ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 28-29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ይቕረ ይብለለይ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ካብ ልቢ ይቕረ በሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 28-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ “ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም: ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ:” በለ። እዘን ቃላት እዚኣተንሲ ክርስትያናት ሓጢኣት ክሓድጉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ትርጕም ድዩ ዘለወን፧

ክርስትያናት ብሓፈሻ ወይ ከኣ ኣብታ ጉባኤ እተሾሙ ሽማግለታት: ሓጢኣት ክሓድጉ መለኮታዊ ስልጣን ኣሎዎም ኢልካ ንምድምዳም ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብልናን። እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዮሃንስ 20:⁠23 እተዛረቦም ቃላት ግን: ኣምላኽ በዚ መዳይ እዚ ነቶም ሃዋርያት ፍሉይ ስልጣን ሂብዎም ከም ዝነበረ ኢዩ ዘመልክተልና። እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት እምበኣር: ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 18:⁠18 ብዛዕባ ሰማያዊ ውሳኔታት እተዛረቦ ክዛመድ ይከኣል ኢዩ።

ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 4:⁠32 ተመዝጊቡ ዘሎ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ዝብል ምኽሪ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስምማዕ: ክርስትያናት ገለ ዓይነት በደላት ክሓድጉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብኸም እኒ ከይተጠንቀቕካ እተውጽኦ ጐዳኢ ቃላት ክለዓል ዝኽእል ግድላት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ንሓድሕዶም ይቕረ ብምብህሃል: ነቲ እተላዕለ ጉዳይ ከደቅስዎ ክጽዕሩ ኣለዎም። ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቃላት ንዘክሮ:- “እምበኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምሰቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”​—⁠ማቴዎስ 5:⁠23, 24፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8

ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ከባቢ ናይ ዮሃንስ 20:⁠23 ዘሎ ጥቕስታት: በቲ ሽዑ የሱስ ነቶም ፍልይ ዝበሉ ሰማዕቲ ዝበሎም ተወሳኺ ቃላት መሰረት: ዝያዳ ክብድ ንዝበለ ሓጢኣት የመልክት ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብረልና። እዚ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

የሱስ ኣብታ ዝተንስኣላ መዓልቲ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕጽውቲ ገዛ ከለዉ ተራእዮም። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፤ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒ: ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ: በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፤ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ: ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም: ንዝሐዝኩምሎም ከአ ይተሐዘሎም እዩ: በሎም።”​—⁠ዮሃንስ 20:⁠21⁠-​23

እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ: ብመሰረቱ እቶም እሙናት ሃዋርያት ከም ዝዀኑ ፍሉጥ ኢዩ። (ምስ ቍጽሪ 24 ኣረኣእዮ።) የሱስ ኡፍ ኢሉ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ክብሎም ከሎ: ብምሳልያዊ መገዲ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ከም ዝዀነ መዘኻኸሪ ኢዩ ሂብዎም። የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ሓጢኣት ምሕዳግ ዝምልከት ስልጣን ከም ዘለዎም ተዛረበ። እምበር እዚ ናይ የሱስ ክልተ ዘረባታት እዚ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረን እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ዝመርሕን ኢዩ።

የሱስ ምስ ተንስአ ድሕሪ ሓምሳ መዓልትታት: ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ: መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰሎም። እዚ ብምግባሩኸ እንታይ ኢዩ ፈጺሙ፧ ቀዳማይ ነገር: እቶም መንፈስ እተቐበሉ: ኣብ ሰማይ መናግስቲ ክርስቶስ ክዀኑ ተስፋ ብምሓዝ: ከም መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ኰይኖም እንደገና ተወሊዶም ኢዮም። (ዮሃንስ 3:​3-5፣ ሮሜ 8:​15-​17፣ 2 ቈረንቶስ 1:​22) ይኹን እምበር እቲ ናይ መንፈስ ምፍሳስ ካብኡ ዝያዳ እውን ፈጺሙ ኢዩ። ገለ ካብቶም ተቐበልቲ መንፈስ ተኣምራታዊ ሓይልታት ረኺቦም ኢዮም። በቲ ሓገዝ እቲ ድማ ገሊኦም ብዘይፈልጥዎ ቋንቋ ክዛረቡ ክኢሎም ኢዮም። ካልኦት ክንበዩ ክኢሎም ኢዮም። ጌና ካልኦት እውን ሕሙማት ክፍውሱ ወይ ከኣ ምዉታት ከተንስኡ ክኢሎም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 12:⁠4⁠-​11

እቲ ኣብ ዮሃንስ 20:⁠22 ዘሎ ቃላት የሱስ ነዚ ኣብ ደቀ መዙሙርቲ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ የመልክት ካብ ነበረ: እቲ ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት ዝዛረብ ምስኡ እተተሓሓዘ ቃላቱ ድማ: እቶም ሃዋርያት ብሓገዝ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጢኣት ክሓድጉ ወይ ከኣ ክሕዙ ብመለኮታዊ መገዲ ፍሉይ ስልጣን ከም እተዋህቡ ዝገልጽ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ ዝመስል።​—⁠1 መጋቢት 1949 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 78 ርአ።

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቋንቋታት ንምዝራብ: ንምንባይ ወይ ከኣ ንምሕዋይ እተዋህቦም ኵሉ ትእምርታዊ ውህበታት ዘይመዝገቦ: ነዚ ከምዚ ዝበለ ስልጣን እተጠቕሙሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን ዝገልጽ ምሉእ ጸብጻብውን ኣይህበናን ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 12:12፣ ገላትያ 3:5፣ እብራውያን 2:4

ሃዋርያት ሓጢኣት ክሓድጉ ወይ ከኣ ክሕዙ ስልጣን ከም ዘለዎም ዘመልክተልና ሓደ ኣብነት እቲ ኣብቶም ንመንፈስ ዝሓሰዉ ሃናንያን ሰጲራን እተፈጸመ ኢዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 20:⁠22, 23 ዘንበብናዮ ቃላት ከውስእ ከሎ ዝሰምዐ ጴጥሮስ: ንሃናንያን ንሰጲራን ኣጋሊጽዎም ኢዩ። ጴጥሮስ መጀመርያ ንሃናንያ ምስ ተዛረቦ ብኡንብኡ ሞተ። ሰጲራውን መጺኣ ነቲ ሓሶት ምስ ደገመቶ: ጴጥሮስ ፍርዳ ገለጸላ። ጴጥሮስ ሓጢኣታ ኣይሓደገላን ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ “ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ: ኣብ ደገ አለዋ: ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም” ኢዩ ዝበላ። ንሳውን ሽዑ ንሽዑ ሞተት።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:​1-11

ኣብዚ ኵነታት እዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ንሓጢኣት ሕድገት ዘይምግባር ንምግላጽ: ፍሉይ ስልጣን ኢዩ ተጠቒሙ: እዚ ድማ ኣምላኽ ንሓጢኣት ሃናንያን ሰጲራን ከም ዘይሓድገሎም ዝሕብር ብትእምርቲ እተገልጸሉ ፍልጠት ነይሩዎ ማለት ኢዩ። ብዘይዚውን እቶም ሃዋርያት ኣብ ገለ ጉዳያት ሓጢኣት ብመሰረት መስዋእቲ ክርስቶስ ሕደገት ከም እተገብረሉ ርግጸኛታት ክዀኑ ዘኽእሎም ካብ ናይ ሰብ ንላዕሊ ምስትውዓል ከም ዝነበሮም ኢዩ ዝመስል። ስለዚ እምበኣር እቶም መንፈሳዊ ስልጣን ተዋሂብዎም ዝነበረ ሃዋርያት ሓጢኣት ክሓድጉ ወይ ከኣ ክሕዙ ይኽእሉ ኢዮም ነይሮም።a

እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኵሎም እቶም ሽዑ ብመንፈስ እተቐብኡ ሽማግለታት እዚ ትእምርታዊ ስልጣን እዚ ነይርዎም ማለት ኣይኰነን። እዚ: ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ካብ ጉባኤ ቈረንቶስ ተወጊዱ ዝነበረ ሰብ ዝበሎ ቃላት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓጢኣቱ ሓዲገሉ ኢየ’ ኣይበለን: ወይ ድማ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ሰማይ ከም እተሓድገሉ እፈልጥ ኢየ እሞ ተቐበልዎ’ እውን ኣይበሎምን። ኣብ ክንድኡ ጳውሎስ ንምልእቲ እታ ጉባኤ ነዚ እተመልሰ ክርስትያን ይቕረ ክብሉሉ ፍቕሮም ድማ ከርእይዎን ኢዩ ተማሕጺንዎም። ጳውሎስ ወሲኹ “ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ አሎኹ” በለ።​—⁠2 ቈረንቶስ 2:​5-​11

እቲ ሰብ ናብታ ጉባኤ እንተድኣ ተመሊሱ: ኵሎም እቶም ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ዝገበሮ ቅርሕንቲ ከይሓዙ ይቕረ ክብሉሉ ይኽእሉ ነይሮም ማለት ኢዩ። መጀመርያ ግን ተነሲሑ ክምለስ ነይርዎ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ክፍጽም ዝኽእል፧

ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክከታተልዎ ዘለዎም ክብድ ዝበሉ ሓጢኣት ኣለዉ: እዚኣቶም ከኣ ከም እኒ ስርቂ: ሓሶት: ወይ ከኣ ከቢድ ዘይስነ-ምግባራውነት ዝኣመሰለ ኢዩ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣበሰኛታት ንኽናስሑ ብምትብባዕ: ክእርምዎምን ክግስጽዎምን ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ነስሓ ብዘይምርኣይ ከቢድ ሓጢኣት ምፍጻሙ ዝቕጽል እንተድኣ ኰይኑ: እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ነቲ መለኮታዊ መምርሒ ኣብ ተግባር ብምውዓል ነዚ ኣበሰኛ እዚ ይውግድዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:⁠1⁠-​5, 11-13) እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 20:⁠23 ዝበሎ ቃላት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝውዕል ኣይኰነን። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም: ብኣካል ዝሓመሙ ናይ ምፍዋስ ወይ ምዉታት ናይ ምትንሳእ ክእለት ዝኣመሰለ ትእምርታዊ ዝዀነ ናይ መንፈስ ውህበት የብሎምን፣ እዚ ውህበት እዚ ኣብቲ ቀዳመይ ክፍለ⁠-​­ዘበን ዕላምኡ ምስ ፈጸመ ሽዑ ኣብቂዑ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:​8-​10) ብተወሳኺውን ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት: ንሓደ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኢኻ ኢሎም ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ከቢድ ሓጢኣት ናይ ምሕዳግ መለኮታዊ ስልጣን የብሎምን። እዚ ዓይነት ሕድገት ሓጢኣት ብመሰረት እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ኢዩ ዝፍጸም: የሆዋ ጥራይ ከኣ ኢዩ በቲ መሰረት እቲ ገይሩ ክሓድግ ዝኽእል።​—⁠መዝሙር 32:⁠5፣ ማቴዎስ 6:⁠9, 12፣ 1 ዮሃንስ 1:⁠9

ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ጣዕሳ ምስ ዘየርኢ: ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ንዝነበረ ሰብኣይ እተገብረ: ክውገድ ይግብኦ። ጸኒሑ ድሓር እንተድኣ ተነሲሑን ንነስሓ ዝበቅዕ ሰናይ ግብሪ ድማ ዘፍሪ ኰይኑን ግን: መለኰታዊ ሕድገት ክወሃቦ ይከኣል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠20) ኣብዚ ኵነታት እዚ: ቅዱሳት ጽሑፋት: የሆዋ ነቲ ኣበሰኛ ብርግጽ ይቕረ ከም ዝበለሉ ንኽኣምኑ ምኽንያት ይህቦም ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ሰብ ምስ ተመልሰ: እቶም ሽማግለታት ብእምነት ጽኑዕ ንኽኸውን ብመንፈስ ክሕግዝዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ከኣ: ከምቲ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ተወጊዱ ዝነበረ እሞ እተመልሰ ሰብ ይቕረ ዝበሉሉ: ይቕረ ክብሉሉ ይኽእሉ ኢዮም።

ሽማግለታት ነቲ ዘጋጠሞም ነገራት በዚ ኣገባብ እዚ ገይሮም ምስ ዝከታተልዎ: ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ፍርዲ መዐቀኒታት ኣየወጽኡን ኢዮም። ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ የውዕልዎ: ጠቢቖም ከኣ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ይስዕብዎ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: እቲ ብወገን ሽማግለታት ዝግበር ይቕረ ምባል ወይ ይቕረ ዘይምባል ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:⁠18 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ኢዩ:- “ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” እቲ ዝወስድዎ ስጕምትታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሪቡ ዘሎ ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና እምበኣር: እቲ ኣብ ዮሃንስ 20:⁠23 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ እተዛረቦ ቃላት ምስቲ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡ ግን እቶም ሃዋርያት ብመሰረት እቲ ኣብታ ህጻን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮም ፍሉይ ግደ እተተሓሓዘ ይቕረ ንምባል ዝምልከት ፍሉይ ስልጣን ከም ዝነበሮም ኢዩ ዘመልክት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ ቅድሚ ሙማቱን ነቲ በጃ ምሃቡን እውን ከይተረፈ: ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ክብል ስልጣን ነይርዎ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 9:​2-6፣ ምስቲ ኣብ 1 ሰነ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ዘሎ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዝብል ኣርእስቲ ኣረኣእዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ