ሰማያዊ ሃገር ዘለዎም ክርስትያን መሰኻኽር
“ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ።”—ፊልጲ 3:20
1. የሆዋ: ንገለ ሰባት ዝምልከት: እንታይ ዘደንቕ ዕላማ ኢዩ ዘለዎ?
ምድራውያን ሰባት: ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ልዕሊ መላእኽቲ እውን ከይተረፈ ኣብ ሰማይ ክነግሱ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:2, 3፣ ራእይ 20:6) እዝስ ከመይ ዝበለ ዘገርም ሓቂ ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር እዚ የሆዋ ዝዓለሞ ኢዩ: በቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ድማ ክፍጽሞ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ፈጣሪና ከምዚ ዝገበረ? ብዛዕባኡ ምፍላጥከ ሎሚ ንሓደ ክርስትያን ብኸመይ ይትንክፎ? መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሕቶታት እዚኦም ብኸመይ ከም ዝምልሾም እስከ ንርአ።
2. ዮሃንስ መጥምቕ የሱስ ክገብሮ ዘለዎ እንታይ ሓድሽ ነገር ኢዩ ዝኣወጀ: እዚ ሓድሽ ነገር ተባሂሉ ዘሎኸ ንምንታይ ዝምልከት ኢዩ?
2 ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ መገዲ ክጸርገሉ ከሎ: የሱስ ሓድሽ ነገር ከም ዝገብር ኣዊጁ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ንሱ [ዮሃንስ] ኸኣ፤ ካባይ ዚብርትዕ: ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ: ደድሕረይ ይመጽእ አሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ: ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ: እናበለ ሰበኸ።” (ማርቆስ 1:7, 8) ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ: ብመንፈስ ቅዱስ እተጠምቀ ሰብ ኣይነበረን። እዚ ንመንፈስ ቅዱስ ዝምልከት ሓድሽ መደብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ክግለጽ ዘለዎ: የሆዋ ንሰባት ንሰማያዊ ግዝኣት ንኸዳልዎም ዘለዎ ዕላማ ዝምልከት ኢዩ ነይሩ።
‘እንደገና ምውላድ’
3. የሱስ ብዛዕባ እታ ናይ ሰማይ መንግስቲ ዝምልከት እንታይ ሓድሽ ነገር ኢዩ ንኒቆዲሞስ ዝገለጸሉ?
3 የሱስ ኣብቲ ምስቲ ፍሉጥ ፈሪሳዊ ብሕቡእ ዝገበሮ ርክብ: ብዛዕባ እዚ መለኮታዊ ዕላማ እዚ ዝያዳ መብርሂ ሂቡ ነይሩ ኢዩ። እቲ ፈሪሳዊ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ የሱስ መጸ: የሱስ ድማ “[እንደገና ትሓዓ ] እንተ ዘይተወለደ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ” ነገሮ። (ዮሃንስ 3:3) ኒቆዲሞስ ከም ፈሪሳዊ መጠን ንጽሑፋት እብራይስጢ ከጽንዖም ስለ ዝነበሮ: ብዛዕባ እዚ ዝዓበየ ሓቂ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ገለ ነገር ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እታ መንግስቲ ነቲ “ወዲ ሰብ ዚመሰል” ከምኡውን ነቲ “ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን” ክትወሃብ ምዃና ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 7:13, 14, 27) እታ መንግስቲ ንዅለን ካልኦት መንግስታት “ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን” ንሳ ግና ንዘልኣለም ክትነብር ዘለዋ ኢያ። (ዳንኤል 2:44) ምናልባት ኒቆዲሞስ እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዝፍጸም ገይሩ ይሓስቦ ነይሩ ይኸውን: የሱስ ግና ሓደ ሰብ ነታ መንግስቲ ምእንቲ ክርእያ እንደገና ክውለድ ከም ዘለዎ ነገሮ። ኒቆዲሞስ ነቲ ሓሳባት ስለ ዘይተረድኦ ድማ የሱስ ቀጺሉ “ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” በለ።—ዮሃንስ 3:5
4. እቶም ካብ መንፈስ ቅዱስ እተወልዱ: እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ኢዩ ዝልወጥ?
4 ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ከኣ ወሲኹ: ሓደ ሰብ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽኣቱ “ካብ መንፈስ ቅዱስ” ክውለድ ከም ዘለዎ ተዛረበ። በዚ ፍሉይ ዝዀነ ውልድነት ድማ ዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ፍሉይ ዝምድና ይገብሩ። ፍሉይ ወልድነት እተቐበሉ ደቁ ድማ ይዀኑ። ከምዚ ኸኣ ነንብብ:- “ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር: ካብ ደም: ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ: ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።”—ዮሃንስ 1:12, 13፣ ሮሜ 8:15
ውሉዳት ኣምላኽ
5. ናይ መጀመርታ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ መዓስ ኢዮም ብመንፈስ ቅዱስ እተጠምቁ: ከመይ ዝበለ ምስኡ እተተሓሓዘ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮታትከ ኢዩ ሽዑ እተፈጸመ?
5 የሱስ ንኒቆዲሞስ ክዛረቦ ከሎ: ንዝመጽእ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ ንክኸውን ድሮ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ ነይሩ ኢዩ: ኣምላኽውን የሱስ ወዱ ምዃኑ ብግልጺ ኣፍልጦ ሂብሉ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 3:16, 17) የሆዋ ብጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ተወሰኽቲ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምጽአ። እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ተኣኪቦም ከለዉ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቖም ኢዮም። ኣብዛ ግዜ እዚኣ ኸኣ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ንምዃን እንደገና ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወልዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4, 38፣ ሮሜ 8:15) ብተወሳኺ ድማ: ንዝመጽእ ሰማያዊ ውርሻ ከም ዘለዎም ንምርኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ: ርግጽነት ናይቲ ሰማያዊ ተስፋ ንምምልካት ከኣ ብመጀመርያ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓትሙ።—2 ቈረንቶስ 1:21, 22
6. ብዛዕባ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ: ሰባት ኣብኣ ክፍሊ ክህልዎም ብቑዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ?
6 እዚኣቶም ኣብታ መንግስቲ ንኽኣትዉ ብኣምላኽ እተሓርዩ ናይ መጀመርያ ዘይፍጹማት ሰባት ኢዮም። እዚ ድማ ድሕሪ ሞቶምን ትንሳኤኦምን ክፍሊ ናይታ ሰማያዊት ማሕበር ክዀኑ ኢዮም ማለት ኢዩ። የሆዋ በዛ መንግስቲ እዚኣ ገይሩ እቲ ዓቢ ስሙ ክቕደስ: ናይ ልዕልነቱ ሓቅነት ድማ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ፍጡራት ከረጋገጽ ምዃኑ ዓሊሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዮሃንስ 12:28) ሰባት ኣብታ መንግስቲ ግደ ክህልዎምሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሰማማዕ ኢዩ! ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ኣንጻር ሉዓላዊነት የሆዋ ናይ መጀመርያ ብድሆኡ ከቕርብ ከሎ ሰባት ኢዩ ተጠቒሙ: ሕጂ ድማ የሆዋ ሰባት ነቲ ብድሆ መልሲ ኣብ ምሃብ ክሳተፉ ዓሊሙ ኣሎ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ዮሃንስ 8:44) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብታ መንግስቲ ኽገዝኡ እተሓርዩ ውልቀ–ሰባት “እቲ: ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ: ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ይባረኽ” እናበለ ጸሓፈሎም።—1 ጴጥሮስ 1:3, 4
7. እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተጠምቁ ምስ የሱስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ዝምድና ኢዮም ዘስተማቕሩ?
7 ከም ፍሉይ ውልድነት እተቐበሉ ደቂ ኣምላኽ መጠን: እዞም ሕሩያት ክርስትያናት እዚኣቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ኰኑ። (ሮሜ 8:16, 17፣ 9:4, 26፣ እብራውያን 2:11) የሱስ: እቲ ንኣብርሃም መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ ስለ እተረጋገጸ: እዞም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ተሓባበርቲ ወይ ሓገዝቲ: ክፍሊ ናይቲ እምነት ንዘሎዎም ክርስትያናት በረኸት ከምጽእ ዘለዎ ዘርኢ ኢዮም። (ዘፍጥረት 22:17, 18፣ ገላትያ 3:16, 26, 29) ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ? ካብ ሓጢኣት ሓራ ናይ ምውጻእ: ምስ ኣምላኽ ናይ ምትዕራቕ ከምኡውን ሕጅን ንዘለኣለምን ንዕኡ ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ክረኽቡ ኢዮም። (ማቴዎስ 4:23፣ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16, 36፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት: ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓዎም የሱስ ክርስቶስን ፍሉይ ውልድነት ዝሃቦም ኣቦኦም የሆዋ ኣምላኽን ብምምስካር ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ናብቲ በረኸት እቲ ይመርሕዎም ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ እብራውያን 13:15
8. እቲ “ምግላጽ” ናይቶም ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ?
8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምግላጽ” ናይዞም ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ይዛረብ ኢዩ። (ሮሜ 8:19) ከም ተሓባበርቲ ነገስታት መጠን ምስ የሱስ ኣብታ መንግስቲ ብምእታው: ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዓለም ኣብ ምጥፋእውን ክካፈሉ ኢዮም። ብድሕርዚ: ሰባት ጥቕሚ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ምእንቲ ክረኽቡ ንሽሕ ዓመት ክሕግዝዎም ኢዮም: በዚ ድማ ንዓሌት ሰብ ናብቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጽምና ከብጽሕዎም ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:8-10፣ ራእይ 2:26, 27፣ 20:6፣ 22:1, 2) ምግላጾም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኵሉ የጠቓልል። እዚ እቶም እምነት ዘለዎም ሰብኣውያን ፍጡራት ብምህንጣይ ዝጽበይዎ ነገር ኢዩ።
9. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ?
9 እቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት” ኢዩ። (እብራውያን 12:23) ንሳቶም ቀዳሞት ተጠቀምቲ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኢዮም። ብተወሳኺውን “[ኣካል ትሓዓ ] ክርስቶስ” ኢዮም: እዚ ድማ ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ክርስቶስን ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 12:27) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ: ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ: ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ: ብዙሕ ክነሱስ: ሓደ ስጋ ዝዀነ: ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን: ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና: ንሕና ዅላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ: ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ: ሓደ መንፈስ ሰቴና።”—1 ቈረንቶስ 12:12, 13፣ ሮሜ 12:5፣ ኤፌሶን 1:22, 23፣ 3:6
“ናይ ኣምላኽ እስራኤል”
10, 11. ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ሓድሽ እስራኤል ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ: ነዚ ሓድሽ ህዝቢ ዘቘሙኸ መን ኢዮም?
10 የሱስ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲህ ኰይኑ ቅድሚ ምምጻኡ: ንልዕሊ 1500 ዓመታት ዝኣክል ስጋውያን ህዝቢ እስራኤል ፍሉያት ህዝቢ የሆዋ ኢዮም ነይሮም። ቀጻሊ መዘኻኸሪታት እኳ እንተ ተዋህቦም: እቶም ህዝቢ ግና ዘይእሙናት ኰይኖም ተረኽቡ። ንየሱስ ምስ መጸ እውን ነጺጎምዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 1:11) ስለዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 21:43) ነቲ ‘ፍረ [ናይታ መንግስቲ] ዚፈሪ ህዝቢ’ ምፍላጥ ንድሕነት ኣዝዩ ኣድላዩ ኢዩ።
11 እቲ ብጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተወለደ ሓድሽ ህዝቢ: ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዩ። ናይ መጀመርያ ኣባላቱ ድማ እቶም ንየሱስ ከም ሰማያዊ ንጉሶም ገይሮም እተቐበልዎ ኣይሁዳውያን ደቀ መዛሙርቱ ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 32-36) እንተዀነ ግና: እዚኣቶም ኣባላት ናይቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ህዝቢ ዝዀኑ ብመሰረት እቲ ዝነበሮም ናይ ኣይሁድ ትውልዲ ዘይኰነስ: በቲ ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምነት ኢዩ። ስለዚ እዚ ሓድሽ ናይ ኣምላኽ እስራኤል: መንፈሳዊ ህዝቢ ብምዃኑ ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። ዝበዝሑ ኣይሁዳውያን ንየሱስ ምስ ነጸግዎ: ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ህዝቢ ናይ ምዃን ዕድመ ቅድም ናብ ሳምራውያን ድሓር ድማ ናብ ኣህዛብ ተዘርግሐ። እቲ ሓድሽ ህዝቢ ድማ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባህለ።—ገላትያ 6:16
12, 13. እቲ ሓድሽ እስራኤል ናይ ኣይሁድነት ኣንቈራ ከም ዘይኰነ ብኸመይ ተረጋገጸ?
12 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ጵሮሴሊት ክዀኑ ከለዉ ንሕጊ ሙሴ ክእዘዙ: እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ነዚ ብምግዛር ከርእይዎ ነበሮም። (ዘጸኣት 12:48, 49) ገለ ክርስትያናት ኣይሁድ ድማ ነቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል: ከምኡ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣሕደሩ። የሆዋ ግና ኣብ ሓሳቡ ፍልይ ዝበለ ነገር ኢዩ ነይርዎ። መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቤት እቲ ካብ ኣህዛብ ዝዀነ ቆርኔሌዎስ መርሖ። ቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ንስብከት ጴጥሮስ መልሲ ምስ ሃቡሉ—ቅድሚ ብማይ ምጥማቖም—መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። እዚ ድማ የሆዋ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ንሕጊ ሙሴ ክእዘዙ ከይሓተተ: ከም ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ገይሩ ከም እተቐበሎም ዘርኢ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:21-48
13 ገለ ኣመንቲ ግና ነዚ ንኽቕበልዎ ስለ ዝኸበዶም: እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብቕልጡፍ ክመያየጥሉ ነበሮም። እቲ ወሳኒ ኣካል ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ኣመንቲ ብኸመይ ከም ዝዓየየ ዝምስክር ጸብጻብ ሰምዐ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርመራ ድማ: እዚ መፈጸምታ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢት ምንባሩ ገለጸ። (ኢሳይያስ 55:5፣ ኣሞጽ 9:11, 12) ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናት ሕጊ ሙሴ ክእዘዙ የብሎምን ኣብ ዝብል ቅኑዕ ውሳኔ ድማ ተበጽሐ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 6-29) ስለዚ ድማ: መንፈሳዊ እስራኤል ኣንቆራ ናይ ኣይሁድነት ዘይኰነስ ብሓቂ ሓድሽ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ።
14. ያእቆብ: ነቶም ናይ ክርስትያን ጉባኤ “እቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ” ኢሉ ምጽዋዑ እንታይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ?
14 ምስዚ ብምስምማዕ ድማ ወደ መዝሙር ያእቆብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ: ነታ ደብዳቤኡ “ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ” ኢሉ ለኣኻ። (ያእቆብ 1:1፣ ራእይ 7:3-8) ልክዕ ኢዩ: ዜጋታት ናይቲ ሓድሽ እስራኤል ኣብ ገለ ነገዳት እተወሰኑ ኣይኰኑን። ኣብ መንፈሳዊ እስራኤል: ከምቲ ናይ ስጋውያን እስራኤል ኣብ ዓሰርተው ክልተ ውሱናት ነገዳት ምክፍፋል የለን። እንተዀነ ግና: እዚ ናይ ያእቆብ መንፈስ ዝነፈሶ መግለጺ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ 12 ነገድ ናይቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዝዀኑ: በቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ከም እተተክአ ዘርኢ ኢዩ። ሓደ ብትውልዲ እስራኤላዊ ዝዀነ ሰብ ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ህዝቢ ምስ ዝኸውን: እቲ ስጋዊ ትውልዱ—ካብ ነገድ ይሁዳ ወይ ሌዊ እውን እንተዀነ—ምንም ጥቕሚ የብሉን።—ገላትያ 3:28፣ ፊልጲ 3:5, 6
ሓድሽ ኪዳን
15, 16. (ሀ) የሆዋ ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም? (ለ) እቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብኸመይ ዝበለ ሕጋዊ መሰረት ኢዩ ዝቘመ?
15 ኣብ ቅድሚ የሆዋ: እዞም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ህዝቢ: ምሉኣት ክፍሊ ናይ መንፈሳውያን አይሁድ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ: እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና: ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር: ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር: ካብ ሰብ ኣይኰነን” ብምባል ገለጸ። (ሮሜ 2:28, 29) ብዙሓት ኣህዛብ ነቲ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ክዀኑ እተገብረሎም ዕድመ መሊሶምሉ ኢዮም: እዚ ምዕባለ እዚ ድማ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ፈጸመ። ንኣብነት: ነብዪ ሆሴእ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት ክምሕራ ኢየ: ነቶም ህዝበይ ዘይኰኑ ድማ ‘ንስኻ ህዝበይ ኢኻ’ ክብሎም ኢየ። ንሳቶምውን ‘ንስኻ ኣምላኸይ’ ኢኻ ኪብሉ ኢዮም” ብምባል ጻሓፈ።—ሆሴእ 2:23 ትሓዓ፣ ሮሜ 11:25, 26
16 እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እንተደኣ ዘይኰይኖም: በየናይ መሰረት ደኣ ኢዮም ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ህዝቢ ዝዀኑ? የሆዋ ብየሱስ ገይሩ ምስ እዚ መንፈሳዊ ህዝቢ እዚ ሓድሽ ኪዳን መስረተ። (እብራውያን 9:15) የሱስ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ምብዓል ዝኽሪ ሞቱ ክጅምሮ ከሎ: ነቲ ቅጫን ወይንን ናብቶም 11 ደቀ መዛሙርቱ ብምዛር: ነቲ ወይኒ ‘ናይ ሓድሽ ኪዳን ደም’ ከም ዘመልክት ተዛረበ። (ማቴዎስ 26:28፣ ኤርምያስ 31:31-34) ከምቲ ኣብ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ተገሊጹ ዘሎውን: የሱስ እቲ ጽዋእ ወይኒ ነቲ “ሓድሽ ኪዳን” ከም ዘመልክት ተዛረበ። (ሉቃስ 22:20) ንፍጻሜ ናይ የሱስ ቃላት ድማ: ብመዓልቲ ጴንጠቈስጠ መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰ ከምኡውን እቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምስ ተወልደ: እታ መንግስቲ ካብቶም ስጋውያን እስራኤል ተወሲዳ ነቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ተዋህበት። ኣብ ክንዲ ስጋውያን እስራኤል ድማ እዚ ብመሰኻኽሩ ዝቘመ ሓድሽ ህዝቢ እዚ ኣገልጋሊ የሆዋ ኰነ።—ኢሳይያስ 43:10, 11
“ሓዳስ የሩሳሌም”
17, 18. ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝጽበዮም ዘሎ ክብሪ: መጽሓፍ ራእይ ከመይ ዝበለ መግለጫታት ኢያ እትህብ?
17 እዞም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ንኽካፈሉ መሰል ረኺቦም ዘለዉስ ከመይ ዝበለ ክብሪ ኰን ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ! ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ዘገርም በረኸት ክትፈልጥስ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ሰማያዊ ውርሻ ባህ ዘብል ሓጺር ትርኢት ትህበና ኢያ። ንኣብነት: ኣብ ራእይ 4:4 ከምዚ ነንብብ:- “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን [ናይ የሆዋ] ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት: ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።” እዞም 24 ሽማግለታት ካብ ሞት ብምትንሳእ ሕጂ ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ሰማያዊ ቦታኦም ዝሕዙ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። ኣኽሊላቶምን ዝፋናቶምን ድማ ነቲ ንግስነቶም ኢዩ ዘዘኻኽረና። ነቲ ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ኰይኖም ንኸገለግሉ ረኺቦምዎ ዘለዉ መሰል እሞ ሕስብ ኣብሎ!
18 ኣብ ራእይ 14:1 ድማ ካልእ ሓጺር ትርኢት ንርኢ “እንሆ ድማ: እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ።” ኣብዚ እቲ ውሱን ቁጽሪ—144,000—ናይቶም ቅቡኣት ንረክብ። ምስቲ ዝነገሰ ናይ የሆዋ ንጉስ “ገንሸል:” የሱስ: ደው ምባሎም ድማ እቲ ንጉሳዊ ቦታኦም ክፍለጥ ይክኣል። ኣብቲ ሰማያዊ ደብረ ጽዮን ድማ ኢዮም ዘለዉ። ምድራዊ ደብረ ጽዮን ኣብ እስራኤል እታ ንጉሳዊት ከተማ የሩሳሌም ዝነበረትሉ ቦታ ኢዩ ነይሩ። ሰማያዊ ደብረ ጽዮን: ነቲ ዝለዓለ ቦታ ናይቶም ሰማያዊት የሩሳሌም ዘቝሙ የሱስን መዋርስቱን ዘመልክት ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 5:2፣ መዝሙር 2:6
19, 20. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ክፍሊ ናይ ኣየነይቲ ሰማያዊት ማሕበር ኢዮም ክዀኑ? (ለ) የሆዋ ነዞም ሰማያዊ ሃገር ዘለዎም ሰባት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ክመርጾም ዝጸንሐ?
19 ምስ እዚ ብምስምማዕ: እቶም ቅቡኣት ኣብቲ ሰማያዊ ክብሮም ከም “ሓዳስ የሩሳሌም” እውን ተዘሪቡሎም ኣሎ። (ራእይ 21:2) ምድራዊት የሩሳሌም “ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ” ከምኡውን እቲ ቤተ መቕደስ ዝርከበላ ቦታ ኢያ ነይራ። (ማቴዎስ 5:35) ሰማያዊት የሩሳሌም እታ እቲ ዝለዓለ ገዛኢ የሆዋን ንሱ ዝመዘዞ ንጉስ የሱስን ዝገዝኡላ ዘለዉ: ከምኡውን ካብ ዝፋን የሆዋ ንደቅሰብ ዝፍውስ በረኸታት ክውሕዝ ከሎ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ዝፍጸመላ ንጉሳዊት ማሕበር ኢያ። (ራእይ 21:10, 11፣ 22:1-5) ኣብ ካልእ ትርኢት ድማ ዮሃንስ እቶም እሙናት ዝትንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናት: “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” ተባሂሎም ክጽውዑ ሰሚዑ ኢዩ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ልቢ ዘምውቕ ኣብነት ናይቲ ምስ የሱስ ክህልዎም ዘለዎ ናይ መሕርሮ ርክብን ንዕኡ ንኽግዝኡ ዘለዎም ድሌትን ዘርኢ ኰን ኢዩ! ካብኣቶም እቲ ናይ መጨረሽታ ዝዀነ ሰማያዊ ዓስቡ ክቕበል ከሎ ኣብ ሰማይ ዝህሉ ሓጎስ እሞ ገምቶ። ሽዑ “መርዓ እቲ ገንሸል” ይግበር! ሽዑ ድማ እታ ንጉሳዊት ሰማያዊት ማሕበር ምልእቲ ክትከውን ኢያ።—ራእይ 19:6-8
20 እወ ነቶም ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ” ዝበሎም ዘገርም ዝዀነ በረኸት ኢዩ ተዓቚሩሎም ዘሎ። (ፊልጲ 3:20) ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል: የሆዋ ነዞም መንፈሳውያን ደቁ ክመርጾምን ንሰማያዊ ውርሻ ድማ ከዳልዎምን ጸኒሑ ኢዩ። ብመሰረት ኵሉ እቲ መረጋገጺ ድማ እቲ ምምራጽን ምድላውን ዳርጋ ተወዲኡ ኢዩ። እንተዀነ ግና: ከምቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ዮሃንስ ትርኢት: ካልእ ክስዕብ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ሕጂ ክንርእዮም ዘሎና ካልኦት ጒጅለ ክርስትያናት ኣለዉ: ነዚ ጕጅለ እዚ ድማ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
ትዝክሮዶ?
◻ እቲ እተፈላለየ ዕዮታት ናይቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰማያዊ ውርሻ ዘለዎም እንታይ ኢዩ?
◻ እቶም ቅቡኣት ምስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ጥብቂ ርክብ ኢዮም ከስተማቕሩ? ምስ የሱስከ?
◻ እታ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢያ ተገሊጻ ዘላ?
◻ እቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብኸመይ ዝበለ ሕጋዊ መሰረት ኢዩ ዝቘመ?
◻ ከመይ ዝበለ ሰማያዊ መሰላት ኢዩ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝጽበዮም ዘሎ?
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ ነዞም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ክገዝኡ ዘለዎም ሰባት ክመርጾም ጸኒሑ ኢዩ