ቃል ኣምላኽ ኣንብብ ብሓቂ ድማ ኣገልግሎ
“ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላላስ: መገድኻ ምሀረኒ። ”—መዝሙር 86:11
1. እታ ናይ መጀመርታ ሕታም ናይዚ መጽሔት እዚ ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ኢያ ዝበለት፧
የሆዋ ብርሃንን ሓቅን ይልእኽ ኢዩ። (መዝሙር 43:3) ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ነቲ ሓቂ ንምምሃርን ክእለትውን ሂቡና ኢዩ። ናይዚ መጽሔት እዚ ቀዳመይቲ ሕታም—ናይ ሓምለ 1879—ከምዚ በለት:- “ሓቂ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ህይወት በረኻ ዘላ ንእሽቶ ዕምባባ: በቲ ጥዒምዎ ጐላዕላዕ ዝበለ ናይ ሓሶት ጻህያይ: ተኸቢባን ዳርጋ ተዋሒጣን ኢያ። እንተድኣ ረኺብካያ ኵሉ ግዜ ክትሕልዋ ከድልየካ ኢዩ። ነቲ መልክዓ እንተድኣ ርኢኻዮ ነቲ ናይ ሓሶት ጻህያይን ናይ እምነተ-ድርቅና ቆጥቋጥን ካብ ከባቢኣ ክትጽህዮ ይግብኣካ። ክትውንና እንተድኣ ደሊኻ ንኽትረኽባ ለጠቕ ክትብል ከድልየካ ኢዩ። ሓንቲ ዕንባባ ሓቂ ምስ ረኸብካ ኣይትዕገብ። ሓንቲ ጥራይ እኽልቲ እንተትኸውን ነይራ: ካልእ ተወሳኺ ኣይመድለየን ነይሩ። ኵሉ ግዜ ኣክብ: ካልእ ክትረክብ ድለ።” ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ርጡብ ፍልጠት ክንረክብን ብሓቁ ንኽንመላለስን ከኽእለና ኢዩ።—መዝሙር 86:11
2. እዝራን ካልኦትን ነቶም ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ኣንበቡሎም እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧
2 መናድቕ የሩሳሌም ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. እንደገና ምስ ተሃንጸ: ካህን እዝራን ካልኦትን ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ንኣይሁዳውያን ኣንበቡሎም። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ዘሐጕስ በዓል ዳስ: ናይ ሓጢኣት ምንዛዝ: ከምኡውን ናይ መዕጸዊ “ኪዳን” ይግበር ነበረ። (ነህምያ 8:1–9:38) ከምዚ ዝብል ድማ ነንብብ:- “ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበቡሎም: እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ: ገለጹሎም።” (ነህምያ 8:8) ገሊኦም ምሁራት: ኣይሁድ ንቛንቋ እብራይስጢ ኣጸቢቖም ዘይርድእዎ ስለ ዝነበሩ: ብቛንቛ ኣረማይስጢ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ መብርሂ ተገይሩ ይብሉ። ይኹን እምበር: እቲ ጥቅሲ ናይ ቋንቋ ምብርህራህ ከም እተገብረ ኣየመልክትን ኢዩ። እቶም ህዝቢ ናይቲ ሕጊ ስርዓታት ምእንቲ ክርድእዎን ኣብ ተግባር ከውዕልዎን: እዝራን ካልኦትን ተንቲኖም ገሊጾምሎም ኢዮም። ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ኣኼባታትን እውን ቃል ኣምላኽ ‘ንምግላጽ’ ዝሕግዙ ኢዮም። ነዚ ድማ እቶም ‘ንምስትምሃር ብቑዓት’ ዝዀኑ እተመዘዙ ሽማግለታት ኢዮም ዝገብርዎ።—1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24
ነባሪ ጥቕምታት
3. ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርከብ ዝከኣል ገለ ጥቕምታት እንታይ ኢዩ፧
3 ክርስትያን ስድራቤታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓቢሮም ምስ ዘንብቡ: ነባሪ ጥቕምታት ከስተማቕሩ ኢዮም። ምስ ሕግታት ኣምላኽ ሌላ ይገብሩ: ነቲ ብዛዕባ ሰረተ-እምነት: ትንቢታዊ ነገራትን ካልእ ኣርእስትታትን ዝገልጽ ሓቂ ድማ ይማሃሩ። ገለ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተነበ: እቲ ርእሲ ስድራቤት ከምዚ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ኢዩ:- እዚ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧ ምስቲ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታትከ ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ፧ ነዚ ነጥብታት እዚ ብስራት ክንሰብኽ ከሎና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ሓንቲ ስድራቤት ኣባላታ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ከለዉ በቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት መሐበሪ ወይ ካልእ ማሕበር ዘዳለወቶም መሐበሪታት እናተጠቕሙ ምርምር ዝገብሩ እንተድኣ ኰይኖም ዝዓበየ ምስትውዓል ይረኽቡ። ነተን ክልተ ጥራዛት ናይታ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ምስ እንውከስ ድማ ጠቓሚ ኢዩ።
4. እያሱ ነቲ ኣብ እያሱ 1:8 ተመዝጊቡ ዘሎ መምርሒ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ነይርዎ፧
4 ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተረኽቡ መምርሒታት ኣብ ናብራና ክመርሑና ይኽእሉ ኢዮም። ብተወሳኺ ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት’ ምንባብን ምጽናዕን ‘ንምድሓን ከለብመና ይኽእል ኢዩ።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ቃል ኣምላኽ ክመርሓና እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ብሓቅታቱ ምምልላስ ክንቅጽል ኢና። ነቲ ጽድቃዊ ባህግታትና ድማ ከማልኣልና ኢዩ። (መዝሙር 26:3፣ 119:130) ይኹን እምበር: ከምቲ እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ዝገበሮ ምስትውዓል ክንደሊ ኣሎና። እቲ “መጽሓፍ ሕጊ” ካብ ኣፉ ክፈልዮ ኣይነበሮን: መዓልትን ለይትን ድማ ከንብቦ ነበሮ። (እያሱ 1:8) እያሱ: ነቲ “መጽሓፍ ሕጊ” ካብ ኣፉ ክፈልዮ ኣይነበሮን ክበሃል ከሎ: እቲ ሕጊ ዝብሎ ትምህርቲ ዝህብ ነገራት ነቶም ህዝቢ ካብ ምንጋር ክቝጠብ ኣይነበሮን ማለት ኢዩ። ነቲ ሕጊ መዓልትን ለይትን ምንባቡ ክበሃል ከሎ ድማ እያሱ: ከስተንትኖን ከጽንዖን ነይርዎ ማለት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስውን ብተመሳሳሊ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ጠባዩ: ኣገልግሎቱ: ትምህርቱ: ‘ኣጸቢቑ ክሓስብ’—ብዛዕብኡ ከስተንትን—ተማሕጺንዎ ኢዩ። ከም ክርስትያን ሽማግለ መጠን: ጢሞቴዎስ ኣነባብራኡ ኣብነታዊ ክኸውንን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ይምህር ብምንባሩን ብፍላይ ክጥንቀቕ የድልዮ ነበረ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15
5. ናይ ኣምላኽ ሓቂ ንኽንረክብ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧
5 ናይ ኣምላኽ ሓቂ ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ ኢዩ። ንኽንረኽቦ ምዅዓት: ቀጻሊ ምርምር ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምግባር ይሓትት። ጥበብ ክንረክብ: ነቲ ኣኽብሮት ዝመልኦ ፍርሃት የሆዋ ድማ ክንርድኦ እንኽእል ከም ቈልዑ መሰል ተማሃሮ ናይቲ ዓቢ መምህር ብምዃን ጥራይ ኢዩ። (ምሳሌ 1:7፣ ኢሳይያስ 30:20, 21) ልክዕ’ዩ ብቕዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ገይርና ከነረጋግጽ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 2:1, 2) እቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ “ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፤ እዚ [ጳውሎስ ዝበሎ] ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” ሰብ ቤርያ ከምዚ ስለ ዝገበሩ: ኣብ ክንዲ ዝውቀሱ ተናኢዶም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11
6. የሱስ: ገለ ካብቶም ኣይሁድ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማሮም ንሰናዮም ከም ዘይኰነ ከመልክት ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 የሱስ ንገለ ኣይሁድ “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም: ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ: ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦም። (ዮሃንስ 5:39, 40) እዚ ነገራት እዚ ናብ ህይወት ክመርሖም ከም ዝኽእል ብምእማን ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቕኑዕ ድራኼ ኢዮም መርሚሮምዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ የሱስ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ዘመልክት መሲሓዊ ትንቢታት ዝሓዘ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ግን ነጺጎምዎ ኢዮም። ስለዚ ድማ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምምርማሮም ምንም ጥቕሚ ኣየምጽኣሎምን።
7. ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ንኽትዓቢ እንታይ የድሊ: ስለምንታይከ፧
7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ምእንቲ ክዓቢ: መሪሕነት ናይ መንፈስ ኣምላኽ ወይ መስለጢ ሓይሊ የድልየና ኢዩ:- “እቲ መንፈስ” ትርጕሞም ንምግለጽ “መዓሙቕ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ።” (1 ቈረንቶስ 2:10) ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ትንቢታት ዝሰምዕዎ ‘ዅሉ ነገራት ክምርምርዎ’ ነበሮም። (1 ተሰሎንቄ 5:20, 21) ጳውሎስ (ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ) ንሰብ ተሰሎንቄ ክጽሕፈሎም ከሎ: እታ ድሮ ተጻሒፋ ዝነበረት ክፍሊ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ወንጌል ማቴዎስ ጥራይ ኢያ። ስለዚ ሰብ ተሰሎንቄን ሰብ ቤርያን: ምናልባት ነቲ ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰብዓ ሰገድ ብምርኣይ ኢዮም ንዅሉ ክምርምርዎ ዝኽእሉ ነይሮም። ንቅዱሳት ጽሑፋት ከንብብዎን ከጽንዕዎን የድልዮም ነይሩ ኢዩ: ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ኣሎና።
ንዅሎም ኣድላዪ ኢዩ
8. እተሸሙ ሽማግለታት ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብለል ዝበሉ ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
8 እተመዘዙ ክርስትያናት ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብለል ዝበሉ ክዀኑ ኣለዎም። ‘ንምስትምሃር ብቑዓት’ ክዀኑን በቲ ‘እሙን ቃል ክጸንዑን’ ይግብኦም። እቲ ተዓዛቢ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል’ ገይሩ ክሕዞ ነበሮ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2፣ ቲቶስ 1:9፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:15) ዋላ እኳ ኣቦኡ ዘይኣማኒ እንተነበረ: ኣዲኡ ኤውኒቄን ዓባዩ ሎኢስን ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ህጻንነቱ ጀሚረን ምሂረናኦ: ነታ ‘ልግሚ ዜብላ እምነት’ ከኣ ኣብ ውሽጡ ከም እትሓድር ገይረን ኢየን። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15) ኣመንቲ ኣቦታት ንውሉዳቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ኣለዎም: ብፍላይ’ኳ ኣቦታት ዝዀኑ ሽማግለታት: ‘ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ’ ክህልውዎም ይግባእ። (ኤፌሶን 6:4፣ ቲቶስ 1:6) ኵነታትና ብዘየገድስ እምበኣር: ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ኣብ ተግባር ምውዓልን ኣድላይነቱ ኣርዚንና ክንርእዮ ይግብኣና።
9. ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዕ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ኣመንቲ ብጾት ብምሕባር ከነጽንዖ ይግብኣና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ምኽሩ ኣብ ንሓድሕዶም ክመያየጥሉ ደልይዎም ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:18) ነቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና ምርዳእ ምእንቲ ከነስፍሖ: ምስ ካልኦት ውፉያት ተማሃሮ ኴንካ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምጽናዕ ዝሓይሽ መገዲ የልቦን። እቲ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ” ዝብል ምስላ ሓቂ ኢዩ። (ምሳሌ 27:17) ሓደ ናይ ሓጺን መሳርሒ እንተድኣ ዘይተጠቒምካሉን ዘይተሳሒሉን ክምርት ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ንሕናውን ስርዓታውያን ኴንና ክንእከብን ነቲ ሓቂ ዝሓዘ ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብምጽናዕን ብምስትንታንን ዝረኸብናዮ ፍልጠት ብምክፍፋል ንሓድሕድና ክንስሓሓል የድልየና። (እብራውያን 10:24, 25) ብተወሳኺ: እዚ ሓደ ካብቲ ናይ መንፈሳዊ ብርሃን ነጸብራቕ ከም እተጠቐምና ከነረጋግጸሉ እንኽእል መገዲ ኢዩ።—መዝሙር 97:11፣ ምሳሌ 4:18
10. ብሓቂ ምምልላስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
10 ቅዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዕ ከሎና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ” ኢሉ ዝለመነ: ንሕናውን ብልክዕ ከምኡ ኢልና ንኣምላኽ ክንልምን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 43:3) ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ንብህግ እንተድኣ ኴንና: ብሓቁ ክንመላለስ ይግብኣና። (3 ዮሃንስ 3,4) እዚ: በቲ ስርዓታቱ ክንቅየድ ከምኡውን ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ድማ ምግልጋሉን ዘጠቓልል ኢዩ። (መዝሙር 25:4, 5፣ ዮሃንስ 4:23, 24) ከምቲ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ዘሎን ኣብቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝወጸ ጽሑፋት በሪሁ ዘሎን: ንየሆዋ ሓቂ ሒዝና ከነገልግሎ ከድልየና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ) እዚ ድማ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ርጡብ ፍልጠት ክህልወካ ዝሓትት ኢዩ። እምበኣር ብኸመይ ኢና ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ከነጽንዖን ዝግብኣና፧ ካብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ቍጽሪ 1 ጀሚርና ብተኸታታሊ ነተን 66 መጻሕፍቲ ከነንብበንዶ ይግብኣና፧ እወ: ነፍሲ ወከፍ ብቛንቛኡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ክርስትያን ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ከንብብ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከነንብብ ከሎና: ዕላማና ነቲ ኣምላኽ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ገይሩ ዘዳለወልና ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዘሎና ምርዳእና ንምስፋሕ ክኸውን ይግባእ።
ዓው ኢልካ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ
11, 12. ኣብ ኣኼባታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢልካ ምንባብ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
11 በይንና ክንከውን ከሎና ድምጽና ከየስምዓና ነንብብ ንኸውን። ኣብ ግዜ ጥንቲ ግን: ብሕታዊ ንባብ ዓው ኢልካ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ከሎ: እቲ ወንጌላዊ ፍሊጶስ ሰምዖ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:27-30) እታ “ምንባብ” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ቀዳማይ ትርጕማ “ምጽዋዕ” ማለት ኢዩ። ስለዚ እቶም ድምጾም ትሕት ኣቢሎም ከንብቡ ዘይክእሉ: ናይቲ ምንባብ ትርጕም ግን ክርድእዎ ዝኽእሉ ሰባት: ንነፍሲ ወከፍ ቃል ዓው ኢሎም ምንባቦም ተስፋ ከቝርጾም ኣይግባእን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ኰይኑ ዘሎ ነቲ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ: ነቲ ሓቂ ምምሃር ኢዩ።
12 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዓው ኢልካ ክንበብ ኣድለዪ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መሳርሕቱ ጢሞቴዎስ “ናብ [“ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኴንካ” ትሓዓ ] ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ “እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት: ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ: ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግብሩ” በሎም። (ቈሎሴ 4:16) ራእይ 1:3 እውን “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ [“ዓው ኢሉ:” ትሓዓ ] ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም” ትብል። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ህዝባዊ ዝርርብ ዝህብ ሓው: ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝብሎ ምእንቲ ክድግፍ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከንብብ ኣለዎ።
በብኣርእስቲ ጌርካ ናይ ምጽናዕ ኣገባብ
13. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምምሃር እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ኣገባብ እንታይ ኢዩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርካብ ክሕግዘና ዝኽእልከ እንታይ ኢዩ፧
13 በብኣርእስቲ ጌርካ ናይ ምጽናዕ ኣገባብ እቲ ዝበለጸ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ናይ ምምሃር ምዕቡል ኣገባብ ኢዩ። ኮንኮርዳንስ: ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ብናይ ፊደላት መስርዕ ገይርካ: ብመጽሓፍ: ምዕራፍ: ቍጽሪ: ተር ኣቢሉ ዘቐምጥ መጽሓፍ: ምስ ገለ ኣርእስቲ እተተሓሓዘ ጥቕስታት ብቐሊሉ ንኽትረኽቦ ይሕግዘካ ኢዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ ምስ ገዛእ ርእሱ ስለ ዘይጋጮ: እዞም ቅዱሳት ጽሑፋት እዚኣቶም ከኣ ነንሓድሕዶም ክሰማምዑ ይኽእሉ ኢዮም። ንልዕሊ 16 ክፍለ-ዘበናት ዝኣክል ንገለ 40 ዝዀኑ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጽሕፉ መሪሕዎም ኢዩ: በብኣርእስቲ ገይርካ ምጽንዑ ድማ: ሓቂ ንኽትምሃር ስሉጥ ኣገባብ ምዃኑ ንዘበናት ተራእዩ ኢዩ።
14. ናይ እብራይስጢ ከምኡውን ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓባር ከነጽንዖም ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘሎና ሞሳ: ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምስቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይርና ከነንብቦን ከነጽንዖን ክድርኸና ይግባእ። ከምዚ ምግባር እቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከመይ ገይሩ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዝተሓሓዝን: ከመይ ገይሩ ድማ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘሎ ትንቢታት ብርሃን ከም ዘብርህን የርኢ ኢዩ። (ሮሜ 16:25-27፣ ኤፌሶን 3:4-6፣ ቈሎሴ 1:26) ኣብዚ ነገር እዚ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኢዩ። እዚ ድማ በቶም: ነቲ በዅሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከምኡውን መበቆሉን ቁንቁኛዊ ኣገላልጻኡን ዝምልከት እተረኽበ ቀጻሊ ፍልጠት እተጠቕሙ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተዳለወ ኢዩ። እቲ የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝድግፍ ጽሑፋትውን ኣድላዪ ኢዩ።
15. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዝን ካብትን ክትጠቅስ ግቡእ ምዃኑ ብኸመይ መረጋገጽካ፧
15 ገሊኣቶም ‘ጽሑፋትኩም ኣሽሓት ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ: ስለምንታይ ኢኹም ካብዝን ካብትን እትጠቕስዎ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ጽሑፋት: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ 66 መጻሕፍቲ ካብዝን ካብትን ብምጥቃስ ናይ ሓደ ትምህርቲ ሓቅነት ንምርግጋጽ መንፈስ ዝነፈሶም እተፈላለዩ መርትዖታት ኢዮም ዘቕርቡ። የሱስ ንገዛእ ርእሱ ነዚ ናይ ኣመሃህራ ኣገባብ እዚ ተጠቒሙ ኢዩ። ናይ ከረን ስብከቱ ክህብ ከሎ: ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት 21 ጥቕስታት ጠቒሱ ኢዩ። ኣብቲ ስብከት እቲ ካብ ዘጸኣት ሰለስተ: ካብ ዘሌዋውያን ክልተ: ካብ ዘሁልቍ ሓንቲ: ካብ ዘዳግም ሽዱሽተ: ካብ ካልኣይ ነገስት ሓንቲ: ካብ መዝሙር ኣርባዕተ: ካብ ኢሳይያስ ሰለስተ: ካብ ኤርምያስ ከኣ ሓንቲ ጠቒሱ ኣሎ። የሱስ በዚ ኸምዚ ገይሩ ‘ዋላ ሓንቲ ነገር ከረጋግጽ ኣይፈተነን’ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ‘ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ ስልጣን ከም ዘለዎ ኰይኑ ኢዩ ዝምህር ነይሩ።’ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ የሱስ ንትምህርትታቱ በቲ ስልጣን ዘለዎ ጽሑፍ ቃል ኣምላኽ ገይሩ ደጊፍዎ ስለ ዝዀነ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:29) ሃዋርያ ጳውሎስውን ከምኡ ኢዩ ገይሩ።
16. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 15:7-13 እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕስታት ኢዩ ዝጠቐሰ፧
16 እቲ ኣብ ሮሜ 15:7-13 ዝርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት: ጳውሎስ ካብ ሰለስተ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ማለት ካብ ሕግን ነብያትን መዝሙራትን ዝጠቐሶ ኢዩ። ኣይሁድን ኣህዛብን ንኣምላኽ ከኽብርዎ ምዃኖምን ክርስትያናት ድማ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት ክቕበልዎም ከም ዘለዎምን ጠቒሱ ኢዩ። ጳውሎስ “ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም: ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ [ኣብ መዝሙር 18:49]፤ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ: ዚብል: ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን [ኣብ ዘዳግም 32:43]፤ ኣቱም ኣህዘብ: ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ: ይብል። መሊሱ ኸኣ [ኣብ መዝሙር 117:1]፤ ኵላትኩም ኣህዛብ: ንጐይታ ኣመስግንዎ: ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ: ይብል። ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ [ኣብ ኢሳይያስ 11:1, 10]፤ እቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ: እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ: ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም: ይብል። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ: እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።” በዚ በብኣርእስቲ ገይርካ ናይ ምስራዕ ኣገባብ ገይሩ ጳውሎስ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምርግጋጽ ከመይ ገይርካ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እትጠቅስ ኣርእዩ ኢዩ።
17. ምስ ኣየናይ ኣብነት ብምስምማዕ ኢዮም ክርስትያናት: ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዝን ካብትን ዝጠቕሱ፧
17 እታ ሃዋርያ ጴጥሮስ መጀመርታ ብመንፈስ ተመርሑ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ኣብ ሕጊ: ኣብ ነብያት: ከምኡውን ኣብ መዝሙራት ካብ ዝርከባ ዓሰርተ መጻሕፍቲ 34 ጥቕስታት ሒዛ ኣላ። ኣብታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ድማ: ጴጥሮስ ካብ ሰለስተ መጻሕፍቲ ሽዱሽተ ግዜ ጠቒሱ ኣሎ። ወንጌል ማቴዎስ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ሚልክያስ ካብ ዘሎ መጻሕፍቲ 122 ጥቕስታት ሒዛ ኣላ። እቶም 27 መጻሕፍቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ሚልክያስ ካብ ዘሎ መጻሕፍቲ 320 ዝዀኑ ብቐጥታ ጠቒሶም ኢዮም ከምኡውን ናብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ካልኦት መወከሲታት ኣቕሪቦም ኢዮም። ነቲ ብየሱስን በቶም ዝሰዓብዎ ሃዋርያቱን እተሰርዐ ኣብነት ብምስምማዕ: ዘመናውያን ክርስትያናት እውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት በብኣርእስቲ ገይሮም ከጽንዑ ከለዉ: ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዝን ካብትን ኢዮም ዝጠቕሱ። እዚ ብፍላይ ኣብዘን ሕጂ መብዛሕትኡ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ፍጻሜኡ ዝረኽበሉ ዘሎ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝሰማማዕ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እቲ ‘እሙን ባርያ’ እውን ኣብ ጽሑፋቱ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ኣገባብ ኢዩ ዝጥቀመሉ: ግናኸ ኣብ ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይውስኽን ወይ ድማ ካብኡ ኣየጕድልን ኢዩ።—ምሳሌ 30:5, 6፣ ራእይ 22:18, 19
ኵሉ ግዜ ብሓቂ ተመላለስ
18. ’ብሓቂ ክንመላለስ‘ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ከነጕድል የብልናን: ከመይሲ ኵሉ እቲ ኣብ ምሉእ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ክርስትያናዊ ትምህርትታት “እቲ ሓቂ” ወይ “እቲ ሓቂ ወንጌል” ኢዩ። ናብዚ ሓቂ እዚ ምጥባቕ: ብእኡ ‘ምምልላስ’ ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ። (ገላትያ 2:5፣ 2 ዮሃንስ 4፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ክርስትና “መገዲ ሓቂ” ስለ ዝዀነ: ኻልኦት ረብሓታታ ንኸስፋሕፍሑ ብምሕጋዝ: “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ንኸውን ኣሎና።—2 ጴጥሮስ 2:2፣ 3 ዮሃንስ 8
19. ብቐጻሊ ‘ብሓቂ ክንመላለስ’ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
19 ‘ብሓቂ ክንመላለስ’ እንተድኣ ኴንና: ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ካብቲ ኣምላኽ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ገይሩ ዘዳልወልና ዘሎ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንጥቀምን ይግብኣና። (3 ዮሃንስ 4) እዚ ንናይ ገዛእ ርእስና ረብሓን ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እቲ መለኮታዊ ዕላማን ክንምህሮም ኣብ እንኽእለሉ ደረጃ ምእንቲ ክንበጽሕ ኣብ ተግባር እነውዕሎ ይግበረና። መንፈስ የሆዋ ንቓሉ ክንርዳእን ሓቂ ሒዝና ኸነገልግሎ ኽንክእልን ስለ ዝሓገዘና መመስገንቲ ንዅን።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ገለ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዘምጽኦ ነባሪ ጥቕምታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዕ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃስ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ‘ብሓቂ ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ከመይ ኢልና ኢናኸ ከምኡ ክንገብር እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ወለዲ: ንደቅኹም ቅዱሳት ጽሑፋት ምሃርዎም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ: ካብ እተፈላለየ ክፍሊ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ኢዩ