ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ኣየርላንድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብቐጻሊ ይስበኽ ኣሎ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኵነታት ናይታ ምልኩዕ ትርኢት ዘለዋ ኣየርላንድ ዘተሓሳስብ ናይ ህውከት መድረኽ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ምስናይዚ ግን ደቂ ኣየርላንድ ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበጽሖም ዘሎ ተስፋ ዝሓዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ጽቡቕ ምላሽ ይህብሉ ኣለዉ። እዚ ዝስዕብ ካብ ኣየርላንድ እተረኽበ ተመከሮታት ነዚ የረጋግጸልና ኢዩ።
■ኣብ ደብለን ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንእሽቶ ጓሉን ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ስብከት ነበሩ። ሓንቲ ካቲ እተባህለት ብዙሓት ቈልዑ ዘለዉዋ ብስራሕ ኣዝያ ትሕዝቲ ሰበይቲ ድማ ረኸቡ። አቲ ምስክር ከኣ: እታ ከመይ ገይርካ ከም ዝስበኽ እትማሃር ዝነበረት ጓሉ ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ ክትነግራ ተፍቅደላ እንተዀይና ሓተታ። ካቲ ተሰማምዐት እሞ እታ ንእሽቶ ጓል ድማ ሓጺርን ብግቡእ እተዳለወን ኣቀራርባ ገበረት። ካቲ በቲ እታ መንእሰይ ዘርኣየቶ ቅንዕናን ንሰብ ምኽባርን ተመሰጠት: ነቲ እተበርከተላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክት ከኣ ተቐበለት።
ጸኒሓ ካቲ ናይታ ዝበጽሓታ ንእሽቶ ጓል ጽቡቕ ምድላውን ኣገባብን ዘከረቶ። “ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣብ ገዛእ ርእሳ ኣተኵሮ ብዘይምግባር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህ ዘብል መልእኽቲ ከተካፍል ምኽኣላ ተመሲጠ ኢየ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሑኒ እንተድኣ መጺኦም ክሰምዖም ወሰንኩ” በለት።
ኣብ መንጎ እዚ ካቲ ናብ ሓንቲ ኣብ ጥቃ ዶብ ኣውራጃታት ኮርክን ኬርን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ገዓዘት። ገለ ግዜያት ጸኒሖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤታ መጹ: እተዉ ኸኣ በለቶም። ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ፍቓደኛ ኰነት: ሕጂ ኸኣ ምስ ዝበዝሑ ደቃ ኰይና ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትካፈል ኣላ። ካቲ ነቲ እታ ንእሽቶ ጓል ብስራት ክትነግራ ኢላ ዝገበረቶ ልባዊ ባህጊ ተመስግነሉ ኢያ።
■ኣብ ከባቢ ተለሞር: እቶም መሰኻኽር ምስ ሓንቲ ጂን እተባህለት ሰበይቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ገበሩ። ሓድሓደ ግዜ ተገዳስነት ተርኢ: መጽሔት ከኣ ትቐበል ነበረት: ኣብ ካልእ ግዜያት ግን እቲ ተገዳስነታ ይሃስስ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ፍራንሰስ እተባህለት ምስክርን ብጸይታን: ጂን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናይ ኣእምሮ ኵነታት ከላ ረኸባኣ። እተን መሰኻኽር “ዝበልና እንተበልና: እናገደደት ከደት። ኣብ መወዳእታ ውጻለይ በለትና: ነቲ ማዕጾ ኸኣ ገም ኣበለቶ” ኢለን የዘንትዋ።
ፍራንሰስ ዳሕራይ መዓልቲ ተወሳኺ ምብጻሕ እንተድኣ ገይርናላ ከምኡ ኢላዶዀን ትምልሸልና ትኸውን ብምባል ንገዛእ ርእሳ ሓተተት። ‘ነቲ መልእኽቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘይብላ እንተድኣ ኰይኑ: ምብጽሓ ምንም ዋጋ የብሉን’ ኢላ ኸኣ ሓሰበት። ይኹን እምበር ነቲ ጕዳይ ምስ ቶማስ ሰብኣያ ኰይና ተመያየጠትሉ: ንሱ ኸኣ ክትከይድ ኣተባብዓ። ካልእ ግዜ ኣብቲ ከባቢ እቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ንጂን ምብጻሕ ገበራላ። ተቐራቢት ኰይና ጸንሐት ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ከኣ ተቐበለት። እቲ ቀጺሉ ዝነበረ ምብጽሓት ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ: ቶማስን ፍራንሰስን ከኣ ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩላ።
ስለምንታይ ኢያ ተለዊጣ፧ ጂን ኣብቲ ነተን መሰኻኽር ገንጨርጨር ዝበለትሉ እዋን: ዝሓረሰትሉን ካብ ሆስፒታል ከኣ ዝወጽኣትሉን ግዜ ከም ዝነበረ ገለጸት። ነቲ ሓድሽ እተወልደ ህጻን ከተጥቡን ነቲ ዕብይ ዝበለ ህጻን ከኣ ብማንካ ገይራ ክትምግቦን ኣብ ሓደ ለይቲ ሰዓትን ፈረቓን ጥራይ ኢያ ትድቅስ ነይራ። ጂን “ብዛዕባ ሃይማኖት ናይ ምዝርራብ ድልየት ዝበሃል ኣይነበረንን” በለት።
ጂን ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትካፈል ነበረት: ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ትሳተፍ ነበረት። ካብቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመረትሉ ግዜ ዓሰርተ ወርሒ ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት። ጂን እቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመክሮ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ይሕግዛ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘንቱ:-“ኣዝዩ ገርጫው ሰብ እንተድአ ኣጋጢሙኒ: ዝያዳ ክርድኦ እየ ዝፍትን። ኵሉ ግዜ ድማ ይምዝግቦ ኢየ። ምስ ተመለስኩ እቲ ኵነታት አቲ ይልወጥ ይኸውን ኢዩ፣ እቲ ሰብ ጽቡቕ ክሰምዕን ዝሓሸ ምላሽ ክህብን ይኽእል ይኸውን።”