ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/3 ገጽ 19-22
  • ምስቲ ናይ መርዓኹም ማሕላ ተሰማሚዕኩም ንበሩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስቲ ናይ መርዓኹም ማሕላ ተሰማሚዕኩም ንበሩ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገራት
  • “ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ብሓዳርኩም ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/3 ገጽ 19-22

ምስቲ ናይ መርዓኹም ማሕላ ተሰማሚዕኩም ንበሩ!

መዓልቲ መርዓ ናይ ሓጐስ መዓልቲ ኢያ። ኣዝያ ረዛን ዝዀነት ኣጋጣሚ እውን ኢያ። እታ መርዓትን እቲ መርዓውን ንዝተረፈ ህይወቶም ዝትንክፍ ረዚን መብጽዓ ኢዮም ዝገብሩ። እቶም ኣብቲ መርዓ እተረኽቡ ኣጋይሽ ናይዚ ረዚን መብጽዓ እዚ መሰኻኽር ኢዮም: ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ ምስክር የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ኣገባባት ወይ እተፈልየ ዓይነት ናይ መርዓ ጽንብል ክግበር ኣይሓትትን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ መለኮታዊ ኣጀማምራኡ ኣፍልጦ ብምሃብ: መርዓ ብልምዲ ኣብ እዋን እቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ናይ መርዓ ማሕላታት ብምግባር ኢዩ ዝኽበር። ንገለ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ዝስዕብ ናይ መርዓ ማሕላ ክጥቀሙ ጸኒሖም ኢዮም:- “ኣነ —⁠— ን —⁠— (ሰብኣየይ/ሰበይተይ) ክዀነኒ/ክትኰነኒ: ብመሰረት እቲ ንክርስትያን (ሰብኡት/ኣንስቲ) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዘሎ መለኮታዊ ሕግታት ከፍቅሮን ክሕብሕቦን ዓሚቝ ክብሪ ከርእዮን (መርዓዊ:- ከፍቅራን ክሕብሕባን): ክልቴና ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ድማ ብመሰረት እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መርዓ ስርዓት ክመላለስ እምርዓዎ/እምርዓዋ ኣሎኹ።” a

ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገራት

ክትምርዓዉ ትሓስቡ እንተድኣ ኣሊኹም: ቅድሚ እቲ ናይ መርዓ መዓልቲ ብዛዕባ ዕምቘትን ትርጕምን ናይዚ ማሕላ እዚ ክትሓስብሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ሰሎሞን “ብኣፍካ ኣይትተሀወኽ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ” በለ። (መክብብ 5:2) ድሮ እተመርዓኹም እንተድኣ ኴንኩምከ፧ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝኣተኹምዎ ረዚን መብጽዓ ብምስትንታን ክትጥቀሙ ኢኹም። ምስኡ ተሰማሚዕኩምዶ ትነብሩ ኣሎኹም፧ ክርስትያናት ንመብጽዓታቶም ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። ሰሎሞን ቀጺሉ “ነቲ እተመባጻዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ: ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ። . . . ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርስ: ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ። ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን [“መልኣኽ:” ትሓዓ ] ጌጋ እዩ ኣይትበል” በለ።​—መክብብ 5:​4-6

ነቲ ናይ መርዓ ማሕላ ሓረግ-ብሓረግ ምምርማሩ ብዛዕባ እዚ ረዚን መብጽዓ እዚ ዘሎኩም ምርዳእ ብዘይጥርጥር ከዕብየልኩም ኢዩ።

“ኣነ —​— . . . እምርዓዎ/እምርዓዋ ኣሎኹ”:- እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ናይቲ ማሕላ ዘለዋ ኢየን። ንኽትምርዓዉ ዝገበርኩምዎ ውሳነ ብሕታዊ ሓላፍነት እትወስድሉ ምዃንኩም ድማ ኢየን ዘጕልሓ።

ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ ስርዓት: ንኽትምርዖ ዝሓትት ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ የልቦን። የሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ኣይተመርዓወን ከምኡውን ነቶም ‘ክቕበልዎ ዝኽእሉ’ ድማ ንጽል ክዀኑ ኢዩ መኺርዎም። (ማቴዎስ 19:10-​12) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: መብዛሕትኦም ሃዋርያት የሱስ ምርዑዋት ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 4:​38፣ 1 ቈረንቶስ 9:5) ንኽትምርዖ ምውሳን ብሕታዊ ነገር ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ንኻልእ ሰብ ተመርዖ ኢሉ ከገድዶ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የሎን።

ስለዚ: ንኽትምርዓዉ እትገብርዎ ምርጫ ብሓላፍነት እትሕተትሉ ንስኻትኩም ኢኹም። ነቲ እትምርዓውዎ ሰብ ንስኻትኩም ኢኹም እትመርጽዎ። “እምርዓዎ/እምርዓዋ ኣሎኹ” ብምባል ናይ መርዓ ማሕላ ክትገብሩ ከሎኹም: ነቲ ሰብ እቲ ወይ ነታ ሰብ እቲኣ ምስቲ ዘለዎ ወይ ዘለዋ ጽቡቕ ጠባያት ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ዘለዎ ወይ ዘለዋ ጕድለታት ኢኹም እትምርዓውዎ ወይ እትቕበልዎ ዘሎኹም።

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብቲ ናይ መርዓ ብጻይኩም ዘይሓሰብኩምዎ ባህርያት ትረኽቡ ትዀኑ። ሓሓሊፉ ዘጋጥም ምትሕርራቓት ክህሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዩ ዝብል። (ሮሜ 3:​23) ስለዚ ምስቲ ብጻይኩም ምእንቲ ክትነብሩ ምትዕርራያት ክትገብሩ የድልየኩም ይኸውን። እዚ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ክመጸኩም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ መርዓ ማሕላ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከም እተገብረ: ዘክሩ። ንኽትዕወቱ ክሕገዘኩም ይኽእል ኢዩ።

“(ሰብኣየይ/ሰበይተይ) ክዀነኒ/ክትኰነኒ”:- ኣብቲ ናይ መጀመርታ መርዓ: ሄዋን ንኣዳም ክትምርዖ ኸላ: የሆዋ ኣምላኽ “ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” በለ። (ዘፍጥረት 2:​24፣ ማቴዎስ 19:​4-6) ስለዚ ናይ መርዓ ሕብረት: እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ክህሉ ዝኽእል ዝቐረበ ዝምድና ኢዩ። መርዓ ሓድሽ ዝምድና ከም እትምስርቱ ኢዩ ዝገብረኩም። ሓንቲ ሰብ እተመርዓኻያ ‘ሰበይትኻ’ ክትከውን ተቐቢልካ ኣሎኻ ወይ ሓደ ሰብ እተመርዓኽዮ ‘ሰብኣይኪ’ ክኸውን ተቐቢልኪ ኣሎኺ። ከምቲ ካልእ ዓይነት ዝምድናታት ኣይኰነን። ኣብ ካልእ ዝምድናታት ንእሽቶ ጕድኣት ዘምጽእ ተግባራት ኣብ ናይ መርዓ ስርዓት ከቢድ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።

ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:​26 ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንውሰድ። ኣብኡ መጽሓፍ ቅዱስ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ይብል። ምናልባት ምስ ኣዝማድን ኣዕሩኽን ዘሎኩም ግድል ከምቲ ዝግባእ ቀልጢፍኩም ኣይትፈትሕዎን ትዀኑ። ናይ መርዓ ብጻይኩም ግን ካብ ዝዀነ ካልእ ዘመድ ወይ ዓርኪ ዝቐረበ ኢዩ። ነቲ ምስ ናይ መርዓ ብጻይኩም ዘሎኩም ጸገማት ቀልጢፍኩም ካብ ምፍታሕ ምስ እትሰንፉ ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ፍሉይ ዝምድና ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ናይ መርዓ ብጻይኩምን ክመጽእ ዝኽእል ዘይምስምማዕ ናይ ቀጻሊ ኵራ ወይ ጓሂ ምንጪ ክሳዕ ዝኸውን ክዓቢ ትፈቅድሉ ዲኹም፧ ዘይምርድዳእን ኵራን ንብዙሕ መዓልትታት ይጸንሕ ድዩ፧ ምስቲ ዝኣተኹምዎ ማሕላ ተሰማሚዕኩም ምእንቲ ክትነብሩ: ሽግራት ክለዓል ከሎ ምስ ናይ መርዓ ብጻይኩም ሰላም ከይገበርኩም ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ክትሓልፍ ኣይተፍቅዱ። እዚ ይቕረ ምባልን ምርሳዕን ከምኡ ድማ ጕድለታትኩምን ጌጋታትኩምን ምእማን ማለት ኢዩ።​—⁠መዝሙር 51:5፣ ሉቃስ 17:​3, 4

“ከፍቅሮ/ከፍቅራ”:- እቲ ሰብኣይ ክኸውን ዘለዎ ንመርዓቱ “ከፍቅራን ክሕብሕባን” ኢዩ ቃል ኪዳን ዝኣቱ። እዚ ፍቕሪ እዚ እቲ ንኽልቲኦም ዘሕበሮም ስምዒታዊ ፍቕሪ ዘጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር: ስምዒታዊ ፍቕሪ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እቲ ሓደ ክርስትያን ንናይ መርዓ ብጸይቱ/ብጻያ ከርእይዎ ዝማሓልሉ ፍቕሪ ዝዓመቘን ዝሰፍሐን ኢዩ።

ኤፌሶን 5:​25 “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢያ ትብል። እቲ የሱስ ንማሕበሩ ዝነበሮ ፍቕሪ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልተ ጾታታት ዘሎ ስምዒታዊ ፍቕሪ ኣብ ሓደ ዝምደብ ኣይኰነን። እተን ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ዘለዋ “ኣፍቅሩ” ከምኡውን “ዘፍቀራ” ዝብላ ስያመታት ካብታ ብስርዓት ንእትምራሕ ፍቕሪ እተመልክት ኣ·ጋʹፐ እትብል ቃል ዝመጻ ኢየን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ሰብኡት ንኣንስቶም ቀጻሊ: ዘይነቓነቕ: ዝጽመም ፍቕሪ ከርእዩ ኢዩ ዝእዝዞም ዘሎ።

“ስለ እተፍቅረኒ አፍቅረካ ኢየ” ዝብል ናይ ስምዒት ዓይነት ኣይኰነን። ሰብኣይ ናይ ሰበይቱ ድሕነት ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ እውን ከይተረፈ ከቐድም ኢዩ ዝደሊ: ከምኡውን ሰበይቲ ከምኡ ገይራ ንሰብኣያ ተፍቅሮ። (ፊልጲ 2:4) ነቲ ናይ መርዓ ብጻይኩም ዓሚቝ ፍቕሪ ምዅስኳስ ምስቲ ናይ መርዓኹም ማሕላ ተሰማሚዕኩም ክትነብሩ ክሕግዘኩም ኢዩ።

‘ክሕብሕቦ/ክሕብሕባ’:- ብመሰረት ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት ‘ምሕብሓብ’ ማለት ‘ክቡር ገይርካ ምሓዝ: ከም እትፈትዎ ክስማዓካ ወይ ከም እትፈትዎ ምርኣይ ማለት ኢዩ።’ ፍቕርኹም ብኽልቲኡ ማለት ብቓላትን ብግብርን ክትገልጽዎ ይግብኣኩም! ሰበይቲ ብፍላይ ካብ ሰብኣያ ቀጻሊ ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ክትቅበል ትደሊ ኢያ። ሰብኣያ ምናልባት ንኣካላዊ ድልየታ ጽቡቕ ገይሩ ይሓልየላ ይኸውን: እዚ ግን እኹል ኣይኰነን። እኹል መግብን ምቹእ ቤትን ዘለወን ግናኸ ብናይ መርዓ ብጻየን ዕሽሽ ስለ ዝበሃላን ግዲ ድማ ስለ ዘይግበረለንን ፈጺመን ሓጐስ ዘይብለን ኣንስቲ ኣለዋ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ: ከም እትፍቀርን እትሕብሓብን እትፈልጥ ሰበይቲ ሕጕስቲ ንኽትከውን ብቑዕ ምኽንያት ኣለዋ። ርግጽ ኢዩ: ንሰብኣይውን ከምኡ ኢዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ንጹህ ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ብምግባር ዝያዳ ይዓቢ ኢዩ። ኣብ መሃልየ መሃልይ እቲ ዘፍቀረ ጓሳ ከምዚ ይብል:- “ፍቕርኺ [“ናይ ፍቕሪ መግለጺታትኪ:” ትሓዓ ] ኽንደይ ይጽብቕ: ኣቲ ሓብተይ: መርዓተየ: ፍቕርኺ [“ናይ ፍቕሪ መግለጺታትኪ:” ትሓዓ ] ኻብ ወይኒ: መኣዛ ቕብእኺውን ካብ ኵሉ ቐመማት ይሐይሽ።”​—መሃልየ መሃልይ 4:​10

“ዓሚቝ ክብሪ ከርእዮ”:- ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ንኣንስቲ ዝሃሰዩን ዘናእሱን ሰብኡት ነይሮም ኢዮም። ብመሰረት ዎርልድ ሄልዝ ዝበሃል መጽሔት ሎሚውን ከይተረፈ “ኣንጻር ኣንስቲ ዝግበር ዓመጽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራውን ቁጠባውን ደረጃታት ይፍጸም ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ባህልታት ንሰበይቲ ምውቃዕ ናይ ሰብኣይ መሰል ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕሰብ።” መብዛሕትኦም ሰብኡት ከምዚ ኣይገብሩን ይዀኑ። ጌና ግን: ብዙሓት ሰብኡት ኣብቲ ንኣንስቲ ዝምልከት ጕዳያት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ካብ ምርኣይ ዝሰነፉ ኢዩ ዝመስል። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ኣንስቲ ብዛዕባ ሰብኡት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢለን ኢየን። ገለ ገለ ኣንስቲ “ንሰብኣየይ አፍቅሮ ኢየ: ከኽብሮ ግን ኣይክእል ኢየ” ክብላ ተሰሚዐን ኢየን።

ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ነታ ሰብኣያ ብተደጋጋሚ ነቲ እትጽበዮ ነገራት ዘየማልኣላ እኳ እንተዀነ ከተኽብሮ ኢላ እትጽዕር ሰበይቲ ዋጋ ይህባ ኢዩ። ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት: ወይ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ትህብ ኢያ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:​23) ስለዚ ንሰብኣያ ዓሚቝ ክብሪ ምርኣይ ክፍሊ ናይቲ ንየሆዋ ዘለዋ ኣምልኾን ምእዛዝን ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ምእዛዝ ናይተን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ዕሽሽ ኣይብሎን ኢዩ።​—ኤፌሶን 5:​33፣ 1 ጴጥሮስ 3:​1-6፣ ምስ እብራውያን 6:​10 ኣረኣእዮ።

ኣብ ሓዳር ምክብባር ናይ ሓባር ክኸውን ኣለዎ: ትጽቢት ጥራይ ዝግበረሉ ወይ ሓቲትካ እትረኽቦ ዘይኰነስ ጽዒርካ እትረኽቦ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ዝቘርጽ ወይ ጽዩፍ ቃላት ኣብቲ ናይ መርዓ ስርዓት ቦታ የብሉን። ንሰብኣይካ ወይ ንሰበይትኻ ዘናእስ ርእይቶ ምሃብ ዘፋቕር ወይ ዘከባብር ኣይኰነን። ናይ ብጻይኩም ጕድለት ምቕላዕ ወይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዛዕባኡ ምዝራብ ቁም ነገር የብሉን። ኣብ ዋዛ እውን ከይተረፈ ሓደ ሰብ በዚ መዳይ እዚ ክብሪ ካብ ምርኣይ ክጐድል ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:​29, 32 ዘሎ ቃላት ንኽልቲኦም ማለት ንሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት ኢዩ። ኣብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም [“ምሽሙሽ:” ትሓዓ ] ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ . . . ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን [ኵኑ]።”

‘ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዘሎ መለኮታዊ ሕግታት’:- ኣምላኽ ነቲ ናይ ምምራጽን ስጕምቲ ምውሳድን ናጽነት ክንሕጐሰሉ ይደልየና ኢዩ። ነቲ ናይ ምርዑዋት ናብራ ዝቈጻጸር ዘሰልቹ ናይ ሕግታት ዝርዝር ገይሩ ኣይጸዓነናን። እንተዀነ ግን: ንጥቕምና ኢሉ ገለ ገለ መምርሒታት ሰሪዑልና ኢዩ።

ሎሚ: ብዛዕባ መርዓ ዝዛረብ ብዙሕ ጽሑፋት ኣሎ: ብዙሓት ሰባት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልስፍናታት ኣለዎም። ይኹን እምበር: ተጠንቀቑ! መብዛሕትኡ ካብቲ ንመርዓ ኣመልኪቱ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ኢዩ።

ኣብ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ዘሎ ኵነታት ካብቲ ናይ ካልኦት ከም ዝፍለ ፍለጡ። ብገለ መገዲ: ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ከም ናይ በረድ ሓቒቕ ኢዮም። ካብ ርሑቕ ክርኣዩ ከለዉ ሕደ ይመስሉ ይዀኑ: ብሓቂ ግን ነፍሲ ወከፎም እተፈላለዩ ኢዮም። እቲ ምስ ናይ መርዓ ብጻይኩም ዝህሉ ናይ ባህርይ ምትሕውዋስ: ብዝዀኑ ካልኦት ኣብ ዓለም ዘለዉ ናይ መርዓ ብጾት ኣይቅዳሕን ኢዩ። ስለዚ ናይ ካልኦት ብሕታዊ ርእይቶታት ንምቕባል ኣይትተሃወኹ። ንነፍሲ ወከፍ ሓዳር ዝኸውን ሰብ ዝሰርሖ መመርሒ የሎን!

ምስዚ ክነጻጸር ከሎ: ኵሉ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዛት ሓቅን ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ: ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:​16፣ መዝሙር 119:151) ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣንቢብኩምዎን ነቲ ትምህርትታቱ ድማ ኣብ መዓልታዊ ናብራኹም ኣውዒልኩምዎን: ምስቲ ኣብ መርዓኹም ዝኣተኹምዎ ማሕላ ተሰማሚዕኩም ክትነብሩ ክትክእሉ ኢኹም።​—⁠መዝሙር 119:105

“ክልቴና ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ”:- እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሕብረት ዘመልክት ኢዩ። ኣምላኽ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ኢሉ ይእዝዝ። (ዘፍጥረት 2:​24) የሆዋ ሓቢርኩም ክትነብሩ ኢዩ ዝደልየኩም። ሓቢርኩም ንኣምላኽ ኣገልግሉ። ሓቢርኩም ቃሉ ኣጽንዑ። ሓቢርኩም ክትዛወሩ: ሓቢርኩም ኮፍ ክትብሉ: ሓቢርኩም ክትበልዑ: ግዜ መድቡ። ንህይወት ሓቢርኩም ኣስተማቕርዎ!

ገሊኦም ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጐድኒ ንጐድኒ ኮፍ ኢሎም ንሓድሕዶም ንኽዘራረቡ ግዜ ክፈልዩ ይጽዕሩ ኢዮም። ድሕሪ እቲ መርዓ ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ እውን ከይተረፈ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ንኽህሉ እዚ ሕብረት እዚ ኣድላዪ ኢዩ።

“ብመሰረት እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መርዓ ስርዓት ”:- መርዓ ህያብ ናይቲ ስርዓት መርዓ ዘቘመ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። (ምሳሌ 19:14) ነቲ ስርዓቱ ዘይምስዓብ ነቲ ናይ መርዓ ሓጐስኩም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ምስ ፈጣሪ ዘሎኩም ዝምድና እውን ዘስግእ ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ሰብኡትን ኣንስትን ንስርዓታቱ ብምእዛዝ: ምስ የሆዋ ጽቡቕ ዝምድና ምስ ዝዅስኵሱ: ምስ ካልኦትን ኣብ ንሓድሕዶምን ሰላማዊ ዝምድናታት ክህልዎም ኢዩ።​—ምሳሌ 16:7

የሆዋ ኣብ ግዜ መርዓኹም ንዝገበርኩምዎ ማሕላ ቀንዲ ምስክር ምዃኑ ፈጺምኩም ኣይትረስዕዎ። ምስዚ ረዚን መብጽዓ እዚ ተሰማሚዕኩም ምንባር ቀጽሉ: መርዓኹም ድማ ናይቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝቐርብ ውዳሰን ምስጋናን ምንጪ ክኸውን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገሊኡ ቦታታት ምስቲ ናይ ከባቢ ሕግታት ንምስምማዕ ተባሂሉ ምትዕርራይ እተገብረሉ ናይዚ ማሕላ እዚ ቅዳሕ ምጥቃም የድሊ ይኸውን። (ማቴዎስ 22:21) ይኹን እምበር: ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት: ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማሕላ ኢዮም ዝጥቀሙ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብገለ መገዲ: ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ከም ናይ በረድ ሓቒቕ ኢዮም። ካብ ርሑቕ ክርኣዩ ከለዉ ሕደ ይመስሉ ይዀኑ: ብሐቂ ግን ነፍሲ ወከፎም እተፈላለዩ ኢዮም

[ምንጪ ስእሊ]

ናይ በረድ ሓቒቕ/Dover

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ