ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ኢኻ!
“ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ: ስለዚ ኸኣ [ብፍቕራዊ ሕያውነት ትሓዓ ] ሰሐብኩኺ። ”—ኤርምያስ 31:3
1. ኣብቶም ብመዓልትታቱ ዝነበሩ ተራ ህዝቢ ዝነበረ ኣረኣእያ ናይ የሱስ ካብቲ ናይቶም ፈሪሳውያን እተፈልየ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ?
እቶም ህዝቢ: “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ስለ ዝነበሩ ደንገጸሎም። እዚ ሰብኣይ እዚ: የሱስ: ከምቶም ሃይማኖታውያን መራሕቶም ኣይነበረን። ይሓልየሎም ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ኣዒንቱ ክርእይዎ ኪኢሎም ኢዮም። (ማቴዎስ 9:36) እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቶም ንሓደ ፈቃር: ምሕረተኛ ኣምላኽ ዝውክሉ ሕያዎት ጓሶት ክኾኑ ኢዩ ዝድለዮም ዝነበረ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ንሳቶም ነቶም ተራ ህዝቢ ከም ደናቑር—ከምኡውን እተረግሙ ገይሮም ብምንኣስ ኢዮም ዝምልከትዎም ነይሮም!a (ዮሃንስ 7:47-49፣ ምስ ህዝቅኤል 34:4 ኣነጻጽሮ።) ብሓቂ: ከምዚ ዝበለ ቄናን ዘይጽሑፋዊ ኣረኣእያ ካብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈለየ ኢዩ። ንህዝቡ ማለት ንእስራኤል ከምዚ ኢልዎም ነበረ:- “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ።”—ኤርምያስ 31:3
2. እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ እዮብ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ–ኣልቦ ምኽዋኑ ንከእምንዎ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም?
2 እንተኾነ ግን ፈሪሳውያን ነቶም ፍቱዋት ኣባጊዕ ናይ የሆዋ ዋጋ ከም ዘይብሎም ከእምንዎም ዝፈተኑ ቀዳሞት ኣይነበሩን። ንኹነታት እዮብ ርአ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጻድቕን መንቅብ ዘይብሉን ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር: እቶም ሰለስተ “መጸናናዕቲ”: እዮብ ርኹስ: ብዘይ ሓድጊ ዝመውት እኩይ ከዳዕ ኢዩ እናበሉ ብኣሽሙር ይዛረብዎ ነበሩ። ኣምላኽ ንመላእኽቱ እኳ ኣይኣምኖምን: ሰማይ ከኣ ኣብ ቅድሜኡ ንጹህ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ጽድቂ ናይ እዮብ ሓንቲ እኳ ከም ዘይጠቅም ብምርግጋጽ ተዛረቡ!—እዮብ 1:8፣ 4:18፣ 15:15, 16፣ 18:17-19፣ 22:3
3. ሰይጣን ሎሚ ንሰባት ዋጋ–ኣልቦን ዘይፍተዉን ምኽዋኖም ንከእምኖም እንታይ ኣገባባት ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ?
3 ሰይጣን: ሎሚውን እንተኾነ ገና ነዚ ሰባት ዘይፍተዉን ዋጋ ዘይብሎምን ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ‘ጐራሕ ሜላታት’ ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ። (ኤፌሶን 6:11 ትሓዓ እግረ–ጽሑፍ) ብሓቂ: ሰይጣን መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ዋጋ ኣልቦነቶምን ትዕቢቶምን ብምቕስቃስ ኢዩ ዘታልሎም። (2 ቈረንቶስ 11:3) ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ክብሪ ናይቶም ተኣፈፍቲ ሰባት ብምድቋስ እውን ይሕጐስ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር ዝኾነ “ዳሕሮት መዓልትታት” ሓቂ ኢዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብ ‘ባህርያዊ ምፍታው ዘይብሉ’ ስድራቤታት ኢዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፣ ብዙሓት ከኣ ምስቶም ጨካናት: ስሱዓት: ከምኡውን ደረቓት ዝኾኑ ሰባት ክጋጠሙ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ትሓዓ) ናይ ነዊሕ ዓመታት ጭካነ: ምፍልላይ ዓሌት: ጽልኢ: ወይ ዓመጽ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዋጋ ኣልቦን ዘይፍተዉን ምኽዋኖም ከረድኦም ይኽእል ይኸውን። ሓደ ሰብኣይ: “ንኻልኦት ከፍቅርን ብዝኾነ ሰብ ክፍቀርን ዝብል ስምዒት የብለይን። ኣምላኽ ብዛዕባይ ይግደስ ኢዩ ኢለ ንኽኣምን ኣዝዩ ኢዩ ዝጽግመኒ።”
4, 5. (ሀ) እቲ ሓሳብ ናይ ብሕታዊ ዋጋ–ኣልቦነት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ጻዕርታትና ሓንቲ እኳ ትኹን ዋጋ የብሉን ኢልና ምእማንና ሓደ ካብቲ ዘስዕቦ ሓደገኛ ውጽኢት እንታይ ኢዩ?
4 እዚ ሓሳብ ናይ ብሕታዊ ዋጋ–ኣልቦነት በቲ ኣውራ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ: ትምህርቲ በጅነት ገይርካ ክውገድ ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ኣጋጣሚ ክህልወና ኢሉ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ—ክቡር ህይወት ናይ ወዱ—እንተደኣ ከፊሉ: ብርግጽ የፍቅረና ኢዩ፣ ብርግጽ ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ዋጋ ዘሎና ኢና!
5 ብተወሳኺ: ካብቲ ጻዕርና ገለ እኳ ዋጋ የብሉን ብምባል ንኣምላኽ ነሐጕሶ ከም ዘየሎና ክስማዓናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተስፋ ዘቑርጽ ኢዩ! (ምስ ምሳሌ 24:10 ኣነጻጽሮ።) በዚ ኣሉታዊ ምርዳእ እዚ ዝመጸ: ብዝከኣል መጠን ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎትና ንኸነዕቢ ክሕግዘና ተባሂሉ እተወጠነ ቅኑዕ ምትብባዕ እውን እንተኾነ ንገሊኦም ብኣንጻሩ ምኹናን ኰይኑ ክረኣዮም ይኽእል ይኸውን። እንገብሮ ዘበለ ኹሉ እኹል ኣይኰነን ንዝብል ውሽጣዊ እምነትና ዘቃልሕ ኰይኑ ክረኣየና ይኽእል ይኸውን።
6. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንዝመጸና ሕሉፍ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እቲ ዝበለጸ መድሃኒት እንታይ ኢዩ?
6 ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ዝስምዑኻ እንተድኣ ኾይኖም: ተስፋ ኣይትቍረጽ። መብዛሕትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ገዛእ ርእስና ንነቅፍ ኢና። ቃል ኣምላኽ “ንምቕናዕ” ከምኡውን “ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት” እተነድፈ ምኽዋኑ ኸኣ ዘክር። (2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 2 ቈረንቶስ 10:4) ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ:- “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝ[ኾ]ነ: ንልብና ኣብ ቅድሜኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምኽዋንና በዚ ኢና እንፈልጥ።” (1 ዮሃንስ 3:19, 20) እምበኣር: ኣብ የሆዋ ክቡራት ምኽዋንና መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ሰለስተ መገድታት ንርአ።
ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡር ኢኻ
7. የሱስ ንኹሎም ክርስትያናት ብዛዕባ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዘለዎም ዋጋ ብኸመይ ኢዩ ዝማሃሮም?
7 ቀዳማይ: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ ከም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ይምህር። የሱስ ከምዚ በለ:- “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን[?] ኣብ ቅድሚ አምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ [ኹ]ለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ [ቑ]ጹራት እየን። እምበኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃስ 12:6, 7) ኣብቲ ግዜ እቲ: ጭሩ ገበላ ካብተን ከም መግቢ ዝሽየጣ ኣዕዋፍ እታ ዝሓሰረት ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር ካብኣተን ሓንቲ እኳ ትኹን ብፈጣሪኣ ግዲ ከይተገብረላ ኣይትጠፍእን ኢያ። በዚ ሓደ ዘደንቕ ምንጽጻር ይስረት:- ኣምላኽ—ነቶም ኣዝዮም ዝኸበሩ—ሰባት ብዝምልከት: ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ልክዕ ጸጕሪ ናይ ነፍሲ ወከፍና በብሓደ ከም እተቈጽረ ማለት ኢዩ!
8. የሆዋ ንጸጕሪ ናይ ርእስና ክፈቅድ ይኽእል ምኽዋኑ ምእማን ክውንነታዊ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?
8 ጸጕሪ ክቁጸር? ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ እዛ ክፍሊ እዚኣ ሓቅነት የብላን ኢልካ ትጠራጠር እንተድኣ ኰይንካ: ነዚ እስከ ሕሰበሉ:- ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝዝክሮም ከተንስኦም: ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ናይቲ እተሓላለኸ ናይ ስነ–ውርሻ ስርዓቶም ከምኡውን ነቲ ናይ ዓመታት ተዘክሮታቶምን ተመኩሮታቶምን ከይተረፈ እንደገና ክፈጥሮ ይኽእል ኢዩ። ምስ እዚ ክነጻጸር ከሎ (ብገምጋም ኣብ ሓደ ርእሲ ዝበቍል 100,000) ጸጕሪ ምቑጻር ቀሊል ስራሕ ኢዩ!—ሉቃስ 20:37, 38
የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝርእየና?
9. (ሀ) የሆዋ ዋጋ ዝህቦም ገለ ገለ ባህርያት እንታይ ኢዮም? (ለ) ከምዚ ዝበሉ ባህርያት ንዕኡ ክቡራት ምኽዋኖም እትሓስብ ስለምንታይ ኢዩ?
9 ካልኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ከመይ ገይሩ ከም ዝርእየና ይምህረና። ብቐሊሉ ንምግላጽ: በቲ ኣወንታዊ ባህርያትና ከምኡውን ጻዕርታትና ይሕጐስ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን: “እግዚኣብሄር ን[ኹ]ሉ ኣልባብ ይመራምሮ: ን[ኹ]ሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ” በሎ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ኣምላኽ ኣብዛ ዓመጸኛ: ጽልኢ ዝመልአት ዓለም: ንልቢ ናይ ቢልዮናት ሰባት ክመራምሮ ከሎ ሰላም: ሓቂ: ከምኡውን ጽድቂ ዘፍቅር ልቢ ክረክብስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝሕጐስ! (ምስ ዮሃንስ 1:47፣ 1 ጴጥሮስ 3:4 ኣነጻጽሮ።) ኣምላኽ ንዕኡ ዘፍቅርን ብዛዕባኡ ክማሃር ከምኡውን ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ንኻልኦት ከካፍልን ዝደሊ ልቢ ክረክብ ከሎስ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም? ኣብ ሚልክያስ 3:16: የሆዋ ነቶም ብዛዕባኡ ዝዘራረቡ ጽን ኢሉ ይሰምዖም ምኽዋኑ: “ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን” ዝኸውን ከኣ “መጽሓፍ መዘከርታ” ከም ዘለዎ እውን ይነግረና። ከምዚ ዝበሉ ባህርያት ንዕኡ ክቡራት ኢዮም!
10, 11. (ሀ) ገሊኦም የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ዋጋ ከም ዝህቦ ዘርኢ መርትዖ ካብ ግምት ንኸውጽእዎ ክዘዝዉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም? (ለ) ኣብነት ናይ ኣቢያ: የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ብኵሉ ኩርናዓት ዋጋ ከም ዝህቦ ዘርኢ ከመይ ገይሩ ኢዩ?
10 ይኹን እምበር: እቲ ናይ ርእሰ–ምኹናን ልቢ: ነቲ ከምዚ ዝበለ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ ዘሎና ምኽዋንና ዝገልጽ መርትዖ ይጻረሮ ይኸውን። ልቢ ‘በዞም ባህርያት እዚኣቶም ዝመጸ ካባይ ንላዕሊ ብዙሓት ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ኣለዉ። የሆዋ ምስኦም ከነጻጽረኒ ከሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ይሓዝን ይኸውን!’ ብምባል ብተደጋጋሚ ሕሹኽ ይብል ይኸውን። የሆዋ: ኣየወዳድርን ኢዩ ደረቕ እውን ኣይኰነን: ንሓደ ነገር ጽቡቕ ገይርካ ምግባሩ ወይ ምግዳፉ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣይኰነን። (ገላትያ 6:4) ንሱ ንኣልባብ ብዓቢ ዕምቈት ኢዩ ዝምርምሮ: ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ከኣ ብኹሉ ኩርናዓት ኢዩ ዋጋ ዝህቦ።
11 ንኣብነት: የሆዋ ነቲ ከሓዲ ስርወ–ንግስነት ናይ ንጉስ የሮብዓም ክጠፍእ: ከም “ፋንድያ” ክጽረግ ምስ ኣወጀ: ካብቶም ደቂ ንጉስ ሓደ ጥራይ: ኣቢያ: ንቡር ቀብሪ ክረክብ [የሆዋ] ኣዘዘ። ስለምንታይ? “ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ።” (1 ነገስት 14:10, 13) እዝስ ኣቢያ እሙን ኣምላኺ ናይ የሆዋ ነይሩ ማለት ድዩ? ከምቶም ዝተረፉ እኩያት ስድራቤቱ ስለ ዝሞተ ግድን ከምኡ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። (ዘዳግም 24:16) ገና ግን: የሆዋ ነቲ ኣብ ልቢ ናይ ኣቢያ ዝረኣዮ “ጽቡቕ ነገር” ዋጋ ሂቡ ብእኡ መሰረት ከኣ ስጕምቲ ወሰደ። ማቲው ሄንሪ ’ስ ኮመንተሪ ኦን ዘ ሆል ባይብል “ኣምላኽ ከምኡ ዝዓይነቱ ገለ ጽቡቕ ነገር ዝርከቦ ኢዩ ዝደሊ: ዝርኢ፣ ኣዝዩ ሒደት እውን ይኹን ብእኡ ይሕጐስ ኢዩ” ይብል። ከምኡውን ኣምላኽ ንእሽቶ እውን ይኹን ገለ ጽቡቕ ባህርይ እንተድኣ ረኺቡልካ ብተኣማንነት ከተገልግሎ ክሳዕ ዝጸዓርካ ነዛ ባህርይ እዚኣ ከም እትዓቢ ክገብራ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ።
12, 13. (ሀ) መዝሙር 139:1-3 የሆዋ ንጻዕርታትና ዋጋ ከም ዝህቦ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ? (ለ) የሆዋ ንንጥፈታትና ይመምዮ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል በየናይ መገዲ ኢዩ?
12 ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: የሆዋ ንጻዕርና ዋጋ ይህቦ ኢዩ። ኣብ መዝሙር 139:1-3: ከምዚ ነንብብ:- “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ: ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ: እንሆ: ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ: ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር: ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ስለዚ የሆዋ ንግብርታትና ይግንዘቦ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብ ምግንዛብ ንላዕሊ ኢዩ ዝገብር። ብቋንቋ እብራይስጢ: እታ “ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ” እትብል ሓረግ “ንብዘሎ መገድታተይ ተኽብሮ ኢኻ” ወይ “ንብዘሎ መገድታተይ ትሕብሕቦ ኢኻ” ዝብል ትርጉም እውን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 6:19, 20 ኣነጻጽሮ።) ኣዚና ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ከሎናስ የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንመገድታትና ክሕብሕቦ ዝኽእል?
13 ዘገርም ድማ: ገለ ምሁራት ከም ዝብልዎ: ዳዊት: የሆዋ ንእዋን ምኻዱን ምድቃሱን ከም ‘ዝምርምሮ’ ክጽሕፍ ከሎ: ብእብራይስጢ ቃል ብቓሉ “ምንፋይ” ወይ “ምብቋጽ” ማለት ኢያ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ ድማ ከምዚ ይብል:- “እዚ ማለት . . . ንኹሉ እቲ ብቑቡቕ ካብ ኵሉ እቲ እኽሊ ምፍላዩ—ነቲ ዋጋ ዘለዎ ምእካብ ማለት ኢዩ። እምበኣር ኣብዚ ኣምላኽ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከም ዝነፈዮ . . . ነቲ ብቑቡቕ ዝኾነ: ወይ ነቲ ኵሉ ዋጋ ዘይብሉ በቲኑ: ነቲ ዝተረፈ ናይ ሓቅን ጠቓምን ዝኾነ ድማ ኣስተብሂልሉ ማለት ኢዩ።” እቲ ናይ ርእሰ–ምኹናን ልቢ ድማ ንግብርታትና ብኣንጻራዊ መገዲ ብናይ ዝሓለፈ ኣበሳታት: ከምኡውን ንዕማማትና ዋጋ ከም ዘይብሎም ብምግባር ብዘይ ንሕስያ ይወቕሰና ይኸውን። ይኹን እምበር: ንሓጢኣትና ካብ ልቢ እንተደኣ ተናሲሕናሉን ከይንደግሞ ድማ ጽዒርናን የሆዋ ይቕረ ይብለልና ኢዩ። (መዝሙር 103:10-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ነቲ ጽቡቕ ግብርና ይመምዮን ይዝክሮን ኢዩ። ብርግጽ ንዕኡ እሙናት ኰይንና ክሳዕ ዝቐጸልና ንዘለኣለም ይዝክሮ ኢዩ። ነዚ ምርሳዕ ከም ዘይቅንዕና ኢዩ ዝቖጽሮ: ዘይቅኑዕ ድማ ኣይኰነን!—እብራውያን 6:10
14. የሆዋ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘሎና ንጥፈት ዋጋ ከም ዝህቦ እንታይ የርኢ?
14 ገለ ካብቶም ኣምላኽ ዋጋ ዝህቦም ሰናይ ዕዮታት ኣየኖት ኢዮም? ብውርዝውና: ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል እንገብሮ ዝኾነ ይኹን ነገራት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ብርግጽ ሓደ ኣገዳሲ ዕዮ: እቲ ምስፋሕ ብስራት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ሮሜ 10:15: ከምዚ ነንብብ:- “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ።” ሽሕኳ እዚ ስጋዊ ኣእጋርና “ጽቡቕ” ከም ዝኾነ ከይንሓስብ ንኽእል እንተኾንና እታ ጳውሎስ ኣብዚ እተጠቕመላ ቃል ምስታ እቲ ናይ ግሪኽ ትርጉም ሰብዓ ሰገድ ንርብቃ: ንራሄል: ንዮሴፍ ንምግላጽ እተጠቕመላ ቃል ሕደ እየን። እዞም ሰለስተ ሰባት ምልኩዓት ምንባሮም ተዘሪብሎም ኣሎ። (ዘፍጥረት 26:7፣ 29:17፣ 39:6) ስለዚ ኣብቲ ኣገልግሎት ናይ የሆዋ ኣምላኽና ምክፋልና: ኣብ ኣዒንቱ ኣዝዩ ምልኩዕን ክቡርን ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
15, 16. የሆዋ ንምጽማምና ዋጋ ዝህቦ ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ኣብ መዝሙር 56:8 ዘሎ ቃላት ናይ ንጉስ ዳዊትከ ነዚ ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሖ?
15 ካልእ ኣምላኽ ዋጋ ዝህቦ ባህርይ ከኣ ምጽማምና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:13) ሰይጣን ንየሆዋ ሕቖኻ ክትህቦ ይደሊ ምኻኑ ዘክር። እምበኣር ነፍሲ ወከፍ ንየሆዋ እሙን ዝኾንካላ መዓልቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ንጸርፊ ናይ ሰይጣን ምላሽ ንኽውሃብ ሓጊዝካ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ሓድሓደ ግዜ ምጽማም ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ናይ ጥዕና ጕድለት: ናይ ገንዘብ ጸገማት: ስምዒታዊ ጸቕጥታት: ከምኡውን ካልእ ዕንቅፋታት ንነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ መዓልቲ ፈታኒት ክገብርዋ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ገጽ ናይ ከምዚ ዝበለ ፈተናታት ምጽማም: ብፍላይ ንየሆዋ ክቡር ኢዩ። ስለ እዚ ኸኣ ኢዩ ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ንንብዓቱ ኣብ ምሳልያዊ “ጭልፎ” ክእክቦ ዝሓተቶ: ብምትእምማን ከኣ “ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን” ኢሉ ይሓቶ። (መዝሙር 56:8) እወ: የሆዋ ንኹሉ እቲ ንዕኡ ተኣማንነትና ምእንቲ ክንሕሉ እንጽመሞ ንብዓትን ስቓይን ይእክቦን ይዝክሮን ኢዩ። እዚኣቶምውን እንተኾነ ኣብ ኣዒንቱ ክቡራት ኢዮም።
16 ነቲ ዝጸበቐ ባህርያትናን ጻዕርናን ርኢኻ: የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ዋጋ ዝህቦ ነገራት ከም ዝረክብስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ብሩህ ኢዩ! እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ከም እትርእየና ብዘየገድስ: የሆዋ ከም ክቡራት ከምኡውን ከም ክፍሊ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ኢዩ ዝርእየና።—ሃጌ 2:7
የሆዋ ፍቕሩ ንኸርኢ እንታይ ከም ዝገበረ
17. ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ የሆዋን የሱስን ንነፍሲ ወከፍና ከም ዘፍቅሩና ከተኣማምነና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ?
17 ሳልሳይ: የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ከርኢ ብዙሕ ኢዩ ዝገብር። ብርግጽ: ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ነቲ ንሕና ዋጋ–ኣልቦን ዘይንፍቀርን ኢና ዝብል ሰይጣናዊ ሓሶት እቲ ቀንዲ ምላሽ ኢዩ። ነቲ የሱስ ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ዘሕለፎ ዘሳቒ ሞት ከምኡውን እቲ የሆዋ ሞት ናይ ዘፍቅሮ ወዱ ክዕዘብ ከሎ እተጸመሞ ዝዓበየ ስቓይ ንዓና ዘለዎም ፍቕሪ መረጋገጺ ምኽዋኑ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እቲ ፍቕሪ እቲ ኣባና ብብሕቲ ዝውዕል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ዝነበረ: በዚ ኸኣ ኢዩ “በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ አምላኽ” ኢሉ ዝጸሓፈ።—ገላትያ 2:20
18. የሆዋ ናብ ክርስቶስ ዝስሕበና በየናይ መገዲ ኢዩ?
18 የሆዋ በብውልቅና ካብቲ ረብሓታት መስዋእቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንጥቀም ብምሕጋዝ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ የርኢ ኣሎ። የሱስ ኣብ ዮሃንስ 6:44:- “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዝኽእል የልቦን” በለ። በቲ ነንብሕትና ዝበጽሓና ዕዮ ምስክርነት: ከምኡውን በቲ የሆዋ ሽሕ’ኳ ውሱን ዓቕምን ዘይፍጽምናን እንተሎና መንፈሳዊ ሓቅታት ንምርድኡን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ምእንቲ ክሕግዘና ዝጥቀመሉ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ: የሆዋ ብብሕትና ናብ ወዱን ናብቲ ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወትን ስሒቡና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ብዛዕባና ከምቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝበሎም ክብል ይኽእል ኢዩ:- “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ: ስለዚ ኸኣ [ብፍቕራዊ ሕያውነት ትሓዓ ] ሰሓብኩኺ።”—ኤርምያስ 31:3
19. መሰል ናይ ጸሎት የሆዋ ብብሕትና የፍቅረና ምኽዋኑ ከረድኣና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ?
19 ምናልባት በቲ መሰል ናይ ጸሎት: ንፍቕሪ የሆዋ ብኣዝዩ ዝጠበቐ መገዲ ገይርና ንሙኰሮ ንኸውን። ንነፍሲ ወከፍና ናብኡ ‘ከየባተኽና ክንጽሊ’ ኢዩ ዝዕድመና። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ጽን በሃላይ ኢዩ! “ጸሎት እትሰምዕ” እውን ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ። (መዝሙር 65:2) ነዚ ሓላፍነት እዚ ንኻልእ ኣካል: ንወዱ እውን ይኹን ኣይወከለን። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዚ ፈጣሪ ኣድማስ እዚ ብጸሎት:ብናይ ምዝራብ ናጽነት ክንቀርቦ ይምሕጸነና ኢዩ ዘሎ። ልመናና ንየሆዋ ምናልባት ክገብሮ ዘይመደቦ ነገር ክገብር ከለዓዕሎ ይኽእል ይኸውን።—እብራውያን 4:16፣ ያእቆብ 5:16፣ ኢሳይያስ 38:1–16 ርአ።
20. ፍቕሪ ኣምላኽ መን ከማይ በሃልትን ርእስና እንውድስን ንኽንከውን ምኽንያት ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ?
20 ሚዛናዊ ዝኾነ ክርስትያን ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ግምትን መርትዖ: ንገዛእ ርእሱ ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ንኽርእያ ከም ምኽንያት ኣይጥቀመሉን ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ድኣ: ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: በቲ እተወህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።” (ሮሜ 12:3) ስለዚ በቲ ምዉቕ ፍቕሪ ናይ ሰማያዊ ኣቦና እኳ ንሕጐስ እንተኾንና: ብኣእምሮ ጥዑያት ንኹን ናይ ኣምላኽ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘይግብኣና ምኽዋኑ ኸኣ ንዘክር።—ምስ ሉቃስ 17:10 ኣነጻጽሮ።
21. ነየናይ ሰይጣናዊ ሓሶት ኢና ብቐጻሊ ክንቃወም ዘሎና: ኵሉ ግዜ ኣዕሚቍና ክንሓስበሉ ዘሎና መለኮታዊ ሓቂኸ እንታይ ኢዩ?
21 ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሰይጣን ኣብዛ ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ዘሎ ኣረጊት ዓለም ዘምጽኦ ሓሳባት ንምቅዋም ዝከኣለና ዘበለ ኹሉ ንግበር። እዚ ነቲ ዋጋ ዘይብልና ኢና ወይ ኣይንፍቀርን ኢና ዝብል ሓሳብ ምንጻግ ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘሎ ህይወት ንገዛእ ርእስኻ እቲ ሰፊሕ ፍቕሪ ኣምላኽ ክስዕሮ ዘይክእል ተስፋ ዘቑርጽ ዕንቅፋት ከም ዝኾንካ ገይርካ ክትርእያ ወይ ድማ ነቲ ጽቡቕ ስራሕካ እቲ ኹሉ ዝርኢ ኣዒንቱ ዘየስተብህለሉ ብላሽ ምኽዋኑ ወይውን ሓጢኣትካ እቲ ክቡር ሞት ናይ ወዱ ክሽፍኖ ዘይክእል ኣዝዩ ብዙሕ ምኽዋኑ ምሂሩካ እንተድኣ ኣልዩስ: ሓሶት ኢኻ ተማሂርካ ዘሎኻ። ነዚ ሓሶት እዚ ምስ ኵሉ እቲ ዝግብኦ ጽልኢ ገይርካ ንጸጎ! ነቲ ኣብ ሮሜ 8:38, 39 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮና ንሓዞ “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ [ኾ]ኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ [ኾ]ነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ [ኾ]ነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረት እውን እንተ [ኾ]ነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ከም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ።”
[እግረ-ጽሑፍ]
a ከም ሓቂ: ነቶም ድኻታት “‘ኣም–ሃ’ኣ‘ረትስ” ወይ “ሓመድ ሓፋሽ” ብዝብል ናይ ምንኣስ ቃላት ገይሮም ይሰጕዎም ነበሩ። ብመሰረት ሓደ ምሁር ዝበሎ: እቶም ፈሪሳውያን: ነዚኣቶም ጥሪት ብሕድሪ ከይውሃቦም: ምስክርነቶም ከይእመን: ከም ኣጋይሽካ ዘይምቕባሎም: ጋሻኦም ከኣ ዘይምኽዋን: ካብኣቶምውን ከይዕደግ ይምህሩ ነበሩ። እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ጓልካ ሓደ ካብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክትምርዖ ማለት ንኣራዊት ኣሕሊፍካ ምሃባ ማለት ኢዩ ይብሉ ነበሩ።
እንታይ ምበልካ?
◻ ሰይጣን ዋጋ ዘይብልናን ዘይንፍቀርን ምኽዋንና ከረድኣና ዝፍትን ስለምንታይ ኢዩ?
◻ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዋጋ ይህበና ምኽዋኑ: የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝማሃረና?
◻ የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ባህርያትና ዓስቢ ከም ዝህቦ ከመይ ገይርና ንፈልጥ?
◻ የሆዋ ንጻዕርታትና ይእክቦ ምኽዋኑ ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል?
◻ የሆዋ ንዓና ከም ውልቀ ሰባት መጠን ፍቕሩ ብኸመይ ኣረጋጊጹልና?
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንኹሎም እቶም ንስሙ ዝሓስቡ ይዕዘቦምን ይዝክሮምን ኢዩ