ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ይሰብኽ
እዋኑ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ህዱእ ናይ ጽድያ ንግሆ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣየር ብናይ ታሕጓስ ስምዒት መሊኡ ነበረ! ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ጭፍራ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ነቲ ጐደናታት የሩሳሌም ኣዕለቕሊቖምዎ ነበሩ። ካብ ከም እኒ ኤላም: መሰጶታምያ: ቀጶዶቅያ: ግብጺ: ከምኡውን ሮሜ ዝኣመሰለ ቦታታት ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። ናይ ዓዶም ኣከዳድና ተኸዲኖም ክትርእዮምን በቲ እተፈላለየ ቋንቋታቶም ክዛረቡ ክትሰምዖምንሲ ኣየ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ ነይሩ! ገሊኣቶም ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ንኽካፈሉ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝኸውን ተጓዒዞም ዝመጹ ኢዮም። እቲ ኣጋጣሚ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ—ናይ ስገም ዓጺድ ከም እተወድአ ዘመልክት ዘሐጕስ ናይ ኣይሁድ በዓል— ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 23:15-21
ካብቲ ኣብ ቤተ-መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ትኪ ይወጽእ ነበረ: እቶም ሌዋውያን ከኣ ሃለል ይዝምሩ ነበሩ (መዝሙር 113 ክሳዕ 118)። ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ከይኰነ ከሎ ሓደ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ካብ ሰማይ ‘ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ደሃይ መጸ።’ ንብዘላ እታ 120 ኣቢሎም ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቤት ድማ መልኣ። እቲ ናይ ቅዱስ ጽሑፍ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም: ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4
ነፍሲ ወከፍ ቋንቋኡ ክዝረብ ይሰምዖ
ብኡንብኡ ድማ ካብታ ቤት ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ይወጹ ነበሩ። ዘገርም ከኣ: በቲ ናይቶም ህዝቢ እተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ ነበሩ! ሓደ ካብ ፋርስ ዝመጸ ሰብን ሓደ ወዲ ግብጽን ቋንቋኦም ብሓደ ወዲ ገሊላ ክዝረብ ክሰምዖዎ ከለዉስ: ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ከም ዝነበረ እሞ ሕሰቦ። እቶም ህዝቢ ከም ዝሰንበዱ ርዱእ ኢዩ። “እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧” ኢሎም ሓተቱ። ገሊኣቶም ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “እዚኣቶም ጕዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም” ብምባል ኣላገጹሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:12, 13
ድሕርዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ተዛረቦም። እዚ ተኣምራታዊ ዝዀነ ውህበት ቋንቋታት እዚ: መፈጸምታ ናይቲ ኣምላኽ ብነብዪኡ ዮኤል ገይሩ “ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ” ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ምዃኑ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-21፣ ዮኤል 2:28-32) እወ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱሱ ኢዩ ኣፍሲሱ። እዚ ኸኣ: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ: ድሮ ድማ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ንጹር መርትዖ ነበረ። ጴጥሮስ “እምብርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ: ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:22-36
እቶም ሰማዕቲኸ ብኸመይ መለሱ፧ እቲ ጸብጻብ “ልቦም ተወግኤ እሞ: ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፤ ኣቱም ኣሕዋትና እንታይ ንግበር፧ በልዎም” ይብል። ጴጥሮስ ከኣ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ . . . ይጠመቕ” ኢሉ መለሰ። ገለ 3,000 ዝዀኑ ሰባት ድማ ልክዕ ከምኡ ገበሩ! ብድሕርዚ ‘ብትምህርቲ ሃዋርያት ጸኒዖም ነበሩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 2:37-42
ጴጥሮስ ኣብዚ ዓቢ ኣጋጣሚ እዚ መሪሕነት ወሲዱ ብምዝራቡ: ካብቲ የሱስ ክህቦ ተማባጺዑሉ ዝነበረ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ነቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ ተጠቒሙ። (ማቴዎስ 16:19) እዚ መርሖታት እዚ ንእተፈላለዩ ጕጅለ ሰባት ፍሉይ መሰላት ከፈተሎም። እዚ ናይ መጀመርታ መርሖ ኸኣ ንኣይሁድ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ክዀኑ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ጸኒሑ ድማ እቲ ካልኣይን ሳልሳይን መርሖታት: ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ብተኸታታሊ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ከፈተሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:14-17፣ 10:44-48
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እዞም ካብ ኣይሁድን ካብ ጵሮሰሊትን ዝዀኑ ህዝቢ: በቲ ናይ ወዲ ኣምላኽ ሞት ብማሕበረሰብ ደረጃ ሓላፍነት እኳ ተሰኪሞም እንተነበሩ: ጴጥሮስ ብኣኽብሮት “ኣሕዋትና” ኢሉ ጸዊዕዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29) ዕላምኡ ንኽናስሑ ከለዓዕሎም ድኣ እምበር ንኽዅንኖም ኣይነበረን። ስለዚ ኣቀራርብኡ ኣወንታዊ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ጭብጥታት ኣቕረበ: ነቲ ነጥብታቱ ድማ ብናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ገይሩ ደጊፍዎ ኢዩ።
እቶም ሎሚ ነቲ ብስራት ዝሰብክዎ ዘለዉ ሰባት እውን ንኣብነት ጴጥሮስ ምስ ዝስዕቡ ሰናይ ይገብሩ። ምስ ሰማዕቶም ዘወሃህዶም ናይ ሓባር መዘራረቢ ነጥቢ ኣልዒሎም ብሜላ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ምስኣቶም ክረዳድኡ ክፍትኑ ይግባእ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብኣወንታዊ መገዲ ምስ ዝቐርብ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምላሽ ይህብሉ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48
እቲ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዘርኣዮ ቅንእን ትብዓትን: ካብቲ ቅድሚኡ ገለ ሸውዓተ ሰሙናት ይገብር ኣብ ክርስቶስ ዘርኣዮ ክሕደት ፈጺሙ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ጴጥሮስ ምሉእ ብምሉእ ብፍርሂ ሰብ ለሚሱ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 26:69-75) ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ ክንዲ ጴጥሮስ ለሚኑ ኢዩ። (ሉቃስ 22:31, 32) የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንጴጥሮስ ስለ እተራእዮ እዚ ነቲ ሃዋርያ ኣደልዲልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:5) በዚ ኸምዚ እምበኣር: እምነት ጴጥሮስ ኣይጠፍአትን። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ: ብትብዓት ይሰብኽ ነበረ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝተረፈ ህይወቱ እውን ብትብዓት ሰቢኹ ኢዩ።
ብገለ መገዲ ምስ እንጋገ: አረ ከምቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ እውን ከይተረፈ ምስ እንገብር ከመይ ይኹን፧ ንናሳሕ: ይቕረ ክበሃለልና ንጸሊ: መንፈሳዊ ሓገዝ ምእንቲ ክንረክብ ከኣ ስጕምቲ ንውሰድ። (ያእቆብ 5:14-16) ድሕርዚ ቅዱስ ኣገልግሎትና ኣብ ቅድሚ እቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ብምትእምማን ንቕድሚት ክንስጕም ክንክእል ኢና።—ዘጸኣት 34:6