ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 3-4
  • ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣየናይ ናብራ ኢኻ እትመርጽ⁠፧
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ገነት እትኸውን ምድሪ
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 3-4

ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ

ካብቲ ንናብራ ኣሸጋሪ ዝገብሮ ግድላት ናጻ ክትከውን ምደለኻዶ⁠፧ ከምዚ ኣብ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ገበር ናይዛ መጽሔት እዚኣ ብስእሊ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ሓንቲ ባህ ዘብል ናብራ ዘለዋ ዓለም ክትነብር ምደለኻዶ⁠፧ ነቲ ስእሊ እሞ ጽቡቕ ገይርካ ተዓዘቦ። ሰባት እኹል ዝብላዕ ኣለዎም። ብሓቂ ነቲ ምቁር መግቢ ከስተማቕርዎ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕጕስ ኢዩ። እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ሰላም ኣለዎም። እንስሳታት እውን ከይተረፉ ሰላማውያን ኢዮም! ዝበኣስ ሰብ የሎን። ድኻ ሰብ የሎን። ሕሙም ሰብ የሎን። ምልኩዓት ኣከባቢታት: ውቁባት ኣግራብ: ከምኡውን ጽሩይን ንጹህን ማይ ኣሎ። ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ኣከባቢ ኰን ኢዩ!

እዛ ምድሪ እዚኣስ ከምኡዶ ክትከውን ኢያ⁠፧ እወ: ገነት ክትከውን ኢያ። (ሉቃስ 23:43) እቲ ንምድሪ ዝፈጠረ ኣምላኽ: ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝሓሸ ናብራ ከስተማቕሩ ዕላማ ገይሩ ኣሎ። ንስኻውን ኣብኡ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ!

ኣየናይ ናብራ ኢኻ እትመርጽ⁠፧

እታ መጻኢት ምድራዊት ገነት: ካብዛ ሕጂ እንነብረላ ዘሎና ዓለም እተፈልየት እትኸውን ብኸመይ ኢያ⁠፧ ኣብዚ ግዜ እዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ጠምዮም ይውዕሉ። ኣብታ ኣምላኽ ንምድሪ መዲቡላ ዘሎ ገነት ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ እኹል ዝብላዕ ክህልዎ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም ኢዩ:’ ኢሉ ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 25:⁠6) መጽሓፍ ቅዱስ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ [ምድሪ ትሓዓ ]: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ኢዩ ስለ ዝብል ዋሕዲ መግቢ ኣይክህሉን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 72:⁠16

ሎሚ: ብዙሓት ኣብ ኣግነትን እተጨቓጨቐ ሕማቕ ገዛውትን ይነብሩ: ወይ ነቲ ዘለዎም ክራይ ክኸፍሉ ይቃለሱ ኢዮም ዘለዉ። ካልኦት ድማ ገዛ የብሎምን: ኣብ መገዲ ኸኣ ይሓድሩ። ብመሰረት እቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና 100 ሚልዮን ዝዀኑ ናይ ዓለም ቈልዑ መንበሪ ዘይብሎም ኢዮም። ኣብታ እትመጽእ ገነት ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናተይ ኢሉ ዝጽውዖ ገዛ ክህልዎ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21

ብዙሓት ኣብ ዘይፈትውዎ ስራሕ ይሽቅሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ንነዊሕ ሰዓታትን ኣድካምን ስራሕ ይሰርሑ: ኣምሳያኡ ድማ ውሑድ ገንዘብ ይረኽቡ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለም ዘለዉ 5 ሰባት 1 ኣብ ዓመት ትሕቲ $500 እቶት ኢዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር: ኣብታ እትመጽእ ዘላ ገነት ሰባት ብስርሖም ክሕጐሱ: ጽቡቕ ፍረ ከኣ ክረኽቡ ኢዮም። ኣምላኽ “ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን” ኢዮም ኢሉ ይመባጻዕ።​—⁠ኢሳይያስ 65:​22, 23

ሎሚ ድናሰን ሕማምን ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ዕዉራት ኢዮም። ገለ ድማ ጸማማት ኢዮም። ካልኦት ኸኣ ብእግሮም ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን። እንተዀነ ግን: ኣብ ገነት: ሰባት ካብ ድናሰን ሕማምን ናጻ ክዀኑ ኢዮም። የሆዋ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: [ሕሙም ትሓዓ ] እየ: ኣይብልን” ኢሉ ይዛረብ። (ኢሳይያስ 33:24) ነቶም ድሮ ሰንኪሎም ዘለዉ ድማ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [ኢዩ]:” ዝብል ልቢ ዘምውቕ መብጽዓ ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 35:​5, 6

ኣብዚ ግዜ እዚ: ስቓይን ቃንዛን: ጓህን ሞትን ኣሎ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ኣብ ምድሪ እትኸውን ገነት እዚ ዅሉ ኣይክህሉን ኢዩ። እወ: ሞት እውን ከይተረፈ ክሓልፍ ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶም . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።​—⁠ራእይ 21:​3, 4

ብንጹር እምበኣር: እታ ኣምላኽ እተመባጽዓላ ምድራዊት ገነት ንደቅሰብ ዝሓሸ ናብራ ዘለዋ ክትከውን ኢያ። እንተዀነ ግን: ከም እትመጽእ ርግጸኛታት እንኸውን ከመይ ገይርና ኢና⁠፧ መዓስ ኢያ እትመጽእ: ብኸመይከ⁠፧ ኣብኣ ንኽትህሉኸ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ⁠፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ