ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/6 ገጽ 3-5
  • ተስፋ ናይ ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተስፋ ናይ ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብልሽውና ይትንክፈካ ኢዩ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ከም ዝነግረና
  • ሰባት ክልወጡ ይኽእሉ ኢዮም
  • ናይ የሆዋ ተስፋ
  • ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንብልሽውና ብናይ መንፈስ ሰይፊ ምቅላሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብልሽውና—ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መንግስቲ ኣምላኽ—ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት መንግስቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/6 ገጽ 3-5

ተስፋ ናይ ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም

ብልሽውና ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይ ማሕበረሰብ ሰሊዅ ይኣቱ ኣሎ። ኣብ ምምሕዳር: ስነ–ፍልጠት: ስፖርት: ሃይማኖት: ወይ ንግዲ ብልሽውና ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ኢዩ ዝመስል።

ኣብ መላእ ዓለም ዘሕዝን ዜና ናይ ብልሽውና ኣብ ኣርእሰተ ዜና ይወጽእ ኣሎ። ብዙሓት ንጥቕሚ ናይ ህዝቢ ክሰርሑ ኢሎም ዝመሓሉ ግቦን መዕበሲ ኣፍን ብምቕባል ንናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ዘገልግሉ ምዃኖም ይቃልዑ ኣለዉ። እቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ዝገብርዎ ዓመጽ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኢዩ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝለዓለ ማሕበራዊ ወይ ኤኮኖምያዊ ቦታ ዘለዎም ሰባት በቲ ምስቲ ስርዓታዊ ስራሖም እተተሓሓዘ ዝገብርዎ ከቢድ ናይ ቅጥዐ–ምግባር ከምኡውን ሕጊ ናይ ምፍራስ ወንጀል ገበነኛታት ኢዮም።

ሓደ ናይ ኤውሮጳ ጋዜጣ “ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ሰበ ሰልጣናት: ሚኒስተራት: ከምኡውን ብዙሕ ግዜ ርእሰ ብሔራት ናይ ዓበይቲ ዕዳጋታትን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትን ፍቓድ ቅድሚ ምሃቦም ክኽፈሎም ዝደልይሉ ልምዲ​—⁠‘ዓቢ ብልሽውና’” ኢሉ ዝገለጾ ቀጻሊ ሻቕሎት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ሓንቲ ሃገር እተገብረ መጽናዕቲ “ናይ ክልተ ዓመት ናይ ፖሊስ መርመራን ዳርጋ መዓልታዊ ዝግበር ማእሰርትን ነዚ ዘይዕረ ብልሽውና ክዓግቶ ኣይከኣለን” ብምባል እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዘ ኤኮኖሚስት እተባህለ መጽሔት ይገልጽ።

ሎሚ: ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ብልሽውና: ብዙሓት ዝኣምንዎ ሰብ ከም ዘየሎ ኰይኑ ይስምዖም። ነቲ ስምዒታት ናይቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዳዊት:- “ኵላቶም ዘምቢሎም: ብዘለዉ ዅላቶም [ተበላሽዮም ትሓዓ]: ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን: ሓደ እኳ የልቦን” ዝበሎ የቃልሕዎ ኣለዉ።​—⁠መዝሙር 14:⁠3

ነዚ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ክውንነት ናይ ብልሽውና ብኸመይ ኢኻ ብዓወት ክትጋጠሞ እትኽእል? ሎሚ: ዝበዝሑ ሰባት ሸለል ኢዮም ዝብልዎ። ግን ሸለል እንተ በልካዮ እውን ገና ክጐድኣካ ኢዩ። ብኸመይ?

ብልሽውና ይትንክፈካ ኢዩ

ክልቲኡ ዝለዓለን ዝተሓተን ደረጃታት ብልሽውና: ንናይ ናብራ ዋጋ ይውስኸሉ: ናይ ፍርያት ጽሬት ይንኪ: ከምኡውን ዝወሓደ ስራሕን ዝተሓተ ደሞዝን የስዕብ ኢዩ። ንኣብነት: ብምጥፍፋእን ብምትላልን እተገብሩ ገበናት: ዓሰርተ ዕጽፊ ናይቲ ብዝርፍያን ስርቅን ከምኡውን ፍግሪ ዝጠፍአ ድምር ዋጋ ከም ዝዀነ ይግመት። ዘ ኒው ኤንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1992) “እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት በተን ትካላት ዝግበር ዓመጽ ኣብ ዓመት $200,000,000,000​—⁠ሰለስተ ዕጽፊ ዋጋ ናይቲ ብጥርኑፍ ዝግበር ዓመጽ​—⁠ከም ዝዀነ ተገሚቱ ኣሎ ትብል። እቲ ሳዕቤን ብርግጽ እኳ ክፍለጥ እንተ ዘይተኻእለ “ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ኣብ ድሕነት ናይ ሰራሕተኛታትን ተጠቀምትን ከምኡውን እቲ ከባብን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ” ብምባል: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምንጪ ይገልጽ።

እዚ መሪር ፍረ ናይ ብልሽውና እዚ ንቓላት ንጉስ ሰሎሞን ኢዩ ዘዘኻኽረና:- “ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ ተመልከትኩ: እነሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: [ብወገን እቶም ገፋዕቶም ድማ ሓይሊ ነበረ ትሓዓ]: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።”​—⁠መክብብ 4:⁠1

እሞ ንብልሽውና ኢድና ክንህብ ዲና? ክተርፍ ዘይክእል ነገር ድዩ? ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም ክትህሉኸ ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ድዩ? እቲ ዘሐጕስ: መልሱ ኣይኰነን ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፍትሓውነትን ዓመጽን ቀልጢፉ ከልግስ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝምህረና።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ከም ዝነግረና

መጽሓፍ ቅዱስ: ብልሽውና ሓደ ሓያል መልኣኽ ኣንጻር ኣምላኽ ምስ ዓለወን ነቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣውያን ጽምዲ ድማ ከም ዝሓብርዎ ገይሩ ምስ ደፋፍኦምን ከም እተጀመረ ኢዩ ዝነግረና። (ዘፍጥረት 3:​1-6) ካብቲ ሓጥእ ስጕምቶም ዝፈረየ ዋላ ሓደ ጽቡቕ ነገር የለን። ኣብ ክንዳኡስ: ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ኣምላኽ ዝሓጥኡሉ ግዜ ጀሚሩ: ሕማቕ ሳዕቤን ናይ ብልሽውና ኢዮም ከሕልፉ ጀሚሮም። ኣካላቶም ናብቲ ዘይተርፍ ሞት ዝመርሕ ቀስ እናበለ ዝመጽእ ናይ ምንቍልቋል መስርሕ ጀመረ። (ዘፍጥረት 3:​16-19) ካብ ሽዑ ጀሚሩ ታሪኽ ብናይ ግቦን ምትላልን ጕሕለትን ጸብጻብ መሊኡ ኣሎ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም ከምዚ ዝገበሩ ካብ መቕጻዕቲ ዘምለጡ ኢዮም ዝመስሉ።

ከምቲ ናይ ተራ ገበነኛታት ዘይኰነስ: ብልሽዋት ፈጸምቲ ኣካላትን ፖለቲካውያንን ሳሕቲ ኢዮም ዝእሰሩ ወይ ድማ ነቲ ካብ ገንዘብ ሓራም ዝረኸብዎ ረብሓ ካሕሳ ዝኸፍልሉ። ብምኽንያት እቲ ምስጢራዊ ኵነታት ናይ ጉቦ: መዕበስ ኣፍ ከምኡውን ናጻ ክፍሊት ዝበዝሕ ግዜ ዘለዓለ ደረጃ ናይ ብልሽውና ከተቃልዖ ከቢድ ኢዩ። እዚ ግን: ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ዘይፍጸም ሕልሚ ኢዩ ማለት ኣይኰነን።

ካብ ብልሽውና ምንጋፍ ካብቲ ፈጣሪ ናይ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዝመጽእ። እቲ እንኮ መፍትሒ ናይ መለኮታዊ ኢድ ምትእትታው ኢዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ጸላኢ ወድሰብ: ሰይጣን ድያብሎስ: ንደቅሰብ ምስሓት ክቕጽል ኢዩ። ከምቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:​19 እነንብቦ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ።’ ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብልሽውና ምኽንያቱ ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ምዃን ኢዩ: ካብ ዝብል ንላዕሊ ክገልጾ ዝኽእልስ እንታይ ኣሎ?

ንሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ ሰብ የሎን። ንእዙዛት ደቅሰብ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ክረጋገጸሎም ዝኽእል ናይ መለኮታዊ ኢድ ምትእትታው ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ። (ሮሜ 8:21) የሆዋ: ሰይጣን ድሕሪ ደጊም ንደቅሰብ ምእንቲ ከየስሕቶም ቀልጢፉ ክእሰር ምዃኑ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። (ራእይ 20:⁠3) ኣብታ ካብ ብልሽውና ናጻ ዝዀነት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ኴንና: ክሳዕ ሽዑ ነዚ ብልሹው ዝዀነ መገድታት ዓለም ክንነጽጎ ኣሎና።

ሰባት ክልወጡ ይኽእሉ ኢዮም

ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝነበረሉ ግዜ: ስልጣኖም ብዘይ ኣግባብ ዝጥቀሙሉን ንብጾቶም ዝጭቁኑን ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ዋላ እኳ እቲ ግሉጽ ሕጊ ኣምላኽ “መማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውር: ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ: መማለዲ ኣይትውሰድ” ዝብል እንተ ነበረ: እቶም ተገውቲ በቲ ብልሹው ተግባራቶም ዕሉላት ኢዮም ነይሮም። (ዘጸኣት 23:⁠8) ዘኬዎስ: ሓለቓ ተገውቲ: ብናይ ሓሶት ክሲ ብሓይሊ ይወስድ ከም ዝነበረ ተኣመነ። ይኹን እምበር: የሱስ ብሰፊሑ ማሕበራዊ ጽገና ክገብር ኣብ ክንዲ ዝፍትን ንውልቀሰባት ኢዩ ክናስሑን ነቲ በልሹው መገድታቶም ድማ ክገድፉን ዝደፋፍኦም። ውጽኢት ናይዚ ድማ ከም በዓል ማቴዎስን ዘኬዎስን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ብልሹዋት ዝነበሩ ተገውቲ: ነቲ ናይ ቀደም ኣገባብ ኣነባብራኦም ገዲፎምዎ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 4:17፣ 9:​9-13፣ ሉቃስ 19:​1-10

ሎሚውን ብተመሳሳሊ: እዞም ኣብ ናይ ቅጥፈት ተግባራት ኣትዮም ዘለዉ ሰባት ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ብምልባስ ንብልሽውና ከርሕቕዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:24) ግብሪ ብቕንዕና ክትከፍል ወይ ድማ ኣብ ከተሓታትት ዝኽእል መደባት ካብ ምክፋል ከተቋርጽ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ገና ግን ረብሓታቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ዝበልጽ ኢዩ።

እቶም በዛ ብልሽውቲ ዓለም ከይተጸልዉ ንድሕነት ናይ ካልኦት ሰባት ዝሓልዩ: ውሽጣዊ ሰላም የስተማቕሩ ኢዮም። ብእከይ ተግባራት ከይተሓዙ ኣይፈርሁን ኢዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ሰናይ ሕልና ኢዮም ዘስተማቕሩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ዳንኤል ኣብነት ኢዮም ዝቐድሑ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እቶም ዝለዓሉ ሰበ ስልጣናት ብዘይ ምቁራጽ ኣንጻር ዳንኤል ምኽንያት ክረኽቡ ይደልዩ ከም ዝነበሩ ይነግረና። “ግናኸ እሙን ነበረ: ገለ ጌጋ ወይስ [ብልሹው ነገር ትሓዓ] ኸኣ ሰአኑሉ እሞ: ምኽንያት ወይስ [ብልሹው ነገር ትሓዓ ] ኺረኽብሉ ከቶ ኣይከአሉን።”​—⁠ዳንኤል 6:⁠4

ናይ የሆዋ ተስፋ

የሆዋ “ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ እኩይ እንተ ገበረ: መዓልትታቱውን እንተ ኣንውሔ: ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም: ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይፈርህን እዩ እሞ: ሰናይ ኣይኰነሉን: ንመዓልትታቱውን ከም ጽላሎት ገይሩ ኣየንውሕን” እናበለ የተስፉ።​—⁠መክብብ 8:​12, 13

ብልሽውና ሳዕቤን ናይ ዘጉሂ ነገራት ካብ ምዃን ምስ ኣቋረጸስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ክኸውን ኢዩ! ኣብ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ክትነብርስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! እዚ ዘይከኣል ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ይዛረብ ኢዩ። (ቲቶስ 1:⁠2) ብልሽውና ጸሊእካ ጽድቂ እንተደኣ ፈቲኻ: ንመፈጸምታ ናይቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም ዝሃቦ ተስፋ ክትርኢ ጽቡቕ ዕድል ክህልወካ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ብልሽውና ኣብ ምምሕዳርን ንግድን ግኑን ኢዩ ኰይኑ ዘሎ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብልሽውና ኵሉ ግዜ ነቲ ምስ ናይ ህዝቢ ሰበ ስልጣናት ዘሎ ርክብ ይትንክፎ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ