በዓል ትንሳኤዶ ወይስ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣየናይ ኢኻ ከተብዕሎ ዝግብኣካ፧
ሸውዓተ ሚያዝያ ናይ ወጋሕታ ሙቐታ ናብ ኣድማስ ገጻ ክትዝርግሕ ከላ: ሚልዮናት ሰባት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ዝዀነ ናይ ዓመት በዓል—በዓል ትንሳኤ—ብሓጐስ ክቕበልዎ ኢዮም። ሓደ ግዜ: እዚ በዓል እዚ ካብቲ ሰብቱጀዚማ ዝበሃል በዓል ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ ስላሴ ዝውዳእ ናይ 120 መዓልትታት ንውሓት ዘለዎ በዓላትን ጾምን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ሎሚ እታ ስም ነቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ንትንሳኤ የሱስ ንምዝካር ኢልካ ዝግበር በዓል ትንሳኤ ኢያ እተመልክት።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣቐድም ኣቢሉ ድማ: ሓደ ምሸት ካልኦት ሚልዮናት ሰባት ነቲ ድራር ጐይታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከብዕሉ ክእከቡ ኢዮም። እዚ በዓል እዚ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት የሱስ ባዕሉ ዝመስረቶ በዓል ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ነገሮም።—ሉቃስ 22:19
ኣየናይ ኢኻ ከተብዕል ዘሎካ፧
መበቈል በዓል ትንሳኤ
እዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝዝውተር በዓል ትንሳኤ ዝበሃል ስም: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ። እታ ሜድዬቫል ሆሊደይስ ኤንድ ፈስቲቫልስ (ብእንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ “እዚ በዓል እዚ ብስም እታ ኤስቶር እተባህለት ናይ ወጋሕታን ጽድያን ኣንስተይቲ ኣምላኽ ኢዩ ተሰምዩ” ብምባል ትነግር። እዛ ኣንስተይቲ ኣምላኽ እዚኣኸ እንታወይቲ ኢያ ነይራ፧ እታ ዘ ኣመሪካን ቡክ ኦቭ ደይስ (ብእንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ትምልስ:- “ብመሰረት እቲ ኣፈ-ታሪኽ ዝህቦ ሓሳባት ኤስቶር ነቲ ጽፉፍ ስለ ዝነበረ ጻዕዳ ኣምላኽ ከምኡውን ግንባሩ ንደቅሰብ ብርሃን ዝህብ ስለ ዝነበረ ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቡልዳር ክትቅበል ነቲ ናይ ዝሞቱ ጀጋኑ ዓስከሬን ዝእከብሉ ዝነበረ ጋህሲ ዝኸፈተት ኣንስተይቲ ኣምላኽ ኢያ።” ወሲኻ ድማ “ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ናይ መጀመርያ ግዜኣ ነዚ ናይ ቀደም ናይ ኣረማውያን ልምድታት ተቐቢላ ክርስትያናዊ ትርጕም ከም ዝሃበቶ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ናይ ኤስቶር በዓል ነቲ ኣብ ጽድያ ዝነበረ ናይ ህይወት ምሕዳስ ንምብዓል ኢልካ ይግበር ስለ ዝነበረ: ነቲ ንሳቶም ዝሰብክዎ ዝነበሩ ወንጌል: ነቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስኣሉ ምብዓል ከም ዘመልክት ንምግባር ቀሊል ኢዩ ነይሩ።”
እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ኣረማውያን ልምዲ ምውሳድ ከም እኒ ብሩህ ሕብሪ እተቐብአ እንቋቍሖ: ኣብ ግዜ በዓል ትንሳኤ ዝግበር ናይ ማንቲለ ምስሊ: ከምኡውን ናይ መስቀል ምልክት ዘለዎ ባኒ ዝኣመሰለ ናይ በዓል ትንሳኤ ልምድታት: ኣብ ገሊአን ሃገራት ከመይ ኢሉ ከም ዝመጸ ዝገልጽ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ “ብልዕሊኡ ዘንጸባርቕ ቡናዊ . . . ናይ መስቀል ምልክት ዘለዎ” ባኒ እታ ኤስተር ኤንድ ኢትስ ካስተምስ (ብእንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “መስቀል ኣብታ ናይ መጀመርያ ዓርቢ ስቅለት ተቐባልነት ቅድሚ ምርካባ ኣቐዲማ ናይ ኣረማውያን ምልክት ኢያ ነይራ: ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ ግዜያት ድማ ቅጫን ምቁር ነገራትን ሓድሓደ ግዜ ናይ መስቀል ምልክት ነበሮ።”
እዞም ልምድታት እዚኣቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣይንረኽቦምን ኢና: ወይ ድማ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይኣምንዎም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ምንም መርትዖ ኣይንረክብን ኢና። አረ ሃዋርያ ጴጥሮስሲ “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: . . . ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ኢሉ ኢዩ ዝነገረና። (1 ጴጥሮስ 2:2: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ: ስለምንታይ ድኣ ኢየን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ነዚ ብርግጽ ናይ ኣረማውያን ምልክት ዝዀነ ነገራት ኣብ እምነተንን ተግባራተንን እተቐበላኦ፧
እታ ኪርዮዚቲዝስ ኦቭ ፖፒላር ካስተምስ (ብእንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትምልስ:- “ነዚ ህልዊ ናይ ኣረማውያን በዓላት ከም ሓደ ዘየልግስ ነገር ኰይኑ ኣብ ክርስትና ተቐባልነት ምርካቡ ናይተን ቀዳሞት ኣብያተ-ክርትስያናት ዘይልወጥ ፖሊሲ ኢዩ ነይሩ። ብፍላይ በዓል ትንሳኤ ናብ ክርስትና ንምልዋጡ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ምብራቕ ናይታ ባህርያዊት ጸሓይ: ከምኡውን ካብ ክረምቲ ናብ ጽድያ ኣብ ምቕያር ዘሎ ሓጐስ: እቲ ኣብ ምብራቕ ናይ ጽድቂ ጸሓይ: ናይ ክርስቶስ ካብ መቃብር ምትንሳእ ዘሎ ሓጐስ ኰነ። ገለ ካብቶም ኣብ ባሕቲ ግንቦት ዝበዓሉ ዝነበሩ ናይ ኣረማውያን በዓላት ድማ ምስ በዓል ትንሳኤ ምእንቲ ክሰማምዑ ተቐየሩ።” ነዞም ፍሉጣት ናይ ኣረማውያን ልምድታትን ናይ ጥንቈላ ጽምብላትን ኣብ ክንዲ ዘጥፍእዎም: መራሕቲ ሃይማኖት ስቕ ኢሎም ርኣይዎም ከምኡውን “ክርስትያናዊ ትርጕም” ሃብዎም።
‘እንተዀነ ግን: ከምኡ ምግባር ጕድኣት ኣለዎ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ገሊኣቶም ምንም ጕድኣት የብሉን ኢሎም ኢዮም ዝሓስቡ። ኣለን ዳብሊው. ዋትስ ኣብታ ኤስተር—ኢትስ ስቶሪ ኤንድ ሚኒንግ (ብእንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “ከም ክርስትና ዝኣመሰለ ሃይማኖት ንኻልኦት ሰባት ካብ ደገ ክኣትዎም ከሎ: ገለ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሃይማኖት ዝመጸ ልምድታት ይሕዝ ከምኡውን ‘ተቐቢሉ ይቕድሶ’ ኢዩ። እታ ቤተ-ክርስትያን ትመርጽ: ድሓር ድማ ልክዕ ከምቲ እትምህሮ ካልእ ዘለኣለማዊ ዝመስል ስርዓት ናይ ቅዳሴ ገይራ ድማ ተእትዎ።” ነዞም በዓላት እዚኣቶም ቤተ-ክርስትያኖም ስለ ዝቐደሰቶምን ከም ቅዱሳት ገይራ ድማ ስለ ዝሓዘቶምን ጥራይ ንብዙሓት ሰባት ንኽቕበልዎ እኹል ምኽንያት ኢዩ ዝዀኖም። እንተዀነ ግን: ኣገደስቲ ሕቶታት ሸለል ተባሂሎም ተሓሊፎም ኣለዉ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዞም ልምድታት እዚኣቶም ከመይ ይስምዖ፧ ነዚ ዝምልከት ክንምርሓሉ እንኽእል ገለ ስርዓታት ሂቡዶ ኣሎ፧
ነቲ ኣምላኽ ብዛዕብኡ ዘለዎ ኣረኣእያ ምርድኡ
ክርስቲና ሆል ኣብታ ኤስተር ኤንድ ኢትስ ካስተምስ (ብእንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፋ “በዓል ትንሳኤ: ናይ ጐይታና ናይ ትንሳኤ በዓል: ካብ ኵሉ እቲ ናይ ክርስትያን ቤተ-ክርስትያን በዓላት እቲ ዝዓበየ ኢዩ” በለት። ካልኦት ጸሓፍቲ እውን ምስዚ ይሰማምዑ ኢዮም። ሮበርት ጀይ. ሚርዝ ኣብታ ሰለብረሽንስ (ብእንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣብ ናይ ክርስትና ዓመት: ብኣገዳስነቱ ምስ በዓል ትንሳኤ ዝወዳደር ቅዱስ መዓልቲ ወይ በዓል ዋላ ሓደ የሎን።” ይኹን እምበር: እዚ ገለ ሕቶታት የልዕል ኢዩ። በዓል ትንሳኤ ምብዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ኢዩ ከነብዕሎ ከም ዘሎና ዝገልጽ ንጹር ዝዀነ ትእዛዝ ዘየሎ፧ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናይ ሰንበት በዓል ትንሳኤ የብዕሉ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ገለ ሓበሬታ ኣሎዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ በዓል ክኽበር ከም ዘለዎን ኣየናይ ድማ ክኽበር ከም ዘይብሉን ዝገልጽ መምርሒ ስለ ዘይብሉ ኣይኰነን። ነዚ ዝምልከት ኣምላኽ ነቶም ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ሕጊ ሂብዎም ኢዩ: ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረአናዮ ድማ ንክርስትያናት ነቲ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምብዓል ክቕጽሉ ብሩህ ዝዀነ መምርሒ ተዋሂብዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:23-26፣ ቈሎሴ 2:16, 17) እቲ ናይ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (ብእንግሊዝኛ) ናይ ቀደም ሕታም ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ይኹን ኣብቲ ናይቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ዝጽሕፉ ዝነበሩ ናይ ቀደም ጸሓፍቲ: በዓል ትንሳኤ ከም ዝነበረ ዘመልክት ምንም ነገር የሎን። ንፍሉያት ግዜያት ምቕዳስ ዝብል ሓሳባት ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣይነበረን። . . . ጐይታ ይኹን ሃዋርያቱ ነዚ በዓል እዚ ይኹን ካልእ በዓላት ኣየብዕሉን ኢዮም ነይሮም።”
ገሊኣቶም እቲ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ዘምጽእዎ ሓጐስን ደስታን ንርእሱ እቶም በዓላት ክኽበሩ ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ምዃኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ካብቲ እስራኤላውያን ናይ ግብጻውያን ሃይማኖታዊ ተግባራት ወሲዶም “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሎም ምስ ሰየምዎ ዘጋጠመ ኵነታት ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንሳቶም ድማ “ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ: ኪሰሓቑ ኸኣ ተንስኡ።” እንተዀነ ግን: ተግባራቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣቈጥዖ: ኣምሪሩ ድማ ቀጽዖም።—ዘጸኣት 32:1-10, 25-28, 35
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዝህቦ ሓሳባት ብሩህ ኢዩ። ኣብ መንጎ ናይ ሓቀኛ እምነት ‘ብርሃንን’ ናይ ሰይጣን ዓለም ‘ጸልማትን’ ምንም ሕብረት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ናይ ኣረማውያን ኣምልኾን ድማ ምንም “ምስምማዕ” ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ተባሂሉልና ኣሎ:- “ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”—2 ቈረንቶስ 6:14-18
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ናይ ዝኽሪ በዓል ድኣምበር በዓል ትንሳኤ ከብዕልዎ ኣይተኣዘዙን። ስለዚ ድማ ናይ ዝኽሪ በዓል ክበዓል ኣለዎ። ስለዚ ከመይ ገይርና ኢና ብኽብሪ ከነብዕሎ እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
እቲ እስራኤላውያን “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ ” ኢሎም ዝሰየምዎ: ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣቘጢዕዎ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cover: M. Thonig/H. Armstrong Roberts