ወለድን ውሉዳትን:- ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ሃብዎ!
“ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13
1. ወለድን ውሉዳትን ከመይ ዝበለ ፍርሂ ኢዮም ክዅስኵሱ ዘድልዮም: እዚኸ እንታይ ከምጽኣሎም ኢዩ፧
ሓደ ንየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ትንቢት “ብእኡ ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክርከብ ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። (ኢሳይያስ 11:3 ትሓዓ ) እቲ ዘለዎ ፍርሂ መሰረቱ ንኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ዘለዎ ኢዩ: እዚ ድማ ንኣምላኽ ስለ ዘፍቅሮ ንኸየጕህዮ ዝብል ፍርሂ ኢዩ። ወለድን ውሉዳትን ከምቲ ንየሱስ ዘምጽኣሉ ሓጐስ ከፍርየሎም ዝኽእል ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ፍርሂ ክዅስኵሱ የድልዮም። ትእዛዛቱ ብምሕላው ንኣምላኽ ኣብ ናብራኦም ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ የድሊ። ብመሰረት ሓደ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ “እዚ ናይ ሰብ [ምሉእ ግዴታ ትሓዓ ] እዩ።”—መክብብ 12:13
2. እቲ ኣውራ ኣገዳሲ ትእዛዝ ናይቲ ሕጊ እንታይ ኢዩ: ብመጀመርያኸ ንመን ኢዩ እተዋህበ፧
2 እታ ኣውራ ኣገዳሲት ትእዛዝ ናይቲ ሕጊ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዝበለጸ ሓይልናን’ ከነፍቅሮ ኣሎና እትብል ብመጀመርያ ንወለዲ ኢያ ተዋሂባ ነይራ። እዚ ድማ በቲ ቀጺሉ ዘሎ ቃላት ናይቲ ሕጊ ተራእዩ ኣሎ:- “ንደቅኻ ምሀሮም [ብዛዕባ እቲ ፈቃር የሆዋ ዝገልጽ ቃላት]: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:4-7፣ ማርቆስ 12:28-30) ስለዚ እምበኣር: ወለዲ ባዕላቶም ንየሆዋ ብምፍቃርን ንውሉዳቶም ድማ ከምኡ ክገብሩ ብምምሃርን ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ናይ ሓደ ክርስትያን ሓላፍነት
3. የሱስ ንቈልዑ ኣቓልቦ ምግባር ኣድላይነቱ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧
3 የሱስ ንናእሽቱ ቈልዑ እውን ከይተረፈ ኣቓልቦ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብቲ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቶም ህዝቢ ሕጻናቶም ናብኡ ከምጽኡ ጀመሩ። ብርግጽ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ የሱስ ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝነበረ ብዛዕባኦም ክግደስ ኣይክእልን ኢሎም ብምእማን ነቶም ህዝቢ ሕጻናት ከየምጽኡ ክኽልክልዎም ፈተኑ። የሱስ ግን “ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ: ኣይትኸልክልዎም” ብምባል ንደቀ መዛሙርቱ ገንሖም። በዚ ኸምዚ ድማ ‘ሓቊፉ’ ብዝትንክፍ መገዲ ንቈልዑ ኣቃልቦ ምግባር ኣድላይነቱ ኣርኣዮም።—ሉቃስ 18:15-17፣ ማርቆስ 10:13-16
4. እቲ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትእዛዝ ንመን ኢዩ እተዋህበ: እዚኸ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝሓቶም፧
4 የሱስ ሰዓብቱ ካብ ደቆም ሓሊፎም ንኻልኦት እውን ክምህሩ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣብሪህዎ ኢዩ። የሱስ ብድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን—ገለ ወለዲ እውን ሓዊስካ—“ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ።” (1 ቈረንቶስ 15:6) እዚ ብርግጽ ኣብቲ እቶም 11 ሃዋርያቱ እውን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዝርከብ ከረን ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብኡ ድማ የሱስ ንዅሎም “ስለዚ ኺዱ . . . ንዅሎም ኣህዛብ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:16-20 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ነዚ ብልክዕ ዕሽሽ ክብሎ ኣይክእልን ኢዩ! ኣቦታትን ኣዴታትን ነዚ ምእንቲ ኽፍጽምዎን ንውሉዳቶም ክሓልዩን ኣብቲ ናይ ህዝባዊ ስብከትን ምምሃርን ዕዮ ድማ ክሳተፉን ከድልዮም ኢዩ።
5. (ሀ) ኵሎም እኳ እንተ ዘይኰኑ: መብዛሕትኦም እቶም ሃዋርያት ምርዑዋት ከም ዝነበሩን ውሉዳት እውን ክህልዎም ይኽእል ከም ዝዀነ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ርእሲ ስድራቤታት: ነየናይ ምኽሪ ኢዮም ኣኽቢዶም ክርእይዎ ዘለዎም፧
5 እቶም ሃዋርያትውን ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታቶም ምስቲ ናይ ምስባኽን ነተን መጓሰ ኣምላኽ ናይ ምጕሳይን ግዴታ ብሚዛን ክሕዝዎ ከም ዝነበሮም ርዱእ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 21:1-3, 15-17፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ምኽንያቱ: ኵሎም እኳ እንተ ዘይኰነ: መብዛሕትኦም እተመርዓዉ ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገበርዎ: ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ከነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧” ኢሉ ዝገለጸ። (1 ቈረንቶስ 9:5 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና፣ ማቴዎስ 8:14) ገለ ሃዋርያት ድማ ውሉዳት እውን ነይሮምዎም ይዀኑ ኢዮም። ከም ዩሰቢስ ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ጸሓፍቲ ታሪኽ ጴጥሮስ ውሉዳት ከም ዝነበርዎ ይዛረቡ። ኵሎም እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ወለዲ ነቲ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ ኢዩ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ክዝክሩ የድልዮም ነይሩ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8
እቲ ቀዳማይ ሓላፍነት
6. (ሀ) እቶም ስድራቤት ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት: እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ናይ ሓደ ሽማግለ ቀዳማይ ሓላፍነት እንታይ ኢዩ፧
6 ሎሚ: ስድራቤት ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት ምስቲ ናይ ሃዋርያት ኣብ ዝመሳሰል ኵነታት ኢዮም ዘለዉ። እቲ ንስድራቤቶም መንፈሳውን ስጋውን ድልየታቶም ንምሕላይ ዘለዎም ሓላፍነት ምስቲ ብግልጺ ምስባኽን መጓሰ ኣምላኽ ንምጕሳይን ዘለዎም ሓላፍነት ሚዛናዊ ገይሮም ክሕዝዎ ኣለዎም። ኣየናይ ንጥፈት ኢዩ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ፧ እታ ናይ 15 መጋቢት 1964 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ትብል:- “[እቲ ናይ ኣቦ] ቀዳማይ ግዴታ ንስድራቤቱ ኢዩ: ብርግጽ ከኣ ነዚ ግዴታኡ እዚ ዘይግደስ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብታ ጉባኤ ብስርዓት ከገልግል ኣይኽእልን ኢዩ።”
7. ክርስትያን ኣቦታት ብኸመይ ኢዮም ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ዝህብዎ፧
7 ስለዚ ኣቦታት ናብቲ ‘ንውሉዳትኩም ብናይ [የሆዋ ትሓዓ ] ተግሳጽን ምዕዶን ኣዕብይዎም’ ዝብል ትእዛዝ ብምቕላብ ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) ዋላ እኳ እቲ ኣቦ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝግበር ካልእ ንጥፈታት ክዕዘብ መዝነት እንተለዎ: እቲ ዘለዎ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ናብ ካልእ ክመሓላለፍ ኣይክእልን ኢዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣቦታት—ንኣባላት ስድራቤት ንስጋውን መንፈሳውን ስሚዒታውን ድሌቶም ዘድሊ እናቐረቡ—ምስኡ ድማ ነታ ጉባኤ እናመርሑን ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት እናገበሩን ከመይ ገይሮም ኢዮም ንሓላፍነታቶም ክፍጽሙ ዝኽእሉ፧
ዘድሊ ሓገዝ ምቕራብ
8. ንሓደ ሽማግለ: ሰበይቱ ከመይ ገይራ ኢያ ክትድግፎ እትኽእል፧
8 ብርግጽ: ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ዘለዎም ሽማግለታት ካብ ሓገዝ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ግምቢ ዘብዐኛ ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ሓጋዚት ክትከውን ከም እትኽእል ትገልጽ። ከምዚ ትብል:- “ንዝተፈላለየ መዝነታቱ ምእንቲ ኽዳሎ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ሃዋህው ምቹእ ከም ዝኸውን ክትገብር ትኽእል: ከምኡውን ኣብ ገዛ ጽቡቕ መደብ ከም ዝህሉ ብምግባር: መግቢ ኣብ ግዜኡ ብምድላው: ንጉባኤ ቀልጢፎም ንኽኸዱ ብምቕራብ ንሰብኣያን ንገዛእ ርእሳን ግዜ ክትቁጥብ ትኽእል ኢያ። . . . ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ሰብኣያ መምርሒ ኰይና እውን ንውሉዳት በቲ ንየሆዋ ዘሐጕስ መገዲ ንኽመላለሱ ከተለማምዶም ብዙሕ ክትገብር ትኽእል ኢያ።” (ምሳሌ 22:6) እወ: ሰበይቲ “ደጋፊት” ክትከውን ኢያ ተፈጢራ: ሰብኣያ ድማ ብጥበብ ንሓገዛ መርሓባ ክብል ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:18) ናታ ሓገዝ ንኽልቲኡ: ናይ ስድራቤትን ጉባኤን ሓላፍነታቱ ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከም ዝሓሊ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።
9. ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ንኻልኦት ኣባላት ናይታ ጉባኤ ድማ ክሕግዙ እተተባብዑ መን ኢዮም፧
9 ይኹን እምበር: ናይ ክርስትያን ሽማግለታት ኣንስቲ ጥራይ ኣይኰናን ነቲ ‘ንመጓሰ ኣምላኽ ዝጓሲ’ ከምኡውን ንስድራቤቱ ዝሓሊ ተዓዛቢ ክድግፍ ኣብ ዝኽእል ንጥፈታት ክሳተፋ ዝኽእላ። (1 ጴጥሮስ 5:2) መን ካልእ ኢዩ እሞ ክሕግዝ ዝኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ነቶም “ዚመርሕኹም” ተገደስሎም ብምባል ኣተባቢዕዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሃዋርያ ጳውሎስ: ብምቕጻል ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም—ብፍላይ ድማ እቶም ናይ መሪሕነት ቦታ ዘይሓዙ—ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም: [ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ተዛረብወን: ትሓዓ ] ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም [ነዊሕ ተጻዋርነት ዘሎኩም ኩኑ ትሓዓ ]።”—1 ተሰሎንቄ 5:12-14
10. ናይ ኵሎም ኣሕዋት ፍቕራዊ ሓገዝ ኣብታ ጉባኤ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ፧
10 እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ነቶም እተጨነቑ ንምጽንናዕ: ንድኹማት ንምድጋፍ: ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ንምግናሕ: ከምኡውን ንዅሎም ነዊሕ-ተጻዋርነት ንምርኣይ እተለዓዕል ፍቕሪ ክትህልዎምስ ኣየ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ሓቂ እተቐበሉ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት: ከቢድ ጸበባ እኳ ይጽመሙ እንተነበሩ ነዚ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያ 17:1-9፣ 1 ተሰሎንቄ 1:6፣ 2:14፣ 5:11) እቲ ዝነበሮም ፍቕራዊ ምትሕብባር: ንብምልእታ እታ ጉባኤ ኣብ ምብርታዕን ምሕባርን ከመይ ዝበለ ሰናይ ውጽኢት ከም ዝነበሮ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ብተመሳሳሊ ድማ: እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣሕዋት ንሓድሕዶም ምስ ዝጸናንዑ: ምስ ዝደጋገፉ: ከምኡውን ምስ ዝመዓዓዱ: ነቲ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስድራቤት ሓልዮት ዘለዎም ሽማግለታት ዝገብርዎ ናይ ጕስነት ሓላፍነታት ዝቐለለ ኢዩ ዝገብሮ።
11. (ሀ) ኣብቲ ‘ኣሕዋት’ ዝብል ስያመ ኣሓትውን እትዋት ኢየን ነይረን ኢልና ክንድምድም ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ እንታይ ሓገዝ ኢያ ክትህበን እትኽእል፧
11 ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣሕዋት’ እናበለ እተዛረቦም ደቂ ኣንስትዮ እትዋት ድየን፧ እወ: ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣመንቲ ኰይነን ስለ ዝነበራ እትዋት ኢየን። (ግብሪ ሃዋርያት 17:1, 4፣ 1 ጴጥሮስ 2:17፣ 5:9) ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢየን ከበርክታ ዝኽእላ፧ ብርግጽ: ‘ፍትወት ስጋኤን’ ክቈጻጸራ ግድል ዝነበረን ወይ “እተጨነቓ ነፍሳት” ዝዀና ናኣሽቱ ኣንስቲ ኣብታ ጉባኤ ነይረን ኢየን። (1 ጢሞቴዎስ 5:11-13) ሎሚ እውን ገለ ኣንስቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ግድል ኣለወን። እቲ ንሳተን ዝደልያኦ ጽን ኢሉ ዝሰምዐንን ዝድንግጸለንን ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኸምዚ ዝበለ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣዝያ ዝበለጸት ኢያ። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ብቐሊሉ ክፈትሖ ዘይክእል ብሕታዊ ግድላት ምስ ሓንቲ ካልእ ሰበይቲ ክትመያየጥ ትኽእል ኢያ። ጥቕሚ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ብምጕላሕ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጻሓፈ:- “እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን . . . መሃርቲ ሰናይ ኪዀና: ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ: እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ: ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ: ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት: ቤተን ዚአልያ: ሕያዎት: ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን።”—ቲቶስ 2:3-5
12. ኵሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክስዕቡዎ ኣገዳሲ ዝዀነ መምርሒ ናይ መን ኢዩ፧
12 ትሑታት ኣሓት ኣብታ ጉባኤ ብምትሕብባር ንሰብኡተንን ሽማግለታትን ምስ ዝድግፋ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! (1 ጢሞቴዎስ 2:11, 12፣ እብራውያን 13:17) ኵሎም ብናይ ፍቕሪ መንፈስ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ምስ ዝተሓባበሩ ከምኡውን ኵሎም ነቲ መሪሕነት ናይቶም እተሸሙ ጓሶት ምስ ዝግዝኡ: ብፍላይ እቶም ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ዘለዎም ሽማግለታት ይጥቀሙ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 5:1, 2
ወለዲ: እንታይ ኢኹም እተቐድሙ፧
13. ብዙሓት ኣቦታት ስድራቤቶም ኣብ ምምራሕ ዝሰነፉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧
13 ዓመታት ይገብር ሓደ ፍሉጥ ተቐባል ጋሻ “ዕዉታት ሰብኡት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ዘለዉወን ኩባንያታት ከካይዱ ርእየ፣ ኣብቲ ናይ ንግድ ዓለም ብኸመይ ስርዓት ከትሕዙን ሽልማት ክህቡን ከም ዝኽእሉ፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝጋጠሙ ይፈልጡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ዝዓበየ ዘካይድዎ ዘለዉ ትካል ስድራቤቶም ኢዩ: ኣብኡ ግን ኣይተዓወቱን” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። ስለምንታይ፧ ንግድን ካልእ ረብሓታትን ብምቕዳም ንምኽሪ ኣምላኽ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ ድዩ፧ ቃሉ ከምዚ ይብል:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት . . . ንደቅኻ ምሀሮም።” እዚ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ክግበር ዘለዎ ኢዩ። ወለዲ ብዘይ ምቝጣብ ግዜኦም—ብፍላይ ድማ ፍቕሮምን ዓሚቝ ሓልዮቶምን—ክህቡ የድልዮም ኢዩ።—ዘዳግም 6:6-9
14. (ሀ) ወለዲ ንውሉዳቶም ብኸመይ ኢዮም ክሓልይሎም ዘለዎም፧ (ለ) ግቡእ ምልምማድ ናይ ቈልዑ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
14 መጽሓፍ ቅዱስ ውሉዳት ውህበት የሆዋ ምዃኖም የዘኻኽረና ኢዩ። (መዝሙር 127:3) ንውሉዳትካ ከም ንብረት ኣምላኽ: ሕድሪ ዝሃበካ ውህበት ገይርካዶ ትሓልየሎም ኢኻ፧ ፍቕራዊ ሓልዮትካን ኣቓልቦኻን ብምርኣይ ኣብ ሕቍፍኻ ምስ እትሓቕፎ ወይ ምስ እትሓቝፋ: እቲ ውሉድካ ከም ዘፍቅረካ ርግጽ ኢዩ። (ማርቆስ 10:16) እንተዀነ ግን: ‘ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዘለዎ መገዲ ምልምማድ’ ካብ ምሕቋፍን ምስዓምን ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ። ነቲ ናይ ናብራ ዕንቅፋታት ንምውጋድ ብዝሕግዝ ጥበብ ንምዕጣቕ: እቲ ወሉድ ፍቕራዊ መቕጻዕቲውን የድልዮ ኢዩ። ሓደ ኣቦ ‘ንውሉዱ ብምቕጻዕ’ ናይ ሓቂ ፍቕሩ የርኢ ኢዩ።—ምሳሌ 13:1, 24፣ 22:6
15. ናይ ወለዲ መቕጻዕቲ ኣድላዪ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
15 ናይ ወለዲ መቕጻዕቲ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ካብቲ ሓንቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪት ብዛዕባ እቶም ናብ ቤት ጽሕፈታ ዝመጹ ቈልዑ ዝሃበቶ መግለጺ ክርአ ይከኣል ኢዩ:- “ዘሕዝኑ: እተደቍሱ: ከምኡውን ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም ኢዮም። ኵነታት ብሓቂ ከመይ ከም ዘሎ ክነግሩ ከለዉ እናበኸዩ ኢዮም ዝዛረቡ። ብዙሓት—ካብቲ ሓደ ሰብ ክግምቶ ዝኽእል ዝበዝሑ—ሓጐሶም ክቈጻጸርዎ ስለ ዘይከኣሉ ዘይኰነስ: ጕሁያት: ዝግደሰሎም ዘይብሎም: ከምኡውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕሸል ዕድሚኦም ‘ሓላፍነት ብምስካሞም’ ንኽዋጽእሉ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ብጭንቀት ስለ እተዋሕጡ: ርእሰ-ቅትለት ክፍጽሙ ፈቲኖም ኢዮም።” ንሳ “ንሓደ ንእሽቶ ሰብ ሓደ ጕዳይ የካይድ ከም ዘሎ ኰይኑ ክስምዖ ዘፍርህ ኢዩ” ብምባል ትውስኽ። ልክዕ ኢዩ ውሉዳት ንመቕጻዕቲ ክነጽግዎ ይፍትኑ ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ናይ ወለዲ መምርሒታትን ቀይድታትን የማስውሉ ኢዮም። ወለዶም ደረት ብምግባር እኹል ዝዀነ ሓልዮት ስለ ዝገበሩሎም ሕጕሳት ኢዮም። ወለዱ ቀይዲ ገይሮምሉ ዝነበሩ ኰተቴ “ካብ ሓሳበይ ሓደ ዓብዪ ጾር ኣራጊፉለይ ኢዩ” በለ።
16. (ሀ) ንገለ ኣብ ናይ ክርስትያን ኣባይቲ ዝዓበዩ ውሉዳት እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞም፧ (ለ) ዓለወኛ መገዲ ናይ ሓደ ውሉድ እቲ ብወለዱ እተዋህቦ ምልምማድ ጽቡቕ ኣይነበረን ማለት ዘይኰነስ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ይኹን እምበር: ገለ መንእሰያት ዘፍቅርዎምን ሰናይ ምልምማድ ዝህብዎምን ወለዲ እናሃለውዎም: ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝገበሮ: ናይ ወለዲ መምርሒ ብምንጻግ ጎቦ ዘቢሎም ኢዮም። (ሉቃስ 15:11-16) ይኹን እምበር: እዚ እቶም ወለዲ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 22:6 ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ገይሮም ንውሉዳቶም ብዝግባእ ኣብ ምልምማድ ሓላፍነቶም ኣይፈጸሙን ማለት ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እቲ “ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ” ዝብል ሓሳባት ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ። ዘሕዝን ግን: ከምቲ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ: ገለ ውሉዳት ‘ንወለዶም ምእዛዝ ዚንዕቑ ኣለዉ።’—ምሳሌ 30:17
17. ናይ ዓለወኛታት ወሉዳት ወለዲ ካብ እንታይ ኢዮም ምጽንናዕ ክረኽቡ ዝኽእሉ፧
17 ኣቦ ሓደ ዓለወኛ ወዲ ሓዘኑ ክገልጽ ከሎ “ደጋጊመ ልቡ ክረክብ ፈቲነ ኢየ። ብዙሕ ነገራት ስለ ዝፈተንኩ ድማ እንታይ ከም ዝገብር ጠፊኡኒ ኢዩ ዘሎ። ዝገበርክዎ ኵሉ ፍረ የብሉን” ይብል። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ዓለወኛታት ውሉዳት: ከምቲ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝገበሮ: ሓደ መዓልቲ እቲ ካብ ወለዶም ዝረኸብዎ ፍቕራዊ ምልምማድ ሓደ ግዜ ይዝክርዎ እሞ ይምለሱ ይዀኑ ኢዮም። ሽሕ’ኳ ገለ ውሉዳት ዝዓለዉ ከምኡውን ንወለዶም ዘጕሂ ዘይጽፉፍ ተግባራት ዝገብሩ እንተዀኑ: ወለዶም ግቡእ ምልምማድ ከም ዝህብዎም ዝገልጽ ሓቂ ግና ኣይልወጥን ኢዩ። ወለዲ: እቲ ዝዓበየ መምህርውን ከይተረፈ ኣብ ምድሪ ከሎ: እቲ ንነዊሕ ግዜ ተማሃራዩ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ክኽሕዶ ከም ዝረኣየ ምፍላጦም ካብኡ ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ ንገዛእ ርእሱ እውን ብወገኑ ምንም ጌጋ ዘይነበረ ክነሱ: እቶም መንፈሳውያን ደቁ ምኽሩ ምስ ነጸጉ ከምኡውን ዓለወኛታት ምዃኖም ምስ ኣርኣዩ ከም ዝሓዘነ ዘጠራጥር ኣይኰነን።—ሉቃስ 22:47, 48፣ ራእይ 12:9
ውሉዳት—ንመን ኢኹም ከተሐጕሱ፧
18. ውሉዳት ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ከም ዝህብዎ ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧
18 ኣቱም መንእሰያት: የሆዋ “ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ኢሉ ኢዩ ዝምዕደኩም። (ኤፌሶን 6:1) መንእሰያት ከምዚ ብምግባር ንየሆዋ ቀዳማይ ቦታ ሃብዎ። ኣይትዓሽዉ! ቃል ኣምላኽ “ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ” ኢዩ ዝብል። ብዘይ ተግሳጽ ክትነብሩ ከም እትኽእሉ ገይርኩም ብትዕቢት ኣይትሕሰቡ። እቲ ሓቂ ግን “ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ: ኣነ ንጹህ እየ: ዚብል ወለዶ” ከም ዘሎ ኢዩ። (ምሳሌ 15:5፣ 30:12) ስለዚ ነቲ መለኮታዊ መምርሒ ተኸተሎ—“ስምዓዮ:” ‘ኣርንቦ:’ “ኣይትረስዓዮ:” ‘ኣቕልበሉ:’ “ሐልዎ:” ከምኡውን ነቲ ናይ ወለዲ ሕግታትን ተግሳጽን “ኣይትሕደጎ።”—ምሳሌ 1:8፣ 2:1፣ 3:1፣ 4:1፣ 6:20
19. (ሀ) ውሉዳት ንየሆዋ ክእዘዝዎ እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) መንእሰያት ንየሆዋ መመስገንቲ ምዃኖም ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧
19 ንየሆዋ ክትእዘዞ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎካ። ንሱ የፍቅረካ ኢዩ: ነቶም ክከላኸሉልካን ንህይወት ድማ ክትሕጐሰሉ ዝድግፉኻን ወለድኻ ክትእዘዝ ዝነግር ሕጊ ዘጠቓለለ: ሕግታቱ ሂቡካ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ድሒንካ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ከተስተማቕር ንወዱ ኣብ ክንዳኻ ክመውት እውን ሂቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) ተመስግንዶ ኢኻ፧ ኣምላኽ ብሓቂ ከም እተፍቅሮን ነቲ ዝገበሮ ምድላዋት ድማ ከም እተማስወሉን ንኽፈልጥ ልብኻ ብምምርማር ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይዕዘብ ኢዩ ዘሎ። (መዝሙር 14:2) ሰይጣን እውን ይዕዘብን ንኣምላኽ ኣይእዘዝን ኢዩ ብምባል ድማ ንኣምላኽ ይጻረፍን ኢዩ ዘሎ። ንኣምላኽ ምስ ዘይትእዘዝ ድማ ንሰይጣን ተሐጕሶ ንየሆዋ ድማ ‘ተጕህዮ።’ (መዝሙር 78:40, 41) የሆዋ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ብምባል ኢዩ ዝላበወካ። (ምሳሌ 27:11) እወ: እቲ ሕቶ: ንመን ኢኻ ከተሐጕስ: ንሰይጣንዶ ወይስ ንየሆዋ፧ ዝብል ኢዩ።
20. ሓንቲ መንእሰይ: ክትፈርህ ከላውን ከይትረፈ ንየሆዋ ከተገልግሎ ትብዓት ክትረክብ ዝኸኣለት ከመይ ኢላ ኢያ፧
20 ኣብ ትሕቲ እቲ ሰይጣንን ዓለሙን ዘውርዱልካ ጸቕጥታት ኰይንካ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ቀሊል ኣይኰነን። ዘፍርህ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ምፍራህ ከም ምቝራር ኢዩ። ንኽትፈትሖ ገለ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።” ንሳ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ቍሪ ምስ ዝስመዓካ: ጐልፎ ትድርብ። ገና ቍሪ ዝስመዓካ እንተድኣ ኰይኑ: ካልእ ጐልፎ ትድርብ። እዚ ድማ እቲ ቍሪ ክሳዕ ዝገድፈካ: ክሳዕ እትመውቕ ምድራብ ትቕጽል። ስለዚ ፍርሂ ክስመዓካ ከሎ ናብ የሆዋ ምጽላይ ልክዕ ከምቲ ክትቈርር ከሎኻ ጐልፎ ምድራብ ኢዩ። ሓንሳእ ምስ ጸለኹ: ገና ፍርሂ ዝስምዓኒ እንተድኣ ኰይኑ: ክሳዕ እቲ ፍርሂ እንደገና ከም ዘይስምዓኒ ኰይኑ ዘልግስ ደጊመ ደጋጊመ እጽሊ። ይሰርሕ ድማ ኢዩ። ካብ ሽግር ኣናጊፉኒ ኢዩ!”
21. ኣብ ናብራና ብሓቂ ቀዳማይ ቦታ ክንህቦ እንተድኣ ፈቲንና ብኸመይ ኢዩ የሆዋ ዝድግፈና፧
21 ንኣምላኽ ኣብ ናብራና ቀዳማይ ቦታ ብሓቂ ክንህቦ እንተድኣ ፈቲንና: የሆዋ ክድግፈና ኢዩ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን: ከምቲ ንወዱ የሱስ ዝገበረሉ እውን ከይተረፈ ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ብምሃብ ከሐይለና ኢዩ። (ማቴዎስ 18:10፣ ሉቃስ 22:43) ኵልኹም ወለድን ውሉዳትን ትብዑ። ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ፍርሂ ይሃልኹም: ሓጐስ ከኣ ከስዕበልኩም ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:3) እወ: “እዚ ናይ ሰብ [ምሉእ ግዴታ ትሓዓ ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13
ክትምልስዶ ምኸኣልካ፧
◻ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ሓላፍነታት ኢዮም ሚዛናዊ ገይሮም ክሕዝዎ ዝነበሮም፧
◻ ክርስትያን ወለዲ ክፍጽምዎ ዘለዎም ሓላፍነት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ስድራቤት ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘለዎም፧
◻ ኣሓት ኣብታ ጉባኤ ከመይ ዝበለ ክቡር ኣገልግሎት ኢየን ከበርክታ ዝኽእላ፧
◻ ውሉዳት እንታይ ኣድላዪ ምኽርን መምርሕን ኢዮም ከቕልብሉ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
መብዛሕትኡ ግዜ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ዘድሊ ሓገዝ ክትህባ ትኽእል ኢያ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ዓለወኛታት ውሉዳት ዘለውዎም ወለዲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ምጽንናዕ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧