ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/3 ገጽ 3
  • ‘ንኣምላኽ የገድሶዶ ኢየ፧’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንኣምላኽ የገድሶዶ ኢየ፧’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብሉይ ኪዳን” ገናዶ ረብሓ ኣለዎ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ክትዝከር ዘለዋ ዕለት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • እቲ መልስታት የገድስ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/3 ገጽ 3

‘ንኣምላኽ የገድሶዶ ኢየ፧’

“የገድስ ድየ፧ ኣምላኽከ ይግደስ ድዩ፧” እዚ ኣብታ ክሪስቺያኒቲ ቱደይ እትበሃል መጽሔት ዝወጸ ኣርእስቲ ናይ ሓደ ዓንቀጽ ኢዩ። ናይቲ ዓንቀጽ ጸሓፊ: ፊሊፕ ያንሲ “ከም ጸሓፊ መጠን ዘሎኒ ሞያ መብዛሕትኡ ኣብቲ ናይ ስቓይ ግድል ዘተኰረ ኢዩ። ልክዕ ከም ንሓደ ፈጺሙ ዘይሓዊ ቝስሊ ምትንካፍ: ብተደጋጋሚ ናብ ሓደ ዓይነት ሕቶታት ኢየ ዝምለስ። ከምዚ ዝበለ ነገራት ካብቶም ንመጻሕፍተይ ዘንብቡ እሰምዖ ኢየ: እቲ ናይ ጭንቀት ዛንታታቶም ድማ ነቲ ጥርጠራታተይ ዝድግፍ ኢዩ።”

ምናልባት ንስኻውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ተገዳስነት ትሓትት ትኸውን። ነቲ ኣብ ዮሃንስ 3:​16 ዘሎ “ኣምላኽ: . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብል ጥቕሲ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ። ወይውን ነቲ ኣብ ማቴዎስ 20:​28 ዘሎ የሱስ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ መጸ’ ዝብል ጥቕሲ ኣንቢካዮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጌና ግን ‘ኣምላኽ የስተብህለለይ ድዩ፧ ከም ውልቀሰብ መጠን ብዛዕባይ ይግደስዶ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ: ንኽንኣምን ብቑዕ ዝዀነ ምኽንያት ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ