ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/6 ገጽ 32
  • ከምልጠካ ኣይትደልን ኢኻ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከምልጠካ ኣይትደልን ኢኻ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብቲ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእማን” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምጹ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ 1998-1999 ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክጅመር ኢዩ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ተኣኪቦም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ናይ 1996 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/6 ገጽ 32

ከምልጠካ ኣይትደልን ኢኻ!

እንታይ ኢዩ ዘምልጠካ፧ እቲ ኣዝዩ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ስላም” ዝብል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ኢዩ! ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: እቲ ኣኼባ ዓርቢ ንግሆ 9:⁠30 ብናይ ሙዚቃ ፕሮግራም ኢዩ ዝጅምር። ካብቲ “ነቶም ቀናኣት ኣወጅቲ ሰላም ምስምዖም” ዘርእስቱ ናይዚ ክፍሊ እዚ ዝርርብ እምነት ዘበርትዕ ቃለ-መጠይቓት ምስ ሰማዕካ ነቲ “ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧” ዘርእስቱ ዘተባብዕ ዝርርብ ከተስተማቕሮ ኢኻ።

ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ዝጐልሕ ድማ እቲ “ከም ልኡኻት ሰላም መጠን ዘሎና ግደ” ዝብል ዘነቓቕሕ ሕመረት ዝርርብ ክኸውን ኢዩ። ብድሕርዚ: “ካልኦት ስርዓታት ኣምላኽ ንኽማሃሩ ምሕጋዝ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ድማ ንሓደስቲ ሰባት ብዛዕባ ምምሃር ሓሳባት ክህብ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ “ነቲ ናይ መዘናግዒ ሕቡእ መፈንጠራታት ተጠንቀቐሉ” ዝብል እዋናዊ ዓውደ-መጽናዕቲ ክህሉ ኢዩ። ናይ ዓርቢ ፕሮግራም በቲ “ንሰይጣን ተጻረርዎ​—⁠ዝዀነ ዕልወት ኣይትጻወሩ” ከምኡውን “ናይ ቃል ኣምላኽ ንጽህና ብተኣማንነት ክብ ኣቢልካ ምሓዝ” ዝብል ዝርርባት ክውዳእ ኢዩ።

ናይ ቀዳም ንግሆ ፕሮግራም በቲ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ “ናይ ሰላም ብስራት ዘምጽኡ ልኡኻት” ዘርእሰቱ ዓውደ⁠-​­መጽናዕቲ ንኣድላይነት ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ከጕልሕ ኢዩ። እቲ መደብ በቲ “ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘሎ ልግሲ ዘለዎ ምሃብ” ከምኡውን “ብወፈያን ጥምቀትን ዝህሉ ህይወትን ሰላምን” ዝብል ዝርርባት ክድምደም ኢዩ: ብድሕሪኡ ድማ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንኽጥመቑ ኣጋጣሚ ክህልዎም ኢዩ።

ናይ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ድማ “ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ነገራት ዘለዎ ሓሳባት ምርዳእ” ዝብል ኣርእስቲ ንከም እኒ ‘ሎሚ ክርስትያናት ኣብ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ይካፈሉ ኣለዉ ድዮም፧’ ከምኡውን ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶታት ክምልስ ኢዩ። ነቲ “እቲ ኣምላኽ ሰላም ይሓልየልካ ኢዩ” ዘርእሰቱ ክልተ ክፍሊ ዘለዎ ልቢ ዘምውቕ ዓውደ መጽናዕቲ: ብፍላይ ድማ “ኣብ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓብ” ዝብል ናይ መደምደምታ ዝርርብ ከተስተማቕሮ ኢኻ።

ናይ ሰንበት ንግሆ ፕሮግራም ድማ “ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም” ዘርእስቱ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕትን “ንቓል ኣምላኽ ስማዕን ተኣዘዝን” ዘርእስቱ ዝርርብን ከጠቓልል ኢዩ። እቲ ናይ ንግሆ ፕሮግራም በቲ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ መስፍን ግዴዎን ጸብጻብ ዝወጸ ግሩም ዝዀነ ትምህርቲ ዝህብ: ምሉእ ብምሉእ እተሰለመ ድራማ ክውዳእ ኢዩ።

ናይቲ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ፕሮግራም ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ድማ “ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ሰላም!​—⁠ካበየናይ ምንጪ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ከጕልሕ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ “ከም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም መጠን ንቕድሚት ምግስጋስ” ዘርእስቱ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ናይቲ ኣኼባ መዕጸዊ ክኸውን ኢዩ።

ንኽትካፈል ሕጂ መደባት ግበር። ኣብ ጥቓ ገዛኻ ኣብ ዝግበር ንኽትካፈል: ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ተራኸብ ወይ ድማ ናብ ሓተምቲ እዚ መጽሔት እዚ ጽሓፍ። ናይ 8 ሰነ ናይ ንቕሑ! ሕታም (እንግሊዝኛ) ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ካናዳ: ብሪጣንያ: ከምኡውን ኣየርላንድ ዝግበር ኵሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣድራሻ ሒዛ ክትወጽእ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ