ኣብዛ ኣብ ዕግርግር ዘላ ዓለም ሰላም ረኺቦም
እዚ ገበር ናይዚ መጽሔት እዚ ርሱን ውግእ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ሰላም ክህሉ ይኽእልዶ፧ እቲ ዘገርም: መልሱ እወ ዝብል ኢዩ። ኣብዛ ናይ ሞት ሃገር እዚኣ ዘለዉ ናይ ሮማ ካቶሊክ: ምብራቓዊ ኦርቶዶክስ: ከምኡውን ናይ እስልምና ማሕበረሰባት ብዶብ ክዋግኡ ከለዉ ብዙሓት ውልቀሰባት ከኣ ንሰላም ሃንቀው ይብልዋ: ገለ ካብኣቶም ድማ ረኺቦምዋ ኢዮም።
ዶረምስ ተቐማጦ ናይ ሳራየቮ ኰይኖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ማእከል እቲ ኵሉ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዕግርግር ድማ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ምእንቲ ከካፍልዎም ብቐጻሊ ንጐረባብቶም ይበጽሕዎም ነይሮም። (ማቴዎስ 24:14) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስድራቤት ዶረም እዛ መንግስቲ እዚኣ ናይ ሓቂ ምዃና: ድሮ ኣብ ሰማይ ቈይማ ከም ዘላ: ከምኡውን ንሳ እታ ዝበለጸትን እንኮ ተስፋ ሰላምን ምዃና ስለ ዝፈለጡ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ናይ ሰላም ብስራት” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ ምሉእ ተኣማንነት ኣለዎም። (ኤፌሶን 2:17) ንኸም በዓል ቦዞን ሄና ዶረምን ዝኣመሰሉ ሰባት ምስጋና ይኹኖም: ብዙሓት ኣብ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ዘለዉ ሰባት ሰላም ይረኽቡ ኣለዉ።
ናይ ሓቂ ሰላም ክመጽእ ኢዩ
ብዛዕባ ዶሮምስ ካልእ እንብሎ ኣሎ። እንተዀነ ግን: መጀመርያ ብዛዕባ ካልኦት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነት ዘጥረዩ ሰብኣይን ሰበይትን ንርአ። ኣስማቶም ኣርተርን ኣሬናን ይበሃል። ንሳቶምን ናእሽቱ ኣወዳት ደቆምን ኣብቲ ናይ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዶብ እትርከብ ሪፓብሊክ ይቕመጡ ነበሩ። ውግእ ሓድሕድ ምስ ጀመረ ድማ ኣርተር ምስ ሓደ ካብቶም ወገናት ኰይኑ ተዋግአ። ይኹን እምበር: ቀልጢፉ ‘ኣንጻር እዞም ጐረባብተይ ዝነበሩ ሰባት ስለምንታይ ኢየ ዝዋጋእ ዘሎኹ፧’ ክብል ንገዛእ ርእሱ ሓተተ። ነታ ሃገር ገዲፍዋ ወጸ: ድሕሪ ብዙሕ ሽግር ድማ ምስታ ዕሸል ስድራቤቱ ኣብ ኤስቶንያ በጽሐ።
ኣርተር: ናብ ስያንት ፒተርስበርግ ክኸይድ ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸበ: በቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተማህሮ ነገራት ድማ ተመሰጠ። ድሕሪ ኣዝዩ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ በይና ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክትገዝእ ፍቓድ የሆዋ ኢዩ። (ዳንኤል 2:44) ሽዑ ምድሪ ውግእ ሓድሕድ ይኹን ወይ ኣህጉራዊ ግርጭታት ዘይብላ ሰላማዊት ቦታ ክትከውን ኢያ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”—ኢሳይያስ 11:9
ሓደ ምስክር ኣብ ሓደ ካብቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዝ መጽሓፍ ናይታ እትመጽእ ሰላማዊት ምድሪ ዝገልጽ ስእሊ ምስ ኣርኣዮ: ኣርተር ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ቦታ ይነብር ከም ዝነበረ ተዛረበ። ይኹን እምበር: ሕጂ ብውግእ ሓድሕድ ዓንዩ ኢዩ። ኣርተርን ስድራቤቱን ናብ ኤስቶንያ ተመሊሶም: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ይማሃሩ ኣለዉ።
ሰላም ኣብ መንጎ ዕግርግር
መዝሙር 37:37 ከምዚ ትብል:- “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ።” እኳ ድኣ: ናይቲ ፍጹም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ቅኑዑ ዝዀነ ሰብ: ሰላሙ ንመጻኢ ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። ሕጂ እውን ከይተረፈ የስተማቕሮ ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝከኣል፧ ናይ ሓደ ፖል እተባህለ ሰብኣይ ተመኵሮ ርአ።
ፖል ዋላ እኳ ካብ ጐረቤት ሃገር ዝመጸ እንተዀነ: ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ ርሕቕቲ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ዝነብር ኢዩ። ኣብ ዓዱ ድማ: ኣብ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ዝሰርሕ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸበ: እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ እትብሃል መጽሓፍ ሃቦ።a ፖል ነቲ ሰብኣይ እንደገና ፈጺሙ ኣይረኸቦን: ነታ መጽሓፍ ተጠንቂቑ ምጽናዕ ግን ቀጸለ። ውግእ ሓድሕድ ድማ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ከም ዝኸይድ ገበሮ: ኣብኡ ድማ ብዛዕባ እቲ እተማህሮ ንኻልኦት ነገሮም። ሓደ ንእሽቶ ጕጅለ ድማ ነዚ ከም ሓቂ ገይሮም ተቐበልዎ። ብመሰረት እቲ እተማህርዎ ድማ ቀልጢፎም ኣብቲ መዓስከር ንዘለዉ ኻልኦት ክነግሩ ጀመሩ።
ፖል ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሓገዝ ብምሕታት ጸሓፈ። ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ እተላእከ ኣገልጋሊ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ክማሃሩ እተቐረቡ 35 ዝዀኑ ሰባት ክጽበይዎ ምስ ጸንሑ ተገረመ። ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ ሓገዝ ንምሃብ ድማ መደባት ተገብረ።
ከም በዓል ፖል ዝኣመሰሉ ሰባት ሰላም የስተማቕሩ ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ናብራኦም ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ: ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣለዎም። በዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዕገርግር ክትንከፉ ከለዉ ነቲ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ኣብ ተግባር ዘውዕሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ሎሚ ዳርጋ ዘይርከብ ኰይኑ ዘሎ ዕግበት ኣለዎም። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ፊልጲ ዝጸሓፈሎም ቃላት ኣብኣቶም ዝውዕል ኢዩ:- “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” ብርግጽ: ምስቲ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣለዎም።—ፊልጲ 4:6, 7, 9
ህሉው ሰላም
እቲ ዝነገሰ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6) ብዛዕብኡ እቲ ናይ ጥንቲ ነብዪ ከምዚ በለ:- “ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብቲ ርባ ኸኣ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።” (ዘካርያስ 9:10) ከምዚኣቶም ዝበሉ መንፈስ ዝነፈሶም ቃላት ነቲ ሆሴ እተባህለ ሰብኣይ ዓሚቍ ሳዕቤን ነይርዎም ኢዩ።
ሓደ ግዜ ሆሴ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ ኢዩ። ፈጣር ራዕዲ ኢዩ ነይሩ: ንሓደ ናይ ፖሊስ መንበሪ ገዛውቲ ከባርዕ ክቀራረብ ከሎ ድማ ተኣስረ። እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኵነታት ከመሓይሽ ዝግድዶ ዓመጽ ጥራይ ምዃኑ ሓሰበ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰበይቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ።
ሆሴ ምስ ተፈትሐ: ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ እቲ ናይ መዝሙር 85:8 ቃላት ኣብኡ ክውዕል ጀመረ:- “ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ።” ይኹን እምበር: እታ ጥቕሲ ብመጠንቀቕታ ኢያ እትጅምር:- “ናብ [ርእሰ-ተኣማንነት ትሓዓ] ደኣ ኣይመለሱ።” ስለዚ: ሓደ ንሰላም የሆዋ ዝደሊ ሰብ ብገዛእ ርእሱ ብምኻድ ካብ ልክዕ ኣይሓልፍን ወይ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ኣይከይድን ኢዩ።
ሎሚ: ሆሴን ሰበይቱን ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኢዮም። ነቲ ሆሴ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ገዛ ብእተሰርሐ ቦምብታት ገይሩ ክፈትሖ ዝፍትን ዝነበረ ግድላት መፍትሒ ንኽረኽቡ ንኻልኦት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ገጾም ክገብሩ ይመርሕዎም ኣለዉ። ነቲ “እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ክውከልዎ ፍቓደኛታት ኢዮም። (መዝሙር 85:12) ብርግጽ: ሆሴ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነቲ ከዕንዎ መደብ ገይርሉ ዝነበረ ገዛእውቲ በጺሕዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ነተን ኣብኡ ዘለዋ ስድራቤታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክነግረን ኢዩ።
ሰላማውያን ሰባት
ኣብ መዝሙር 37:10, 11: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” ከመይ ዝበለ ግሩም ተስፋ ኰን ኢዩ!
ይኹን እምበር: ሰላም የሆዋ: ነቶም “ትሑታት” ጥራይ ምዃኑ ኣስተብህል። እቶም ሰላም ዝደልዩ ሰለማውያን ክዀኑ ክማሃሩ ኣለዎም። እቲ ኣብ ኒው ዚላንድ ዝነብር ኪት እውን ኵነታቱ ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ኪት “ብኣቃውማን ኣካልን ሓያል: ቍጡዕ: ከምኡውን ተኻታዒ” ኢዩ ነይሩ። ኣባል ናይ ሓደ ጕጅለ ዓመጽቲ ኢዩ ነይሩ: ከምኡ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ሓቂ ዕርዲ ዝዀነ ከምኡውን ዘይተደለዩ ሰባት ከይኣትዉ ዝሕልዉ ሰለሰተ ኣኽላባት ዘለውዎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራታት ዘለዎ ገዛ ይነብር ነበረ። እታ ኣደ ሹድሽተ ደቁ ዝዀነት ሰበይቱ ድማ ፈቲሓቶ ኢያ።
ኪት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኸበ: እቲ ብስራት ዓሚቝ ለውጢ ኣምጽኣሉ። ቀልጢፎም ድማ ንሱን ደቁን ምስቶም መሰኻኽር ኣኼባታት ይሳተፉ ነበሩ። ነቲ ኣብ መዓንጣኡ ዝበጽሕ ዝነበረ ጸጕሩ ቈረጾ: ነቶም ቅድም ብጾቱ ዝነበሩ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክምስክረሎም ጀመረ። ገለ ካብዚኣቶም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ጀመሩ።
ከምቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎ ሰባት: ኪት ነቲ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጀሚሩ ኢዩ:- “እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ: . . . ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።” (1 ጴጥሮስ 3:10, 11) እታ ቅድም ሰበይቱ ዝነበረት ንኪት እንደገና ክትምርዓዎ ተሰማምዐት: ንሱ ድማ ሕጂ ‘ንሰላም ክደልያን ክስዕባን’ ይማሃር ኣሎ።
ነቲ ኣብ ዩ.ኤስ.ኤስ.ኣር ነበር እተወልደ ሓደ ግዜ ኸኣ ስፖርታዊ ዝነበረ ሓዊስካ: ሰላም የሆዋ ንብዙሓት ሰባት ህይወት ዘድሕን ኰይኑዎም ኣሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት መዳልያታት ረኺቡ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ሃውቲቱ ናብ ሓሽሽን ኣልኮልን ተመልሰ። ድሕሪ ናይ 19 ዓመት ፍጻሜታት ዝመልኦ ኵነታት: ማለት ናይ ሰለስተ ዓመት ፍርዲ ኣብ ሓደ ናይ ሸቕሊ ደምበ ኣብ ሰይበርያ: ብመርከብ ጾሊቑ ናብ ካናዳ ጕዕዞ ምግባር: ከምኡውን ብምኽንያት እቲ ዝነበሮ ናይ ሓሽሽ ወልፊ ክልተ ግዜ ጥቓ ሞት ድሕሪ ምብጻሕ: ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ምእንቲ ክረክብ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ምስቶም ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማሩ ንሕቶታቱ መልሲ ክረክብ ሓገዞ። ሎሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሚልዮናት ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእሱን ሰላም ረኺቡ ኣሎ።
ተስፋ ትንሳኤ
ኣብ መጨረሽታ ናብቶም ኣብ ሳራየቮ ዘለዉ ቦዞን ሄና ዶረምን እስከ ንመለስ። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ማግደሊን እተባህለት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ነበረቶም። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ: ሰለስቲኦም እንደገና ኣብቲ ናይ ስብከት ስራሕ ክሳተፉ ካብ ገዝኦም ክወጹ ኸለዉ ብሓደ እተተኰሰ ቦንብ ሞቱ። እቲ ንኻልኦት ዝሰብኩሎም ዝነበሩ ሰላም ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ እታ ንህይወቶም ዘጥፍአት ቦምብ እቲ ሰላም እቲ ናይ ሓቂ ከም ዘይነበረ እተርኢ ድያ፧
ብፍጹም ከምኡ ኣይኰነን! ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘሕዝን ነገራት የጋጥም ኢዩ። ሰባት ብቦምብታት ወይ ብነተጕቲ ይቕተሉ ኢዮም። ካልኦት ድማ ብሕማም ወይ ሓደጋታት ይሞቱ። ብዙሓት ድማ ብእርጋን ይሞቱ። እቶም ሰላም ኣምላኽ ዘስተማቕሩ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ናጻ ኣይኰኑን: እንተዀነ ግን: ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣጋጣሚታት ክህልዉ ምኽኣሎም ተስፋ ዘይብሎም ዝገብሮም ኣይኰነን።
የሱስ ንማርታ ዓርኩ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ተመባጽዓላ። (ዮሃንስ 11:25) ከምቲ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣምንዎ: ስድራቤት ዶረምስ ነዚ ይኣምንሉ ኢዮም። ዶረምስ እንተ ሞቱ እውን ኣብታ ብሓቂ ሰላማዊት ቦታ ክትከውን ዘለዋ ምድሪ ክትንስኡ ምዃኖም እምነት ነይርዎም ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ: እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4
ቀቅድሚ ሙማቱ: የሱስ ንሰዓብቱ “ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። . . . ልብኹም ኣይሸበር” በሎም። (ዮሃንስ 14:27) በቶም ሰላም ዝነበሮም ንዝመጽእ ድማ ብርግጽ ምሉእ ብምሉእ ብትንሳኤ ዘስተማቕርዎ ስድራቤት ዶረምስ ንሕጐስ ኢና። በቶም ንየሆዋ: ኣምላኽ ሰላም: ዘመስግንዎ ኵላቶም ሕጕሳት ኢና። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣለዎም። ምስ ኣምላኽ ሰላም የስተማቕሩ። ምስ ካልኦት ዘለዎም ሰላም ይዅስኵሱ። ኣብቲ ሰላማዊ መጻኢ ግዜ ድማ ተኣማንነት ኣለዎም። እወ: ኣብዛ ዕግርግር ዝመልኣ ዓለም እኳ ይነብሩ እንተለዉ ሰላም ረኺቦም ኢዮም። ብርግጽ: ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ዘምልኽዎ ሰላም የስተማቕሩ ኢዮም። ንስኻውን ከምዚ ዝበለ ሰላም እትረክብ ይግበርካ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓመት።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዛ ኣብ ዕግርግር ዘላ ዓለም ይነብሩ እኳ እንተለዉ ሰላም ረኺቦም ኢዮም