ኣብዛ ሓጐስ ዘይብላ ዓለም ሕጉሳት
ኣብ ናይ 26 ጥሪ 1995: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ወጺኡ ዝነበረ ሓደ ርእሰ–ዓንቀጽ: ከምዚ ብምባል ይጅምር:- “እዚ ዘበን እዚ ብሱሩ ናይ ሰይጣን ዘበን ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ: ሰባት ከምዚ ዘበን እዚ ገይሮም ንኻልኦት ሚልዮናት ብምኽንያት ዓሌት: ሃይማኖት ወይ ደርቢ ንምቕታል ኣዝዩ ዓቢ ዝዀነ ዝንባለን ድሌትን ኣርእዮም ኣይፈልጡን።”
ኣብቲ ናይ ናዚ ናይ ሞት ደምበታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ንጹሃት ግዳያት ሓራ ዝወጽሉ መበል 50 ዝኽረ-ዓመት: ንኣዳለውቲ ጋዜጣታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ንኽብሉ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምኡ ዝኣመሰለ ጭካነ ዘለዎ ቕትለት ጌና ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ኣፍሪቃን ምብራቓዊ ኤውሮጳን ይካየድ ኣሎ።
ምዝራፍ: ዓሌታዊ ምጽራይ: ቀቢላዊ ምትሕርራድ—ስያሜኡ ብዘየገድስ—ዓቢ ሓዘን ዘምጽእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ከምዚ ዝበለ ዘየድሊ ህልቂት ብርቱዕ ናይ ሓጐስ ድምጽታት ይስማዕ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1930ታት ኣብ ጀርመን ዝነበረ ኵነታት እስከ ንርአ።
ኣብ ሚያዝያ 1935: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሂትለርን በታ ናቱ ሰልፊ ዝዀነት ናዝን: ካብ ኵሉ ናይ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ስራሓት ተኣጊዶም ነበሩ። ከምኡውን እቶም መሰኻኽር ክርስትያናዊ ገለልትነት ስለ ዝነበሮም ተታሒዞም: ተኣሲሮም: ናብ መዳጐኒ ደምበታት ድማ ተወሲዶም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16) ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይ ነሓሰ 1936: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጃምላ ይእሰሩ ነበሩ። ኣሽሓት ካብኣቶም ናብቲ ክሳዕ 1945 ዝጸንሕሉ—ምናልባት ብህይወት ተሪፎም እንተድኣ ኰይኖም—መዳጐኒ ደምበታት ተወሲዶም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቶም መሰኻኽር ነቲ ኣብቲ ደምበታት ዘጋጠሞም ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብኸመይ መለስሉ፧ ዘገርም እኳ እንተመሰለ: ኣብ ሓጐስ ዘይብሉ ከባቢ እናነበሩ ሓጐስ ክዕቅቡ ክኢሎም ኢዮም።
“ኣብ ማእከል ጭቃ ከውሒ”
ክሪስቲን ኪንግ እትበሃል ናይ ብሪቲሽ ጸሓፊት ታሪኽ: ንሓንቲ ኣብቲ ደምበታት ዝነበረት ካቶሊካዊት ሰበይቲ ቃለ-መጠይቕ ገይራትላ ነበረት። ዶር. ኪንግ ከምዚ በለት:- “ፈጺመ ዘይርስዓ ሓንቲ ሓረግ ተጠቕመት። ብዛዕባ እቲ ናይ ህይወት ራዕዲ: ዝነበረቶ ዘስካሕክሕ ኵነታት ዘርዚራ ተዛረበት። ንመሰኻኽር ትፈልጦም ምዃና ከምኡውን እቶም መሰኻኽር እቲኣቶም ኣብ ማእከል ጭቃ ከውሒ ምንባሮም ተዛረበት። ኣብ ማእከል እቲ ዅሉ ሰልሚ ከም ሓደ ተሪር ቦታ ኢዮም ነይሮም። እቶም ሓለውቲ ክሓልፉ ከለዉ ጡፍ ዘይበሉ ህዝቢ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ነዚ ዅሉ ኵነታት ብጽልኢ ዘይኰነስ ብፍቕርን ብተስፋን እተዋጽኡሉ ከምኡውን ዕላማ ከም ዝነበረ ዝስምዖም ህዝቢ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም ነይሮም።”
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ኣብ ማእከል ጭቃ ኣኻውሕ’ ንክዀኑ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝነበሮም ዘይነቓነቕ እምነት ኢዩ። ስለዚ ድማ: ናይ ሂትለር ጻዕርታት ንክርስትያናዊ ፍቕሮምን ሓጐሶምን ክዕፍኖ ኣይከኣለን።
ካብቲ ደምበ ዝደሓኑ ክልተ ሰባት: ነዚ ናይ እምነት ፈተና ብዓወት ምስ ተዋጽእሉ ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ነቲ ዅነታት ክዝክርዎ ከለዉ ስምዓዮም። እታ ሓንቲ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ኵሉ ዝሓሰመ ኵነታት: ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕርን ሞሳን ከርኢ ፍሉይ መሰል ከም ዝረኸብኩ ብምፍላጠይ ብዙሕ ተሓጒሰ ኢየ። ነዚ ክገብር ዋላ ሓደ ሰብ ኣየገደደንን! ብኣንጻሩ: እቶም ዘገደዱና—ኣይተዓወቱን ድኣምበር—እቶም መፈራርሂታት ብምጥቃም ልዕሊ ኣምላኽ ንሂትለር ከም እንእዘዝ ንኽገብሩና ዝፈተኑ ጸላእትና ኢዮም! ብምኽንያት እቲ ዘሎኒ ሰናይ ሕልና: ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ድሕሪ መናድቕ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርኩሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ሕጕስቲ ኢየ ነይረ።”—ማርየ ሆምባክ: ጓል 94 ዓመት።
ካልእ ምስክር ድማ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበርኩሉ እዋናት ብምስጋናን ሓጐስን ኢየ ዝዝክሮ። እተን ኣብ ትሕቲ ሂትለር ኣብ ኣብያት ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ዝሓለፋ ዓመታት ኣሸገርትን ፈተናታት ዝመልአንን ኢየን ነይረን። ይኹን እምበር: ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ንኽውከል ስለ ዝማሃራኒ: ክርስዐን ኣይደልን ኢየ።”—ዮሃነስ ኖይባከር: ወዲ 91 ዓመት።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ ሓጐስ ምስጢሩ ‘ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከሉ’ ኢዩ። ስለዚ: ሽሕ’ኳ ብሓንቲ ሓጐስ ዘይብላ ዓለም እንተ ተኸቡ ሕጉሳት ኢዮም። ሓጐሶም ኣብቲ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ እተገብረ “ሕጉሳት ወደስቲ” ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ተራእዩ ኢዩ። እስከ ነዞም ሓጐስ ዝመልኦም ምትእኽኻባት እዚኣቶም ኣሕጽር ኣቢልና ንድገሞም።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ማርየ ሆምባክ