ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/8 ገጽ 27-30
  • ኤጳፍሮዲጦስ ልኡኽ ሰብ ፊልጲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤጳፍሮዲጦስ ልኡኽ ሰብ ፊልጲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋሊ’
  • “ነፍሱ ቐቢጹ”
  • ጭንቀቱ
  • “ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም”
  • ነታ ጉባኤ ህነጻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ
    ናይ መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ
  • ክርስትያናት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ኢዮም ዝነብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ፊልጲ—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/8 ገጽ 27-30

ኤጳፍሮዲጦስ ልኡኽ ሰብ ፊልጲ

ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ “ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ: ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም” ብምባል ጸሓፈሎም። ሓደ ክርስትያን ተዓዛቢ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ግምት ዝህብ ቃላት ገይሩ ብዛዕባና እንተ ዝዛረብ ብዘይጥርጥር ምተሓጐስና ነይርና። (ፊልጲ 2:​29) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ብዛዕባ መን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ እቲ ሰብከ ከምዚ ዝበለ ምዉቕ ናእዳ ክቕበል ዝግብኦ እንታይ ስለ ዝገበረ ኢዩ፧

ናይታ ቀዳመይቲ ሕቶ መልሲ: ኤጳፍሮዲጦስ ኢዩ። ነታ ካልኣይቲ ሕቶ ንምምላስ: እቲ ንጳውሎስ እዚ ቃላት እዚ ንኽጽሕፍ ዝደረኾ ኵነታት ንርአ።

ዳርጋ ብ58 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሰብ ፊልጲ: ጳውሎስ ካብ ቤተ⁠-​መቕደስ ተጐቲቱ ምውጽኡ: ብጨካናት መዕገርገርቲ ሰባት ምኽትካቱ: ብሰበ⁠-​ስልጣናት ምእሳሩ: ብዘይፍርዲ ድሕሪ ምእሳሮም ድማ ሰበ⁠-​ስልጣናት ብመቑሕ ኣሲሮም ናብ ሮሜ ከም ዝሰደድዎ ሰምዑ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:27-​33፣ 24:27፣ 27:1) ኵነታቱ ስለ ዘሻቐሎም እንታይ ክገብርሉ ከም ዝኽእሉ ንገዛእ ርእሶም ሓቲቶም ክዀኑ ኣለዎም። ብስጋ ድኻታት ካብ ጳውሎስ ድማ ኣዝዮም ርሑቓት ስለ ዝነበሩ: እቲ ክህብዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ውሱን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንኣገልግሎቱ ክድግፉ ዝደረኾም ምዉቕ ስምዒት: ብፍላይ ድማ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ስለ ዝነበረ: ጌና ንሰብ ፊልጲ ዝያዳ ይድርኾም ነበረ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:​1-4፣ ፊልጲ 4:​16

ሰብ ፊልጲ: ሓደ ካብኣቶም ንጳውሎስ ህያብ ሒዙ ክበጽሖን ዝዀነ ይኹን ዘድልዮ ሓገዝ ድማ ክህቦን ዝኽእል እንተልዩ ግድን ሓሲቦምሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ኢዩ ነይሩ: ንጳውሎስ ምሕጋዝ ድማ ሓደገኛ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ! ዮኣቂም ግኒልከ ከምዚ ይብል:⁠- “ንሓደ እሱር: ብፍላይ ድማ ‘ገበኑ’ እዚ ኢዩ ተባሂሉ ብንጹር ዘይተገልጸ ምስ ዝኸውን: ክትበጽሖ ብዙሕ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ።” ብራያን ራፕስኪ እተባህለ ጸሓፊ ከምዚ ይብል:⁠- “ምስቲ እሱር ጽቡቕ ምቅርራብ ስለ ዘሎካ ወይ ስለ ዝደንገጽካሉ ወይ ንኣረኣእያኡ ብምድጋፍካ ጥራይ ተወሳኺ ሓደጋ ዘምጽእ ኢዩ ነይሩ። . . . ብወዝቢ ዝወጽእ ቃል ወይ ተግባር ነቲ እሱር ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሓጋዚኡ እውን ሞት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።” እሞ ሰብ ፊልጲ ድኣ ንመን ኢዮም ክልእኹ ዝኽእሉ፧

ከምዚ ዝዓይነቱ ጕዕዞ ሻቕሎትን ምጥርጣርን ከም ዘለዓዓለ ኣጸቢቕና ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና: ይኹን እምበር ኤጳፍሮዲጦስ (ምስ ኤጳፍራስ በዓል ቈሎሴ ክደናገር የብሉን) ነቲ ኣሸጋሪ ዝዀነ ተልእኾ ክፍጽም ፍቓደኛ ነበረ። ኣፍሮዲጥ ዝብል ቃል ሓዊሱ ስለ ዘሎ: ካብቲ ስሙ ክንርድኦ ከም እንኽእል: ካብ ኣህዛብ ናብ ክርስትና ዝቐየረ​—⁠ውሉድ ናይቶም ንግሪኻዊት ኣምላኽ ፍቕርን ምፍራይን እተወፈዩ ወለዲ⁠—​ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ በቲ ዘርኣይዎ ልግሲ ክጽሕፈሎም ከሎ: ንኤጳፍሮዲጦስ “ልኡኽኩምን: ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን” ብምባል ብልክዕ ክገልጾ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።​—ፊልጲ 2:​25

ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኤጳፍሮዲጦስ ዝብሎ: ንኣገልግሎት ጳውሎስን ጉባኤኡን ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ናእዳ ዝግብኦ ድሉውነት እኳ እንተ ነበሮ: ከምቲ ንዓና ክህልወና ዝኽእል ግድላት ከም ዝነበሮ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብነቱ እስከ ንርአ።

‘ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋሊ’

እቲ ዝርዝር ዘይንፈልጦ እኳ እንተዀንና: ኤጳፍሮዲጦስ ኣብ ሮሜ ክበጽሕ ከሎ በቲ ጕዕዞ ደኺሙ ከም ዝነበረ ክንግምት ንኽእል ኢና። ምናልባት በቲ ቪያ ኤግናቲያ ዝበሃል ንመቄዶንያ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ናይ ሮማውያን መገዲ ኢዩ ተጓዒዙ ዝኸውን። በታ “ታኮ” እትመስል ሓውሲ ደሴት ኢጣልያ ኣቢሉ ባሕሪ ኣድርያቲክ ኣቋሪጹ: ድሕርዚ ድማ ብኣፕያን ወይ ገይሩ ናብ ሮሜ ክኸይድ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ልዕሊ ወርሒ ክወስድ ዝኽእል ኣድካሚ ዝዀነ (ኣብ ሓደ እግሪ 1,200 ኪሎ ሜተር) መገዲ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን ርአ።

ኤጳፍሮዲጦስ ነዚ ተልእኾ እዚ ዝጀመሮ እንታይ መንፈስ ሒዙ ኢዩ፧ ንጳውሎስ ‘ብዝደልዮ ከገልግሎን’ ወይ ለይ·ቶር·ጊʹያ: ክህብ ኢዩ ተላኢኹ። (ፊልጲ 2:​30) እዛ ናይ ግሪኽ ቃል ብመጀመርታ ነቲ ሓደ ዜጋ ንሃገሩ ብወለንታ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኢያ ተመልክት ነይራ። ጸኒሓ ግን: እቶም ኣገልግሎት ክህቡ ብፍላይ ብቑዓት ዝዀኑ ዜጋታት ንሃገሮም ብግዴታ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ማለት ኰነት። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዋ ኣወዓዕላ ኣመልኪቱ ሓደ ምሁር ከምዚ ይብል:⁠- “ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽን ንሰባትን ኢሉ ዝዓዪ ሰብ ኢዩ: ቀዳማይ ከምኡ ንኽገብር ብምሉእ ልቡ ስለ ዝብህግ: ካልኣይ: እቲ ንክርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ ስለ ዝድርኾ ከምኡ ክገብር ይግደድ ኢዩ።” እወ: ኤጳፍሮዲጦስ ከመይ ዝበለ ብሉጽ መንፈስ ኰን ኢዩ ዘርኣየ!

“ነፍሱ ቐቢጹ”

ኣብ ምጥላዕ እትውዕል ሓንቲ ቃል ብምጥቃም: ጳውሎስ ኤጳፍሮዲጦስ ‘ነፍሱ ከም ዝቐበጸ [ፓ·ራ·ቦ·ሌዩ·ሳʹሜ·ኖስ]:’ ወይ ቃል ብቓሉ ንኣገልግሎት ክርስቶስ ክብል ብህይወቱ ከም “እተጣልዐ” ተዛረበ። (ፊልጲ 2:​30) ኤጳፍሮዲጦስ ዕሽነት ዝዀነ ነገር ከም ዝገበረ ክንሓስብ የብልናን፣ ኣብ ክንድኡ: ቅዱስ ኣገልግሎት ክፍጽም እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ገለ ሓደጋ ምእታው ዝሓቶ ኢዩ ነይሩ። ምናልባት ኣብቲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዝነበረሉ ኣዋርሕ ከዕርፍ ፈቲኑ ድዩ፧ ኣብቲ መገዲ ኣብ ገሊኡ ቦታ ምስ ሓመመ ከቋርጾ ፈቲኑ ድዩ፧ ዝዀነ ዀይኑ: ኤጳፍሮዲጦስ “ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ” ኢዩ። ምናልባት ንጳውሎስ ምእንቲ ከገልግሎ ምስኡ ነዊሕ ክጸንሕ ደልዩ ነይሩ ይኸውን: ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ሃዋርያ: ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ቀልጢፉ ክምለስ ዘድለየሉ ምኽንያት ክገልጽ ዝደለየ።​—ፊልጲ 2:​27

እንተዀነ ግን: ኤጳፍሮዲጦስ ነቶም ዘድልዮም ሓገዝ ምእንቲ ክህብ ገዛእ ርእሱ ብልግሲ ንምስዋእ ፍቓደኛ ዝዀነ ተባዕ ሰብ ኢዩ ነይሩ።

‘ኣብ ኣሸጋሪ ኵነታት ንዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ምእንቲ ክሕግዝ ክሳዕ ክንደይ ነፍሰይ ምሰዋእኩ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ናይ ድሉውነት መንፈስ ንክርስትያናት ግዴትኦም ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።” (ዮሃንስ 13:34 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኤጳፍሮዲጦስ “ንሞት ቀሪቡ” ከሎ ኢዩ ኣገልግሎቱ ፈጺሙ። ኤጳፍሮዲጦስ: እምበኣር: ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ክህልዎም ዘተባብዖም ዝነበረ “ኣእምሮኣዊ ኣመለኻኽታ” ዝነበሮ: ኣብነት ዝኸውን ሰብ ኢዩ ነይሩ። (ፊልጲ 2:​5, 8, 30 ኪንግዶም ኢንተርሊንያር [እንግሊዝኛ]) ንሕናኸ ክሳዕ ክንድዚ ክንገብር ድሉዋት ምዀንናዶ፧

እንተዀነ ግን: ኤጳፍሮዲጦስ ጭንቀት ነይርዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧

ጭንቀቱ

ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ ኤጳፍሮዲጦስ ግበራ። ጳውሎስ ‘ንዅላትኩም ናፊቕኩም ኣሎ ምሕማሙ ብምስማዕኩም ከኣ ጐሃየ [“ተጨነቐ:” ትሓዓ ]’ ብምባል ጸብጻብ ሃበ። (ፊልጲ 2:​26) ኤጳፍሮዲጦስ እቶም ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ምሕማሙ: ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ገይሮምሉ ዝነበሩ ገይሩ ድማ ንጳውሎስ ክሕግዞ ዘይምኽኣሉ ከም እተረድኡ ፈሊጡ ነበረ። አረ: ንጳውሎስ እውን ዝያዳ ዘሻቐሎ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ዓርኪ ጳውሎስ ዝነበረ ሓኪም ሉቃስ ንኤጳፍሮዲጦስ ክከናኸኖ ኢሉ ንኻልእ ነገራት ሸለል ክብልዶ ነይርዎ፧​—⁠ፊልጲ 2:​27, 28፣ ቈሎሴ 4:​14

ኤጳፍሮዲጦስ ተጨኒቑ ዝነበረ በዝን ወዲ ኸምዝን ይመስል። ምናልባት እቶም ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ኣሕዋት ዘይብቑዕ ገይሮም ከም ዝረኣይዎ ሓሲቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ገበን ስምዒት ተሰሚዕዎ ብዛዕባ ተኣማንነቱ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ድማ ክርእዮም ‘ናፊቑ’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ንዅነታት ኤጳፍሮዲጦስ ንምግላጽ ሓያል ናይ ግሪኽ ቃል ኣ·ዴ·ሞ·ኔኦʹ “እተጨነቐ ምዃን” እትብል ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። ብመሰረት ጀይ. ቢ. ላይትፉት እተባህለ ምሁር: እዛ ቃል እዚኣ “ካብ ሓዘን: ሕፍረት: ጓህን ካልእ ነገራትን እተላዕለ ዝመጽእ ኣካላዊ ነውጺ ወይ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዘስዕቦ: ምድንጋር: ስእነት ዕረፍቲ: ናይ ምስጋል ኵነት” ከተመልክት ትኽእል ኢያ። እዛ ቃል እዚኣ ኣብ ካልእ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: ምስቲ ንየሱስ ኣብ ናይ ጌተሴማኔ ቦታ ኣታኽልቲ ዘጋጠሞ መሪር ጓሂ ብምትሕሓዝ ጥራይ ኢያ ውዒላ ዘላ።​—⁠ማቴዎስ 26:37

ጳወሎስ እቲ ክግበር ዝኽእል ዝበለጸ ነገር: ነቲ ትጽቢት ዘይተገብሮ ናይ ልኡኾም ምምላስ ዝገልጽ ደብዳበ ኣሰኒኻ ንኤጳፍሮዲጦስ ናብ ሰብ ፊልጲ እንደገና ምልኣኹ ከም ዝዀነ ደምደመ። ጳውሎስ ‘ንኤጳፍሮዲጦስ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ’ ክብል ከሎ: ኤጳፍሮዲጦስ እተላእኮ ኣይፈጸመን ብምባል ክለዓል ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ንምእላይ: ነቲ ምምላሱ ሓላፍነት ይወስድ ምህላዉ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። (ፊልጲ 2:​25) ብኣንጻሩ: ኤጳፍሮዲጦስ ተልእኾኡ ምእንቲ ክፍጽም ንሞት ቀሪቡ ነይሩ ኢዩ! ጳውሎስ “ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ: ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ: ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ: ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም” ብምባል ካብ ልቢ ተላበዎም።​—⁠ፊልጲ 2:​29, 30

“ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም”

ከም ናይ ኤጳፍሮዲጦስ ዝበለ ኣእምሮኣዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብሓቂ ክምስገኑ ዘለዎም ኢዮም። ምእንቲ ከገልግሉ ገዛእ ርእሶም ይስውኡ ኢዮም። ብዛዕባ እቶም ሚስዮናውያን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ወይ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብምዕያይ ካብ ዓዶም ርሒቖም ንምግልጋል ገዛእ ርእሶም ዝሃቡ ሰባት እሞ ሕሰብ። ዕድመ ወይ ጕድለት ጥዕና ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ክገብሩ እኳ እንተ ዘየኽኣሎም: በቲ ንዓመታት ዘቕረብዎ እሙን ኣገልግሎት ክብረትን ዝለዓለ ግምትን ይግብኦም ኢዩ።

እንተዀነ ግን: እናኣማሰነካ ዝኸይድ ሕማም ናይ ጭንቀት ወይ ናይ ገበን ስምዒት ምንጪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ዝያዳ ክገብር ይደሊ ይኸውን። ከምዚ ከጋጥሞ ኸሎ ግን: ክሳዕ ክንደይ ዘበሳጩ ኰን ኢዩ! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝርከቡ ሰባት ካብ ኤጳፍሮዲጦስ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንምዃኑ: ምሕማሙስ ናቱ ጕድለት ድዩ ነይሩ፧ ብርግጽ ኣይነበረን! (ዘፍጥረት 3:​17-​19፣ ሮሜ 5:​12) ኤጳፍሮዲጦስ ንኣምላኽን ንኣሕዋቱን ከገልግል ብሂጉ ኢዩ: ሕማም ግን ደረቶ ደኣ።

ጳውሎስ ንኤጳፍሮዲጦስ በቲ ዘጋጠሞ ሕማም ኣይገሰጾን: ኣብ ክንድኡ ንሰብ ፊልጲ ኣብ ጐድኑ ኰይኖም ክድግፍዎ ኢዩ ተዛሪብዎም። ብተመሳሳሊ: ኣሕዋትና ክጕህዩ ከለዉ ከነጸናንዖም ኣሎና። ኵሉ ግዜ በቲ ናይ እሙን ኣገልግሎት ኣብነቶም ከነመስግኖም ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ንኤጳፍሮዲጦስ ምምስጋኑ: ብዛዕባኡ ጽቡቕ ምዝራቡ: ንጭንቀቱ ብምህዳእ ኣጸናኒዕዎ ክኸውን ኣለዎ። ንሕናውን ‘ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልናዮምን እነገልግሎም ዘሎናን ግብርና ንስሙውን ዝገበርናዮ ፍቕርናን ዝርስዕ ገፋዒ ከም ዘይኰነ’ ክንዝክር ኣሎና።​—⁠እብራውያን 6:​10

[ኣብ ገጽ 29ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ጕዕዞ ሽግራት

ምስቲ ኤጳፍሮዲጦስ ዝገበሮ ዝመሳሰል: ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይሓትት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጕዕዞ ጀት ዝዓይነታ ነፋሪት ገይርካ ብምቾት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓታት ክውዳእ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከምዚ ዝበለ ጕዕዞ ምግባር ፈጺሙ ካብዚ እተፈልየ ነገር ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ምቾት ኣይነበሮን። ሓደ ብእግሪ ዝጓዓዝ ሰብ “ከተርቲ” ሓዊስካ: ንዅነታት ኣየርን እተፈላለየ ሓደጋታትን እናተቓልዐ: ኣብ መዓልቲ ካብ 30 ክሳዕ 35 ኪሎ ሜተር ኢዩ ክሽፍን ዝኽእል።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:26

ብዛዕባ መዕረፊ ቦታታትን ናይ ስንቂ ቀረባትንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

ጸሓፍ ታሪኽ ሚከላንጀሎ ካጃኖ ደ ኣሴቫዶ: ኣብቲ ናይ ሮሜ መገድታት “ድኳናት: እንዳ ኣፍራስ: ከምኡውን ንሰራሕተኛታቶም ዝኸውን መዕረፊ ዘለዎ ማንስዮነስ: መዕረፍ ኣጋይሽ ነይሩ ኢዩ፣ ኣብ ክልተ ተኸታታሊ ማንስዮነስ ሓደ ሰብ ኣፍራስ ወይ መጓዓዝያ ክቕይረሉ ዝኽእልን ስንቂ ዝረኽበሉን ብርክት ዝበለ ሙታትዮነስ: ወይ መላገሲ ነቑጣታት ከም ዝነበረ” ገሊጹ ኢዩ። እዚ ኣብያተ ብልዕን መስተን እዚ: በቶም ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ዝነበሮም ሰባት ይመልእ ስለ ዝነበረ ሕማቕ ስም ኢዩ ነይርዎ። ኣብ ርእሲ እቲ ንተጐዓዝቲ ምስራቖም: ዋናታት መዕርፎ ገየሽቲ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ካብተን ኣመናዝር ዘዋህለልዎ ገይሮም ኢዮም ኣታዊኦም ዝምልኡ። ናይቲ ብቛንቋ ላቲን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዝሕጭጭ ጽሑፍ ገጣሚ ዝዀነ ጁቨናል: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዕረፊ ቦታታት ዝኣቱ ዝዀነ ይኹን ሰብ “ምስ ሓረድቲ: ዘረፍቲ: ሰረቕቲ: ዝሃደሙ ባሮት: ምስ ሓነቕቲ ሰብን ሰራሕቲ ሳጹን ሬሳን ኢዩ ዝድቅስ: . . . ሓንቲ ኩባያ ንዅሉ ሰብ ኢያ እተገልግል፣ ናይ በይኑ ዓራት: ሰደቓ: ዝወሃቦ ሰብ የሎን” ኢሉ ተዛረበ። ካልኦት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ነቲ ሕማቕ ማይ: ከምኡውን ነቲ ብሰብ እተጨቓጨቐ: ረሳሕ: ኣውሊ ዘለዎ: ብቝንጪ ዝመልአ ክፍልታት ኣመልኪቶም ጓሂኦም ገሊጾም ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሮሜ

[ስእሊ]

ተጓዓዛይ ኣብ እዋን ሮሜ

[ምንጪ ስእሊ]

ካርታ:⁠- Mountain High Maps® Copyright© 1995 Digital Wisdom Inc; ተጓዓዛይ:⁠- Da originale del Museo della Civilta Romana, Roma

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ