ነቶም ‘ስቡር መንፈስ’ ዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ
ሎሚ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ‘ናብ ዕብዳን ተለቒቓ’ ኢያ ዘላ። (ኤፌሶን 4:19፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ዝሙትን ምንዝርን ገኒኑ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት 50 ካብ ሚእቲ ወይ ዝያዳ ዝኸውን መርዓታት ብፍትሕ ኢዩ ዝውዳእ። ግብረ-ሶዶም ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። ናይ ጾታዊ ርክብ ዓመጽ—ምግሳስ—ኵሉ ግዜ ኣብ ዜና ዝስማዕ ኢዩ። ስእለ-ጽዩፍ ቢልዮናት-ዶላር እቶት ዝርከቦ ስራሕ ኢዩ።—ሮሜ 1:26, 27
ካብ መንጎ እቲ ዝኸፍአ ብዕልግናታት ከኣ ንንጹሃት ቈልዑ ብስጋዊ ርክብ ምዕማጽ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጥበብ ናይዛ ናይ ሰይጣን ዓለም: ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ምዕማጽ ‘[ናይ እንስሳን ትሓዓ ] ሰይጣናውን’ ኢዩ። (ያእቆብ 3:15) ታይም መጽሔት “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 400,000 ዝኸውን እተረጋገጸ ናይ ጾታዊ ርክብ ማህሰይቲ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብመምህራንን ሓካይምን ኣብ ሰበ-ስልጣናት ይምዝገብ።” ናይዚ ማህሰይቲ እዚ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ምስ ዓበዩ: ብዙሓት ካብኣቶም ጌና ዘሳቒ ቁስልታት ይስከሙ: እቶም ቁስልታት እቲኣቶም ድማ ናይ ሓቂ ኢዮም! መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ሰብ እንተ ሐመመስ: መንፈሱ [ናይ ኣእምሮኡ ዝንባለ: ውሽጣዊ ስምዒታቱን ሓሳባቱን] ይድግፎ። ንተሰብረ [ዝቘሰለ: እተጐድአ] መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፧”—ምሳሌ 18:14
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ: “ንስቡራት ልቢ” ከምኡውን ነቶም “እተደቝሰ መንፈስ” ዘለዎም ሓዊስካ: ንዅሎም ዓይነት ሰባት ባህ ዘብል ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:1-4) ብዙሓት ኣብ ስምዒታዊ ቃንዛ ዘለዉ ሰባት ድማ: ነቲ “ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ እንተመለስሉ ዘገርም ኣይኰነን። (ራእይ 22:17) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ቦታ ምጽንናዕ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ስቓይ ቀልጢፉ ክሓልፍ ምዃኑ ክፈልጡ የሐጕሶም ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:17) ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን: ‘ክጸናንዑ’ ከምኡውን ቁስሎም ‘ክዝነኑ’ ይደልዩ ይዀኑ ኢዮም። ጳውሎስ ንክርስትያናት “[ነቶም መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ብዘጸናንዕ ተዛረብዎም ትሓዓ ]: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም ተዐገስዎም” ኢሉ ብግቡእ መኸሮም።—1 ተሰሎንቄ 5:14
“ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት”
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካልኦት እቲ ምኽንያት ንኽርድእዎ ጸገም ኰይኑ ዝረኸብዎ: ገሊኦም ሰባት “ስቡራት ልቢ” ኰይኖም ኢዮም። እዚኣቶም በቲ ከም “ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት” ተገሊጹ ዘሎ: ቈልዑ ከለዉ ብጾታዊ ርክብ ከም እተዓመጹ ዝዛረቡ እኹላት ሰባት ኢዮም።a ገሊኦም ናይቲ ብናእሽትኦም ከለዉ ዝዓመጾም እኹል ሰብ (ወይ ሰባት) ሕሉፍ ስምዒትን “ተዘክሮታትን” ብሃንደበት ክሳዕ ዝመጾም ከም እተዓመጹ ዘርኢ ሓሳብ የብሎምን። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገለ ሰብ ከምዚ ዝበለ ዝርብሽ ሓሳባት ኣለዎ ድዩ፧ ኣብ ውሑዳት ሃገራት: እወ ኣለዉ: እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶም ዓሚቝ ጭንቀት: ሕርቃን: ጸጸት: ሕፍረት: ወይ ጽምዋ የሕልፉ ይዀኑ። ከም ዳዊት ካብ ኣምላኽ ከም እተነጸሉ ክስምዖምን “ዎ [የሆዋ ትሓዓ ]: ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ: ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧” ብምባል ድማ ኣምሪሮም ክበኽዩን ይኽእሉ።—መዝሙር 10:1
ናይ ኣእምሮ ጥዕና ክኢላታት: ናይዚ “ተዘክሮታት” እዚ ብዙሕ መዳያት ጽቡቕ ገይሮም ኣይርድእዎምን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝበለ “ተዘክሮታት” ንመንፈሳውነት ናይ ብዙሓት ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ነዚኣቶም ኣብ ምእላይ መሪሕነት ንኽህበና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኢና ብተኣማንነት እንውከል። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኵሉ ነገር ምስትውዓል” ይህብ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:7 ትሓዓ ፣ 3:16) ንዅሎም እቶም ዝምልከቶም ኣብቲ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና” የሆዋ እምነት ክገብሩ እውን ይሕግዝ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4
ብሓቂ ኣጋጢሙ ድዩ፧
ኣብ ዓለም: እዞም “ተዘክሮታት” እዚኣቶም እንታይ ምዃኖምን ነቶም ብሓቂ እተፈጸሙ ነገራት ድማ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝውክልዎምን: ብዙሕ ክርክር ኢዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ካብ ዓለም ኣይኰኑን:” ኣብዚ ክርክር እዚ ድማ ኣይካፈሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16) ብመሰረት እቲ እተጻሕፈ ጸብጻባት: ሓድሓደ ግዜ “ተዘክሮታት” ልክዕ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ውሕስነት ኣመዓራራዪ ፍራንክ ፊትስፓትሪክ ብሓደ ቀሺ ከም እተዓመጸ ምስ “ዘከረ”: ዳርጋ ሓደ ሚእቲ ዝዀኑ ካልኦት እውን በዚ ቀሺ እዚ ከም እተዓመጹ ተዛረቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ከኣ እቲ ቐሺ ነቲ እተፈጸመ ዓመጽ ተኣሚንሉ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ብዙሓት ውልቀ-ሰባት “ተዘክሮታቶም” ከረጋግጹ ከም ዘይከኣሉ ክፍለጥ ኣለዎ። በዚ መገዲ እዚ እተጐድኡ ገለ ሰባት: ናይቲ ዓመጽ ዝፈጸመ ውልቀ-ሰብ ወይ ናይቲ ዓመጽ እተፈጸመሉ ቦታ ንጹር ዝኽርታት ነይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጸኒሑ: ሕጋዊ መርትዖታት እዞም “እተዘከሩ” ዝርዝራት ሓቂ ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
ዕቝባ ምሃብ
እንተዀነ ግን: ነቶም ብሰንኪ ከምዚ ዝበለ “ተዘክሮታት” “ስቡር መንፈስ” ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይርካ ምጽንናዕ ክወሃብ ምተኻእለ፧ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገልጽ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘክር። ሓደ ሰብኣይ ብዘረፍቲ ተጠቒዑ: ተሃሪሙ: ከምኡውን ጥሪቱ ተገፊፉ ነበረ። እቲ ሳምራዊ ምስ መጸ: ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ደንገጸሉ። እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ብዛዕባ እቲ መውቃዕቲ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ክሰምዕዶ ሓቲቱ ኢዩ፧ ወይ ናይቶም ዘረፍቲ ሓበሬታ ረኺቡ ቀልጢፉ እግሪ እግሮምዶ ስዒቡ ኢዩ፧ ከምኡስ ኣይገበረን። እቲ ሰብኣይ ተሃስዩ ኢዩ ነይሩ! ስለዚ እቲ ሳምራዊ ብህድኣት ኣቝሳሉ ዘፈፈሉ ብሕያውነት ድማ ናብቲ ክሓውየሉ ዝኽእል ደሓን ዝዀነ ስፍራ: ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መዕረፍ ኣጋይሽ ወሰዶ።—ሉቃስ 10:30-37
ብሓቂ: ኣብ መንጎ ኣካላዊ ቝስልን ብጭቡጥ እተፈጸመ ናይ ቍልዕነት ናይ ጾታዊ ርክብ ዓመጽ ዘስዕቦ “ስቡር መንፈስ”ን ፍልልይ ኣሎ። ይኹን እምበር: ክልቲኦም ከቢድ ስቓይ ዘስዕቡ ኢዮም። ስለዚ እቲ ሳምራዊ ነቲ ዝቘሰለ ኣይሁዳዊ ዝገበረሉ ነገር: ንሓደ እተጐድአ ክርስትያን ብጻይ ንምሕጋዝ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ዘርኢ ኢዩ። ብቐዳምነት ዝድለ ፍቕራዊ ምጽንናዕ ምሃብን ንኽሓዊ ምሕጋዙን ኢዩ።
ድያብሎስ: ስምዒታዊ ወይ ኣካላዊ ስቓይ ንጽህናኡ ከበላሽወሉ ምዃኑ ብምትእምማን: ነቲ እሙን እዮብ ኣጥቂዕዎ ኢዩ። (እዮብ 1:11፣ 2:5) ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: ሰይጣን ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምነት ንምድኻም መብዛሕትኡ ግዜ ስቓይ—ባዕሉ ብቐጥታ ዘስዕቦ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ—ክጥቀም ይፍትን ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 12:7-9 ኣረኣእዮ።) ሰይጣን ሕጂ ንእምነት ናይ ክርስትያናት ንምድኻም ምእንቲ ክፍትን: ነቲ ናይ ቈልዓ ምዕማጽ ከምኡውን ነቲ “እተደቝሰ መንፈስ” ናይቶም በዚ ዝሳቐዩ (ወይ በቲ ዘሕለፍዎ “ተዘክሮታት” ዝርበሹ) ብዙሓት እኹላት ሰባት ከም ዝጥቀመሉ ክንጠራጠር ንኽእል ዲና፧ ሓደ ስቓይ ዘሕልፍ ዘሎ ግናኸ ብጽንዓት ንጽህናኡ ከይሓድግ ዝኣቢ ክርስትያን ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ ትሕቲ ናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ከሎ ዝበሎ “ኪድ ርሓቕ: ሰይጣን” ኢዩ ዝብል ዘሎ።—ማቴዎስ 4:10
ብመንፈስ ብርቱዕ ኴንካ ቀጽል
“እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ነቲ ብናይ ቈልዓ ዓመጽ ክስዕብ ዝኽእል መንፈሳውን ስምዒታውን ጕድኣት ንምቍጽጻሩ ዝሕግዝ ሓበሬታ ሓቲሙ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ብምልባስ ‘ኣብ [ሓይሊ ትሓዓ ] ጐይታን ኣብ ጽንዓት ሓይሉን’ ክውከል እንተድኣ ክኢሉ: እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ክሕገዝ ከም ዝኽእል ተመኵሮ የርኢ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:10-17) እዚ ኣጽዋር እዚ: ንሰይጣን እቲ ዝለዓለ ጸላኢ ከም ዝዀነ: ኣብቲ ንሱን ኰራዅሩን ዝዓይሉ ጸልማት ድማ ከም ዘውደኽድኽ: ዘቃልዖ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓቂ” ዘጠቓልል ኢዩ። (ዮሃንስ 3:19) ድሕርዚ እቲ “ድርዒ ጽድቂ” ኢዩ ዘሎ። እቲ እተጐድአ ሰብ ጻድቕ ስርዓታት ክሕዝ ክጽዕር ኣለዎ። ንኣብነት: ገሊኦም ንገዛእ ርእሶም ክጐድኡ ወይ ርኽሰት ክፍጽሙ ብርቱዕ ድፍኢት ኣለዎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ነዚ ድፍኢታት እዚ ምስ ዝቃወምዎ ይዕወቱ ኢዮም!
መንፈሳዊ ኣጽዋር ‘ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል’ እውን ዘጠቃልል ኢዩ። ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ንኻልኦት ምዝራብ: ነቲ ዝዛረብን ንዝዀነ ዝሰምዕ ሰብን ዘባራትዕ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምዝራብ ዘጸግመካ ‘ስቡር መንፈስ’ ዘሎካ እንተድኣ ኴንካ: ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ክገብር ከሎ ወይ ክትገብር ከላ ምስ ካልእ ክርስትያን ክትሓብር ፈትን። ነቲ “ዋልታ እምነት” ድማ ኣይትረስዓዮ። የሆዋ ከም ዘፍቅረካን ነቲ ዘጥፋእካዮ ኵሉ ነገር ድማ ከም ዝመልሶን እምነት ይሃሉኻ። ብዘይጥርጥር የሱስ እውን ከም ዘፍቅረካ: ነዚ ድማ ኣብ ክንዳኻ ብሙማት ከም ዘረጋገጾ እመን። (ዮሃንስ 3:16) ሰይጣን: የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣይሓልን ኢዩ ብምባል ኵሉ ግዜ ብሓሶት ምስ ከሰሰ ኢዩ። እዚ እቲ ኻልእ ዝዓበየ: ሰንካም ሓሶቱ ኢዩ።—ዮሃንስ 8:44፣ ምስ እዮብ 4:15-18፣ 42:10-15 ኣረኣእዮ።
ናይ ልቢ ቃንዛ: የሆዋ ብዛዕባኻ ከም ዝግደስ ንኽትኣምን ኣሸጋሪ እንተድኣ ገይሩልካ: ምስቶም ከም ዝግደስ ኣጽኒዖም ዝኣምኑ ካልኦት ሰባት ምሕባር ክሕግዘካ ኢዩ። (መዝሙር 119:107, 111፣ ምሳሌ 18:1፣ እብራውያን 10:23-25) ሰይጣን ነቲ ዓስቢ ህይወት ክዝርፈካ ኣይተፍቅደሉ። እቲ “ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ:” ክፍሊ ናይቲ ኣጽዋር ምዃኑ ዘክር፣ እቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ድማ ከምኡ። መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ሰይጣን ከሰንፎ ዘይክእል መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ እብራውያን 4:12) እቲ ዝፍውስ ቃላቱ ስምዒታዊ ቃንዛ ከህድእ ይኽእል ኢዩ።—ምስ መዝሙር 107:20፣ 2 ቈረንቶስ 10:4, 5 ኣረኣእዮ።
ኣብ መወዳእታ: ንኽትጽመም ሓይሊ ምእንቲ ክትረክብ ከየባተኽካ ጸሊ። (ሮሜ 12:12፣ ኤፌሶን 6:18) ካብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት: ንየሱስ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስምዒታዊ ጻዕረ-ሞት ከሎ ደጊፍዎ ኢዩ: ንዓኻውን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 22:41-43) ንኽትጽሊ የጸግመካ ድዩ፧ ካልኦት ምሳኻን ምእንታኻን ክጽልዩ ሕተቶም። (ቈሎሴ 1:3፣ ያእቆብ 5:14) መንፈስ ቅዱስ ንጸሎትካ ክድግፎ ኢዩ። (ምስ ሮሜ 8:26, 27 ኣረኣእዮ።) ከምቲ ዘሳቒ ኣካላዊ ሕማም: ገሊኦም ዓሚቝ ስምዒታዊ ቝስሊ ዘለዎም ሰባት ኣብዚ ኣገባብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ ኣይክእሉን ይዀኑ። ይኹን እምበር: ብሓገዝ የሆዋ ክንጽመም ንኽእል ኢና: ምጽማም ድማ ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ኵነታት ዝነበረ: ዓወት ኢዩ። (ዮሃንስ 16:33) “ኣቱም ህዝቢ: ኵሉ ጊዜ ብእኡ [ብየሆዋ] ተወከሉ: ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ: መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ።”—መዝሙር 62:8
ብዛዕባ እቲ ዓማጺ ዝበሃልከ፧
ሓደ ብሓቂ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ዝዓመጸ ሰብ ምግሳስ ዝፈጸመ ኢዩ: ከምኡ ገይርካ ድማ ኢዩ ክርአ ዘለዎ። በዚ ኣገባብ እዚ ግዳይ ዝዀነ ማንም ሰብ ነቲ ዓማጺ ክኸሶ መሰል ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ኣብ ናይ ዓመጽ “ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት” እተመስረተ እንተድኣ ኰይኑ ክሲ ተሃዊኽካ ክግበር የብሉን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ብመጠኑ ስምዒታዊ ርግኣት ከም ዝረክብ ምግባር ኢዩ። ገለ ግዜ ምስ ሓለፈ: ነቲ “ተዘክሮታቱ” ክግምግም ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ይኸውን እሞ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክገብሮ ዝደሊ ነገር እንተድኣ ኣልዩ ድማ ይውስን።
እስኪ ናይ ዶና ነገር ርአ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ናይ ኣመጋግባ ምምዝባል ስለ ዝነበራ ናብ ኣማኻሪ—ብርግጽ ዘጠራጥር ብቕዓት ዝነበሮ—ከደት። ሽዑ ንሽዑ ነቦኣ ብስጋ ከም እተራኸባ ከሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ድማ ኣቕረበቶ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይከኣለን: ስለዚ እቲ ኣቦ ኣይተኣስረን: ከም ሕጋዊ መቕጻዕቲ ግን 100,000 ዶላር ክኸፍል ተፈርዶ። ድሕርዚ ዅሉ: ዶና እቲ ዓመጽ ተፈጺሙ ኢዩ ኢላ ከም ዘይትኣምን ንወለዳ ነገረቶም!
ሰሎሞን: ብጥበብ: ከምዚ በለ:- “ሕጋዊ ነገር ንምክያድ ብሃወኽ ኣይትግበሮ።” (ምሳሌ 25:8 ትሓዓ ) እቲ ገበነኛ ዝበሃል ዘሎ ጌና ንቘልዑ ይዕምጽ ከም ዘሎ ንምጥርጣሩ ገለ ብቑዕ ምኽንያት እንተድኣ ኣሎ: መጠንቕቕታ ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዘየሎ ግና ኣይትተሃወኽ። ኣብ መወዳእታ: ነቲ ነገር ብምሕዳግካ ትሕጐስ ትኸውን። ነቲ ገበነኛ ዝበሃል ዘሎ ክትጋጠሞ እንተድኣ ደሊኻ ግን (መጀመርያ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ምላሽ ከመይ ከም ዝስማዓካ ድሕሪ ምግምጋምካ): ከምኡ ክትገብር መሰል ኣሎካ።
እቲ “ተዘክሮታት” ዘለዎ ሰብ ኣብቲ ዝሓውየሉ ዘሎ እዋን: ኣጸገምቲ ኵነታት ይለዓሉ ይዀኑ። ንኣብነት: ሓደ ውልቀ-ሰብ ብሓደ ኣብ መመዓልቲ ዝርእዮ ወይ እትርእዮ ሰብ ከም እተዓመጸ ወይ እተዓመጸት ዘርኢ ንጹር ናይ ኣእምሮ ምስሊ ይህልዎ ወይ ይህልዋ ይኸውን። ነዚ ነገር እዚ ንምቍጽጻር ሕግታት ክቐውም ኣይክእልን ኢዩ። “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” (ገላትያ 6:5) ሓድሓደ ግዜ እቲ ሰብ ዘመድ ወይ ናይ ስድራቤት ቀረባ ኣባል ምዃኑ ክስምዖ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ከም ገበነኛ ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብ ንኸተለልዮ: እቲ ናይ ገለ ገለ “ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት” ኣጠራጣሪ ኵነታት ዘክር። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: እቲ ነገር ክሳዕ ኣጸቢቑ ዘይተረጋገጸ: ምስቲ ስድራቤት—እንተወሓደ ሓድሓደ ግዜ ብምብጻሕ: ብደብዳበ: ወይ ብቴሌፎን—ቀጻሊ ምርኻብ: ሓደ ሰብ እቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ክስዕብ ይፍትን ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ።—ምስ ኤፌሶን 6:1-3 ኣረኣእዮ።
ሽማግለታት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
እቶም ሽማግለታት: ብምኽንያት እቲ ቈልዓ ከሎ እተዓመጾ: ሕሉፍ ስምዒታት ወይ “ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት” ዘሕልፍ ዘሎ ናይታ ጉባኤ ኣባል እንተድኣ ቐሪብዎም: መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ካብኣቶም ንኽሕግዝዎ ይምዘዙ። እቶም ሽማግለታት ነቲ ተጐዲኡ ዘሎ ሰብ ንግዚኡ ነቲ ስምዒታዊ ጭንቀት ንኽስዕሮ ኣብ ምቅላስ ከተኵር ብሕያውነት ከተባብዕዎ ኣለዎም። ስም ናይ ዝዀነ “እተዘከረ” ዓማጺ ብጽኑዕ ምስጢር ክተሓዝ ኣለዎ።
ናይ ሽማግለታት ቀዳማይ ተግባር ከም ጓሶት ኴንካ ምዕያይ ኢዩ። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ንሳቶም “[ንገዛእ ርእሶም] ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ለውሃት: ከምኡውን ነዊሕ ተጻዋርነት [ንኽለብሱ]” ብፍላይ ጥንቁቓት ክዀኑ ኣለዎም። (ቈሎሴ 3:12 ትሓዓ ) ሕያውነት ብዘለዎ መገዲ ይስምዑ: ድሕርዚ ድማ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፍውስ ቃላት ይጠቐሙ። (ምሳሌ 12:18) ብዘሳቒ “ተዘክሮታት” እተጐድኡ ገለ ሰባት: ነቶም ከመይ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ኢሎም ስርዓታዊ ምብጻሕ ወይ ቴሌፎን ዝገበርሎም ሽማግለታት ሞሳኦም ገሊጾም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ርክባት ብዙሕ ግዜ ክወስድ ዘድሊ ኣይኰነን: ይኹን እምበር ማሕበር የሆዋ ከም እትሓሊ ዘርኢ ኢዩ። እቲ እተጐድአ ሰብ: ክርስትያን ኣሕዋቱ ንእኡ ብሓቂ ከም ዘፍቅርዎ ምስ ተረድአ: እኹል ስምዒታዊ ሚዛን ንኽመልስ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።
እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ክኸስስ እንተ ደለየኸ፧b ድሕርዚ እቶም ክልተ ሽማግለታት: ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15 ዘሎ መምርሒ ብምስምማዕ: ነቲ ክሱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብብሕቱ ክቐርቦ ከም ዘለዎ: ክመኽርዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ከሳሲ ነዚ ገጽ-ንገጽ ክገብሮ ስምዒታዊ ዓቕሚ ዝስእን እንተድኣ ዀይኑ: ብቴሌፎን ወይ ምናልባት ደብዳበ ብምጽሓፍ ክግበር ይከኣል ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ እቲ ኽሱስ ነቲ ክሱ መልሲ ክህብ ከሎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቀሪቡ ምእንቲ ክሓስበሉ ግዜ ይወሃቦ። ነቲ ዓመጽ እቲ ክፍጽሞ ከም ዘይክእል መርትዖ ከቕርብ እውን ይኽእል ኢዩ። ወይውን እቲ ክሱስ ምናልባት ይናሳሕ እሞ ዕርቒ ይርከብ። ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ክኸውን ኢዩ! ነስሓ እንተድኣ ተገይሩ: እቶም ክልተ ሽማግለታት ድሕርዚ ነቲ ጕዳይ ብመሰረት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ ገይሮም ክሕዝዎ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ ክሲ ኣሉታ እንተድኣ ተዋሂብሉ: እቶም ሽማግለታት ነቲ ከሳሲ ብናይ ፍርዲ ኣገባብ ልዕሊ እዚ ዝዀነ ነገር ክግበር ከም ዘይክኣል ክገልጽሉ ኣለዎም። እታ ጉባኤ ድማ ነቲ ክሱስ ከም ንጹህ ሰብ ምርኣዩ ክትቅጽል ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ክህልዉ ኣለዎም ኢዩ ዝብል። (2 ቈረንቶስ 13:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:19) ካብ ሓደ ሰብ ዝበዝሑ በቲ ሰብ እቲ ከም እተዓመጹ እውን እንተ “ዘከሩ” እዚ ምዝካር እዚ ካልእ ደጋፊ መርትዖ ከይተረኽቦ ፍርዳዊ ውሳኔታት ኣብኡ ክስረት ኣዝዩ ዘጠራጥር ኢዩ። እዚ ግን ከምዚ ዝበሉ “ተዘክሮታት” ከም ሓሶት ኢዮም ዝረኣዩ ማለት ኣይኰነን (ወይ ከም ሓቂ ኢዮም ዝረኣዩ ማለት ድማ ኣይኰነን)። ይኹን እምበር ንሓደ ጕዳይ ብፍርዲ ንምርግጋጽ ግድን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ክስዓቡ ኣለዎም።
እቲ ክሱስ—ነቲ ጌጋኡ ይኽሓድ እምበር—ብሓቂ ገበነኛ እንተዀነኸ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧ ልክዕ ከም ጥዑይ “ከይተቐጽዐ” ክሓልፍዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይሓልፍን! ገበነኛ ወይ ንጹህ ናይ ምዃኑ ሕቶ ኣብ ኢድ የሆዋ ዝግደፍ ኢዩ። “ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ: ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:24፣ ሮሜ 12:19፣ 14:12) መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ይብል:- “ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ: ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።” “ረሲእ እንተ ሞተ: ተስፋኡ ይጠፍእ።” (ምሳሌ 10:28፣ 11:7) ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብፍትሒ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ክህቡ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 4:5
ንድያብሎስ ምቅዋሙ
ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ዓቢ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ክጽመሙ ከለዉ: ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ናይ ውሽጣዊ ሓይሎምን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን መረጋገጺ ኰን ኢዩ! ነቲ ዝድግፎም ሓይሊ መንፈስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ምስክርነት ኰን ኢዩ!—ምስ 2 ቈረንቶስ 4:7 ኣረኣእዮ።
ናይ ጴጥሮስ ቃላት ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ይጠቅም ኢዩ:- “ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:9) ከምዚ ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ: ብንጹርን ክውንነታውን መገዲ ክትሓስብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ግናኸ ተስፋ ኣይትቝረጽ! ድሕሪ ሓጺር ግዜ: ሰይጣንን ጐራሕ ግብርታቱን ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ብሓቂ: ነቲ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ [ስቓይ ትሓዓ ] ኣይኪኸውንን እዩ” እተባህለሉ ግዜ ንናፍቖ ኢና።—ራእይ 21:3, 4
[እግረ-ጽሑፋት]
a “ተዓቢጡ ዝጸንሐ ተዘክሮታት” ከምኡውን ተመሳሳሊ መግለጺታት: ካብቲ ንዅልና ዘሎና ኣዝዩ ልሙድ ተዘክሮታት ንምፍላይ ኣብ ምልክት ጥቕሲ ኣትዮም ኣለዉ።
b እቲ ጕዳይ እታ ጉባኤ ዝፈለጠቶ እንተድኣ ኰይኑ: ከምቲ ኣብዚ ሕጡብ-ጽሑፍ እዚ ተሰሪዑ ዘሎ ስጕምትታት ክውሰድ እውን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።