ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/9 ገጽ 22-26
  • “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቈመት
  • ናይ ኣቕሽሽቲ ምጽራር
  • ናይ ስብከት ንጥፈትና
  • ዓመታት ውግእ
  • ናይ የሆዋ ስርዓተ-መርዓ ተነጸረ
  • መሰላት ኣገልግሎት
  • ሓቀኛ ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን ኢያ
  • በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ብምዕጋበይ ጸኒዐ ክቕጽል ከኣልኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሳላ እቲ ሃብታም ክርስትያናዊ ውርሻይ ህይወተይ ለምሊሙ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/9 ገጽ 22-26

“ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ”

ብሳሙኤል ዲ. ላዴሱዪ እተዘንተወ

ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሊሰ ብምዕዛብ ነቲ ኵሉ እተፈጸመ ክርኢ ከሎኹ እግረም ኢየ። የሆዋ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘገርም ነገራት ክገብር ጸኒሑ ኢዩ ይገብር እውን ኣሎ። ኣብ ኢለሻ: ናይጀርያ እቶም ብ1931 ስብከት ዝጀመርና ሒደት ሰባት 36 ጉባኤታት ኴንና ኣሎና። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መጀመርታ ጕጅለ ምሩቓት ብ1947 ክመጹ ከለዉ እቶም ኣብ ናይጀርያ ዘስፍሑ ዝነበሩ ብገምጋም 4,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ልዕሊ 180,000 በጺሖም ኣለዉ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት: ብዛዕባ እቲ ክፍጸም ዝነበሮ ዕብየት ኣይተጸበናን ሓሊምና እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብዚ ኣገራሚ ዕዮ እዚ ግደ ስለ ዝነበረኒ ክሳዕ ክንደይ ኢየ ዘመስግን! ብዛዕባኡ ከዘንትወልኩም።

ኣቦይ ጠበናጁን ባሩድን ካብ ከተማ ናብ ከተማ ይነግድ ነበረ፣ ሳሕቲ ድማ ኢዩ ኣብ ገዛ ዝርከብ። ኣነ ዝፈልጠን ሸውዓተ ኣንስቲ ነበራኦ: ኵለን ግን ምስኡ ኣይነብራን ኢየን። ኣቦይ ነደይ ካብቲ ዝሞተ ሓዉ ኢዩ ወሪሱዋ። ካልኣይቲ ሰበይቱ ድማ ኰነት ምስኣ ኸኣ ተቐመጥኩ።

ሓደ መዓልቲ ኣቦይ ነታ ኣብ ጥቓና ኣብ ዘላ ቝሸት እትነብር ቀዳመይቲ ሰበይቱ በጺሑ ንገዛ መጸ። ኣብኡ ከሎ: ወደቦይ ይማሃር ከም ዘሎ ፈለጠ። ወደቦይ ወዲ ዓሰርተ ዓመት መሰታይ ኢዩ። ስለዚ ኣቦይ ኣነ እውን ክማሃር ከም ዘሎኒ ወሰነ። 9 ፔንስ ሃበኒ​—⁠3 ፔንስ ንመጽሓፍ 6 ፔንስ ድማ ንጽላት። እዚ ብ1924 ኢዩ ነይሩ።

ሓንቲ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቈመት

ካብ ንእስነተይ ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ነበረኒ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት እሕጐሰሉ ከምኡውን ኵሉ ግዜ በቶም ናይ ሰንበት ቤት ትምሀርቲ መምህራን እንኣድ ኢየ ነይረ። ስለዚ ብ1930: ኣብቲ ሓደ ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኤለሻ ዝሰበኹ: በጻሒ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃብ ዝነበረ ኣስተምህሮ ንኽካፈል ነቲ ዕድል ተጠቐምክሉ። ድሕሪቲ ኣስተምህሮ በገና ኣምላኽ እትበሃል ብቛንቋ ዮሩባ እተጻሕፈት መጽሓፍ ሃበኒ።

ኣብቲ ናይ ሰንበት ቤት ትምህርቲ ስርዓታዊ ኰይነ እካፈል ነበርኩ። ሕጂ ነታ በገና ኣምላኽ ምሳይ እማልኣ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝምህርዎ ሓድሓደ ሰረተ-እምነታት ጉግይነቱ ንምርግጋጽ ክጥቀመላ ጀመርኩ። ክትዓት ሰዓበ: ብተደጋጋሚ ኸኣ በቶም ናይ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ነዚ ‘ሓድሽ ትምህርቲ’ እዚ ከይስዕብ መጠንቀቕታ ይወሃበኒ ነበረ።

ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ መገዲ ዘወር እናበልኩ ከሎኹ: ንሓደ ዘስተምህር ዝነበረ ሰብኣይ ዝሰምዑ ጕጅለ ሰባት ረኸብኩ። እቲ መምህር ጀይ. ኣይ. ኦዌንፓ: ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብ ሌጎስ ኰይኑ ነቲ ናይ መንግስቲ ስብከት ዕዮ ዝዕዘብ ዊልያም ኣር. ብራውን (መብዛሕትኡ ግዜ ባይብል ብራውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ኢዩ ተላኢኹ።a አብ ኤለሻ በገና ኣምላኽ ንምጽናዕ ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ጕጅለ ቈይማ ከም ዘላ ምስ ፈለጥኩ: ሓበርክዎም።

ኣብቲ ጕጅለ እቲ ዝነኣስኩ ኢየ ነይረ​—⁠ወዲ 16 ዓመት ተማሃራይ። ምስ ደቂ 30’ታትን ካብኡ ዝዓብዩን ቅርብ ኢለ ንኽሕወስ: ሕፍረት: አረ ፍርሂ ክስማዓኒ ይግባእ ነይሩ። ይኹን እምበር ንሳቶም ኣነ ምስኦም ክህሉ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም: ኣተባቢዖምኒ ኸአ ኢዮም። ንዓይ ከም ኣቦታት ኢዮም ነይሮም።

ናይ ኣቕሽሽቲ ምጽራር

ሽዑ ንሽዑ ድማ ምስቲ ካብ ኣቕሽሽቲ ዝመጽእ ከቢድ ተጻረርነት ክንጋጠም ጀመርና። እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ንሓድሕዶም ዝበኣሱ ዝነበሩ: ካቶሊካውያን: ኣንግሊካውያን: ከምኡውን ካልኦት ሕጂ ንዓና ንምጽራር ሓበሩ። ንዓና ተስፋ ንምቝራጽ ስጕምቲ ምእንቲ ክወስዱ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ሓላቑ ተመሻጠሩ። ንሰባት ጐዳእቲ ኢዮም ብምባል: ንመጻሕፍትና ክህግሩ ፖሊስ ለኣኹ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ኣውራጃ ሓላፊ ፖሊስ ነቲ መጻሕፍቲ ክወስዱ መሰል ከም ዘይብሎም ኣጠንቀቖም: ክልተ ሰሙን ጸኒሑ ኸኣ እቲ መጻሕፍቲ ተመልሰ።

ድሕርዚ ናብቲ ነቲ ዝለዓለ ሓለቓ: ኦባ: ምስኡ ድማ ካልኦት ናይቲ ከተማ ፍሉጣት ሰባት ዝረኸብናሉ ሓደ ኣኼባ ተጸዋዕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳርጋ 30 ኣቢልና ኢና ነይርና። እቲ ዕላማ ንሕና ነቲ “ሓደገኛ” መጻሕፍቲ ምንባብ ደው ከነብል ኢዩ ነይሩ። ኣጋይሽ እንተ ዄንና ሓተቱና: ይኹን እምበር: ገጽና ምስ መርመሩና “ሽሕ’ኳ ኣጋይሽ እንተ ኣለውዎም ደቅና ኢዮም” በሉ። ናይቲ ክጐድኣና ኢዩ ዝበልዎ ሃይማኖት መጻሕፍቲ ምጽናዕ ክንቅጽል ከም ዘይደልዩ ነገሩና።

ነቶም ፍሉጣት ሰባት ከይነቕልበሎም ወሲንና ብምንባርና ገለ ከይተዛረብና ንገዛ ከድና። መብዛሕትና በቲ እንማሃሮ ዝነበርና ሕጕሳት ከምኡውን መጽናዕቲ ክንቅጽል ወሲንና ነበርና። ስለዚ: ሽሕ’ኳ ሒደት እንተ ፈርሁን ካብ ጕጅለና ኸኣ እንተ ወጹን: መብዛሕትና ኣብ ሓደ ቤት ዕዮ ጸራቢ ዕንጸይቲ: መጽናዕትና ቀጸልና። መራሒ ኣይነበረናን። ብጸሎት ንጅምር ካብታ መጽሓፍ ድማ በብተራ ዓንቀጻት ነንብብ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝኸውን እንደገና ንጽሊ: ንገዛ ኸኣ ንኸይድ። ይኹን እምበር ንስለል ነይርና ኢና: እቶም ሓላቑን መራሕቲ ሃይማኖትን ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ምጽዋዕናን ነቲ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ከይነንብብ ድማ ምጥንቃቕናን ቀጸሉ።

ኣብ መንጎ እዚ ግዜ እዚ ግን: ነቲ ዝነበረና ሒደት ፍልጠት ንሰባት ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ንፍትን ነበርና: ብዙሓት ከኣ ምሳና ተሰማምዑ። ሓደ ብሓደ ውልቀ ሰባት ይሓብሩና ነበሩ። ኣዚና ሕጕሳት ነበርና: ይኹን እምበር ገና ብዛዕባ እቲ እንሓብሮ ዝነበርና ሃይማኖት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና።

ኣብ መጀመርታ ናይ 1932: ሓደ ሓው ምእንቲ ክሕግዘና ካብ ሌጎስ መጸ: ኣብ ሚያዝያ ድማ “ባይብል” ብራውን እውን መጸ። ዳርጋ ናይ 30 ዝኣባላታ ጕጅለ ምስ ረኣየ: ሓው ብራውን ብዛዕባ ኣብ ንባብና እንገብሮ ዝነበርና ዕብየት ሓተተና። ኵሉ እቲ እንፈልጦ ነገርናዮ። ንጥምቀት ድሉዋት ምዃንና ተዛረበ።

ሓጋይ ስለ ዝነበረ: ካብ ኤሊሻ 14 ኪ.ሜ ርሒቕካ ናብ ዝርከብ ሩባ ክንጕዓዝ ነበረና: 30 እንኸውን ድማ ተጠመቕና። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና: ንገዛእ ርእስና ከም ሰበኽቲ ናይታ መንግስቲ ረኣናያ: ካብ ቤት ናብ ቤት ከኣ ክንከይድ ጀመርና። ከምዚ ክንገብር ኣይተጸበናን: ይኹን እምበር ሽዑ ነቲ እንፈልጦ ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ንህንጠ ነበርና። ነቲ ዘጓንፈና ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝ ምእንቲ ክህልወና ጽቡቕ ገይርና ክንዳሎ ነበረና። ስለዚ ኣብ ኣኼባታትና: በቲ እንፈልጦ ኣብ ንሓድሕድና እናተሓጋገዝና ነቶም ሰረ⁠ተ-እምነታት ንመያየጠሎም ነበርና።

ናይ ስብከት ንጥፈትና

ነታ ከተማ ብስብከትና መላእናያ። ሰባት ይሕጭጩልናን ይርብሹናን ነይሮም: ይኹን እምበር ነዚ ግዲ ኣይገበርናሉን። ሽሕ’ኳ ጌና ብዙሕ ክንማሃር እንተ ነበረና: ሓቂ ስለ ዝሓዝና ሓጐስና ዓቢ ኢዩ ነይሩ።

ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸይድ ነበርና። ሰባት ሕቶታት ይሓቱ: ንሕና ኸኣ ክንምልሸሎም ንፍትን ነበርና። ሰንበት ምሸት ህዝባዊ ዝርርብ ንህብ። መንግስቲ ኣዳራሽ ስለ ዘይነበረና ድማ: ኣብ ደገ ኣኼባታት ንገብር ነበርና። ሰባት ብሓባር ንእክብ: ኣስተምህሮ ንህብ: ሕቶታት ክሓቱ ኸኣ ንዕድሞም ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣብያት ክርስትያናት ሰቢኽና ኢና።

ናብቲ ሰብ ፈጺሙ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሰምዓሉ ከባቢታት እውን ተጓዒዝና ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ: ብብሽክለታታት ኢና እንኸይድ: ሓድሓደ ግዜ ግን ኣውቶቡስ ንካረ። ኣብ ሓደ ቝሸት ምስ በጻሕና ጥሩምባ ዓው ኣቢልና ንነፍሕ። ብምሉኡ እቲ ቝሸት ድማ ይሰምዓና! ሰባት እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንኽፈልጡ ይጐዩ። ድሕርዚ መልእኽትና ነብጽሕ። ድሕሪ ምውዳእና: ሰባት ናይ ጽሑፋትና ቅዳሕ ንምርካብ ይቀዳደሙ ነበሩ። ብዙሕ ድማ ኣበርከትና።

ንምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ ንጽበ ነበርና። ነታ ናይ 1935 ዓመት መጽሓፍ ምስ ተቐበልና: ሓደ ሓው ናይ ዓመት ምሉእ: መደብ ዕለት ጥቕሲ ምስ ረኣየ: “ኣርማጌዶን ቅድሚ ምምጽኣ ካልእ ምሉእ ዓመት ክንውድእ ኢና ማለት ድዩ፧” ኢሉ ክሓትት ይዝከረኒ።

እቲ ዝመርሕ ዝነበረ ክምልሽ ከሎ “ሓውና: ኣርማጌዶን ጽባሕ እንተድኣ መጺኣ ነታ ዓመት መጽሓፍ ምንባብ ክንገድፎ ኢና ኢልካዶ ትሓስብ፧” ብምባል ሓተቶ። እቲ ሓው ኣይፋሉን ኢሉ ምስ መለሰ: እቲ ዝመርሕ ዝነበረ “ስለምንታይ ደኣ እሞ ትጭነቕ ኣሎ⁠ኻ፧” በሎ። ንመዓልቲ የሆዋ ሃንቀው ንብል ነበርና ጌናውን ንብል ኣሎና።

ዓመታት ውግእ

ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ጽሑፋትና ከይኣቱ ተኣገደ። ኣብ ኤለሻ ዝነበረ ሓደ ሓው ሃብቲ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከይፈለጠ ንሓደ ፖሊስ ኣበርከተሉ። እቲ ፖሊስ “እዚ መጽሓፍ መን ኢዩ ዋናኡ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ሓው ናቱ ምዃና ነገሮ። እቲ ፖሊስ ከአ ክልኩል መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮ: ናብ መደበር ፖሊስ ወሲዱ ድማ ኣሰሮ።

ናብቲ መደበር ፖሊስ ከይደ ድሕሪ ምሕታተይ ነቲ ሓው ተዋሒሰ ኣውጻእክዎ። ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ንኸፍልጦ ናብቲ ኣብ ሌጎስ ዝነበረ ሓው ብራውን ደወልኩ። መጻሕፍትና ከይዕደል ዝኽልክል ዝዀነ ሕጊ ዘሎ እንተ ዀይኑ እውን ሓተትኩዎ። ሓው ብራውን መጻሕፍትና ከይኣቱ ደኣምበር: ከይዕደል ዝኽልክል ሕጊ ከም ዘየሎ ነገረኒ። ሓው ብራውን ሰለስት መዓልትታት ጸኒሑ: ነቲ ዝግበር ዝነበረ ምእንቲ ክዕዘብ ሓደ ሓው ካብ ሌጎስ ለኣኸ። እዚ ሓው እዚ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ኵልና መጽሔታትን መጻሕፍትን ሒዝና ናብ ዕዮ ስብከት ክንከይድ ወሰነ።

ናብ እተፈላለየ ኣንፈታት ተዋፈርና። ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ: መብዛሕትኦም ካብቶም ኣሕዋት ከም እተኣስሩ ሰማዕኩ። ስለዚ ኣነን እቲ ክበጽሕ ዝመጸ ሓውን ናብ መደበር ፖሊስ ከድና። እቶም ፖሊስ መጻሕፍትና ከም ዘይተኸልከሉ እኳ እንተ ገለጽናሎም ምስማዕ ኣበዩ።

እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ 33 ኣሕዋት ናብቲ ኣብ ኢፌ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ዳኛ ተላእኩ: ምስኦም ድማ ከድኩ። እቲ ክንውሰድ ከሎና ዝርኢ ዝነበረ ህዝቢ እታ ከተማ “እዞም ሰባት ሎሚ ኣኺልዎም ኢዩ። ኣይምለሱን ኢዮም” ኢሉ ጨደረ።

እቲ ክስታት ኣብ ቅድሚ እቲ ናይጀርያዊ ላዕለዋይ ዳኛ ቀረበ። ኵሎም እቶም መጽሔታትን መጻሕፍትን ተዘርግሑ። ነቲ ሓለቓ ፖሊስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክኣስር መን ስልጣን ከም ዝሃቦ ሓተቶ። እቲ ሓለቓ ፖሊስ ድማ ብመሰረት እቲ ናይ ኣውራጃ ሓላፊ ዝሃቦ ትእዛዝ ከም ዝገበረ መለሰ። እቲ ላዕለዋይ ዳኛ ነቲ ሓለቓ ፖሊስ: ካባና እተወከሉ ኣርባዕተ ሰባትን ንዓይን: ናብቲ ቤት ጽሕፈቱ ጸውዓና።

ኣቶ ብራውን መን ምዃኑ ሓተተ። ተወካሊ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ሌጎስ ምዃኑ ነገርናዮ። ድሕርዚ ካብ ኣቶ ብራውን ንዓና ዝምልከት ቴሌግራም ከም እተቐበለ ነገረና። ነቲ ጕዳይ ንኻልእ መዓልቲ ኣመሓላሊፉ ነቶም ኣሕዋት ብዋሕስ ፈነዎም። ንጽባሒቱ ነቶም ኣሕዋት ናጻ ለቐቖም: ነቶም ፖሊስ ከኣ ነቲ መጻሕፍቲ ክመልስዎ ኣዘዞም።

እናዘመርና: ናብ ኤለሻ ተመለስና። ሕጂውን እቲ ህዝቢ ክጭድር ጀመረ: ኣብዚ ግዜ እዚ ግን “ሕጂ ኸኣ እንደገና መጺኦም!” ኢዩ ዝብል ነይሩ።

ናይ የሆዋ ስርዓተ-መርዓ ተነጸረ

እቶም ሰለስተ ናይ መጀመርያ ናይ ጊልዓድ ምሩቓት ብ1947 ኢዮም ኣብ ናይጀርያ ዝበጽሑ። ሓደ ካብዞም ኣሕዋት: ቶነ ኣትዉድ: ገና ኣብዚ ኣብ ቤትኤል ናይጀርያ የገልግል ኣሎ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ኣብ ማሕበር የሆዋ ኣብ ናይጀርያ ዓበይቲ ለውጥታት ርኢና ኢና። ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ለውጥታት እቲ ብዛዕባ ብዙሓት ኣንስቲ ናይ ምእታው ዝነበረና ኣረኣእያ ኢዩ።

ለካቲት 1941 ንኦላቢሲ ፋሱባ ተመርዓኹዋ: ተወሰኽቲ ኣንስቲ ክምርዖ ከም ዘይብለይ ድማ እኹል ምርዳእ ነበረኒ። ይኹን እምበር ክሳዕ 1947 እቶም ሚስዮናውያን ዝመጽሉ እዋን: ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ኣብቲ ጉባኤታት ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣንስቲ ዝነበራኦም ኣሕዋት ብዘይምርዳእ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ከም ዘእተዉ ተነግሩ። ስለዚ ክልተ ወይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኣንስቲ እንተድኣ ኣለዋኦም ንዓኣተን ክሕዝወን ካልኦት ግን ከይውስኹ ተነግሮም። እቲ ዝነበረና መምርሒ እዚ ኢዩ ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት: ብፍላይ እኳ እቶም ኣብ ኤለሻ ዝነበሩ ናይ ኪሩቤልን ሱራፌልን ማሕበረሰብ ክሓብሩና ሃረር ይብሉ ነበሩ። ሓቂ ዝምህሩ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ይብሉ ነበሩ። ምስ ትምህርትታትና ተሰማምዑ: ንኣብያተ ክርስትያናቶም ከኣ ናብ መንግስቲ ኣዳራሻት ክቕይርዎ ደለዩ። ንሕና ድማ እዚ ንኽፍጸም ኣበርቲዕና ንዓየሉ ነበርና። ነቶም ሽማግለታቶም ንምልምማድ እውን ማእከል ነበረና።

ድሕርዚ ንብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ መጸ። ብ1947 ሓደ ካብቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ ትምህርቲ ሃበ። ብዛዕባ ጽቡቕ ጠባይን ልምድታትን ተዛረበ። ቀጺሉ ነቲ ዓመጽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርሱን ኢዮም ዝብል: 1 ቈረንቶስ 6:​9, 10: ጠቐሰ። ድሕርዚ ወሲኹ “ብዙሓት ኣንስቲ ዘእትዉ እውን መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርሱን ኢዮም!” በለ። እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ “ዋእ: ብዙሓት ኣንስቲ ዘእትዉ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርሱን ኢዮም!” ብምባል ጨደረ። ምፍልላይ ሰዓበ። ልክዕ ውግእ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ዝሓበሩና ሓደስቲ ሰባት “ተመስገን ኣምላኽ: እንቛዕ ብዙሕ ኣይከድና” ብምባል ምሕባር ኣቋረጹ።

ይኹን እምበር: ብዙሓት ካብቶም ኣሕዋት: ኣንስቶም ብምስዳድ መገዶም ከዐርዩ ጀመሩ። ገንዘብ ሂቦም ‘ንእሽቶ እንተድኣ ዄንኪ ኪዲ ካልእ ሰብኣይ ድለዪ። ንዓኺ ብምምርዓወይ ተጋግየ ኢየ። ሕጂ ግድን ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ክኸውን ኣሎኒ’ በልወን።

ሽዑ ንሽዑ ድማ ካልእ ግድል መጸ። ገሊኦም: ነተን ካልኦት ሰዲዶም ሓንቲ ሰበይቲ ክትህልዎም ድሕሪ ምውሳን: ሓሳቦም ብምቕያር ነታ ምስኦም ዘላ ሰዲዶም ሓንቲ ካብተን ዝገደፍውን ካልኦት ኣንስቲ ከምጽኡ ወሰኑ! ስለዚ እንደገና ጸገም ጀመረ።

ኣብቲ “ሰበይቲ ንእስነቱ” ዝብል ናይ ሚልክያስ 2:​14 ጥቕሲ እተመስረተ መምርሒ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መጸ። እቲ መምርሒ ሰብኡት ነታ መጀመርያ እተመርዓዉዋ ሰበይቲ ክሕዙ ኣለዎም ዝብል ኢዩ ነይሩ። ብኸምዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ሕቶ ፍታሕ ረኸበ።

መሰላት ኣገልግሎት

ብ1947 ማሕበር ነተን ጉባኤታት ከተበራትዐንን ኣብ ወረዳታት ከኣ ከተመሓድረን ጀመረት። ከም ‘ኣገልገልቲ ኣሕዋት’ ሕጂ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝበሃሉ: ኰይኖም ዘገልግሉ ብፍልጠት ዝማዕበሉ ብሱላት ኣሕዋት ክምዝዙ ደለዩ። ሓው ብራውን ከምዚ ዝበለ መዝነት ዝቕበል እንተድኣ ዀይነ ሓተተኒ። እተጠመቕክሉ ምኽንያት ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ወሲኸ “ንስኻውን ኢኻ ኣጠሚቕካኒ። ሕጂ ንየሆዋ ብዝያዳ መሊእካ ንምግልጋል ኣጋጣሚ እናሃለወ ኸሎ: ክኣቢ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ⁠ዶ፧” ብምባል ነገርክዎ።

ኣብ ጥቅምቲ ናይታ ዓመት እቲኣ: ሸውዓተ ካባና ናብ ሌጎስ ተጸዋዕና ናብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ቅድሚ ምኻድና ድማ ልምምድ ተዋህበና። ኣብቲ እዋን እቲ ወረዳታት ሰፋሕቲ ኢዩ ነይሩ። እታ ሃገር ብምልእታ ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ጥራይ ኢያ ተመቒላ ነይራ። ጉባኤታት ሒደት ኢየን ነይረን።

ከም ኣገልገልቲ ኣሕዋት መጠን ዝነበረና ዕዮ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ትሮፒካዊ ጫካታት: ብዙሕ ማይልስ ብእግርና ንጐዓዝ ነበርና። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ካብ ቁሸት ናብ ቁሸት ክንጐዓዝ ነበረና። ሓድሓደ ግዜ ኣብራኸይ ወለል ይብለኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ዝመውት ዘሎኹ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ! ይኹን እምበር: ብፍላይ ነቲ ዝውስኽ ዝነበረ ቁጽሪ ናይቶም ሓቂ ዝቕበሉ ሰባት ክትርኢ ከሎኻ ብዙሕ ሓጐስ እውን ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ጥራይ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ሃገር ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ኣርባዕተ ዕጽፊ ምብጽሑ ዘገርም ኢዩ!

ብዅነታት ጥዕና ተገዲደ ናብታ ከም ናይ ከተማ ተዓዛቢ ኰይነ እተመዘዝኩላ ኤለሻ ክሳዕ ዝምለስ ኣብዚ ናይ ወረዳ ዕዮ እዚ ክሳዕ 1955 እዓዪ ነበርኩ። ኣብ ቤተይ ምህላወይ ንስድራቤተይ ብመንፈስ ንምሕጋዝ ቈላሕታ ክገብር ኣኽኢሉኒ ኢዩ። ሎሚ ሽዱሽተ ደቀይ ብምሉኦም ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ።

ሓቀኛ ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን ኢያ

ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ: ብዙሕ ዘመስግነሉ ነገራት ኣሎኒ። ተስፋ ምቝራጽ: ሻቕሎት: ከምኡውን ሕማማት ነይሮም ኢዮም: ይኹን እምበር ብዙሕ ሓጐስ እውን ነይሩ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ፍልጠትናን ምርዳእናን ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ዓመታት እንተ ዓበየ: ትርጕም ናይቲ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ዝብል ናይ 1 ቈረንቶስ 13:⁠8 ጥቕሲ ካብ ተመኵሮ ተረዲአዮ ኢየ። ንየሆዋ እንተድኣ ኣፍቂርካዮን ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ጸኒዕካን: ኣብ ግዜ ሽግርካ ክሕግዘካን ኣብዚሑ ክባርኸካን ኢዩ።

እቲ ብርሃን ሓቂ እናወሰኸ ኢዩ ዝበርህ ዘሎ። ኣብቲ ዝጀመርናሉ እዋን ኣርማጌዶን ቀልጢፋ ክትመጽእ ኢያ ኢልና ንሓስብ ነበርና: በዚ ኸኣ ኢና እቲ እንኽእሎ ኵሉ ክንገብር እንቕልጥፍ ዝነበርና። ይኹን እምበር እዚ ዅሉ ንጥቕምና ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ኢየ ምስ ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝሰማማዕ:- “ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ: ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።”​—⁠መዝሙር 146:⁠2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓው ብራውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ናይ መወዳእታ በዓል ስልጣን ገይሩ ናይ ምሕባር ልምዲ ስለ ዝነበሮ ኢዩ ባይብል ብራውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ።​—⁠ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 መስከረም 1992 (እንግሊዝኛ) ገጽ 32 “ናይ ሓቀኛ ወንጌላዊ ዓጺድ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሳሙኤል ምስ ሚልተን ሄንሸል ብ1955

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሳሙኤል ምስ በዓልቲ ቤቱ: ኦላቢሲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ