ኵሉ ግዜ ጾርካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብእተፈላለየ ጾር ከም እተጸቕጡ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ቍጠባዊ ጸገማት: ዝደቍስ ናይ ስድራቤት ግድላት: ናይ ጥዕና ግድላት: ብሰንኪ ጸቕጥን ጭቈናን ዝመጽእ ቃንዛን ስቓይን: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሽግራትን ኣብ ክሳዶም ከም መጥሓን እምኒ ኰይኑ ተጻዒንዎም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ካብ ደገ ዝመጽእ ጸቕጥታት ድማ: ገሊኣቶም ብሰንኪ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይፍጽምና ዝመጽእ ስምዒት ናይ ዋጋ ኣልቦነትን ፍሽለትን ይድቈሱ ኢዮም። ብዙሓት ኣብቲ ቃልሲ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ቈሪጾም ኢዮም። እቲ ዘሎካ ጾር ክትስከሞ ዘይትኽእል ኰይኑ ክስማዓካ ከሎ ብኸመይ ኢኻ ክትጋጠሞ እትኽእል፧
ሓደ ግዜ ንጉስ ዳዊት እቲ ዝነበሮ ጸቕጥታት ክስከሞ ዘይክእል ኰይኑ ተሰሚዕዎ ኢዩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር 55 ተገሊጹ ዘሎ: ዳዊት ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ጸቕጥታትን ካብ ጸላእቱ ዝመጾ ዝነበረ ጽልእን ብጭንቀት ተዋሒጡ ነይሩ ኢዩ። ብዙሕ ጓህን ፍርህን ተሰሚዕዎ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ሓዘን ድማ እህህ ጥራይ ኢዩ ክብል ዝኽእል ነይሩ። (መዝሙር 55:2, 5, 17) ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ጓሂ እናሃለዎ ክዋጽኣሉ ዝኽእል መገዲ ረኺቡ ኢዩ። ብኸመይ፧ ሓገዝ ክረክብ ናብ ኣምላኹ ጠሚቱ ኢዩ። ነቶም ከም ናቱ ዝስምዖ ሰባት ዝሃቦም ምኽሪ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ።”—መዝሙር 55:22
“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምቕራብ ጭንቀትና ምንጋር ማለት ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ነቲ ኵነታት ንኸነዐሪ ባዕልና ገለ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና፧ ናብ የሆዋ ክንቀርብ ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑናኸ፧ ነቲ ዳዊት ነዘን ቃለት እዚኣተን ክጽሕፍ ከሎ ብንጹር ዘኪሩ ዝገለጾ ነገራት ብምርኣይ ጾርካ ናብ የሆዋ ደርብዮ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ንእትገብሮ ነገራት ብሓይሊ የሆዋ ግበሮ
ጎልያድ ነቶም ናይ እስራኤል ተዋጋእቲ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ልቦም ፍርሂ ከም ዘሕደረሎም ትዝክሮዶ፧ እዚ ልዕሊ 2.7 ሜትሮ ቍመት ዝነበሮ ኣዝዩ ገዚፍ ሰብኣይ ኣርዓዶም። (1 ሳሙኤል 17:4-11, 24) ዳዊት ግን ኣይፈረሀን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዳዊት ምስ ጎልያድ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ክገጥም ኣይፈተነን። ካብቲ ንመጻኢ ግዜ ንጉስ እስራኤል ክኸውን እተቐብኣሉ ግዜ ኣትሒዙ: ኣብ ኵሉ ተግባራቱ መንፈስ ኣምላኽ ክመርሖን ከሐይሎን ኣፍቂድሉ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 16:13) ስለዚ ድማ ንጎልያድ ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ።” (1 ሳሙኤል 17:45, 46) ዳዊት ብምውንጫፍ ኪኢላ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ነታ እምኒ ከም ዝመርሓን ዝያዳ ድማ መርዛም ከም እትኸውን ስለ ዝገበራን ንጎልያድ ክቐትሎ ከም ዝኸኣለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ሳሙኤል 17:48-51
ዳዊት ኣምላኽ ከም ዝሕግዞምን ዘሐይሎምን ምትእምማን ስለ ዝነበሮ ነቲ ከቢድ ዝነበረ ብድሆ ተጋጢምዎን ተዓዊቱን ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ዝተኣማመነሉ ጽቡቕ ዝምድና ነይርዎ ኢዩ። እዚ ድማ በቲ የሆዋ ቅድም ዝገብረሉ ዝነበረ ምድሓን ከም ዝሓየለ ዘጠራጥር የብሉን። (1 ሳሙኤል 17:34-37) ከም ዳዊት ምስ የሆዋ ድልዱል ብሕታዊ ርክብ ክህልወካ ከምኡውን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት ድማ ከሐይለካን ክድግፈካን ክእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ተኣማንነት ከተሕድር ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 34:7, 8
ነቲ ግድል ንምፍታሕ ዝከኣለካ ኵሉ ግበር
እዚ ግን ከምቲ መዝሙር 55 ብንጹር እትገልጾ ከቢድ ቃንዛ: ጭንቀት: ፍርሂ እውን ከይተረፈ ዘጋጥመሉ ግዜ ፈጺሙ የሎን ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ዳዊት እዚ ከምዚ ዝበለ ፍርሂ ዘይብሉ ተኣማንነት ኣብ የሆዋ ምስ ኣርኣየ: ገለ ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ቅድሚ ጸላእቱ ከቢድ ፍርሂ ተሰምዖ። እቲ ካብ ንጉስ ሳኦል ዝረኽቦ ዝነበረ ስምረት ተሪፉስ ህይወቱ ከድሕን ድማ ሃደመ። ነቲ ብዛዕባ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዝምልከት ኣብ ኣእምሮኡ ኣምጺኡሉ ዝነበረ ሕቶ: ንዳዊት ኣስዒብሉ ዝነበረ ስሚዒታዊ ምርባሽ እሞ ገምቶ። ንመጻኢ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ተቐቢኡ እኳ እንተነበረ: ከም ዝህደን እንስሳ ዘገዳም ኰይኑ ነብሱ ንኸድሕን ናብ በረኻ ክሃድም ነበሮ። ኣብታ ናይ ጎልያድ ዓዲ ዝነበረት ከተማ ጋት ዕቝባ ክረክብ ኢሉ ምስ ፈተነ ተፈልጠ። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧ እቲ ጸብጻብ ‘ኣዝዩ ፈርሀ’ ይብለና።—1 ሳሙኤል 21:10-12
እንተዀነ ግን: እቲ ዝነበሮ ፍርህን ዓሚቝ ጭንቀትን ሓገዝ የሆዋ ካብ ምድላይ ክዓግቶ ኣየፍቀደሉን። ኣብ መዝሙር 34 (ብመሰረት ናይዚ ተመኵሮ እዚ ሳዕቤን እተጻሕፈት) ዳዊት ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ: ንሱውን መለሰለይ: ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ: እግዚኣብሄርውን ሰምዖ። ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሓኖ።”—መዝሙር 34:4, 6
ብሓቂ: የሆዋ ደጊፍዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዳዊት ኢዱ ኣጣሚሩ የሆዋ ከድሕኖ ከም ዘይተጸበየ ኣስተውዕል። ካብቲ ወሪድዎ ዝነበረ ከቢድ ኵነታት ንኽወጽእ ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር ከም ዘለዎ ተረዲኡ ኢዩ። ኢድ የሆዋ ኣብ ምድሓኑ ዝነበራ ግደ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ንጉስ ጋት ምእንቲ ከይቀትሎ ጽሉል ብምምሳል ስጉምቲ ወሲዱ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 21:14–22:1) ንሕናውን የሆዋ ከድሕነና ኢድና ኣጣሚርና ኣብ ክንዲ እንጽበ: ምስቲ ዘሎና ጾር ንኽንጋጠም ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ከድልየና ኢዩ።—ያእቆብ 1:5, 6፣ 2:26
ነቲ ዘሎካ ጾር ኣይትወስኸሉ
ዳዊት ጸኒሑ ኣብ ህይወቱ ካልእ መሪር ትምህርቲ ተማሂሩ ኢዩ። እንታይ ኢዩ ተማሂሩ፧ ሓድሓደ ግዜ ንጾርና ባዕልና ከም እንውስኸሉ ኢዩ ተማሂሩ። ንፍልስጥኤማውያን ድሕሪ ምስዓሩ ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ክመልሶ ምስ ወሰነ ዳዊት ሕማቕ ኵነታት ወረዶ። እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይነግረና:- “ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ . . . ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓል-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓዲሽ ሰረገላ ገይሮም . . . ኣልዐልዎ። ነቲ ሓዲሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን: ደቂ ኣቢናዳብ: ይመርሕዎ ነበሩ።”—2 ሳሙኤል 6:2, 3
ታቦት ንኸተግዕዝ ሰረገላ ምጥቃም ማለት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ታቦት ዝሃቦ ሕጊ ብምሉኡ ምጥሓስ ማለት ኢዩ። መሰላታት በቲ ኣብቲ ታቦት ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ለጊቡ ዝነበረ ቀላብቲ ብምሕላፍ ነቲ ታቦት ኣብ መንኩቦም ክስከምዎ መሰል ዝነበሮም እቶም ካብ ዓሌት ሌዊ ዝዀኑ ደቂ ቃሃት ምዃኖም ብግልጺ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ዘጸኣት 25:13, 14፣ ዘሁሉቍ 4:15, 19፣ 7:7-9) ነዚ መምርሒ እዚ ሸለል ምባል መዓት ኣምጽአ። እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ዝነበሩ ኣብዑር ፋኒኖም ነቲ ታቦት ከውድቕዎ ምስ ቀረቡ ድማ እቲ ካብ ዓሌት ሌዊ ክነሱ ግን ካህን ዘይነበረ ዑዛ ነቲ ታቦት ከይወድቕ ሓዞ: ብስንኪ እቲ ዘርኣዮ ድፍረት ድማ የሆዋ ቀዘፎ።—2 ሳሙኤል 6:6, 7
ከም ንጉስ መጠን ድማ ዳዊት በዚ ተሓታቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ድማ: ዋላ እቶም ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ንኣሸጋሪ ኣጋጣሚታት ብሕማቕ ይምልሱሉ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ። ዳዊት መጀመርያ ተቘጥዐ። ዳሕራይ ግን ፈርሀ። (2 ሳሙኤል 6:8, 9) እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ኣጸቢቑ ተፈተነ። ነቲ ትእዛዝ ምስ ኣፍረሰ: ጾሩ ኣብ የሆዋ ካብ ምድርባይ ከም ዝሰነፈ ዘርኢ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝመስል። ንዓናኸ ሓድሓደ ግዜ ከምኡ የጋጥመናዶ ይኸውን፧ ንስርዓታቱ ሸለል ብምባልና ዝመጽእ ሳዕቤናት ንየሆዋ ንወቕሶዶ ኢና፧—ምሳሌ 19:3
ምስ ናይ ጸጸት ጾር ምግጣም
ጸኒሑ ዳዊት ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ስለ ዝጠሓሰ: ዓቢ ናይ ጸጸት ጾር ተሰከመ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዳዊት ነቲ ከም ንጉስ መጠን ንወተሃደራቱ ኣብ ውግእ ክመርሕ ዝነበሮ ሓላፍነት ኣይፈጸሞን። ንሳቶም ክዋግኡ ክኸዱ ከለዉ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። እዚ ድማ ናብ ከቢድ ሽግር መርሖ።—2 ሳሙኤል 11:1
ንጉስ ዳዊት ነታ መልከዐኛ ዝነበረት ባትሴባ ማይ ክትሕጸብ ከላ ረኣያ። ብዘይስነ-ምግባራዊ መገዲ ድማ ምስኣ ተራኸበ: ንሳ ድማ ጠነሰት። (2 ሳሙኤል 11:2-5) ነቲ ዝገበሮ ጸይቂ ክሽፍን ብምፍታን ድማ ንኡርያ ሰብኣያ ካብ ዓውዲ ኲናት ንየሩሳሌም ከም ዝምለስ ንምግባር መደበ። ኡርያ ግን እስራኤል ኣብ ውግእ ከሎ ንሱ ምስ ሰበይቱ ምርኻብ ኣበየ። (2 ሳሙኤል 11:6-11) ሕጂ ድማ ዳዊት ሓጢኣቱ ንምሽፋን ሓደ እኩይን ጠዋይን ነገር ክገብር ሃቀነ። እቶም ምስ ኡርያ ዝነበሩ ወተሃደራት ንኡርያ ኣብ ሕማቕ ቦታ ናይቲ ኲናት ክገድፍዎ እሞ ክመውት መደብ ኣውጽአ። ሓደ ጭካነ ዝመልኦ: ሕማቕ ሓጢኣት!—2 ሳሙኤል 11:12-17
ሓቂ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ናይ ዳዊት ሓጢኣት ተረኺቡ ከምኡውን ተቓሊዑ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:7-12) ሳዕቤን ናይቲ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ወንጀል ኣብ ገዛእ ርእሱ ምስ ወረደ: ዳዊት ተሰሚዕዎ ዝነበረ ከቢድ ሓዘንን ጸጸትን እሞ ክትግምቶ ፈትን። ብሰንኪ ስንፍናኡ: ብፍላይ ድማ ስምዒታውን ብቐሊሉ ዝትንከፍን ኰይኑ ብምርካቡ ክሳዕ ክንደይ ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ። ፍጺሙ ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ይኹን እምበር: ዳዊት ቀልጢፉ ንጌጋኡ ኣፍልጦ ብምሃብ ንነብዪ ናታን “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል ተኣመነ። (2 ሳሙኤል 12:13) መዝሙር 51 ከመይ ከም እተሰምዖ ከምኡውን የሆዋ ከጽርዮን ይቕረ ክብለሉን ብኸመይ ከም ዝለመነ ትነግረና። ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸለየ:- “ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ: ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ: ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።” (መዝሙር 51:2, 3) ዳዊት ብሓቂ ስለ እተናስሐ: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዱልዱል: ናይ መሕርሮ ርክብ እንደገና ክሃንጾ ክኢሉ ኢዩ። ዳዊት ኣብቲ ናይ ጣዕሳን ዋጋ ኣልቦነትን ስምዒት ጥራይ ጥሒሉ ኣይተረፈን። ብትሕትና ንገበኑ ኣፍልጦ ብምሃብ: ናይ ሓቂ ጣዕሳ ብምንጽብራቕ: ከምኡውን የሆዋ ይቕረ ክብለሉ ኣበርቲዑ ብምጽላይ ኵሉ ጾሩ ናብ የሆዋ ደርበዮ። ስምረት ኣምላኽ ድማ እንደገና ረኸበ።—መዝሙር 51:7-12, 15-19
ምስ ክሕደት ምግጣም
እዚ ናብቲ ንዳዊት ንመዝሙር 55 ንኽጽሕፍ ዘለዓዓሎ ኵነታት ኢዩ ዝመርሓና። ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስምዒታዊ ወጥሪ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት: ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።” (መዝሙር 55:4) ከም ዝቑንዞ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት: ካብ ዳዊት ንግስና ክወስድ ተተናዀለ። (2 ሳሙኤል 15:1-6) እዚ ብገዛእ ወዱ ዘጋጠሞ ክሕደት ንኽጾሮ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ: ዝያዳ ዝኸፍኣ ግን እቲ ኣሒቶፌል እተባህለ ዳዊት ኣዝዩ ዝኣምኖ ዝነበረ ኣማኻሪኡ: ኣብቲ ኣንጻር ዳዊት እተገብረ ዕልወት ምትሕብባሩ ኢዩ። ንኣሒቶፌል ከኣ ኢዩ ዳዊት ኣብ መዝሙር 55:12-14 ገሊጽዎ ዘሎ። ብምኽንያት እቲ ዝነበረ ዕልወትን ክሕደትን ድማ ዳዊት ካብ የሩሳሌም ክሃድም ነበሮ። (2 ሳሙኤል 15:13, 14) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ሓዘን ኰን ኢዩ ኣስዒብሉ ነይሩ!
ጌና ግን: እቲ ዝነበሮ ከቢድ ስምዒትን ጓህን ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልትን ተኣማንነትን ከዳኽሞ ኣይፈቐደሉን። ነቲ ናይ ዕልወት ውዲት ከፍሽሎ ድማ ናብ የሆዋ ጸለየ። (2 ሳሙኤል 15:30, 31) ሕጅውን ዳዊት ኢዱ ኣጣሚሩ ጥራይ ኵሉ እቲ ነገር የሆዋ ክገብሮ ከም ዘይተጸበየ ኢና እንርኢ። ዕድል ምስ ረኸበ ቀልጢፉ ነቲ ኣንጻሩ እተገብረ ዕልወት ንምቅላስ ዝከኣሎ ኵሉ ገበረ። ካብቶም ካልኦት ኣማኸርቱ ሑሻይ እተባህለ ድማ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ነቲ ዕልወት ከፍሽል እኳ እንተዀነ ደጋፊኡ ከምስል ለኣኾ። (2 ሳሙኤል 15:32-34) ብደገፍ የሆዋ ድማ እዚ መደብ እዚ ዕላማኡ ወቐዐ። ሑሻይ: ዳዊት እንደገና ተወዲቡ ንምክልኻል ድሉው ምእንቲ ክኸውን እኹል ግዜ ከም ዝረክብ ገበረ።—2 ሳሙኤል 17:14
ዳዊት ኣብ ምሉእ ህይወቱ ነቲ የሆዋ ዝገብረሉ ዝነበረ ናይ ዕቝባ ሓልዮት ከምኡውን ዘርእዮ ዝነበረ ትዕግስትን ይቕረ ንኽብለሉ ፍቓደኛ ምዃንን ክሳዕ ክንደይ ኣማሲውሉ ክኸውን ኣለዎ! (መዝሙር 34:18, 19፣ 51:17) ዳዊት ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ስለ ዘሕለፈ ኢዩ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣጨናቒ ዘበን ሓገዝ ደሊና ናብ የሆዋ ክንጥምትን ኵሉ ‘ጾርና ናብኡ ክንድርብዮን’ ብምትእምማን ዘተባብዓና።—ምስ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣረኣእዮ።
ምስ የሆዋ ጽኑዕ ዝምድና ግበር: ዓቅቦ ድማ
ከምቲ ዳዊት ኣብ ግዜ ከቢድ ፈተናን ጸበባን ክድግፎ ዝኽእል ናይ መሕርሮ ርክብ ምስ የሆዋ ዝገበረ: ብኸመይ ኢና ምስ የሆዋ ከምኡ ዓይነት ርክብ ክንምስርት እንኽእል፧ ህሩኩታት ኰይንና ንቓል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነጽንዕ ከምዚ ዓይነት ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሕግታቱ: ስርዓታቱ: ከምኡውን ጠባያቱ ክምህረና ድማ ነፍቅደሉ። (መዝሙር 19:7-11) ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምስ እነስተንትን: ዝያዳ ናብኡ ገጽና ንቐርብ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ምውካል ድማ ንማሃር። (መዝሙር 143:1-5) ዝያዳ ብዛዕባ የሆዋ ክንማሃር ኢልና ምስ ኣመንቲ ብጾትና ምስ እንሓብር ድማ ነዚ ርክብ እዚ ነዕምቖን ነደልድሎን። (መዝሙር 122:1-4) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ብምግባር ነጽንዖ።—መዝሙር 55:1
ብሓቂ: ዳዊት ከምቲ ንዓና ዘጋጥምና: እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ጽኑዕ ምስ ዘይከውን ይጭነቕ ነይሩ ኢዩ። ጭቈና “ናይ ዕሽነት ስጕምቲ” ከም እንወስድ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 7:7 ትሓዓ) የሆዋ ግን እንታይ የጋጥም ከም ዘሎን: ኣብ ልብና ድማ እንታይ ከም ዘሎን ኢዩ ዝርኢ። (መክብብ 4:1፣ 5:8) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንኸነሐይሎ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ የድልየና። ብድሕርዚ እንስከሞ ዝዀነ ይኹን ጾር ይሃልወና ብዘየገድስ: ካብቲ ጸቕጢ ከናግፈና ወይ ምስቲ ኵነታትና ንኽንጋጠም ሓይሊ ክህበና ኣብ የሆዋ ክንውከል ኢና። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) እቲ ነገር ምስ የሆዋ ጠቢቕና ምጽናሕናን ዘይምጽናሕናን ኢዩ ዝውስኖ። ዳዊት ከምዚ ክገብር ከሎ: ምሉእ ብምሉእ ዕቝባ ይረክብ ነይሩ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ዳዊት ኵነታትካ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ጾርካ ኵሉ ግዜ ናብ የሆዋ ደርብዮ ኢዩ ዝብል። ከምዚ ምስ እንገብር ንሓቅነት ናይቲ “ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ዝብል መብጽዓ ክንፍትኖ ኢና።—መዝሙር 55:22