ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ነቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ‘ዝጸምኡ’ ሰባት ምሕጋዝ
የሱስ “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: ኪጸግቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:6) እዚ ዝስዕብ ተመክሮታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብታ ንልዕሊ 70 ዓመታት ዝኸውን ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘይነበራ ሩስያ ዘለዉ ሰባት መንፈሳዊ ጽምኦም ንኸርውዩ ብኸመይ ከም ዝሕግዝዎም ዘርኢ ኢዩ።
▪ ሓንቲ ቫለንቲና እተባህለት ሰበይቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘይተመለሰላ ከበድቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ነበራ። ንኣብነት: ‘የሱስ ናብ መን ኢዩ ጸልዩ፧’ እናበለት ትግረም ነበረት። የሱስ ናብ ሓደ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝልዕል ኣካል ጸልዩ ክኸውን ኣለዎ በለት: ብዛዕባ ናይዚ ኣካል እዚ ስም ድማ ትግረም ነበረት።
ኣብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ከደት። ይኹን እምበር: ኣብዛ ሃይማኖት እዚኣ ንሕቶታታ ዝኸውን መልሲ ኣይረኸበትን። በዚ ስለ ዘይዓገበት ድማ ናብ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያን ከደት: እንተዀነ ግን ኣብዚ እውን ንጹር መልሲ ኣይረኸበትን። ኣብ እትኸዶ ስለ ዝጠፍኣ ድማ ቫለንቲና ነቲ መልስታት ባዕላ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጀመረት—እዚ እውን ፍረ ኣይነበሮን። ሓገዝ ክትረክብ ከኣ ጸለየት።
ድሕሪ ገለ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤታ ኳሕኵሑ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ኣርኣይዋ። ኣብ መወዳእታ: የሱስ ናብ መን ከም ዝጸለየ ፈለጠት! ምስቶም መሰኻኽር ስርዓታዊት ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ለይቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እትሓትመ ጽሑፋት ከተንብብን ጥቕስታት ገንጺላ ክትርእን ትሓድር ነበረት። ቀልጢፋ ድማ ቫለንቲና ንሓቂ ከም ዝረኸበታ ደምደመት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ስብከት ክትካፈል ጀመረት: ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ተጠምቀት። እቲ ንሓቂ ክትረክብ ዝገበረቶ ጸሎት እተሓወሶ ምድላይ ዓስቢ ረኺባትሉ ኢያ።
▪ ሓደ ምስክር ናብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ክምስክር ብኣውቶቡስ ይጓዓዝ ነበረ። ኣብቲ ጕዕዝኡ ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት ተዛረባ: እታ ሰበይቲ ግን ተገዳስነት ኣየርኣየትን። እቲ ምስክር ክልተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ህዝባዊ ዝርርብ ክህብ ካልኣይ ግዜ ናብቲ ቦታ ተጓዕዘ። ድሕሪ እቲ ዝርርብ ንሓደ ጋሻ ቀሪቡ “ብዛዕባ እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት ገለ ሰብ ነጊሩካ ነይሩዶ ኢዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ “እወ: ንስኻ ነጊርካኒ ነይርካ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ምስክር ይላገጽ ኢዩ ዘሎ ኢሉ ሓሰበ። እቲ ሰብኣይ ግን ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ብኣውቶቡስ ክጓዓዝ ከሎ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ምስክርን እታ ሰበይትን ዝነበረ ዝርርብ ከም ዝሰምዖ ገለጸሉ። “ዝያዳ ክፈልጥ ደልየ ነይረ: ግን ካብታ ኣውቶቡስ ወሪድካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደግና ፈጺመ ኣይርእዮምን ኢየ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ድሕሪኡ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ሰብኣይ ረኸብኩ። ስለዚ ድማ እነሀኹልካ ኣብዚ መጺአ!”
እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ከኣ ስርሑ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ከም ዝጋጮ ተገንዘበ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ክሕዝ ስለ ዝደለየ ድማ ስርሑ ለወጠ። ሕጂ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይዛረብ ኣሎ። ሰበይቱ እውን ኣብ እትገብሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታ እናዓበየት ትኸይድ ኣላ።
ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ናይ ሩስያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ቅኑዓት ሰባት ‘ንዓ: ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ’ ኣብ ምባል ክካፈሉ ሕጕሳት ኢዮም።—ራእይ 22:17