሰዓሮም።