ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ምብራህ’
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕልላፍ ደም ብዘይምቕባሎም ፍሉያት ኢዮም: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕማቕ ወረታት ይውረየሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ መትከል እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ እተመስረተ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደም ክቡር ብምዃኑ: ንደም ብዘይኣገባብ ምጥቃም ከም ዝዅንኖ የርኢ ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:14) ከም ውጽኢት ናይቲ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝምልከት ዝገበርዎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምርመራ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ‘ካብ ደም ተሓለዉ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መመርሒ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመናዊ ምትሕልላፍ ደም እውን ከም ዘጠቓልል ኢዮም ዝድምድሙ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:19, 20, 28, 29
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣባላት ናይ ሕክምናዊ ጕጅለ ከምኡውን ኣብ ሓድሓደ ሃገራት ዝርከቡ ኣብያተ ፍርድታት: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝምልከት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ደጊፎምዎም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ደንማርክ ሓንቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ እተላለየት መንእሰይ ኣደ: ብምኽንያት ሓደጋ መኪና ሞተት። ደም ምትሕልላፍ ብምእባያ: እቶም ሓካይማ ብመራኸቢ ብዙሓን ገይሮም ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ጐስጓስ ገበሩ።
ናይታ መንእሰይ ሰበይቲ ወለዲ እቲ ጕዳይ ክጻረየሎም ሓተቱ: ኣብ ሚያዝያ 1994 ድማ እቲ ናይ ደንማርክ ናይ ሕሙማት ጥርዓን ዝሰምዕ ኮምሽን ሓደ ውሳነ ኣመሓላለፈ። እታ ሕምምቲ ዝሞተት ደም ብምእባያ ዘይኰነስ ብምኽንያት ጉጉይ ኣጠቓቕማ ሕክምና ኢዩ ብምባል ገለጸ። እቲ ውሳነ ኣብቲ ቦርድ ኦፍ ፎሬንሲክ መድስን ከምኡውን ናይ ጥዕና ሓለፍቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ቦርድ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ደንማርክ ዘለዉ ናይ ሓለዋ ጥዕና መሳለጥያታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ: ሓካይም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ደም ንኸይወስዱ ምእባዮም ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ ዘሎ ዝበለጸ ኣማራጺ ናይ ሕክምና ብምግባር ክሕግዝዎም ግዴታኦም ምዃኑ ገለጸ።
ካልእ ጕዳይ ድማ ነቲ ብናይ ደም መንሽሮ ዝሞተ ወዲ 15 ዓመት ምስክር: ዳን: ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ግን ነቲ ደም ንኸይመሓላለፈሉ ዝወሰዶ ትብዓት ዘለዎ ውሳነ ሓካይም ኣኽቢሮምሉ ኢዮም። እዚ ድማ መራኸቢ ብዙሓን ነቶም ሓካይም ንሞት ናይ ዳን ምኽንያት ከም ዝዀኑ ዝነቐፍሉ ሰፊሕ ጐስጓስ ኣስዓበ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ምስቲ ኣሉታዊ ፕሮፓጋንዳ ኣይተሰማምዑን።
ንኣብነት: ናይቲ ዳን ዝማሃረሉ ቤት ትምህርቲ ርእሰ-መምህራን ኣብቲ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ እተገብረ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ተረኺቡ ነበረ። በቲ ብዛዕባ ሞት ዳን ዝገልጽ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዜና ምስ ሰምዐ ከም ዝሰምበደ ገለጸ። ንሓደ መሳርሕቱ ምስክር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ምስ ሓተቶ ድማ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቪድዮ ካሴት ቅዳሕ ተቐበለ። እታ ቪድዮ ኣዝያ ስለ ዝማረኸቶ ድማ ኵሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መምህራን ክርእይዋ መደብ ገበረ። ድሓር ድማ ኣብ ሓደ ግዜ ሓንቲ ክፍሊ ብምግባር: በብታራ ኵሎም እቶም ተማሃሮ ረኣይዋ።
እቲ ናይ ደንማርክ ሚንስተር ጥዕና እውን: ነቲ እቶም ሓካይም ብሰንኪ ሞት ዳን ዝወረዶም ሕማቕ ወረ ኣይተሰማምዓሉን። እቶም ሓካይም ነቲ ብሱል ውሳነን ብጽቡቕ እተመስረተ እምነትን ናይ ዳን ብምኽባሮም ቅኑዕ ከም ዝገበሩ ገለጸ።
ንሕጊ ኣምላኽ ዝእዘዙ ሚልዮናት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣለዉ። ብምኽንያት ተኣዛዝነቶም ድማ ‘ከም ብርሃናት ኰይኖም ኣብ ዓለም ብምብራህ’ ጐሊሖም ይርኣዩ።—ፊልጲ 2:12, 15