ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ዘሎና ከመይ ገይርና ኢና፧
ሓደ ወደ መዝሙር ንጸሎት ዝምልከት መምርሒ ክወሃቦ ምስ ሓተተ: የሱስ ኣይህበካን ኢየ ኣይበሎን። ብመሰረት ሉቃስ 11:2-4 ከምዚ ብምባል መለሰሉ:- “ክትጽልዩ ኸሎኹም፤ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ኣብ ፈተና ኣይተእትወና: በሉ።” እዚ ብልምዲ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዙሕ ሓበሬታ ዝሓዘ ኸኣ ኢዩ።
ብመጀመርታ: እታ ኣቦና እትብል ቃል ንርእሳ ናብ መን ክንጽሊ ከም ዘሎና ትነግረና ኢያ፣ እወ: ናብ ኣቦና ክንጽሊ ኣሎና። የሱስ: ንዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል: ምስሊ: “ቅዱስ:” ወይ ናብ ገዛእ ርእሱውን ይኹን ክንጽሊ ኣይፈቐደን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ “ክብረተይ ከኣ ንኻልእ: ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ” ኢሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 42:8) ስለዚ እምበኣር: ናይቲ ዘምልኽ ዘሎ ቅንዕና ብዘየገድስ: ብጀካ ንዕኡ ንዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ከኣ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዝግበር ጸሎት ሰማያዊ ኣቦና ኣይሰምዖን ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ተባሂሉ ዘሎ።—መዝሙር 65:2
ገሊኦም ሰባት: “ቅዱሳት” ንኣምላኽ ዘማልዱልና ጥራይ ኢዮም ይብሉ ይዀኑ። ግናኸ የሱስ ባዕሉ ከምዚ ዝስዕብ መምርሒ ሂቡና ኣሎ:- “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ: ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።” (ዮሃንስ 14:6, 13) በዚ ኸምዚ እምበአር የሱስ ነቲ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ዝበሃል ሰብ ከም መማለዲ ከገልግል ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ ኢዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝበሎ ሓሳብ እውን ነቕልበሉ:- “እቲ ዝሞተ: ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ: ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።” ‘ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ: ኵሉ ግዜ ምእንታኦም ክልምን ይነብር።’—ሮሜ 8:34፣ እብራውያን 7:25
ክቕደስ ዝግብኦ ስም
ኣብ ጸሎት የሱስ ዘሎ ቃላት ቀጺሉ “ስምካ ይቀደስ” ዝብል ኢዩ። ሓደ ሰብ ከይፈለጦን ከይተጠቕመሉን ከመይ ገይሩ ኢዩ ንስም ኣምላኽ ክቕድሶን ካብ ካልኦት ፈልዩ ክጥቀመሉን ዝኽእል፧ ኣምላኽ ኣብ “ብሉይ ኪዳን” ልዕሊ 6,000 ሽሕ ግዜ ዝኸውን በቲ የሆዋ ዝብል ናይ ብሕቲ ስም ተጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ንዘጸኣት 6:3 ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊክ ዱወይ ቨርሽን ዘሎ እግረ-ጽሑፍ: ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ገሊኦም ዘመናውያን ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣቚሞም ኣለዉ . . . ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ ናይ ሓቂ ኣደማምጻ ናይቲ ስም [ናይ ኣምላኽ]: ንነዊሕ ግዜ ስለ ዘይተዘውተረ ሕጂ ፈጺሙ ኣይፍለጥን ኢዩ።” ስለዚ ድማ እቲ ናይ ካቶሊክ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) ነቲ ያህዌህ ዝብል ስም ይጥቀም። ሽሕ’ኳ ገሊኦም ምሁራት ነዚ ያህዌህ ዝብል ስም ዝመርጹ እንተዀኑ: “የሆዋ” ቅቡልን ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክጽውዓሉ ዝጸንሐን ስም ኢዩ። ካልኦት ቋንቋታት ከኣ ነቲ መለኮታዊ ስም ዘድምጹሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣገባብ ኣደማምጻ ኣለዎም። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር: ነቲ ስም ምእንቲ ክንቅድሶ ኢልና ክንጥቀመሉ ከሎና ኢዩ። ቤተ-ክርስትያንካ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣብ ጸሎትካ ክትጥቀመሉ ምሂራትካዶ ኢያ፧
ንጸሎት ዘድሊ ግቡእ ነጥብታት
የሱስ ቀጺሉ ንደቀ መዛሙርቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ክጽልዩ ምሂሩዎም ኢዩ። (ሉቃስ 11:2Text adjusted) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ምምሕዳር ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ እዚ ምምሕዳር እዚ ንዅሉ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ክትክኦ ኢዩ። ዓለምለኻዊ ሰላም ዝመልኦ ግዜ ኸኣ ከምጽእ ኢዩ። (መዝሙር 72:1-7፣ ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:3-5) ስለዚ እምበኣር: ሓቀኛታት ክርስትያናት ንምምጻእ እታ መንግስቲ ኣብ ጸሎቶም ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ገይሮም ይደጋግምዎ ኢዮም። ቤተ-ክርስትያንካ ከምኡ ክትገብር ምሂራትካዶ ኢያ፧
የሱስ ኣብ ጸሎትና ዘገድሰና ብሕታዊ ነገራት እውን ክንጠቅስ ከም እንኽእል ኣርእዩ ኢዩ። ከምዚ በለ:- “ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።” (ሉቃስ 11:3, 4) ቃላት የሱስ ኣብ መዓልታዊ ጉዳያትና ፍቓድ ኣምላኽ ክንደሊ ከም እንኽእል: ብዛዕባ እቲ ከጨንቐና ወይ ከኣ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከጥፍኣልና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ናብ የሆዋ ክንቀርብ ከም እንኽእል ኣርእዩ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ገይርና ንኣምላኽ ኣዘውቲርና ምስ እንልምኖ ኣብኡ ምውካልና ንኸነማስወሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ናብራና ጽልዋ ከም ዝገብር ኣጸቢቕና ክንግንዘብ ንኽእል። በደልና ይቕረ ክብለልና ንኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምሕታቱ እውን ጠቓሚ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ድኽመታት ከም ዘሎና ኣዚና ከም እንግንዘብ ይገብረና: ብዛዕባ እቲ ካልኦት ዘርእይዎ ጕድለታት ከኣ ዝያዳ ተጻወርቲ ይገብረና። እቲ የሱስ ካብ ፈተና ኣድሕነና ኢልና ክንጽሊ ዝሃበና ምዕዶውን: ብፍላይ ኣብዚ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ስነ-ምግባር ናይዛ ዓለም እዚኣ: ብሓቂ ኣድላዪ ኢዩ። ምስዚ ጸሎት እዚ ብምስምማዕ: ናብ ኣበሳ ክመርሓና ዝኽእል ኣጋጣሚታትን ኵነታትን ንምውጋድ ንጥንቀቕ ኢና።
ብርግጽ እምበኣር: ኣቡነ ዘበሰማያት ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ናይ ጸሎት ኣቀራርባ ብዙሕ ክነግረና ይኽእል ኢዩ። ግናኸ የሱስ ነዚ ጸሎት እዚ ከም ዘለዎ ወሲድና ኣዘውቲርና ክንደጋግሞ ድዩ ሓሳቡ ነይሩ፧
ንጸሎት ዘድሊ ተወሳኺ ምኽሪ
የሱስ ንጸሎት ዘድሊ ተወሳኺ መምርሒ ሃበ። ኣብ ማቴዎስ 6:5, 6 ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም: እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ: ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ: ከማታቶም ኣይትኹኑ። . . . ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ: ናብ ቤትካ እቶ: ማዕጾኻ ዕጾ: ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኺኽሕሰካ እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ጸሎት ንኻልኦት ምእንቲ ክትምስጥ ኢልካ ናይ ርኣዩለይ ወይ ናይ ጃህራ ክኸውን ከም ዘይብሉ ይምህራና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሕጸኖ ገይርካ ልብኻ ብብሕትኻ ንየሆዋ ተፍስሰሉዶ ኢኻ፧—መዝሙር 62:8
የሱስ እዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ:- “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።” (ማቴዎስ 6:7) የሱስ ንጸሎት ምሽምዳድ ኰነ: ካብ ገለ መጽሓፍ እናንበብካ ምጽላይ ኣይደገፎን። እቲ ዝበሎ ቃላት: ነቲ ብመቝጸሪያ ተጠቒምካ ዝግበር ጸሎት እውን ዘወግድ ኢዩ ነይሩ።
ሓደ ናይ ካቶሊክ መጽሓፈ-ጸሎት ከምዚ ብምባል ይእመን:- “እቲ ከነመስግኖ ኢልና ወይ ኣብ ግዜ ጸገምና ዘጕሂ ነገራት ከጋጥመና ከሎ: ወይ ድማ ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮት መዓልታዊ ክንገልጸሉ ኢልና ክንቀርቦ ከሎና እነውጽኦ ናይ ገዛእ ርእስና ባህርያዊ ሓሳባት እቲ ዝበለጸ ጸሎትና ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” እቲ ናይ የሱስ ናይ ብሕቱ ጸሎት እተሸምደደ ዘይኰነስ ባህርያዊ ሓሳባት ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ የሱስ ጸሎት ኣንብቦ። እቲ ጸሎት እቲ: የሱስ ስም የሆዋ ክቕደስ ከሎ ንምርኣይ ዘለዎ ባህጊ ብምጕላሕ ነቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ዝድግፍ ኢዩ። ጸሎት የሱስ ባህርያውን ካብ ውሽጢ ልቡ ዝፈልፈለን ኢዩ ነይሩ።
ኣምላኽ ዝሰምዖ ጸሎት
እተሸምደደ ጸሎት ከተቕርብ: ናብ “ቅዱሳት” ወይ ከኣ ናብ ምስሊ ክትጽሊ: ወይ ከኣ ኣብ ጸሎትካ ከም እኒ መቝጸርያ ዝኣመሰለ ነገራት ክትጥቀም ተማሂርካ እንተድኣ ዄንካ: ኣብ መጀመርታ በቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣገባብ ገይርካ ምጽላይ ዝብል ሓሳብ የፍርሓካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምኡ ንምግባር እቲ መፍትሕ ንኣምላኽ—ስሙ: ዕላማታቱ: ባህርያቱ—ምፍላጥ ኢዩ። ነዚ ድማ ዕምቈት ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ብምግባር ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መገዲ እዚ ንኽሕግዙኻ ድሉዋትን ፍቓደኛታትን ኢዮም። ከመይሲ: ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ክጥዕሙን ክርእዩን’ ሓጊዞምዎም ኢዮም! (መዝሙር 34:8) ንኣምላኽ ዝያዳ ብዝፈለጥካዩ መጠን: ብጸሎት ንኽትውድሶ ዝያዳ ክትድረኽ ኢኻ። ኣኽብሮታዊ ጸሎት ገይርካ ናብ የሆዋ ዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን ከኣ: እቲ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ዝያዳ እናጠበቐ ክመጽእ ኢዩ።
ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዘምልኹ ሓቀኛታት ሰባት ‘ከየባተኹ ክጽልዩ’ ተማዒዶም ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ጸሎትካ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መምርሕን ብሓቂ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ጸሎትካ በዚ መገዲ እዚ ተቕርቦ እንተድኣ ኴንካ ስምረት ኣምላኽ ከም እትረክብ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተማሃርና መጠን:ካብ ልቢ ናብኡ ንምጽላይ ብዝያዳ ክንድረኽ ኢና