ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/9 ገጽ 19-21
  • ዝያዳ ምስትውዓል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝያዳ ምስትውዓል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ እስራኤል ጕድለት ምስትውዓል
  • መንፈሳዊ ምስትውዓል ምርካብ
  • ምስትውዓልን ኣስተብህሎን
  • ልብኻ ናብ ምስትውዓል ኣድንን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ምስትውዓል የዕቍብካ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንትብዓትን ንምስትውዓልን የሱስ ቅድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/9 ገጽ 19-21

ዝያዳ ምስትውዓል ክትኵስኩስ ምኸኣልካዶ፧

ምስትውዓል “ሓደ ነገር ካብቲ ሓደ ነገር ዝፈሊ ናይ ኣእምሮ ሓይሊ ወይ ክእለት ኢዩ።” “ናይ ፍርዲ ትኵርነት” ወይ “ናይ ነገራት ወይ ሓሳባት ፍልልይ ናይ ምርዳእ ሓይሊ” እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ ብምባል: እቲ ወብስተር ’ስ ዩኒቨርሳል ዲክሸነሪ ይገልጽ። ብሓቂ: ምስትውዓል ክበሃግ ዘለዎ ባህርይ ኢዩ። ጥቕሙ ኣብቲ ናይ ሰሎሞን ቃላት ይርአ:- “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ . . . ክትሕልወካ: ምስትውዓል . . . ከተዕቍበካ እያ”።​—⁠ምሳሌ 2:​10-12

እወ: ምስትውዓል ነቲ ሎሚ ብብዝሒ ዘሎ “ክፉእ መገዲ” ንኽንቃወሞ ክሕገዘና ኢዩ። ካልእ ብዙሕ ጥቕምታት ከኣ የምጽእ ኢዩ። ንኣብነት: ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ደቆም ‘ኣይትርዳእን ኢኻ!’ ክብሉ ይሰምዑ ኢዮም። ቁሩብ ኣዕሙቝ ኣቢሎም ብምርማር መስተውዓልቲ ዝዀኑ ወለዲ እቲ ንደቆም ዘሸግሮም ዘሎ ስምዒታትን ጕዳያትን ብኸመይ ከም ዘውጽእዎ ይፈልጡ ኢዮም። (ምሳሌ 20:⁠5) መስተውዓሊ በዓል እንዳ ናብ መደምደምታታት ኣብ ክንዲ ዝህወኽ ንበዓልቲ ቤቱ ጽን ኢሉ ብምስማዕ ንኣተሓሳስባኣን ስምዒታታን ኢዩ ዘስተብህል። በዓልቲ ቤት እውን ምስ በዓል ቤታ ከምኡ ክትገብር ኢያ። ስለዚ: “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።”​—⁠ምሳሌ 24:⁠3

ምስትውዓል ንሓደ ሰብ ንዅነታት ብዓወት ክቈጻጸር ይሕግዞ። ምሳሌ 17:27 ከምዚ ትብል:- “እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ: ህዱእ መንፈስ ዘለዎ [ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ትሓዓ ] እዩ።” መስተውዓሊ ሰብ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ከይሓሰበ ዝጐዪ ህዉኽ ኣይኰነን። ቃል ቅድሚ ምእታዉ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ውጽኢት ተጠንቂቑ ይሓስበሉ። (ሉቃስ 14:​28, 29) “ናይ ልቦና ኣፍ” ቃላቱ ብጥንቃቐ ንኽመርጽ ስለ ዝመርሖ ድማ ምስ ካልኦት ዝያዳ ሰላማዊ ርክብ የስተማቕር። (ምሳሌ 10:19፣ 12:8 ትሓዓ ) ይኹን እምበር: ዝያዳ ዘገድስ: መስተውዓሊ ሰብ ብትሕትና ዓቕምታቱ ይፈልጥ እሞ ኣብ ክንዲ ካብ ሰባት ካብ ኣምላኽ መሪሕነት ይጽበ። እዚ ንየሆዋ የሐጕሶ ምስትውዓል ንምዅስኳስ ድማ ካልእ ረቛሒ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 2:​1-9፣ ያእቆብ 4:⁠6

ናይ እስራኤል ጕድለት ምስትውዓል

ምስትውዓል ካብ ምርኣይ ምስናፍ ጕድኣቱ ኣብቲ ጥንታዊ ታሪኽ እስራኤል እተገብረ ሓደ ፍጻመ: ተራእዩ ኢዩ። ነቲ ግዜ እቲ ብምስትንታን: እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስተውዐልዎን: ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን: ኣብ ባሕሪ: ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ: ዐለዉ።”​—⁠መዝሙር 106:⁠7

ሙሴ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ክመርሖም ከሎ: የሆዋ ድሮ ኣብታ ሽዑ ዓባይ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ዓሰርተ መዓታት ብምውራድ ንህዝቡ ናጻ ንምውጻእ ሓይሉን ቈራጽነቱን ኣርእዩ ኢዩ። ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክኸዱ ምስ ሓደጎም: ሙሴ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መርሖም። ይኹን እምበር: ሰራዊት ግብጺ ደድሕሪኦም ክስዕቡ ገስገሱ። እስራኤላውያን እተፈንጠሩን እቲ ዝረኸብዎ ሓድሽ ናጽነት ከኣ ኣዝዩ ሓጺር ዝዕድሜኡ መሰለ። ስለዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ: ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።” “ካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ: ንምንታይ እዚ ገበርካና፧ . . . ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሔሸና” ብምባል ኣንጻር ሙሴ ተላዕሉ።​—⁠ዘጸኣት 14:​10-12

ድሮ ዓሰርተ ጕሉሕ መግለጺታት ሓይሊ የሆዋ ከም ዝረኣዩ ክሳዕ እንዝክር ፍርሖም ርዱእ ይመስል። ነቲ ሙሴ 40 ዓመታት ጸኒሑ ከዘክሮም ዝነበሮ ነገር: ማይ ከይጠዓመ ኸሎ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም “እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።” (ዘዳግም 26:⁠8) በዚ ኸኣ ኢዮም: እስራኤላውያን ኣንጻር ሙሴ ክለዓሉ ኸለዉ: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ ‘ዘየስተውዓሉ።’ እንተዀነ ግን: የሆዋ ምስ መብጽዓኡ ብምስምማዕ: ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ግብጺ ዘደንቕ ስዕረት ኣውረደ።​—⁠ዘጸኣት 14:​19-31

ንፈተናታት ብምጥርጣር ወይ ምውልዋል ንጋጠሞም እንተደኣ ኴንና እምነትና ብተመሳሳሊ ደርበስበስ ክብል ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ካብ ዝዀነ ይኹን ዝጻረረና ኣካል ክሳዕ ክንደይ ዝዓበየ ምዃኑ ብምዝካር: ምስትውዓል ኵሉ ግዜ ንነገራት ብቅኑዕ ግምት ክንርእዮም ይሕግዘና። ምስትውዓል ድሮ የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረልና ንኽንዝክር እውን ይሕግዘና። ነቲ “እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም” ዝብል ፈጺምና ኸይንርስዖ ክሕግዘና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 145:​18-20

መንፈሳዊ ምስትውዓል ምርካብ

ምስትውዓል ብቕጽበት ምስ ዕድመ ዝመጽእ ኣይኰነን። ግድን ክዅስኰስ ኣለዎ። እቲ ብምስትውዓሉ ዝመጸ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “እቲ ጥበብ ዚረክብ: [ምስትውዓልውን ትሓዓ ] ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ: እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ” በለ። (ምሳሌ 3:​13, 14) ሰሎሞን ምስትውዓሉ ካበይ ረኸቦ፧ ካብ የሆዋ። የሆዋ ንሰሎሞን እንታይ በረኸት ከም ዝደሊ ምስ ሓተቶ: ሰሎሞን “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ: ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ” ኢሉ መለሸ። (1 ነገስት 3:⁠9) እወ: ሰሎሞን ከም ደጋፊኡ መጠን ንየሆዋ ደለየ። ምስትውዓል ሓተተ: የሆዋ ኸኣ ኣብዚሑ ሃቦ። ፍሪኡኸ፧ “ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።”​—⁠1 ነገስት 4:⁠30

ናይ ሰሎሞን ተመኵሮ ምስትውዓል ክንደሊ ከሎና ኣበይ ከም እንኸይድ ዘርኢ ኢዩ። ከም ሰሎሞን ንየሆዋ ኢና ክንደሊ ዘሎና። ብኸመይ፧ የሆዋ ናይ ኣተሓሳስባኡ ኣስተብህሎ ዝህበና ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣዳልዩልና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና: ኣብቲ ንመንፈሳዊ ምስትውዓል ዝኸውን ናይ ህንጻ ኣእማን ዝርከቦ ክቡር ናይ ፍልጠት እምኒ ዝፈሓረሉ ቦታ ኢና እንዅዕት ዘሎና። ነቲ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝኣከብናዮ ሓበሬታ ከነስተንትነሉ ኣሎና። ድሕርዚ ቅኑዕ ውሳኔታት ንምግባር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ግዜ: ናይ ምግንዛብ ክእለትና ‘ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ [ወይ ምስትውዓል]’ ብምኽኣል “በእምሮ ሰብኡት” ክሳዕ ኣብ ምዃኑ ክዓቢ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:20፣ እብራውያን 5:14፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 2:⁠10 ኣነጻጽሮ።

ዘገርም ድማ: ካብቲ የሆዋ ንሰሎሞን ዝሀቦ ምስትውዓል ገና ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብኸመ⁠ይ፧ ሰሎሞን ንጥበብ ምስላታት ገይርካ ብምግላጽ ክኢላ ኰነ: እዚ ድማ ጽማቝ ናይቲ ብመሎኮት እትደረኸ ጥበብ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ምስላታት እዚ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ምሳሌ ተዓቚሩ ኣሎ። ነታ መጽሓፍ እቲኣ ምጽናዕ ካብ ናይ ሰሎሞን ምስትውዓል ክንጥቀምን ንገዛእ ርእስና እውን ምስትውዓል ከነዕብን ይሕግዘና።

ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስና መጽናዕቲ ምእንቲ ክሕግዘና: ንኸም በዓል ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጽናዕቲ ሓገዛት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ግምቢ ዘብዐኛ ንልዕሊ 116 ዓመታት: ንቕኑዕ ዝልቦም ሰባት መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ኢዩ ዘሎ። ንቕሑ! መጽሔትን እተን ቅድሚኣ ዝነበራን: ካብ 1919 ኣትሒዘን ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ሓሳብ ይህባ ኢየን ዘለዋ። እዘን ክልተ መጽሔታት እዚአን ካብቲ ህዝበ ክርስትያን እትምህሮ ወይ ነቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣገባብ ኣተሓሳስባ ዝርከብ ጌጋታት ምስትውዓሉ ምእንቲ ክሕግዘና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብምምርማር ቀጻሊ መንፈሳዊ ብርሃን ዝህባ ኢየን።​—⁠ምሳሌ 4:⁠8

ካልእ ምስትውዓል ንምዕባይ ዝሕግዝ ድማ ቅኑዕ ሕብረት ኢዩ። ሓደ ካብቲ ምስላታት ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ይብል:- “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) ሮብዓም ወዲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ዝነበረ እዋን ነዚ ምሳሌ እዚ ዘይምዝካሩ ዘሕዝን ኢዩ። ድሕሪ ሞት ኣቦኡ: እቶም ነገዳት እስራኤል ኣርዑቶም ከቕልለሎም ንኽሓትዎ ናብኡ መጹ። መጀመርታ: ሮብዓም ነቶም ዓበይቲ ሰባት ኣማኸረ: እዚኣቶም ድማ ንተገዛእቱ ክሰምዕ ብምትብባዕ ምስትውዓል ኣርኣዩ። ድሕርዚ: ናብቶም መንእሰይ ከደ። ነቶም እስራኤላውያን ብምፍርራሕ ክምልሸሎም ብምትብባዕ ናይ ተመኵሮን ምስትውዓልን ጕድለት ኣርኣዩ። ሮብዓም ከአ ነቶም መንእሰይ ሰምዐ። ፍሪኡኸ፧ እስራኤል ዓለዉ: ሮብዓም ከኣ ዝዓበየ ክፋል መንግስቱ ኣጥፍአ።​—⁠1 ነገስት 12:​1-17

ምስትውዓል ኣብ ምዕባይ እቲ ኣገዳሲ ክፍሊ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምድላይ ኢዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ነህምያ: ካብ ምርኮ ግብጺ ምስ ተለቁ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ምምልላስ ደጊሙ ብምዝካር “[መስተውዓልቲ ዝገብሮም ትሓዓ ] ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮም” በለ። (ነህምያ 9:20) ንዓናውን መንፈስ የሆዋ ጥንቁቓት ክንከውን ክሕገዘና ይኽአል ኢዩ። መንፈስ የሆዋ ምስትውዓል ክህበካ ክትጽሊ ከሎኻ: ብተኣማንነት ጸሊ: ምኽንያቱ የሆዋ “ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ” ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:5፣ ማቴዎስ 7:​7-11፣ 21:⁠22

ምስትውዓልን ኣስተብህሎን

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣህዛብ ሓቂ ክሰብከሎም ከሎ ምስትውዓል ኣርእዩ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ: ኣብ ኣቴንስ ከሎ: ‘እናዞረ’ ነቲ ናይ ተወፋይነቶም ነገራት ‘ረኣየ።’ ጳውሎስ ብጣኦታት ተኸቢቡ ኢዩ ነይሩ: ብመንፈሱ ኸኣ ተረበሸ። ሕጂ ዝገብሮ ውሳኔ ነበሮ። እቲ ደሓን ዝዀነ መገዲ ደልዩ ስቕ ድዩ ክብል፧ ወይስ ሓደገኛ እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዝረበሾ ገኒኑ ዝነበረ ጣኦት ብግልጺ ክዛረብ ኢዩ፧

ጳውሎስ ብምስትውዓል ዓየየ። “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዝብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኣየ። ጳውሎስ: ብሜላ ገይሩ ንጣኦታት ዘነበሮም ተወፋይነት ኣፍልጦ ሃበሉ: ነቲ መሰውኢ ኸኣ ነቲ “ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ” ዝብል ኣርእስቲ ከም መእተዊ ተጠቕመሉ። እወ: እቲ ዘይፈለጥዎ ኣምላኽ የሆዋ ኢዩ ነይሩ! ጳውሎስ ብእኡ ኣቢሉ ኣብቲ ጕዳይ ዘለዎም ስምዒት ብምዕዛብ ዘገርም ምስክርነት ክህብ ከኣለ። ምስ እንታይ ፍረኸ፧ ብዙሓት ሰባት “እቲ ናይ ኣርዮስ ፋጎስ መኰነን: ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን: ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም” ሓዊስካ ነቲ ሓቂ ተቐበልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:​16-34) ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ናይ ምስትውዓል ኣብነት ኰን ኢዩ ዝነበረ!

ምስትውዓል ብቐሊሉ ወይ ብተፈጥሮ ከም ዘይመጽእ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ግናኸ ብትዕግስቲ: ጸሎት: ልባዊ ጻዕሪ: ጥበባዊ ሕብረት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታኑን: ከምኡውን ኣብ መንፈስ የሆዋ ብምውካል: ንስኻ እውን ክትኵስኵሶ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ