የሆዋ ምሳይ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ
ብማክስ ሄኒን እተዘንተወ
ግዜኡ 1933 ኢዩ ነይሩ: ሽዑ ድማ ኢዩ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ጀርመን ኣብ ስልጣን ዝደየበ። እቶም ኣብ በርሊን ዝነበሩ 500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን በዚ ኣይተነቓነቑን። ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ፓይነራት: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰኑ: ናብ ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ከይዶም ከገልግሉ እውን ከይተረፈ ተመዘዙ። ቨርነር ፍላተን ዓርከይን ኣነን “ንምንታይ ኢና ስቕ ኢልና ብምጥርጣር ግዜና እነጥፍእ፧ ንምንታይ ናብ ካልእ ቦታ ኬድና ፓይነራት ዘይንኸውን፧ ” እናበልና ንሓድሕድና ንተባባዕ ነበርና።
ብ1909 ምስ ተወለድኩ: ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ወለደይ ዘይኰኑ ፈቃራት መዕበያ ወለዲ ኰይነ ክዓቢ ጀመርኩ። እታ ንእሽቶ ጓሎም ብሃንደበት ምስ ሞተት ብ1918 ስድራቤትና ኣብ ጓሂ ጠሓለት። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: ኣብ ማዕጾና ኳሕኵሑ: ልቢ እቶም ዘዕበዩኒ ወለደይ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምቕባል ተኸፍተ። መንፈሳዊ ነገራት ከማስወሉ እውን ምሂሮምኒ ኢዮም።
ኣብ ዓለማዊ ትምህርተይ ኣተኵሮ ገበርኩ: ዓራይ ቡንባ ድማ ኰንኩ። ዝያዳ ዅሉ ግን: መንፈሳዊ ነገራት ሓዝኩ። ቨርነርን ኣነን ብ5 ግንቦት 1933 ፓይነራት ኰንና። ካብ በርሊን 100 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ብብሽግለታ ንጓዓዝ: ኽልተ ቕነ ኣብኡ ብምጽናሕ ድማ ሰበኽና። ድሓር ነቲ ዘድልየና ነገራት ንምእላይ ናብ በርሊን ተመለስና። ብድሕሪኡ እንደገና ንኽልተ ቕነ ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ዞባና ተመለስና።
ናብ ካልእ ሃገር ኬድና ከነገልግል ሓተትና: ኣብ ታሕሳስ 1933 ኣብታ ሽዑ ዩጎዝላቭያ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ሃገር ኬድና ከነገልግል ድማ ተመደብና። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ንዩጎዝላቭያ ምኻድና: መደብና ናብ ኡትሪች: ነዘርላንድስ: ተቐየረ። ብድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሐ ተጠመቕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንጥምቀት ብዙሕ ግምት ኣይወሃቦን ኢዩ ነይሩ፣ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። ኣብ የሆዋ ምውካል ድማ ኣብ ህይወተይ እቲ ቀንዲ ነገር ኰነ። ካብ ቃላት ናይቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጻሓፍ መዝሙር ድማ ብዙሕ ምጽንናዕ እረክብ ነበርኩ:- “እንሆ: ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ: ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።”—መዝሙር 54:4
ኣብ ኔዘርላንድ ኴንካ ፓይነር ምዃን
ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ተመደብና ብዙሕ ከይጸናሕና: ናብ ከተማ ሮተርዳም እንደገና ተመደብና። ኣብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ስድራቤት ዝነበሩ ኣቦን ወድን እውን ፓይነራት ኢዮም ነይሮም። ብድሕሪኡ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሕና: ኣብታ ካብ ኡትሪች ኣጸቢቓ ዘይረሓቐት ለርሰም እትብሃል ከተማ ንፓይነራት መንበሪ ዝኸውን ሰፊሕ ገዛ ተዓደገ: ቨርነርን ኣነን ድማ ናብኡ ገዓዝና።
ኣብቲ ናይ ፓይነራት ገዛ እናተቐመጥና ከሎና: ናብቲ ቀረባ ዞባታት ብብሽግለታ: ናብቲ ርሕቕ ዝበለ ዘቦታት ድማ ሸውዓተ ሰባት እትሕዝ መኪና እናተጠቐምና ንጓዓዝ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምልእቲ ኔዘርላንድ ሚእቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ሎሚ: ድሕሪ 60 ዓመታት ግን ኣብቲ ካብታ ናይ ፓይነራት ገዛ እናኸድና እነገልግለሉ ዝነበርና ዞባ ኣብ 50 ጉባኤታት ልዕሊ 4,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣለዉ!
ኣብቲ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 14 ሰዓታት ብምስራሕ ኣበርቲዕና ንዓዪ ነበርና: እዚ ድማ የሐጕሰና ነበረ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ጽሑፋት ምዕዳል ኢዩ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን ናእሽቱ ጽሑፋት ንተገደስቲ ሰባት ምዕዳል ልማድና ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ክፍሊ ናይቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ንጥፈታትና ኣይነበረን።
ሓደ ግዜ መገላግልተይን ኣነን ኣብ ከተማ ፍራስቫክ ኴንና ንዓዪ ነበርና። ንሱ ንሓደ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ናይ ወተሃደራት ቦታ ዝነበረ ሰብኣይ እናሰበኸሉ ከሎ: ኣነ ድማ ነቲ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምባብ ተጠቐምኩሉ። ብቐይሕን ሰማያውን ፒሮ ብብዝሒ እተሰመራ ኢያ ነይራ። ድሓር ሓደ ኣብቲ ጥቓና ዝነበረ ገዛ ኰይኑ ዝሰርሕ ጸራባይ: ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበረ ሰብኣይ ሰላዪ ከም ዝዀንኩ ገይሩ ነገሮ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ሽዑ መዓልቲ ንሓደ በዓል ድኳን እናመስከርኩሉ ከሎኹ ተተሓዝኩ: መጽሓፍ ቅዱሰይ ድማ ተሃገረ።
ናብ ቤት ፍርዲ ድማ ተወሰድኩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ዝነበረ ሕንጻጻት ነቲ ናይ ወታሃደራት ቦታ ንምስኣል ዝገበርክዎ ከም ዝዀነ ብምትርጓም ተኸሰስኩ። ገበነኛ ከም ዝዀንኩ ድማ ተገልጸ: እቲ ዳኛ ድማ ንኽልተ ዓመት ክእሰር ፈረደኒ። እንተዀነ ግን: እቲ ጕዳይ እንደገና ተራእየ: ተፈታሕኩ ድማ። ምስ ተፈታሕኩ ብዙሕ ኢየ ተሓጒሰ: መጽሓፍ ቅዱሰይ ምስ ኵሉ እቲ ሒዛቶ ዝነበረት መዘኻኸሪታት ምስ ተመልሰትለይ ግና ዝያዳ ተሓጐስኩ!
ብ1936 ኣብ ግዜ ክረምቲ: ሓደ ካብቶም ኣብቲ ናይ ፓይነራት ገዛ ዝነብር ዝነበረ ሪቻርድ ብራውኒን ኣነን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ኬድና ብምስባኽ ኣሕለፍናዮ። ኣብታ ናይ መጀመርያ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት 240 ሰዓታት ኣሕለፍና: ብዙሕ ጽሑፋት ድማ ዓደልና። ኣብ ድንኳን ኢና ንነብር ኔርና: ንገዛእ ርእስና ዘድልየና ነገራት ንሓሊ: ክዳውንትና ንሓጽብ: ጸብሒ ንሰርሕ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ንገብር ነበርና።
ዳሕራይ: ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ኔዘርላንድ ኣዝያ ውርይቲ ዝነበረት ላይትቢረር እትበሃል ጃልባ ተቐየርኩ። ኣብታ ጃልባ ሓሙሽተ ፓይነራት ይነብሩ ነይሮም: ካብኣ ተበጊስና ድማ ንብዙሕ ምሕድግ ዝበለ ዞባታት ክንበጽሕ ከኣልና።
ተወሳኺ መሰላት
ብ1938 ናይ ዞን ኣገልጋሊ: ሽዑ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: ክኸውን ተመደብኩ። ስለዚ ድማ ነታ ላይትቢረር እትብሃል ጃልባ ገዲፈ: ነተን ኣብቲ ብደቡባዊ ክፍሊ ዘሎ ሰለስተ ኣውራጃታት ዝነበራ ጉባኤታትን ንበይኖም ዝነበሩ መሰኻኽርን ክበጽሕ ጀመርኩ።
እታ ሓንቲ ንመጐዓዝያ እንጥቀመላ ዝነበርና ብሽግለታ ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ወይ ተገደስቲ ሰባት ዝርከብዋ ጕጅለ ናብታ ካልእ ንምብጻሕ ዳርጋ ሓደ መዓልቲ ይወስድ። እዛ ሕጂ ዝነብረላ ዘለኹ ከተማ ብሬዳ ሓንቲ ካብተን ዝበጽሐን ዝነበርኩ ከተማታት ኢያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሬዳ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን መሰኻኽር እንተ ዘይኰይኖም ጉባኤ ኣይነበረን።
ነቶም ኣብ ሊምበርግ ዝነበሩ መሰኻኽር ከገልግሎም ከሎኹ: ብሓደ ዮሃን ፒፐር እተባህለ ናይ ማዕድን ሰራሕተኛ ሰብኣይ ዝቐረበ ሕቶታት ክምልስ ተዓደምኩ። ብወገን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምዃን ጽኑዕ መትከል ሓዘ: ተባዕ ሰባኺ ኸኣ ኰነ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኣተወ: ኣብኡ ድማ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጸንሐ። ምስ ተፈትሐ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ እንደገና ብቕንኢ ተኻፈለ: ሕጂ ድማ ገና ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብዘይምቍራጽ ዝፍጽም ሽማግለ ኢዩ። እታ ኣብ ሊምበርግ ዝነበረት 12 መሰኻኽር ዝነበርዋ ንእሽቶ ጉባኤ: ሕጂ ናብ 1,550 ኣስፋሕቲ ዘለውወን 17 ጉባኤታት ዓበየት!
ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናዚ
ኣብ ግንቦት 1940 ናዚ ንኔዘርላንድ ወረራ። ናብቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝነበረ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተመደብኩ። ንዕዮና ብብዙሕ ጥንቃቐ ከነካይድ ነበረና: እዚ ድማ ነቲ ‘[“ናይ ሓቂ:” ትሓዓ ] ፈታዊ ንጸገማ ዝኸውን ሓው’ ኢዩ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ከም እነማስወሉ ገበረና። (ምሳሌ 17:17) እቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝዓንበበ ስሙር ናይ ሕብረት ማእሰር ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ልዑል ጽልዋ ነይርዎ ኢዩ: ጌና ድማ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝያዳ ኣሸጋሪ ግዜ የዕጢቑኒ ኢዩ።
መደበይ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብተለኣኣኽቲ ዝግበር ዝነበረ ናብተን ጉባኤታት መጽሔት ምብጻሕ ምቍጽጻር ኢዩ ነይሩ። ጌስታፖ ነቶም አጓብዝ ዝዀኑ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ብግዲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ጉልበት ስራሕ ንኸስርሕዎም ይሃድንዎም ስለ ዝነበሩ: ክርስትያናት ኣሓት ኢና ተለኣኣኽቲ ንገብር ነይርና። እታ ኵሉ ግዜ ኖኒ ተባሂላ እትጽዋዕ ቪልሄልሚና ባከር ካብ ዘ ሁጎ ናባና መጸት: ኣነ ድማ ናብቲ ኣርተር ቪንክለር ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ተዓዛቢ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ወሰድኩዋ። ብዝተኻእለ መጠን ጥርጠራታት ንምቕናስ: ከም ናይ ደቂ ዳች ሓረስቶት ዝመስል ኣለባብሳ: ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ጫማን ካልእን ተኸዲነ: ንኖኒ ሒዘያ በቲ ናይ መኪና ጽርገያ ኣቢልና ተጐዓዝና። ዳሕራይ ከም ዝሰማዕክዎ ግን: ብቐሊሉ ከጠርጥረኒ ዝኽእል ኣከዳድና ስለ ዝነበረ ስሓቓ ክትዓግቶ ትቃለስ ከም ዝነበርት ፈለጥኩ።
ብ21 ጥቅምቲ 1941: እቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝነበረ ናይ ጽሑፋትን ወረቐትን መኽዘን ንጸላእቲ ኣሕሊፉ ተዋህበ። እቶም ጌስታፖ ክሕዝዎ ከለዉ ድማ ዊንክለርን ኖኒን ኣብኡ ነበሩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተዉ ድማ ክልተ ናይ ጌስታፖ ወኪላት “ሓደ ጸሊም ጸጉሪ ዝነበሮ ሰብኣይ” ኣብቲ ሰብ ዝበዝሖ መገዲ ከመይ ገይሩ ከም ዝጠፍኦም ክዛረቡ ከለዉ ሰምዕዎም። ብርግጽ ድማ ብዛዕባይ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም: ስለዚ ድማ ዊንክለር ነቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኣሕዋት ልኣኸሎም። ቀልጢፈ ድማ ናብ ዘ ሁጎ ገዓዝኩ።
ዳሕራይ ኖኒ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸት: ኣብኡ ኰይና ከተገልግል ድማ ናብ ዘ ሁጎ ተመልሰት። ኣብኡ ድማ እንደገና ረኸብክዋ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ሮተርዳም ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ምስ ተታሕዘ: ቦታኡ ንኽትክእ ናብኡ ከድኩ። ጸኒሑ ድማ ናይ ጓዳ ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ምስ ተታሕዘ ንዕኡ ንኽትክእ ናብኡ ተላኣኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብ29 መጋቢት 1943: ተታሓዝኩ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና ዘለዎ መኽዘን እናረኣኹ ከሎኹ ብሃንደበት ብጌስታፖ ተኸበብኩ።
ብዘይካ እቲ ኣብ ጣውላ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት: ዋላ እኳ ብኮድ እንተነበረ ናይ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ስም ዝርዝር ዝሓዘ ወረቐት ነበረ። ብጭንቀት ድማ ነቶም ጌና ናጻ ኰይኖም ዝሰብኩ ዝነበሩ ኣሕዋት ክከላኸለሉ ዝኽእል መገዲ ክህበኒ ናብ የሆዋ ጸሌኹ። ከይተፈለጥኩ ድማ ኣጻብዕተይ ዘርጊሔ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝርዝር ኣስማት ኣንበርክዎ: ኣብ ከብዲ ኢደይ ድማ ዓማጸጽክዎ። ድሕሪኡ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸይድ ብምሕታት: ነቲ ወረቐት ጨራሪመ ብማይ ጸረግክዎ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሽግር ዝነበሮ ግዜ: ካብቲ የሆዋ ምስቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ዝገብሮ ርክብን ካብቲ ዝሃቦ ናይ ምድሓን ተስፋታትን ብርታዐ ክረክብ ከም ዘሎኒ ተማሃርኩ። እቲ “እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር: ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ . . . ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና” ዝብል: ካብቲ ኣብ ኣእምሮይ ዘይሕከኽ መንፈስ ዝነፈሶ መረጋጋጺ ኢዩ።—መዝሙር 124:2, 3
ኣብያተ ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን
ናብቲ ኣብ ሮተርዳም ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድኩ: መጽሓፍ ቅዱሰይ ምሳይ ብምንባራ ድማ ኣዝየ ኣመስገንኩ። ሳልቨሽን (እንግሊዝኛ): ከምኡውን ገለ ክፍልታት ናይታ ችልድረን (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ነበረኒ: ነዚ ኵሉ ጽሑፋት ንኸንብብ ድማ እኹል ግዜ ነበረኒ። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ኣጸቢቐ ስለ ዝሓመምኩ ናብ ሆስፒታል ከድኩ። ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽአይ ነቲ ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ ፍርናሸይ ሓባእክዎ። ዳሕራይ ፒት ብሩትጀስ እተባህለ ካልእ ምስክር ኣብኡ ምስ ተቐየረ ከም ዝረኸበን ሰማዕኩ። ስለዚ ድማ እቲ ጽሑፍ ጌና ኻልኦት እውን ኣብ እምነት ንኽጸንዑ ንምብርታዕ ጠቐመ።
ምስ ሓወኹ ድማ ናብቲ ናይ ዘ ሁጎ ቤት ማእሰርቲ ተቐየርኩ። ኣብኡ ከሎኹ ድማ ሓደ ንናይ ናዚ ምጕባጥ ብምቅዋሙ እተኣስረ ለዮ ሲ. ቫን ደር ታስ እተባህለ ናይ ሕጊ ተማሃራይ ረኸብኩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሙ ሰሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ: ንኽምስክረሉ ድማ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ሓድሓደ ግዜ ለይቲ ኣተንሲኡ ሕቶታት ይሓተኒ ነበረ። ብፍላይ ነቲ እምነትና ከም ዝገደፍናዮ ዝገልጽ ወረቐት ብምፍራም ጥራይ ክንወጽእ ከም እንኽእል ምስ ፈለጠ: ነቲ ንመሰኻኽር ዘለዎ ኣድናቖት ክሓብኦ ኣይከኣለን። ብድሕሪ እቲ ውግእ: ለዮ ጠበቓ ኰነ: ንናይ ኣምልኾ ናጽነት ዝምልከት ድማ ኣብ ክንዲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኑ ብደርዘናት ዝዀኑ ሕጋዊ ጕዳያት ተጣበቐ።
ብ29 ሚያዝያ 1944: 18 መዓልትታት ዝወስድ ኣሰቃቒ ጕዕዞ ብምግባር ናብ ጀርመን ክኸይድ ኣብ ባቡር ተጻዓንኩ። ብ18 ግንቦት ድማ ኣብ ናይ ቡቸንወልድ መዳጐኒ ደምበ ተኣሰርኩ። ድሕሪ ዓመት በቶም ጥሙር ሓይልታት ናጻ ክሳዕ እንወጽእ ድማ ናብራና እዚ ዘይብሃል ሽግር ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ኣሽሓት: መብዛሕትኦም ኣብ ቅድሚ ዓይንና: ሞይቶም ኢዮም። ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ንውግእ ዘድሊ ነገራት ዘፍሪ ፋብሪካ ምስራሕ ስለ ዝኣበኹ ድማ ኣብ ረሳሕ ማይ ዝኸደሉ ሻምብቆ ክሰርሕ ተመደብኩ።
ሓደ መዓልቲ እቲ ፋብሪካ ተባርዐ። ብዙሓት ንኽዕቈቡ ኣብቲ ባራካታት ሃደሙ: ካልኦት ድማ ናብቲ ኣዕጻው ዝነበሮ ገጾም ሃደሙ። ንጣር ናይቲ ቦምባ ነቲ ባራካታት ኣቃጸሎ: ናይቲ ቦምባ ባሩድ ድማ ነቲ ኣዕጻው ኣባርዖ። ዘስካሕክሕ ትርኢት ኢዩ ነይሩ! ብዙሓት ብህይወቶም ከለዉ ነደዱ! ከዕቝበሉ ዝኽእል ስቱር መሕብኢ ረኸብኩ: እቲ ሓዊ ምስ ጠፍአ ድማ ነቶም ክትቈጽሮም ዘይትኽእል ምዉታት እናሰገርኩ ናብቲ ደምበ ተመለስኩ።
ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣብ ናይ ናዚ ህልቂት ዝነበረ ራዕዲ ይፈልጥዎ ኢዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ሽዑ ዘሕለፍክዎ ራዕዲ ብምዝካር ሓሳባታይ ምእንቲ ከይዕብለል የሆዋ ንኽእለት ኣተሓሳስባይ ስለ ዘበርትዖ አመስግኖ። ነቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ግዜ ክዝክር ከሎኹ: ልዕሊ ዅሉ ዝስምዓኒ ምእንቲ ክብሪ ስም ኣምላኽ ክብል ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ንጽህና ምሕላወይ ዝያዳ ናይ ሓጐስ ስምዒት ኢዩ ዝፈጥረለይ።—መዝሙር 124:6-8
ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ንጥፈታት
ድሕሪ ናጻ ምውጽአይን ናብ ኣምስተርዳም ምምላሰይን: ዕዮ ክወሃበኒ ብቐጥታ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጸሓፍኩ። ኣብቲ ኣነ ዘይነበርኩሉ ግዜያት እንታይ ከም እተፈጸመ ንምፍላጥ ኣዝየ ተሃንጠኹ። ኖኒ ድሮ ኣብኡ ትሰርሕ ነይራ። ኣብቲ ውግእ ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናብተን ጉባኤታት ንምብጽጻሕ ተለኣኣኺት ኰይና ዓየየት። ብዙሕ ግዜ ንስክላ እኳ እንተወጸት: ካልኣይ ግዜ ግን ኣይተታሕዘትን።
ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ሃርለም ፓይነር ኰይነ ዓየኹ: እንተዀነ ግን: ብ1946 ናብቲ ኣብ ኣምሰተርዳም ዝነበረ ጨንፈር ከይደ ኣብቲ ጽሑፋት ዝለኣኸሉ ክፍሊ ክዓዪ ተመደብኩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1948 ኣነን ኖኒን ተመርዓና: ብሓባር ኴንና ፓየነራት ንኽንከውን ድማ ካብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወጻእና። እቲ ፓይነራት ኴንና ክንዓዪ እተመደብናሉ ቦታ ኣሰን ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ሪቻርድ ብራውኒንን ኣነን ኣብ ድንኳን እናተቐመጥናን እናሰበኽናን ክርምቲ ኣብኡ ኣሕሊፍናዮ ነይርና። ሪቻርድ ናብ መዳጐኒ ደምበ እናተወስደ ከሎ ኣብ መገዲ ብጥይት ከም እተቐትለ ፈለጥኩ።
እቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ግዜ ብርግጽ ንጥዕናይ ጐዲእዎ ኢዩ። ካብ ቡቸንዋልድ ምስ ወጻእኩ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብሕማም ምኽንያት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ዓራት ኣይወረድኩን። ዓመታት ጸኒሐ ድማ ብ1957 ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዓባይ ሰዓል ሓመምኩ። ኣካላተይ ዝነበሮ ሓይሊ ተመጽዩ ኢዩ: እቲ ዝነበረኒ ናይ ፓይነር መንፈስ ግን ጌና ድልዱል ኢዩ ዘሎ። ኣብቲ ሓሚመሉ ዝነበርኩ ግዜ ዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ንምምስካር እጥቀመሉ ነበርኩ። እዚ ናይ ፓይነር መንፈስ እዚ ብምኽንያት ዝነበረኒ ሕማም ዓዲ ውዒል ከይከውን ዝሓገዘኒ ቀንዲ ረቋሒ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዓኒ። ኖኒን ኣነን ጥዕናና ክሳዕ ዘፍቅደልና ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንጠብቕ ቈሪጽና ኢና።
ምስ ሓወኹ: ኣብ ከተማ ብሬዳ ተመደብና። እዚ ድማ ነታ ከተማ መጀመርያ ከም ናይ ዞን ኣገልጋሊ ኰይነ ምስ በጻሕክዋ ድሕሪ 21 ዓመታት ማለት ኢዩ። ብ1959 ኣብኡ ክንበጽሕ ከሎና እታ ንእሽቶ ጉባኤ 34 መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮምዋ። ሕጂ ድሕሪ 37 ዓመታት ናብ ኣብ ሰለስተ ኣዳራሻት መንግስቲ ዝእከባ ልዕሊ 500 መሰኻኽር ዝሓዛ ሽዱሽተ ጉባኤታት ዓበየት! ኣብቲ ከባቢ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ብምኽንያት እቲ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ንርኢ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ብምባል ዝጸሓፎ ኢዩ ዝስመዓና።—3 ዮሃንስ 4
ሕጂ ኣሪግና ኢና። ኣነ ወዲ 86 ዓመት: ኖኒ ድማ ጓል 78 ኢያ: እንተዀነ ግን እቲ ጥዑይ ዝዀነ ዕዮ ናይ ፓይነር ዕዮ ኢዩ ክብል ይግባእ። ኣብ ብሬዳ ካብ ዝኸውን ኣትሒዘ ዝበዝሕ ካብቲ ተኣሲረ ከሎኹ ዘጥረኽዎ ሕማማት ከሰንፎ ክኢለ ኢየ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ድማ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ዓመታት ኣስተማቒረ ኢየ።
ኣብቲ ፍረ ዘለዎ ብዙሕ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ምልስ ኢልና ክንርኢ ከሎና ንኽልቴና ናይ ሓጐስ ምንጪ ኢዩ ዝዀነና። እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ መዓልታዊ ጸሎት ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ኣብ ኣገልግሎቱ ንኽንቅጽል መንፈስን ብርታዐን ክህበና ኢዩ። ብምትእምማን በቲ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላት ገይርና ሓሳባትና ንገልጽ:- “እንሆ: ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ: ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።”—መዝሙር 54:4
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጥቓ እቲ ብ1930ታት ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ከሎና እንቕመጠሉ ዝነበርና ድንኳን ደው ኢልና ከሎና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ንምብጸሕ እተገልግል ዝነበረት ጃልባ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ብ1957 እተገብረ ናይ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ቃለ-መጠይቕ እናተገብረለይ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሕጂ ምስ በዓልቲ ቤተይ ከሎኹ