ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት—ብኸመይ: ኣበይ: መዓስ፧
እቲ ናይ ደቅሰብ ፈጣርን ወሃብ ህይወትን: ሰብኣዊ ሞት ንህይወት ንዘለኣለም ዘቋርጻ ኰይኑ ከም ዘይተርፍ ብሕታዊ ውሕስነት ይህብ ኢዩ። ብተወሳኺ ኸኣ: ንእተወሰነ እዋን እንደገና ብህይወት ክትነብር ከም ዝከኣል ጥራይ ዘይኰነስ ከም ብሓድሽ ሞት ከየጋጠመካ ክትነብረሉ እትኽእል ተስፋ ከም ዘሎ እውን ኣምላኽ የረጋግጽ ኢዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ ብግልጺ: ግናኸ ምትእምማን ብዘለዎ መገዲ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ:- “[ኣምላኽ] በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ . . . [የሱስ ክርስቶስ ገይሩ] ንዅሉ እምነት [“ዋሕስ:” NW ] [ሃበ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:31
ልክዕ ኢዩ: እዚ ጌና ዘይተመለሰ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ዘስዕብ ኢዩ:- ሓደ ዝሞተ ሰብ ናብ ህይወት ክምለስ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ እዚኸ መዓስ ኢዩ ዝኸውን፧ እቲ ሓድሽ ህይወትከ እንደገና ኣብ ህላወ ዝመጽእ ኣበይ ኢዩ፧ ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ሕቶታት እዚ እተፈላለየ መልሲ ተዋሂብዎ ኢዩ: ይኹን እምበር: ናይዚ ነገር እዚ ሓቅነት እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ቀንዲ መፍትሕ ዝኸውን: ሰባት ክሞቱ ከለዉ እንታይ ከም ዘጋጥሞም ርጡብ ዝዀነ ምርዳእ ምሓዝ ኢዩ።
ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ሓሳብ መልሲ ድዩ፧
ካብቲ ናይ ሰብ ገለ ክፍሊ ኣይመውትን ኢዩ: ከምኡውን ኣካል ጥራይ ኢዩ ዝመውት ዝብል እምነት ኣዝዩ ልሙድ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዘረባ ከም ዝሰማዕካ ርግጽ ኢዩ። እዛ ዘይትመውት ተባሂላ ዝዝረበላ ክፍሊ ኣካል: እታ ብእተፈላለየ መገዲ “ነፍሲ” ወይ “መንፈስ” ተባሂላ እትጽዋዕ ኢያ። ኣካል ክመውት ከሎ እትድሕን ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታ ምንባር ትቕጽል ኢያ ይበሃል። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ከምዚ ዝበለ እምነት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምንጭ ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ጥንቲ እብራውያን ሰባት ብድሕሪ ሞት ክንነብር ኢና ዝብል ተስፋ ከም ዝነበሮም ሓቂ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኣካላቶም ክመውት ከሎ ሓንቲ ዘይትመውት ነፍሲ ክትተርፍ ኢያ ዝብል እምነት ግን ኣይነበሮምን። ብናይ ትንሳኤ ተኣምራት ኣቢሎም ንመጻኢ ኣብ ምድሪ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም ብምትእምማን ዝጥምቱ ዝነበሩ።
እቲ ርእሲ ኣቦታት ኣብርሃም: ሓደ ካብቶም ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ምዉታት ክኸውን እምነት ዝነበሮም ሰባት ብምዃኑ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ። እብራውያን 11:17-19 ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ክስውኦ ዝነበሮ ፍቓድ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ: ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። . . . ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ: ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” ምኽንያቱ ኣምላኽ ይስሃቅ ክስዋእ ኣይደለዮን። ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ዝነበረ (ኣብ ክንዲ ብኡንብኡ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምንባር ዝቕጽሉ) ኣብ መጻኢ ግዜ እንደገና ናብ ህይወት ከም ዝመጹ ዝገልጽ እምነት ብምርግጋጽ ሆሴእ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ ኢድ ሲኦል [ተራ መቓብር ወድሰብ] ኤድሕኖም: ካብ ሞት እብጀዎም።”—ሆሴእ 13:14
ስለዚ እምበኣር: እቲ ሰብ ዘይትመውት ባህርይ ዘለዋ ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሓሳባትን እምነትን ዝኣተወ መዓስ ኢዩ፧ እቲ ኤንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “እቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት ኣብ ኣይሁድነት ዝኣተወ ምናልባት ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ግሪኽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ይኹን እምበር: ውፉያት ኣይሁድ ጌና ክሳዕ ግዜ ክርስቶስ ኣብ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ይኣምኑን ብተስፋ ይጥምቱን ነይሮም ኢዮም። ነዚ ድማ ኣብቲ ማርታ ሓዋ ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ምስኣ ዝገበሮ ዝርርብ ብንጹር ክንርእዮ ንኽእል ኢና:- “ሽዑ ማርታ ንየሱስ፤ ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ: . . . የሱስ ድማ፤ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ: በላ። ማርታ ድማ፤ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ: በለቶ።”—ዮሃንስ 11:21-24
ኵነታት ምዉታት
ኣብዚ እውን እንተዀነ: ብዛዕባ እቲ ነገር ክንግምት ኣየድልየናን ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ንጹር መልሲ: ምዉታት ምንም ስምዒት ወይ ፍልጠት ዘይብሎም ኰይኖም “ደቂሶም:” ዘይሓስቡ ኢዮም ዝብል ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተሓላለኸ: ንኽትርድኦ ብዘሸግር መገዲ ኣይኰነን ተገሊጹ ዘሎ። ነዚ ዝስዕብ ንኽትርድኦ ቀሊል ዝዀነ ጥቕስታት ርአ:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።” (መክብብ 9:5, 10) “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ [“መንፈሱ:” NW ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።”—መዝሙር 146:3, 4
ስለዚ እምበኣር: የሱስ ንሞት ስለምንታይ ከም ድቃስ ገይሩ ከም ዝገለጾ ርዱእ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብ መንጎ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተገብረ ዝርርብ መዝጊብዎ ኣሎ:- “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ: በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፤ ጐይታይ: ደቂሱ እንተ ዀይኑስ: ኪጥዒ እዩ: በልዎ። የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ: ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። ሽዑ የሱስ ብግህዶ፤ ኣልኣዛር ሞይቱ . . . በሎም።”—ዮሃንስ 11:11-14
እቲ ሰብ ብምሉኡ ኢዩ ዝመውት
እቲ ናይ ሞት ኵነታት ነቲ ሰብ ብምሉኡ ዘጠቓልል ድኣምበር: ናይ ኣካል ሙማት ጥራይ ኣይኰነን። ብመሰረት እቲ ንጹር ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት: ሰብ ኣካሉ ክመውት ከሎ እትድሕን ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘይብሉ ክንድምድም ይግብኣና። ቅዱሳት ጽሑፋት ብግልጺ ነፍሲ ክትመውት ከም እትኽእል ኢዮም ዝገልጹ። “እንሆ: ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን: ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ህዝቅኤል 18:4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተን “ዘይትመውት” ወይ “ዘይሙማት” ዝብላ ቃላት ናይ ወድሰብ ባህርይ ምዃነን ዝገልጽ ዋላ ሓደ የለን።
እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ” ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ዘለወን ዘገርም መበቈል ኣመልኪቱ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:- “እታ ነፍሲ እትብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን ነፐስ ክትከውን ከላ: ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ [ሳይ ·ክ ʹ] ኢያ። . . . ነፐስ ካብታ ምናልባት ምስትንፋስ ዝትርጕማ ናይ መጀመርታ ሱር ቃል ዝመጸት ኢያ: ስለዚ ድማ . . . እስትንፋስ ንህያው ካብ ምዉት ዝፈሊ ስለ ዝዀነ ነፐስ ህይወት ወይ እቲ ሰብ ባዕሉ ወይ ውልቃዊ ህይወት ማለት ኢያ። . . . ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ መንጎ ኣካልን ነፍስን ዳይኮቶሚ [ኣብ ክልተ ክፍልታት ምኽፋል ] የለን። ሓደ እስራኤላዊ ንነገራት ብዝርአ ነገር: ብዅልንትናኡ ኢዩ ዝርድኦ ነይሩ: ስለዚ ድማ ንሰብ ከም ሰብ ድኣምበር ከም ናይ ክፍልታት ውህደት ውጽኢት ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ እታ ነፐስ እትብል ስያመ በታ ንሕና እንጥቀመላ ነፍሲ እትብል ቃል ተተረጒማ እንተላ: ነፍሲ ካብ ኣካል ወይ ካብቲ ውልቀ-ሰብ እተፈልየት ኢያ ማለት ግን ፈጺማ ኣይኰነትን። . . . እታ [ሳይ ·ክ ʹ] እትብል ስያመ ድማ ምስ ነፐስ እትሰማማዕ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃል ኢያ። ህይወት ዝፍልፍለሉ ነገር: ህይወት ባዕላ: ወይ እቲ ህይወት ዘለዎ ማለት ክትከውን ትኽእል ኢያ።”
ስለዚ እምበኣር: ኣብ ግዜ ሞት: እቲ ኣቐዲሙ ህያው ዝነበረ ሰብ: ወይ እቲ ህያው ነፍሲ: ካብ ህላወ ከም ዘቋርጽ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣካል ድማ ኣብ መወዳእታ ብምቕባር: ድሓር ከኣ ብምብስባስ ወይ ቀልጢፉ ብሓዊ ብምንዳድ: ናብ “መሬት” ወይ ናብቲ ናይ መሬት ንጥረ ነገራት ይምለስ። የሆዋ ንኣዳም “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ስለዚ እምበኣር: ድሕሪ ሞት ህይወት ክርከብ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ዝኸውን ኣምላኽ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብሕታዊ መዘከርታ ስለ ዘለዎ ኢዩ። የሆዋ ሰባት ንኽፈጥር ተኣምራታዊ ዝዀነ ሓይልን ክእለትን ኣለዎ: ስለዚ ድማ ናይቲ ውልቀ-ሰብ ኣገባብ ናብራ ኣብ መዘከርታኡ ክሕዞ ምኽኣሉ ዘገርም ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ። እወ: እንደገና ብህይወት ንኽነብር ዘለዎ ተስፋ: ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ።
ትርጕም ናይታ ናብ ወሃቢኣ ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም እትምለስ ተዘሪቡላ ዘሎ “መንፈስ” ትርጕም እምበኣር እዚ ኢዩ። ነዚ ውጽኢት እዚ ብምግላጽ እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ናይ መጽሓፍ መክብብ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “መሬት ድማ: ከምቲ ዝነበሮ: ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ: መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ።”—መክብብ 12:7
ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ንሓደ ሰብ ህያው ክገብሮ ዝኽእል። ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ኤደን ምስ ፈጠሮ ከምኡውን ኣብ ኣፍንጫኡ “ትንፋስ ህይወት” ኡፍ ምስ በለሉ: ኣብ ርእሲ እቲ ንሰናቡእ ኣዳም ብኣየር ምምልኡ የሆዋ በቲ ሓይሊ ህይወት ገይሩ ነቶም ኣብ ኣካል ኣዳም ዝነበሩ ኵሎም ዋህዮታት ከም ዝዓዩ ገበሮም። (ዘፍጥረት 2:7) እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ዋላ እኳ ብወለዲ ዝመሓላለፍ እንተዀነ: ብጥንስን ሕርስን ኣቢሉ ናብ ቈልዑ ክሓልፍ ዝኽእል ብምዃኑ ናይ ሰብ ህይወት ብልክዕ ካብ ኣምላኽ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።
ትንሳኤ—ዘሐጕስ እዋን
ትንሳኤ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደገፍ ዘይብሉ እንደገና ብስጋ ምውላድ ዝብል እምነት ክደናገር የብሉን። እንደገና ብስጋ ምውላድ ሓደ ስብ ምስ ሞተ ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ብዙሕ ተኸታታሊ ህላወታት እንደገና ይውለድ ዝብል እምነት ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ሓደ ሰብ ቅድም ዝነበሮ ህይወት ብምውድዳር: ኣብ ዝሓለፈ ህይወቱ ዘመዝገቦ ነገራት ብምምርኳስ: ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ህላወ ወይ ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ህላወ ክነብር ይኽእል ኢዩ ይበሃል። ብመሰረት እዚ እምነት እዚ: ሓደ ሰብ ከም ሰብ ወይ ከም እንስሳ ኰይኑ “እንደገና ይውለድ” ይኸውን። እዚ ድማ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ፈጺሙ ዝጋጮ ኢዩ።
እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ካብታ ቃል ብቓሉ “እንደገና ደው ምባል” ዝትርጕማ ኣ·ና ʹስታ·ሲስ: እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። (ነቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ዝትርጕሙ ኣይሁዳውያን ተርጐምቲ ነታ ኣ·ና ʹስታ·ሲስ እትብል ቃል በተን “ምምላስ ምዉታት” ዝትርጕመን ተኪ·ያት ʹ ሃም·መ ·ቲም ʹ ዝብላ ናይ እብራይስጢ ቃላት ተርጐምወን።) ትንሳኤ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መዘከርታኡ ሒዝዎ ዝነበረ ኣገባብ ናብራ ናይቲ ውልቀ-ሰብ እንደገና ምብርባር ዘጠቓልል ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ነቲ ውልቀ-ሰብ ዘለዎ ድሌት: እቲ ሰብ ሰብኣዊ ኣካል ወይ ድማ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እንደገና ይምለስ፣ ጌና ግን ብሕታዊ መለለይኡ ማለት ልክዕ ከምቲ ክመውት ከሎ ዝነበሮ ባህርይን መዘኻኸሪታትን ሒዙ ኢዩ ዝትንስእ።
እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክልተ ዓይነት ትንሳኤ ይዛረብ ኢዩ። እቲ ሓደ: መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ሰማያዊ ትንሳኤ: ብተዛማዲ ውሑዳት ዝዀኑ ሰባት ዘለውዎ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝበለ ትንሳኤ ኢዩ ረኺቡ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ካብቶም “ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ: . . . ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” ዝበሎም ሃዋርያት ኣትሒዙ: ካብ መንጎ እቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ሕሩያት ሰባት ከምዚ ዝበለ ሰማያዊ ትንሳኤ ክረኽቡ ምዃኖም ኣመልከተ። (ዮሃንስ 14:2, 3) እዚ ትንሳኤ እዚ ብግዜን ደረጃን ቀዳማይ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ኢሉ ይጽውዖ። ቅዱሳት ጽሑፋት እዚኣቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ብምትንሳእ ካህናት ኣምላኽ ከም ዝዀኑ: ከምኡውን ከም ነገስታት ኰይኖም ምስ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝገዝኡ ይገልጾም። (ራእይ 20:6) እዚ “ቐዳማይ ትንሳኤ” እዚ: እተወሰነ ቍጽሪ ንዘለዎም ሰባት ኢዩ: ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ካብቶም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን 144,000 ጥራይ ከም ዝውሰዱ ይገልጽ ኢዩ። ክሳዕ ዝሞቱ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኣብ ምምስካር ንጡፋት ብምዃን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንጽህናኦም ከም ዝሕልዉ ከረጋግጹ ኢዮም።—ራእይ 14:1, 3, 4
ብዘይጥርጥር: ትንሳኤ ምዉታት ነቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝትንስኡ ሰባት እዚ ዘይብሃል ሓጐስ ዝረኽብሉ እዋን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሓጐስ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ምድራዊ ትንሳኤ እውን ከም ዘሎ ተስፋ ተዋሂቡ ኣሎ። እቶም ዝተንስኡ: ነቶም ካብ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝደሓኑ ቍጽሮም ዘይተወሰነ ሰባት ክሓብርዎም ኢዮም። ነቶም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ንሰማያዊ ትንሳኤ ዝበቕዑ ሰባት ድሕሪ ምርኣዩ: ሃዋርያ ዮሃንስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ከም ዘለዉ ዝገልጽ ትርኢት ርኣየ። ሚልዮናት: ምናልባት እውን ቢልዮናት ሰባት: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ህይወት ክምለሱስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ እዋን ኰን ክኸውን ኢዩ!—ራእይ 7:9, 16, 17
መዓስ ኢዩ ክኸውን፧
እቶም ምዉታት ኣብ ሓንቲ ከምዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ማለት ጽልኢ: ምፍሳስ ደም: ብከላ: ከምኡውን ዓመጽ ዘለዋ ምድሪ ዝምለሱ እንተድኣ ኰይኖም: እቲ ዝህሉ ደስታን ሓጐስን ሓጺር ዕድመ ዘለዎ ኢዩ ዝኸውን። ኣይፋሉን: ትንሳኤ ሓንቲ “ሓዳስ ምድሪ” ክሳዕ እትቐውም ክጸንሕ ኢዩ። ነቲ ኣብ ነበርታ ዘምጽእዎ እዚ ዘይብሃል መከራ ኣብ ግምት ከየእተኻ: ካብ እዞም ሎሚ ዘለዉ ንምድርን ነቲ ናይ መጀመርታ ውቃበኣን ንኸበላሽዉ ቈሪጾም እተላዕሉ ሰባትን ማሕበራትን ዝጸረየት ምድሪ እሞ ሕሰብ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 11:18
እቲ ሓፈሻዊ ትንሳኤ ናይ ደቅሰብ ጌና ንመጻኢ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ጌና ግን እቲ ብስራት ዝህልወሉ እዋን ኣዝዩ ርሑቕ ኣይኰነን። ንመወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክጽበ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ “ዓቢ ጸበባ” ሃንደበት ዝጅምረሉ ግዜ ከም ዝቐረበ እኹል መረጋገጺ ኣሎ: እዚ ድማ ኣብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ውግእ:’ ብሰፊሑ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከብቅዕ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3-14, 21 NW፣ ራእይ 16:14, 16) ነቲ ኣብዛ ባህ እተብል ፕላኔት: ምድሪ: ዘሎ ኵሉ እከይ ከኣ ከልግሶ ኢዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክመጽእ ኢዩ: ሽዑ ምድሪ ቀስ እናበለት ናብ ገነት ክትልወጥ ኢያ።
ኣብዚ ሽሓዊ ግዝኣት እዚ ትንሳኤ ምዉታት ከም ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ሽዑ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ናብ ትንሳኤ ህይወት [ከኣ] . . . ኺወጹ እዮም” ኢሉ ዝሃቦ መብጽዓ ክፍጸም ኢዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29
ውጽኢት ተስፋ ትንሳኤ
ተስፋ ትንሳኤ—ምዉታት ናብ ህይወት ዝምለስሉ እዋን—ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ናይ መጻኢ ኰን ኢዩ! ምስ እርጋን: ሕማም: ትጽቢት ዘይተገብሮ መዓትን ህልቂትን ጓህን ከምኡውን ምስ ናይ መዓልታዊ ህይወት ጸቕጥታትን ግድላትን ክንጋጠም ከሎና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘበራትዓና! ብሰንኪ ሞት ንዝመጽእ ቃንዛ ከርሕቕ—እዚ ግን ጓሂ ዘበለ ብሓንሳብ ከልግሶ ዘይኰነስ: ካብቶም ንመጻኢ ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ክፈልየና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ተስፋ ትንሳኤ ዘምጽኦ ምጽንናዕ: በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ኣፍልጦ ሂቡሉ ኣሎ:- “ግናኸ: ኣሕዋተየ: ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ: ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት: የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን አሚንና እንተ ዄንና: ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።”—1 ተሰሎንቄ 4:13, 14
በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ እዮብ እተባህለ ሰብኣይ እተገብረ ትዕዝብቲውን ሓቂ ከም ዝዀነ ድሮ ተገንዚብናዮ ክንከውን ንኽእል ኢና:- “ሰብ ከም ዝበዅቦኸ ነገር: ሓሳኹ ከም ዝበላሸዉዎ ዓለባ ዀይኑ ይጠፍእ። ሰብ ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሃድም: ኣይነብርን ድማ።” (እዮብ 13:28–14:2 ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ነቲ ዘሎ ናይ ህይወት ዘይርጉጽነትን ነቲ “ጊዜን ኣጋጣምን” ኣባና ከውርዶ ዝኽእል ንሕስያ ዘይብሉ ክዉን ነገራትን እውን ንግንዘቦ ኢና። (መክብብ 9:11) ዋላ ሓደ ካባና ነቲ ናይ ሞት ኵነታት ከም ዘይፈትዎ ርግጽ ኢዩ። ጌና ግን: እቲ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ ብናይ ሞት ፍርሂ ንኸይትዕብለል ይሕግዝ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ኣጆኻ ትባዕ! ክንዮ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሞት ድቃስ ሓሊፍካ ናብቲ ብናይ ትንሳኤ ተኣምራት ዝህሉ ምምላስ ጠምት። ናብቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ መወዳእታ ዘይብሉ ተስፋ ህይወት ብተኣማንነት ጠምት: እዚ ከምዚ ዝበለ እተባረኸ ግዜ ዝህልወሉ መጻኢ ርሑቕ ከም ዘይኰነ ብምፍላጥ እውን ንሓጐስካ ወስኸሉ።