እታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ኢያ
“ነቶም ንእግዚአብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። ”—ሚልክያስ 3:16
1, 2. ሚልክያስ ብዛዕባ ኣየነይቲ መፍርሂት መዓልቲ ኢዩ ዘጠንቅቕ?
መፍርሂት! ብ6 ነሓሰ 1945 ኣብ እዋን ወጋሕታ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ከም ቅጽበት ዓነወት። ገለ 80,000 ዝኣኽሉ ሰባት ሞቱ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ከኣ ቈሰሉ! ሓዊ ይባራዕ ነበረ! ነዚ ኹሉ ዝገበረ ኑክልየራዊ ቦምብ ኢዩ። እዚ መዓት እዚ ክወርድ ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ሓለፍዎ? ኣብ ሄሮሺማ ሓደ ምስክር ጥራይ ኢዩ ነይሩ: ንሱ ኸኣ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ንጽህንኡ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ናይ ቤት ማእሰርቲ መናድቕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ፍንጭልጭል ኢሉ ክፈርስ ከሎ ሓውና ግን ኣይተጐድአን። ከምቲ ንሱ ዝበሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ነቲጕ ኢዩ ወጺኡ: ምናልባት እቲ ቦምብ ዝፈጸሞ ሰናይ ነገር እንተሎ እዚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
2 እቲ ባርዕ ናይቲ ቦምብ ዘፍርህ እኳ እንተነበረ: ምስታ ገና ብሕጂ ክትመጽእ ዘለዋ “እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚአብሄር” ክነጻጸር ከሎስ ትርጕም ዘይብሉ ኰይኑ ኢዩ ዝሃስስ። (ሚልክያስ 4:5) እወ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘፍርሃ መዓልትታት ነይረን ኢየን: ይኹን እምበር እዛ መዓልቲ የሆዋ እዚኣ ንኹላተን ክትበልጸን ኢያ።—ማርቆስ 13:19
3. ኣብ መንጎ እቲ ናብቲ መዓት ዘምርሕ ዝነበረ “ስጋ ዘበለ [ኹ]ሉ”ን ስድራቤት ኖህን: ክስትብሃለሉ ዘለዎ ምንጽጻር እንታይ ኢዩ?
3 ኣብ ግዜ ኖህ “ስጋ ዘበለ [ኹ]ሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ:” ኣምላኽ ከኣ ከምዚ በለ:- “ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ: . . . እንሆ ድማ: ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።” (ዘፍጥረት 6:12, 13) ኣብ ማቴዎስ 24:39 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ: የሱስ ብዛዕባ እቶም ህዝቢ “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ን[ኹ]ሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” በለ። ይኹን እምበር እቲ እሙን ዝነበረ ኖህ: “ሰባኽ ጽድቂ:” ምስቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ስድራቤቱ ካብቲ መዓት ድሒኑ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 2:5
4. ብመሰረት ሰዶምን ጎሞራን እንታይ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኢዩ ዝወሃብ ዘሎ?
4 ይሁዳ 7 “ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን: . . . ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ: በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ [ኾ]ይነን አለዋ” ብምባል ይነግር። እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ብምኽንያት እቲ እተፈንፈነ ጽዩፍ ናብራኦም ጸኒቶም ኢዮም። ናይ ጾታዊ ርክብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ማሕበረሰባት ናይዛ ዘመናዊት ዓለም ይጠንቀቑ! ይኹን እምበር: ከምቲ ኣምለኽቲ የሆዋ ካብቲ ቀልጢፉ ክመጽእ ዘለዎ ዓቢ ጸበባ ዚዕቈቡ: እቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ሎጥን ኣዋልዱን ካብቲ መዓት ብህይወት ከም እተዓቍቡ: ኣስተብህል።—2 ጴጥሮስ 2:6–9
5. ካብቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ፍርዲ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል?
5 እምበኣር: የሆዋ ንየሩሳሌም: ነታ ሓደ ግዜ “ሓጐስ ኵላ ምድሪ” ዝነበረት ግርማዊት ከተማ ንኸጥፍኣ ወረርቲ ሰራዊት ክጥቀም ከሎ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት እስከ ርአ። (መዝሙር 48:2) እዞም ህዝቢ ኣምላኽ ዝበሃሉ ዝነበሩ: ሓቀኛ ኣምልኾ ብምሕዳጎም እዚ ዘሕዝን ፍጻመታት እዚ መጀመርታ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እንደገናውን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተፈጺሙ። ዘሐጕስ ግን: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ድሒኖም ኢዮም። እዚ ጥፍኣት ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. (ኣብ ታሕቲ ተሳኢሉ ዘሎ) “ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ” ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ። ነቲ ዓለወኛ ኣገባብ ናይ ኣይሁድ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣርሒቑዎ ኢዩ: ብርግጽ በዚ መዳይ እዚ “እንደገና [ትሓዓ ] ከቶ ዘይከውን” ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 13:19) ይኹን እምበር እቲ ዝወረደ መለኮታዊ ፍርዲ: ናይቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ጠቕላላ ኣገባብ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣንጸላልዩ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ጽላሎት ጥራይ ኢዩ ነይሩ።—ራእይ 7: 14 ትሓዓ።
6. የሆዋ መዓት ክፍጸም ዘፍቅድ ስለምንታይ ኢዩ?
6 ኣምላኽ ንህይወት ናይ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዘጥፍእ ሓደገኛ መዓት ክፍጸም ዘፍቀደስ: ስለምንታይ ኢዩ? ኣብ ኩነታት ናይ ኖህ: ሶዶምን ጎመራን ከምኡውን የሩሳሌም: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ መገዶም ኣበላሽዮም ዝነበሩ: ነዛ ምልክዕቲ ፕላኔት ቃል ብቓሉ ብምምራዝን ብሕስራን ናይ ስነ–ምግባርን ጠቐር ዘምሰሉ: ከምኡውን ሓቀኛ ኣምልኾ ዝኸሓዱ ወይ ዝነጸጉ ሰባት ኢዩ ፍርዲ ኣውሪዱ ዝነበረ። ሎሚ ንሕና ኣብ ገምገም ናይ ሓደ ንምልእቲ ዓለም ከጥለቕልቓ ዘለዎ ንኹሉ ዘጠቓለለ ፍርዲ ዝፍጸመሉ እዋን ኢና ዘሎና።—2 ተሰሎንቄ 1:6-9
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት”
7. (ሀ) ጥንታዊ መለኮታዊ ፍርድታት ናይ እንታይ ትንቢት ኢዩ? (ለ) እንታይ ግርማዊ ተስፋ ኢዩ ንዝመጽእ ተነቢሩ ዘሎ?
7 እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ እተፈጸሙ ጥፍኣታት ናይቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:3–13 ተገሊጹ ዘሎ መፍርሂ ዝኾነ ዓቢ ጸበባ ትንቢት ኢዮም ነይሮም። እቲ ሃዋርያ ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ [ኹ]ሉ እዚ ፍለጡ።” ጴጥሮስ ቀጺሉ: ኣብ መዓልትታት ኖህ ብምትኳር “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐ[ቍ]ሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚአብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ” ኢሉ ይጽሕፍ። ድሕርዚ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ጸበባ: እታ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረላ ግዝኣት ናይቲ መሲህ ዝኾነት መንግስቲ ሓድሽ ስፍሓት—“ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን”—ክትገብር ኢያ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ተስፋ ኰን ኢዩ!
8. ናይ ዓለም ፍጻመታት ናብ መወዳእታ ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ?
8 ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንና ኵነታት ዓለም ናብ መወዳእታ ገጹ እናገስገሰ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሽሕ’ኳ እቲ ምዕናው ናይ ሄሮሺማ መለኮታዊ መቕጻዕቲ እንተዘይነበረ: ኣብቲ የሱስ ነቲ መወዳእታ ግዜ እተነበዮ ‘መፍርሂ’ ክጥቕለል ይከኣል ኢዩ። (ሉቃስ 21:11) ገና ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ልክዕ ከም ናይ ማዕበል ደበና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ኑክልየራዊ ስግኣት ከም ዝጅምር ገይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እታ ናይ 29 ሕዳር 1993 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ: ኣብቲ ኣርእስተ–ዜና:- “እቶም ጠበናጁ መሪቶም ይኾኑ እቲ ኑክልየራዊ ኣጽዋር ግና ገና ተወልዊሉ ኢዩ ዘሎ” ትብል። ኣብ መንጐ እዚ ዝሓለፈ እዋን: ኣህጉራውን ዓሌታውን ቀቢላውን ውግኣት ዘፍርህ ፍረ ምዕጻድ ቀጺሎም ኢዮም። ኣብቲ ናይ ቀደም ውግኣት እቲ ዝሰፍሐ ብዝሒ ናይቲ ጕድኣት ኣብ መንጐ እቶም ወተሃደራት ኢዩ አይሩ። ሎሚ ግን: ምስቶም ስደተኛታት ኰይኖም ካብ ዓዶም ዝሃደሙ ሚልዮናት ሰባት ወሲኽካ 80 ካብ ሚእቲ ናይ ውግእ ጕድኣት ዝበጽሖም ሲቪል ምኽዋኖም ኢዩ ጸብጻብ ዝወሃብ።
9. ሃይማኖታውያን መራሕቲ ከመይ ገይሮም ኢዮም ምስ ዓለም ዘለዎም ምሕዝነት ዘርእዩ ዘለዉ?
9 ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ውግኣትን ደማዊ ሰውራታትን ንጡፋት ኰይኖም ብምክፋል: መብዛሕትኡ ግዜ ‘ንዓለም ፍቕሪ’ ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም ጌና ድማ የርእዩ ኣለዉ። (ያእቆብ 4:4) ገሊኦም ምስቶም ብዙሕ ኣጽዋር ዘፍርየ ናይ ሓሽሽ ማሕበራት ዝሃንጹን ምስቶም ናይዛ ናይ ንግዲ ዓለም ስሱዓት ናይ ንግዲ መሳፍንትን ተሓባቢሮም ኢዮም። ንኣብነት: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ብዛዕባ ምቕታል ናይ ሓደ ወዲ ደቡብ ኣመሪካ ናይ ሓሽሽ መስፍን ጸብጻብ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ናይ ሓሽሽ ንግዱ ብድሕሪ ሕጋዊ ጥሪት ናይ ንግድን ምስሊ ናይ ገቢረ–ሰናይን ብምሕባእ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ሬድዮ ጃህራኡ ከቕርብ ከሎ: ብናይ ሮማ ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ ኢዩ ዝስነ ነይሩ።” ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ድማ: እዚ መስፍን ሓሽሽ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ዝዓኑ ዝነበረ ህይወት ናይ ሚልዮናት ውሉፋት ሓሽሽ ዝኾኑ ሰባት ብተወሳኺ ብውልቁ ንቕትለት ናይ ኣሽሓት ሰባት መሪሑ ኢዩ ብምባል ጸብጻብ ይህብ። እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዘ ታይምስ ከኣ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:- “እቶም ቀተልቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምስጋና ተባሂሉ ንፍሉይ ቅዳሴ ይኸፍሉ ኢዮም . . . ኣብዛ እዋን እዚኣ ኸኣ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ቀብሪ ናይቲ እተቐትለ ቅዳሴ ይግበር።” ከመይ ዝበለ ረሲእነት ኰን ኢዩ!
10. ኩነታት ዓለም እናኸፍአ ምኻዱ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና?
10 ብኣጋንንቲ እተደረኹ ሰባት ኣብ ልዕሊ እዛ ምድሪ እዚኣ ገና ዕንወት የውርዱ ከም ዘለዉ ዝፈልጥከ መን ኢዩ? ከምቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 ዝብሎ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ” ሰይጣን ድያብሎስ “ተታሒዛ አላ።” ሎሚ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” (ራእይ 12:12) ዘሐጕስ ግን: ሮሜ 10:13 “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚአብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።
ኣምላኽ ንኽፈርድ ይመጽእ ኣሎ
11. ኣብ እስራኤል ንትንቢት ሚልክያስ ዘለዓዓለ ኩነታት እንታይ ኢዩ?
11 ትንቢት ሚልክያስ ኣብዚ ቀረባ መጸኢ እዋን ኣብ ደቅሰብ እንታይ ኪፍጸም ከም ዘለዎ የብርሆ ኢዩ። ሚልክያስ ኣብቲ ካብ ነዊሕ ተተሓሒዙ ዝመጸ መስመር ናይ ጥንታውያን እብራውያን ነብያት ኣብ መወዳእታ ዝርዝር ኢዩ ዘሎ። እስራኤላውያን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምዕናው ናይ የሩሳሌም ርእዮም ኢዮም። ይኹን እምበር 70 ዓመታት ጸኒሑ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርእዩ ነበረ። እንተኾነ ግን: ኣብ ውሽጢ ሚእቲ ዓመታት እስራኤላውያን እንደገና ናብ ክሕደትን እከይን ተመልሱ። እቶም ህዝቢ ነቲ ጻድቕ ሕግታቱ ብምንዓቕ: ንየሆዋ ኣሕሰርዎ: ከምኡውን ንመስዋእቲ ዝኾኑ ዕዉራት: ሓንካሳት: ሕሙማት እንስሳታት ብምምጻእ ንቤተ–መቕደሱ ኣርከስዎ። ጓኖት ኣንስቲ ምእንቲ ክምርዓዉ ኸኣ ንኣንስቶም ይፈትሕወን ነበሩ።—ሚልክያስ 1:6–8፣ 2:13–16
12, 13. (ሀ) ነቲ ክፍሊ ቅቡኣት ካህናት ከመይ ዝበለ ምኹላዕ ኢዩ ኣድላዪ ዝነበረ? (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን እንተኾኑ ካብቲ ምጽራይ ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙ?
12 ናይ ምኹላዕ ዕዮ የድሊ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኣብ ሚልክያስ 3:1–4 ተገሊጹ ኣሎ። ልክዕ ከምቶም ጥንታውያን እስራኤል ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ብሚልክያስ እተገልጸ ናይ ምኹላዕ ዕዮ ኣባታቶም ድማ ምእንቲ ክውዕል ክጸርዩ ኣድልይዎም ነበረ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ናብ መወዳእታኡ ገጹ ክቐርብ ከሎ: ገለ ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ መሰኻኽር: ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ንጹር ዝኾነ ገለልትነት ኣይሕልዉን ኢዮም ነይሮም። የሆዋ ብ1918 ንየሱስ ክርስቶስ: ‘ልኡኽ ናይቲ ኪዳን:’ ነታ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ ኣምለኽቱ ካብ ዓለማዊ ኣበራት ምእንቲ ከጽርያ ኢሉ ናብቲ ናይ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ምድላዋት ለኣኾ። የሆዋ ብትንቢት ከምዚ ኢሉ ሓቲቱ ነበረ:- “ግናኸ ንሱ ኸም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ: ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ[?] ንሱ ኺግለጽ ከሎስ: መን ይቐውም[?] ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪ[ኹ]ልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ ኢዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም: ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪ[ኹ]ልዖም እዩ: ንሳቶምውን ንእግዚአብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውእሉ እዮም።” ከም ዝጸረዩ ህዝቢ መጠን: ነዚ ብልክዕ ገይሮምዎ ኢዮም!
13 እቶም ቅቡኣት ናይ ካህናት ጕጅለ ቍጽሮም 144,000 ጥራይ ኢዩ። (ራእይ 7:4–8፣ 14:1, 3) እንተኾነ ግን: ብዛዕባ እቶም ካልኦት ሎሚ ዘለዉ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናትከ? እዞም ሕጂ ብሚልዮናት ዝውሰኹ ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” (ትሓዓ) ዘቍሙ እውን ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ብምጽዕዳው’ ካብቲ ዓለማዊ መገድታት ክጸርዩ ኣለዎም። (ራእይ 7:9, 14) ስለዚ: ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ናይቲ ገንሸል: የሱስ ክርስቶስ: እምነት ብምርኣይ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽፉፍ ኣቃውማ ክሕዙ ክኢሎም ኢዮም። ካብቲ ጠቕላላዊ ዓቢ ጸበባ: እታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ: ናይ ምድሓን መብጽዓ ተዋሂብዎም ኢዩ።—ጸፎንያስ 2:2, 3
14. ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድሽ ባህርይ ክኹስኩሱ ከለዉ ነየኖት ቃላት ኢዮም ከቕልቡለን ዘለዎም?
14 እዞም ዓቢ ጭፍራ ምስቶም ተረፍ ካህናት ሓቢሮም: ነዘን ተወሰኽቲ ናይ ኣምላኽ ቃላት ከቕልቡለን ኣለዎም:- “ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ: ኣነ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ ብዓል ዓስቢ ዓስቡ ዚዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን . . . ኣነ እግዚአብሄር ኣይልወጥን እየ።” (ሚልክያስ 3:5, 6) ናይ የሆዋ ስርዓታት ፈጺሙ ኣይተለወጠን: ስለዚ ሎሚ ህዝቡ ብፍርሃት የሆዋ ነቲ ክርስትያናዊ ባህርያት ምኹስኳስ ክቕጽሉ ከለዉ: ካብ ኩሉ ዓይነታት ናይ ኣምልኾ ጣኦት ክርሕቑ: ሓቀኛታት ከምኡውን እሙናትን ሕያዎትን ክኾኑ ኣለዎም።—ቈሎሴ 3:9–14
15. (ሀ) የሆዋ እንታይ ናይ ምሕረት ዕድመ ኢዩ ዝዝርግሕ ዘሎ? (ለ) ንየሆዋ “ምስራቕ” ከነወግድ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና?
15 የሆዋ ንዝኾነ ካብቲ ጽድቃዊ መገድታቱ ዝርሕቕ ሰብ ሓደ ዕድመ ይዝርግሓሉ ኣሎ: ከምዚ ብምባል:- “ናባይ ተመለሱ: ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ:” እዚኣቶም “ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ[?]” ኢሎም እንተድኣ ሓቲቶም: ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ።” የሆዋ “ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ[?]” ንዝብል ተወሳኺ ሕቶ ክምልስ ከሎ ኸኣ: እቲ ዘዝበለጸ ንመስዋእቲ ኣገልግሎት ቤት መቕደሱ ክኸውን ብዘይምምጽኦም ከም ዝሰረቕዎ ይዛረብ። (ሚልክያስ 3:7, 8) ክፍሊ ናይ ህዝቢ የሆዋ ብምኽዋን: እቲ ዝበለጸ ጉልበትና: ክእለትና: ከምኡውን ስጋዊ ሃብትና ንኣገልግሎት የሆዋ ክንውፊ ክንብህግ የድልየና ኢዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንሰርቆ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ንደሊ።’—ማቴዎስ 6:33
16. ኣብ ሚልክያስ 3:10–12 እንታይ ምትብባዕ ኢና እንረክብ?
16 ከምቲ ሚልክያስ 3:10–12 ዝሕብሮ ንኹሎም እቶም ናይ ንርእሰይ ይጥዓመንን ስጋውን መገድታት ናይ ዓለም ዝነጽጉ ሰባት ዓቢ ዓስቢ ኣለዎም:- “ሽዑ መሳ[ኹ]ቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዓዘቡኒ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” የሆዋ ንኹሎም መማሰውቲ ዝኾኑ ሰባት መንፈሳዊ ብልጽግናን ምሉእ ፍረን ይመባጻዕ። ወሲኹ ድማ: “ምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ: ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም:” ኢሉ ይዛረብ። እዚ ኣብ መንጐ እዞም ሎሚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ኣመስገንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ከምኡ ምኽዋኑ ኣይተረጋገጸን ድዩ?
ሓለውቲ ንጽህና ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት
17-19. (ሀ) እቲ ናይ ሩዋንዳ ናዕቢ ንኣሕዋትና ብኸመይ ተንኪፉዎም? (ለ) እዞም ኵሎም እሙናት ሰባትከ እንታይ እምነት ብምግባር ኢዮም ንቕድሚት ዝቐጸሉ?
17 ኣብዚ ነጥቢ እዚ: ብዛዕባ ንጽህና ናይቶም ሩዋንዳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓሳብ ክንህብ ንኽእል ኢና። ኵሉ ግዜ እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ መስዋእቲ ናብቲ ናይ የሆዋ ቤት ኣምልኾ የምጽኡ ኢዮም ዘለዉ። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 1993 ዝገበርዎ ናይ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባኦም: እቶም 2,080 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ጠቕላላ ቍጽሪ ተኣከብቲ 4,075 በጽሑ። ሓደስቲ እተጠምቁ መሰኻኽር 230 ነበሩ: ካብዚኣቶም ከኣ ዳርጋ 150 ዝኾኑ ኣብታ እትስዕብ ወርሒ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ተመዝገቡ።
18 ኣብ ሚያዝያ 1994 ዓሌታዊ ጽልኢ ምስ ተባርዐ: እቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ኪጋሊ ዝነበረ ናይ ከተማ ተዓዛብን ብምሉኦም ስድራቤቱን: ዝርከቡዎም ኣሕዋት እንተወሓደ 180 ዝኾኑ መሰኻኽር ተቐቲሎም ኢዮም። እቶም ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበሩ: 4 ሁቱ 2 ከኣ ቱትሲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ተርጐምቲ: እቶም ቱትሲ ኣሕዋት ሃዲሞም ኣብቲ መፈተሺ ቦታ ክሳዕ ዝቕተሉ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ንሓያለ ኣዋርሕ ስራሖም ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ: እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ: ነቲ ዝተረፈ ናይ ኮምፒዩተር መሳርሒኦም ተሰኪሞም ናብታ ኣብ ዛየር እትርከብ ጐማ ሃደሙ: ኣብኡ ኰይኖም ከኣ ብተኣማንነት ንግምቢ ዘብዐኛ ናብ ቋንቋ ኪንያሩዋንዳ ምትርጓም ይቕጽሉ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 54:17
19 እዞም ስደተኛታት መሰኻኽር እዚኣቶም: ሽሕ’ኳ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እንተነበሩ: ኵሉ ግዜ ቅድሚ ስጋዊ ስንቂ መንፈሳዊ መግቢ ኢዮም ዝሓተቱ። ኣብ ብዙሕ ዓድታት ዘለዉ ፈቃራት ኣሕዋት: ብዓቢ መስዋእቲ ረዲኤት ክሰዱሎም ክኢሎም ኢዮም። እዞም ስደተኛታት ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ብኣዘራርባኦም ይኹን ብተኣዛዝነቶም ዘገርም ምስክርነት ሂቦም ኢዮም። ብርግጽ እቲ ዝበለጸ ናብ ኣምልኾ የሆዋ ምምጻእ ቀጺሎም ኢዮም። ከምቲ ኣብ ሮሜ 14:8 ተገሊጹ ዘሎ: ምስ ናይ ጳውሎስ ዝመሳሰል እምነት ኢዮም ኣርእዮም:- “ብህይወት እንተነበርና: ንጐይታ ኢና እንነብር: ወይስ እንተ ሞትና: ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ: ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና: ናይ ጐይታ ኢና።”
20, 21. (ሀ) ኣብቲ ናይ የሆዋ መጽሓፍ መዘከርታ ዘይተጻሕፈ ናይ መን ኣስማት ኢዩ? (ለ) ኣብቲ መጽሓፍ ናይ መን ኣስማት ኢዩ ዝርአ: ስለምንታይከ?
20 የሆዋ ናይ ኵሎም እቶም ንእኡ ብንጽህና ዘገልግልዎ ጸብጻብ ይሕዝ ኢዩ። ትንቢት ሚልክያስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚአብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።”—ሚልክያስ 3:16
21 ሎሚ ንሕና ንስም የሆዋ ብምኽባር ኣምላኻዊ ፍርሃት ከነርእስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ! ከምዚ ብምግባርና: ነቶም ብኣድናቖት ንኣገባብ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝድግፉ ዝወርዶም ተሪር ፍርዲ ኣይክወርደናን ኢዩ። ራእይ 17:8 ነዚ “ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ” ኢሉ ይገልጾ። ኣብቲ ናይ የሆዋ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘሎ ዝበለጸ ስም: ናይቲ ቀንዲ ወኪል ህይወት ዝኾነ: ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ማቴዎስ 12:21 “ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም” ብምባል ይገልጽ። ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ንኹሎም እቶም ኣብቲ በጅነት እምነት ዘርእዩ ውሕስነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ይህብ ኢዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ኣስማት ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ምስ ናይ የሱስ ስም ክጽሓፍስ: ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!
22. የሆዋ ፍርዲ ከውርድ ከሎ እንታይ ምፍልላይ ኢዩ ብግልጺ ኪርአ?
22 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ፍርዲ ብኸመይ ኪሓልፍዎ ኢዮም? የሆዋ ኣብ ሚልክያስ 3:17, 18 ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ: ክንሕፎም እየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” እቲ ምፍልላይ ንኹሉ ግልጺ ኪኸውን እዩ:- እቶም ረሲኣን: ናብ ዘለኣለማዊ ምቑራጽ ይፍለዩ: እቶም ጻድቃን ድማ: ኣብ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይቕበሉ። (ማቴዎስ 25:31–46) ስለዚ እምበኣር ዓቢ ጭፍራ ናይ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ካብታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ ክድሕኑ ኢዮም።
ትዝክርዶ?
◻ የሆዋ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ፍርድታት ኢዩ ዘውርድ ዝነበረ?
◻ እዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ናይ ጥንቲ ግዚያት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ?
◻ ንፍጻሜ ትንቢት ሚልክያስ እንታይ ምኹላዕ ኢዩ እተፈጸመ?
◻ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ መዘከርታ ናይ መን ኣስማት ኢዩ ዝጸሓፍ ዘሎ?