ነባሪ ዕርክነት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ
ዕርክነት ንኸይትገብር ሓጹር ዝዀኑ ነገራት ኣለዉ። እኳ ድኣ መጽሓፍ ቅዱሲ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ፍቕሪ: ባህርያዊ ምፍታው: ከምኡውን ናይ ተኣማንነት ምጕዳል ከም ዝህሉ ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5: ማቴዎስ 24:12) እዚ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: እዚ ዘይብሃል ናይ ጽምዋ ስምዒት ኣምጺኡ ኣሎ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምዚ ትብል:- “ከባቢየይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ኖህ መርከብ ዝነበረ ኢዩ። ዘይተመርዓኻ እንተድኣ ኴንካ ካብ ሰባት እተገለልካ ኢኻ።” እዚ ዅሉ ጕድለት ናይቲ ጽምዋ ዝስምዖ ዘሎ ሰብ ኢዩ ክበሃል ኣይክኣልን ኢዩ። ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ዓለም ነባሪ ዕርክነት ንኸይትገብር ዕንቅፋታት ዝዀኑ ከም ብተደጋጋሚ ቦታታት ምቕያር: ናይ ስድራቤታት ምብትታን: ዘይግደሱ ሰባት ዘለዉዎን ሓደገኛ ዝዀነን ከተማታት: ከምኡውን ርኡይ ዝዀነ ሕጽረት ናይ ግዜ ዘጠቓልል ኢዩ።
ሓደ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ኣብ ከተማ ዝነብር ሰብ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዝፋለጦም ሰባት ካብ ሓደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ኣብ ገጠር ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኣብ ዓመት አረ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ዝፋለጦም ሰባት ይበዝሑ ኢዮም! እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜ እዚ ዝግበር ዝምድናታት መብዛሕትኡ ናይ ርኣዩለይ ጥራይ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ቀጻሊ ዝዀነ ምስ ሰባት ዝግበር ምልላይን ኵሉ ግዜ ድማ ክሕጐሱ ኣብ ምፍታንን ኢዮም ንገዛእ ርእሶም ኣጥሒሎምዋ ዘለዉ። ይኹን እምበር: ምስ ሕማቓት ኣዕሩኽ ክንሕጐስ ኢልና ዕላማ ዘይብሉ ሕብረት ምግባር ልክዕ ሓዊ ንምንዳድ ኢልና እሾኽ ምጥቃም ማለት ከም ዝዀነ ክንኣምነሉ ኣሎና። መክብብ 7:5, 6 ከምዚ ትብል:- “ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበኛታት ምስማዕ ይሐይሽ። ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾዅ እዩ እሞ: እዚውን ከንቱነት እዩ።” እሾኽ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ድሙቕን ሸባዕባዕ ዝብልን ሓዊ ኢዩ ዝገብር: እንተዀነ ግን: ንዓና ከሙቐና ዝኽእል እኹል ሓይሊ የብሉን። ብተመሳሳሊ ድማ: ዋዕዋዕ በሃልቲ: ተዋዘይቲ ብጾት ንግዜኡ ከዘናግዑና ይኽእሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን: ንዅሉ እቲ ዘሎና ጽምዋ ከልግስዎ ከምኡውን ነቲ ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ንኽንረክብ ዘሎና ድሌት ከዕግቡ ኣይክእሉን ኢዮም።
ንእተወሰነ ግዜ ንበይንኻ ምዃን ካብ ጽምዋ እተፈልየ ኢዩ። ንእተወሰነ ግዜ በይንኻ ምዃን ገዛእ ርእስኻ ንምሕዳስን ከም ዓርኪ ኴንካ ድማ ንኻልኦት እተማቕሎ ምእንቲ ክህልወካ ንምሕሳብን ይሕግዝ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ጽምዋ ክዀኖም ከሎ ቀልጢፎም ናብ ገለ ዓይነት ብኤለክትሮኒክ ዝሰርሕ መዘናግዒ ይኸዱ። ብዛዕባ እዚ እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ገለ ካብቲ ጽምዋ ክዀኖም ከሎ ዝገብርዎ ነገራት መብዛሕትኡ ግዜ ቴሌቭዥን ምርኣይ ምዃኑ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: ተመራመርቲ ክጽምወና ከሎ ንነዊሕ ግዜ ተሌቭዥን ምርኣይ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ነገር ምዃኑ ደምዲሞም ኢዮም። ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት እንገብሮ ናይ ገጽ ንገጽ ርክብ ዘይረብሕ መተካእታ ብምዃን ፈዛዝ: ዝሰልቸወካ ሰብ: ሓላሚ ንኽትከውን ኢያ እተተባብዓካ።
ብሓቂ: ነቲ ንበይንና እንዀነሉ ግዜ ጠቓሚ ኣብ ዝዀነ ነገራት እንተድኣ ኣውዒልናዮ ንእተወሰነ ግዜ በይንኻ ምዃን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ድማ ብምንባብ: ደብዳበታት ብምጽሓፍ: ገለ ነገር ብምስራሕ: ከምኡውን ብምዕራፍ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሃናጺ ዝዀነ ንእተወሰነ ግዜ በይንኻ ምዃን: ናብ ኣምላኽ ምጽላይ: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዘጽናዕካዮ ምስትንታን ዘጠቓልል ኢዩ። (መዝሙር 63:6) እዚ ነገራት እዚ ናብቲ ዝበለጸ ዓርክና ክኸውን ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ክንቀርበሉ እንኽእል መገድታት ኢዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ናይ ዕርክነት ኣብነታት
ሽሕ’ኳ ምስ ብዙሓት ሰባት ምቕሉል ምዃን ሰናይ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ብምባል የዘኻኽረና ኢዩ። (ምሳሌ 18:24) ኵላትና ብሓቂ ብዛዕባና ዝግደሱ: ዕርክነቶም ድማ ሓጐስ: ብርታዐ: ከምኡውን ሰላም ዘምጽኣልና ውሑዳት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ የድልዩና ኢዮም። ዋላ እኳ ከምዚ ዝበለ ዕርክነት ሎሚ ዘይልሙድ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ናይ ጥንቲ ኣብነታት ብፍላይ ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ብሉጽ ዝዀነ ዕርክነት ነይሩ ኢዩ። ካብኡ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ ዕርክነቶም ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ስለምንታይ ኢዩ፧
ብሓደ ሸነኽ: ዳዊትን ዮናታንን ናይ ሓባር ዝዀነ ኣገዳሲ ድሌት ነይርዎም ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ክልቲኦም ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዓሚቝ ናይ ተወፋይነት ስምዒት ነይርዎም ኢዩ። ነቲ ዳዊት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነትን ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ምክልኻል ዝወሰዶ ስጕምትታትን ምስ ረኣየ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት: ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።” (1 ሳሙኤል 18:1) ስለዚ: ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ናይ ሓባር ፍቕሪ: ንኣዕሩኽ ብሓደ ክጠምሮም ይኽእል ኢዩ።
ዮናታንን ዳዊትን ብኣምላኻዊ ስርዓታት ዝመላለሱ ዝነበሩ ሓያላት ውልቀሰባት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ ነንሓድሕዶም ክከባበሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (1 ሳሙኤል 19:1-7፣ 20:9-14፣ 24:6) ንሕናውን ብቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዝመላለሱ ናይ ኣምላኽ ሰባት ዝዀኑ ኣዕሩኽ እንተድኣ ኣልዮምና ብሓቂ ተባሪኽና ኢና።
ነቲ ናይ ዳዊትን ዮናታንን ዕርክነት ካልኦት ረቋሒታት እውን ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም። ርክቦም ቅኑዕን ግሉጽን ኢዩ ነይሩ: ነፍሲ ወከፎም ድማ ሓደ ነቲ ሓደ ይኣምኖ ነይሩ ኢዩ። ዮናታን ብተኣማንነት ነቲ ናይ ዳዊት ድሌት ቅድሚ ናቱ ሰሪዕዎ ኢዩ። ዳዊት ንግስነት ክረክብ መብጽዓ ተገይርሉ ስለ ዝነበረ ዮናታን ኣይቀንአን፣ ኣብ ክንድኡስ ዮናታን ብስምዒታውን መንፈሳውን መገዲ ደጊፍዎ ኢዩ። ዳዊት ድማ ነቲ ናይ ዮናታን ደገፍ ተቐበሎ። (1 ሳሙኤል 23:16-18) በቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግቡእ ዝዀነ መገዲ ገይሮም ዳዊትን ዮናታንን ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ስምዒት ገሊጾም ኢዮም። እቲ ኣምላኻዊ ዕርክነቶም ናይ ሓቂ ሞሳ ኣብ ምግላጽን ኣብ ምፍታውን እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 20:41፣ 2 ሳሙኤል 1:26) ክልቲኦም ሰብኡት ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ስለ እተረኽቡ ዕርክነቶም ዘየቋርጽ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ኣብ ተግባር ምውዓል ሓቀኛ ዕርክነት ክንምስርትን ክንሕልዎን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ብኸመይ ዕርክነት ከም እትዅስኵስ
ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ክትረክብ ዲኻ ትደሊ ዘሎኻ፧ ኣርሒቕካ ክትደሊ ኣየድልየካን ይኸውን ኢዩ። ገለ ካብቶም ብቐጻሊ እትረኽቦም ሰባት ኣዕሩኽካ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ንሳቶም እውን ዓርኮም ክትከውን ይደልዩ ይዀኑ። ብፍላይ ንክርስትያናት ብጾት ዝምልከት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣግፍሑ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ተግባር ምውዓል ጥበባዊ መገዲ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:11-13) ይኹን እምበር: ዕርክነት ንኽትፈጥር እትገብሮ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ድልዱል ርክብ እንተዘይፈጠረ ተስፋ ኣይትቝረጽ። መብዛሕትኡ ግዜ ዕርክነት ክትምስርት ግዜ ይወሰድ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ርክብ ድማ ዕምቈቱ ሓደ ኣይከውንን ኢዩ። (መክብብ 11:1, 2, 6) ልክዕ ኢዩ: ናይ ሓቂ ዕርክነት ምእንቲ ከነስተማቕር ዘይስሱዓት ክንከውን ኣሎና: ናይ የሱስ ምኽሪ ድማ ክንስዕብ ኣሎና:- “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12
ዓርኩ ክትኰኖ ዝደልየካ ሰብ መን ኢዩ፧ ብዘይካ እቶም መሳቱኻ: ምስቶም ካባኻ ዝንእሱ ወይ ካባኻ ዝዓብዩኸ ዕርክነት ትገብርዶ፧ እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን: ሩትን ናእምን: ከምኡውን ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዝነበረ ዕርክነት ናይ ዕድመ ፍልልይ ነይርዎ ኢዩ። (ሩት 1:16, 17፣ 1 ቈረንቶስ 4:17) ዕርክነትካ ናብተን መበለታትን ካልኦት ዘይተመርዓዉ ሰባትን ከተግፍሖ ምኸኣልካዶ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሓደስቲ ሰባት እውን ሕሰብ። ምናልባት መንበሪ ስለ ዝቐየሩ ወይ ነቲ ዝነበሮም ናብራ ህይወት ስለ ዝለወጡ ምስ መብዛሕትኦም ወይ ድማ ምስ ኵሎም ኣዕሩኾም ዝነበሮም ርክብ ኣቋሪጾም ይዀኑ። ካልኦት ክደልዩኻ ኣይትጸበ። ክርስትያን እንተድኣ ኴንካ: ነቲ “ንሓድሕኩም ብምክብባር እናተቐዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነባሪ ዕርክነት መስርት።—ሮሜ 12:10
ዕርክነት: ከም ምሃብ ገይርና ክንሓስቦ ንኽእል ኢና። ናይ ምሃብ ልምዲ እተድኣ ኣሎና ካልኦት ሰባት ድማ ክህቡና ምዃኖም የሱስ ተዛሪቡ ኢዩ። ካብ ምቕባል ኣብ ምሃብ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ ኢዩ። (ሉቃስ 6:38፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ሰባት ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ እተፈላለየ ባህልታት ዝመጹ ሰባት: ናይ ሓባር ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ኣምልኾ ምስ ዝህልዎም: ሓቀኛን ነባርን ዕርክነት ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
ንዕርክነት ጽቡቕ ገይርካ ምሓዙ
ዘሕዝን ግን: እቶም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዝዀኑ እውን ከይተረፉ ሓድሓደ ግዜ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የጕህዮ ኢዩ። ጐዳኢ ሕሜት: ነቲ ዝነበረ ተኣማንነት ምኽዳዕ: ዘይምምሳው ዝኣመሰሉ ነገራት ገለ ካብቶም ካብ ሓደ ሓቀኛ ዓርኪ ገይርካ ትርእዮ ዝነበርካ ሰብ ክመጹ ከለዉ ኣዝዮም ዘጕህዩ ነገራት ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥም ከሎ እንታይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧
ሰናይ ኣብነት ኩን። ዘይድሊ ጓሂ ንምልጋስ ዝከኣለካ ዅሉ ግበር። ኣብ ገለ ቦታታት ኣዕሩኽ ብናይ ሓድሕዶም ጌጋታት ክስሕቁ ልሙድ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ‘ንጸወታ’ እኳ እንተ ተሓስበ ጐዳኢ ዝዀነ ነገራት ምግባር ወይ ላግጺ ነዕሩኽ ብሓንሳብ ከም ዝቀራረቡ ኣይገብርን ኢዩ።—ምሳሌ 26:18, 19
ነቲ ዕርክነት ክትሕልዎ ኣበርቲዕካ ጸዓር። ኣዕሩኽ ኣብ ንሓድሕዶም ካብ መጠን ዝሓለፈ ትጽቢት ምስ ዝህልዎም ሓድሓደ ግዜ ዘይምርድዳእ ይለዓል ኢዩ። ሓደ ዝሓመመ ወይ ሓደ ዓቢ ግድል ዘለዎ ዓርኪ ምናልባት ከምቲ ልሙድ ምዉቕ ምሕዝነት ኣየርእን ይኸውን። እምበኣር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ዝርዳእን ደጋፍን ክትከውን ፈትን።
ግድላት ቀልጢፍካን ብሕያውነትን ፍትሓዮም። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ብብሕቲ ከምኡ ግበር። (ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15) ዓርክኻ ነቲ ዘሎኩም ጽቡቕ ርክብ ክትሕልዎ ትደሊ ምዃንካ ከም ዝፈልጥ ኣረጋግጽ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ይቕረ ይበሃሃሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 3:13) ካብ ሓው ንላዕሊ ኣብሊጹ ዝፈቱ ዓርኪ ክትከውን ዲኻ፧
ብዛዕባ ዕርክነት ምንባብን ምሕሳብን መጀመርታ ጥራይ ኢዩ። ጽምዋ ነሕልፍ እንተድኣ ኣሊና: ግቡእ ስጉምቲ ንውሰድ እሞ እቲ ዝስማዓና ጽምዋ ንነዊሕ ግዜ ኣይክጸንሕን ኢዩ። እንተድኣ ጽዒርና ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ምስ ገለ ካብኣቶም ድማ ፍሉይ ዝዀነ ምትእስሳር ክንፈጥር ኢና። እንተዀነ ግን: ናይቲ ዝበለጸ ዓርኪ: ኣምላኽ: ቦታ ክወስዶ ዝኽእል የሎን። ምሉእ ብምሉእ ክፈልጠና: ክርዳኣና: ከምኡውን ክድግፈና ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ። (መዝሙር 139:1-4, 23, 24) ብተወሳኺ: ቃሉ ንመጻኢ ዝኸውን ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ማለት: ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ንዘለኣለም ክንረኽበላ እንኽእል ሓዳስ ዓለም ሂቡና ኣሎ።—2 ጴጥሮስ 3:13
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊትን ዮናታንን ሓቀኛ ዕርክነት ኣስተማቒሮም ኢዮም: ንሕና እውን ከምኡ ከነስተማቕር ንኽእል ኢና