ቃል ኣምላኽ “ተኣምራት” ይፍጽም
ብተሬዝ ኤኦን እተዘንተወ
ሓደ መዓልቲ ብ1965: ኣብ ሓደ ናይ ንግዲ ትካል ኣትየ ነቶም ነጋዶ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ሕታማት ዓደልክዎም። ካብኡ ክወጽእ ሕቖይ ምስ ሃብክዎም: ጎው ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ። ሓንቲ ጥይት ድማ ኣብ ጥቓ ኣእጋረይ ወደቐት። ሓደ ካብቶም ነጋዶ ድማ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ጥራይ ኢኻ ክትገብሮም ዘሎካ” ኢሉ ኣፈራርሀ።
እዚ ተመክሮ እዚ ኣፍርሃኒ—ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳዕ ዝገድፎ ግን ኣይገበረንን። እቲ እተማሃርክዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ: ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ኣገልግሎተይ ከም ዘቋርጽ ንኽገብረኒ ኣየፍቅደሉን ኢየ ነይረ። ስለምንታይ ከምዚ ከም ዝበልኩ ክገልጸልኩም።
ኣብ ሓምለ 1918 ምስ ተወለድኩ ወለደይ ኣብ ካናዳ: ኣብ ኩቤክ እትርከብ ናይ ተኣምራት ቦታ ተባሂላ እትጽዋዕ: ናይ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ቍሸት ሰፈሩ። ነቲ ናይ ድንግል ማርያም ቤተ-መቕደስ ኣኽብሮት ንምሃብ ኣጋይሽ ይውሕዙ ነበሩ። ዋላ እኳ እቲ ማርያም ገይራቶ ዝበሃል ተኣምራት ክረጋገጽ ዘይክኣል እንተዀነ: እታ ቍሸት ልዕሊ 30,000 ተቐማጦ ዘለዉዋ ከተማ ክትከውን ከላ: ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ብሓቂ ተኣምራት ፈጺሙ ኢዩ።
ጓል 20 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣቦይ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ዘሎኒ ተገዳስነት ርእዩ መጽሓፍ ቅዱሱ ሃበኒ። ከንብቦ ምስ ጀመርኩ ድማ ኣብ ዘጽኣት ምዕራፍ 20 ምስሊ ምምላኽ ብግልጺ እተዀነነ ምዃኑ ምስ ኣንበብኩ ሰንበድኩ። ብኡንብኡ ኣብቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን እትምህሮ ነገራት ዝነበረኒ እምንቶ ስለ ዝሃሰሰ ድማ ኣብ ቅዳሴ ምክፋል ኣቋረጽኩ። ምስልታት ከምልኽ ኣይደልን ኢየ ነይረ። ኣቦይ “ተሬዝ ንቤተ-ክርስትያን ኣይትኸድን ዲኺ፧” ክብለኒ ከሎ ክሳዕ ሕጂ ኢየ ዝዝክሮ። “ኣይከይድን ኢየ: መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ኣሎኹ” ኢለ መለስኩሉ።
ኣብ መስከረም 1938 ምስ ተመርዓኹ እውን ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ናይ ህይወተይ ክፍሊ ኰነ። ሮዘር ሰብኣየይ መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ: ንሱ ስራሕ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣሕደርኩ። ቀልጢፈ ድማ ኣምላኽ ህዝቢ ክህልዎ ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ: ክደልዮም ድማ ጀመርኩ።
ንህዝቢ ኣምላኽ ንምርካብ ዝገበርክዎ ምድላይ
ብምኽንያት እቲ ንእሽቶ ከሎኹ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እተማሃርክዎ: ለይቲ ብዛዕባ ሲኦል ከይሓልም ምእንቲ ምድቃስ የፍርሃኒ ነበረ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርሂ ንምቅላስ: እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ኣሰቃቒ ዝዀነ ነገር ከጋጥም ከሎ ስቕ ኢሉ ኣይርእን ኢዩ ብምባል ንገዛእ ርእሰይ የጸናንዓ ነበርኩ። ብምትእምማን ድማ ሓቂ ንምድላይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ቀጸልኩ። ልክዕ ከምቲ: የንብቦ ድኣምበር ዘይርድኦ ዝነበረ: ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኢየ ነይረ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39
ኣብ ትሕቴና ኣብ ዝነበረ ኣፓርታማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣንድረ ሓወይን ሰበይቱን: ዳርጋ ብ1957 ኣቢሉ ይኸውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ንሰበይቲ ሓወይ ድማ እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ህንጻ ክሰብኩ ክመጹ ከለዉ ነቲ ናሕሲ ብምዅሕኳሕ ከተጠንቅቐኒ ነገርክዋ። ስለዚ ድማ ንሳቶም ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ ምስ ኳሕኵሑ ኣይከፍቶምን። ሓደ መዓልቲ ግን ምምጽኦም ከይነገረትኒ ረስዓቶ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ማዕጾ ከፈትክዎ: ከይ ማንደ እተባህለት ፓይነር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝጽውዕሉ ስም: ረኸብክዋ። ኣምላኽ የሆዋ ዝብል ናይ ብሕቲ ስሙ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ተዛረበትኒ። እቲ ዝበለቶ ብሓቂ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ዝድገፍ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ንሳ ምስ ከደት መጽሓፍ ቅዱሰይ ገንጺለ ረኣኹ። እቲ ዝገበርክዎ ምርምር ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ።—ዘጸኣት 6:3: ናይ ድዋይ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) እግረ-ጽሑፍ፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዮሃንስ 17:6
ከይ ካልኣይ ግዜ ምስ ተመሰልት: ነቲ ናይ ካቶሊክ ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ተመያየጥናሉ። ድሕሪኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስላሴ ከም ዘይምህር ንገዛእ ርእሰይ ንምዕጋብ ተጠንቂቐ መጽሓፍ ቅዱሰይ መርመርኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) እቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸለይ። ተፈጢሩ ኢዩ። መጀመርያ ኣለዎ: የሆዋ ግን መጀመርያ የብሉን። (መዝሙር 90:1, 2፣ ዮሃንስ 14:28፣ ቈሎሴ 1:15-17፣ ራእይ 3:14) በቲ ዝማሃሮ ይዓግብ ስለ ዝነበርኩ ድማ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክቕጽል ሕጕስቲ ኢየ ነይረ።
ሓደ መዓልቲ ብ1958: ኣብቲ በረድ ዝነበረሉ ወርሒ ሕዳር: ከይ ኣብቲ ሽዑ ምሸት ኣብ ሓደ ናይ ክራይ ኣደራሽ ዝግበር ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ክካፈል ዓደመትኒ። ነቲ ዕድመ ተቐበልክዎ: እቲ ፕሮግራም ድማ ደስ በለኒ። ብድሕርዚ ንሓደ ጥቓይ ዝቐረበ ምስክር “ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ካብ ቤት ናብ ቤት ከይዱ ክሰብኽ ይግብኦዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ።
ንሱ ድማ “እወ: ከመይ ድኣ: እቲ ብስራት ክእወጅ ኣለዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ኬድካ ክትሰብከሎም ዝበለጸ ኣገባብ ስብከት ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ” ኢሉ መለሰለይ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20
በቲ ዝሃበኒ መልሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ተሓጒሰ! ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝረኸብክዎም ንኽኣምን መረጋገጺ ኰነኒ። “ኣይፋሉን: ኣየድልን ኢዩ” እንተ ዝብለኒ ነይሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ እንታይ ከም ዝብል እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ: ንሓቂ ምርካበይን ዘይምርካበይን መጠራጠረኒ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ: ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕበየት ገበርኩ።
ብድሕሪ እቲ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ኣብታ ትርዋ-ሪቭየር እትብሃል ጐረቤት ከተማ ዝግበረ ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ዝነበራ መሰኻኽር ከይን መገላግልታ ፍሎረንስ ቦውማንን ጥራይ ኢየን ነይረን። ሓደ መዓልቲ “ጽባሕ ክሰብኽ ምሳኽን ክኸይድ ኢየ” በልክወን። ምስአን ክኸይድ ድማ ሕጕሳት ነበራ።
ኣብ ዓደይ ዝገብሮ ዝነበርኩ ስብከት
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ከም ዝቕበሎ ገይረ ኢየ ዝሓስብ ነይረ: ከምኡ ከም ዘይኰነ ግን ቀልጢፈ ተረዳእኩ። ከይን ፍሎረንስን ናብ ካልእ ምስ ተመደባ ድማ ኣብታ ከተማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝሰብኽ ኣነ ጥራይ ነበርኩ። ክሳዕ እቲ ብ8 ሰነ 1963 ዝጥመቕ ከኣ ከይፈራህኩ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን በይነይ ሰበኽኩ። ኣብታ እተጠመቕኩላ መዓልቲ ኣብቲ ሽዑ ናይ ዕረፍቲ ኣገልግሎት ፓይነር ዝበሃል ዝነበረ ተጸመድኩ።
ከም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ፓይነር ኰይነ ንሓደ ዓመት ቀጸልኩ። ሽዑ: ደልቪኖ ሳንሎሮ ስርዓታዊት ፓይነር እንተድኣ ኰይነ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ናብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን እናመጸት ምሳይ ከም እተገልግል ተመባጽዐት። ስለዚ ድማ ናይ ፓይነር መሕተቲ ቅጥዒ መላእኩ። ዘሕዝን ግን: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማረይ ክልተ ሰሙን ይገብር ደልቪኖ ሞተት። እንታይ ኰን ኢየ ዝገብሮ፧ ነቲ ቅጥዒ ድሮ መሊአዮ ኢየ: እንደገና ክመልሶ ድማ ኣይደለኹን። ስለዚ ድማ ኣብ ጥቅምቲ 1964 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስርሐይ ጀመርክዎ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣርባዕተ ዓመታት በይነይ ካብ ቤት ናብ ቤት ከድኩ።
እቶም ኣብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ዝነበሩ ውፉያት ካቶሊክ ዝበዝሕ ግዜ ተጻባእቲ ኢዮም ነይሮም። ገሊኣቶም ካብ ምስባኽ ምእንቲ ክኽልክሉኒ ፖሊስ ጸዊዖም ኢዮም። ከምቲ ኣብ መጀመርያ ዝገለጽክዎ: ሓደ መዓልቲ ሓደ ነጋዳይ ኣብ ኣእጋረይ ብምትኳስ ከጃጅወኒ ፈተነ። እዚ ድማ ኣብቲ ከተማ ምልዕዓል ፈጠረ። ናይቲ ከባቢ ናይ ተሌቭዥ መደበር ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ወፈራ ኢሉ ጸውዖ። ብምልኡ እቲ ፍጻመታት ድማ ጽቡቕ ምስክርነት ንኽውሃብ ኣጋጣሚ ፈጠረ። ብኣጋጣሚ: ዓሰርተ ዓመታት ጸኒሑ ነቲ ዝተኰሰለይ ነጋዳይ ዘመዱ ምስክር ኰነ።
ብቓል ኣምላኽ እተፈጸመ “ተኣምራት”
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: እቲ ኣብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረ ምጽራር ቀስ እናበለ ክፈርስ ከሎ ርእየ ኢየ። ኣብ 1968 ኣቢሉ ካልኦት መሰኻኽር ናብዚ ቦታ መጹ: ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ድማ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ክህብሉ ጀመሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብ መጀመርያ ናይ 1970ታት ቍጽሪ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ሰባት ኣዝዩ በዝሐ። ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ብመጠኑ ክሳተፍ ምእንቲ ክኽእል ንብዙሓት ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሎም ዝነበርኩ ሰባት ካልኦት መሰኻኽር ክገብሩሎም ክሳዕ ምሕታት በጺሐ ኢየ።
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ነታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እትሕግዝ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ እትብሃል መጽሓፍ ካባይ ወሰደት። ኣብቲ ግዜ እቲ ብጻያ ዝነበረ ኣንድረ እተባህለ ጨካን ትርኢት ዘለዎ ገበነኛ ጐበዝ ኣብ ዕላልና ተሓወሰ። እቲ ምስ ኣንድረ ዝገበርናዮ ምይይጥ ተገዳስነት ኣለዓዓለሉ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረ። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ነቲ እተማህሮ ነዕሩኹ ክነግሮም ጀመረ።
ሓደ ግዜ ምስ ኣርባዕተ ዓዋሉ ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ነበርኩ: ሓደ ካብኦም ድማ ብዙሕ ከይተዛረበ የዋህልል ነበረ። ስሙ ፕየር ይበሃል። ሓደ ለይቲ ዳርጋ ሰዓት ክልተ ኣቢሉ ይኸውን: ኣነን ሰብኣየይን ማዕጾ ክዅሕኳሕ ሰማዕና። ነቲ ኵነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ:- ኣርባዕተ ዓዋሉ ሕቶታት ክሓቱኒ ኣብ ማዕጾ ደው ኢሎም ነበሩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ: ሮዘር በቲ ኣብ ዘይከውን እዋን ምምጽኦም ኣየዕዘምዘመን።
ኣብ መጀመርያ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ኣኼባታት ተኻፈሉ። ይኹን እምበር: ኣንድረን ፕየርን ጥራይ ኢዮም ቀጺሎም። ንህይወቶም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ኣሰማምዑ: ተጠመቑ ድማ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ክልቲኦም ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ። ጽንዓት ክጅምሩ ከለዉ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገበናት ውሩያት ስለ ዝነበሩ ፖሊስ ይሕልውዎም ኢዮም ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ ድሕሪ ጽንዓት ምግባርና ወይ ኣብ እዋን ናይ ጉባኤ ኣኼባ መጺኦም ይርእይዎም ነበሩ። ን“ዅሉ ዓይነት ሰብ” ብምስባኸይ ሕጕስቲ ኢየ: ስለዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ተኣምራት ዝመስል ለውጢ ኣብ ሰባት ክገብር ከሎ ናይ ዓይኒ ምስክር ኰይነ ኢየ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4: ትሓዓ
ኣብቲ መጀመርያ ኣገልግሎተይ ክጅምር ከሎኹ: ኣብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ኣደራሽ መንግስቲ ከም ዝህሉ: ብህዝቢ የሆዋ ድማ ከም ዝመልእ ተነጊሩኒ እንተዝኸውን ነይሩ ኣይምኣመንኩን ነይረ። ዘሐጕሰኒ ድማ እታ ኣብ ከተማ ትርዋ-ሪቭየር ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ምስታ ኣብ ካፕ-ዴ-ላ-ማድላይን ዘላ ጉባኤ ሓዊስካ ናብ ኣብ ሰለስተ ኣደራሽ መንግስቲ ዝእከባ እናወሰኻ ዝኸዳ ሽዱሽተ ጉባኤታት በጽሐት።
ብብሕተይ ዳርጋ 30 ዝዀኑ ሰባት ናብ ህይወቶም ምውፋይን ምጥማቕን ክበጽሑ ብምሕጋዘይ ሓጐስ ረኺበ ኢየ። ሕጂ: ጓል 78 ዓመት ምስ ኰንኩ ህይወተይ ንየሆዋ ብምውፋየይ ብሓቂ ሕጕስቲ ኢየ ክብል እኽእል። ይኹን እምበር: ናይ ተስፋ ምቝራጽ ጭንቀታት ከም ዝነበረኒ ኣፍልጦ ክህበሉ ይግባኣኒ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ግዜያት ብዓወት ምእንቲ ክጋጠመሉ: ኵሉ ግዜ መጽሓፍ ቅዱሰይ ገንጺለ ኣጸቢቑ ዘሐድሰኒ ሓሳባት አንብብ ነበርኩ። ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ቃል ኣምላኽ ከየንበብኩ ክትሓልፈኒ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። እቲ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም: ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ: እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም” ዝብል ኣብ ዮሃንስ 15:7 ዘሎ ጥቕሲ ብፍላይ ዘበራትዕ ኢዩ።
ንሮዘር ኣብቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ዘሎ ሓድሽ ዓለም ክርእዮ ተስፋይ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4) ብ1975 ቀቅድሚ ሙማቱ: ናብ ጥምቀት ገጹ ይዓቢ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጸንዕን ኣብ ዕዮ የሆዋ ምሕጓስ ክቕጽልን ቈሪጸ ኢየ።