ነቶም ግፉዓት ዝኸውን መጸናንዒ
ኣብ ምሉእ ህይወትካ ገለ ቃላት ኣብ ኣርእስተ-ዜናታት ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ከም ውግእ: ገበን: ሓደጋ: ጥሜት: ከምኡውን ስቓይ ዝኣመሰሉ ቃላት ምንባብ ሰልክዩካዶ ኢዩ፧ ኣብ ናይ ዜና ጸብጻባት ፈጺማ ዘይትስማዕ ሓንቲ ቃል ግን ኣላ። ጌና ኸኣ: እዛ ቓል እዚኣ ነቲ ወድሰብ ኣዝዩ ዝደልዮ ነገር እትውክል ኢያ። እታ ቓል “መጸናንዒ” እትብል ኢያ።
“ምጽንናዕ” ማለት: “ብርታዐን ተስፋን ምሃብ” ከምኡውን ናይ ሓደ ሰብ “ጓህን ሽግርን ምህዳእ” ማለት ኢያ። ነቲ ዓለም ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዘሕለፈቶ ኵሉ ህውከት ርኢኻ: ተስፋን ንጓሂኣ ዘህድእ ነገርን ብሓቂ የድልያ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ሎሚ ገሌና ካብቲ ኣባሓጎታትና ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢሎም ዝግምትዎ ዝነበሩ ንላዕሊ ምቾት ነስተማቕር ኢና። እዚ ድማ ብዓብይኡ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ ዘምጽኦ ኢዩ። ይኹን እምበር: ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን: ንዅሉ ጠንቅታት ስቓይ ወድሰብ ብምእላይ ኣየጸናንዑናን። እዞም ጠንቅታት እዚኣቶም እንታይ ኢዮም፧
ብዙሕ ዘበናት ይገብር: እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝነበረ ሰሎሞን: “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይገዝእ” ክብል ከሎ: ብዛዕባ ሓደ መሰረታዊ ዝዀነ ጠንቂ ስቓይ ተዛሪቡ ኢዩ። (መክብብ 8:9 NW ) ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ነቲ ሰብ ንብጻዩ ክገዝእ ናይ ምድላይ ዝንባለኡ ክልውጦ ኣይከኣለን። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: እዚ ናይ ምግዛእ ዝንባለ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ግፍዐኛታት ውልቀ-መለኽቲ: ኣብ መንጎ ሃገራት ድማ ዘርዕድ ውግእ ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ።
ካብ 1914 ኣትሒዙ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ውግእ ሞይቶም ኢዮም። እዚ ኣሃዝ እዚ ዝሕብሮ ሰብኣዊ ጓሂ እሞ ሕሰበሉ—ኣብ ሓዘን ዝርከባ ብሚልዮናት ዝቝጸራ ስድራቤታት መጸናንዒ የድልየን ኢዩ። ከምኡውን ውግእ ብዘይካ ዘስካሕክሕ ሞት ካልእ ዓይነት ስቓይ የስዕብ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ኣብ ኣውሮጳ ልዕሊ 12 ሚልዮን ስደተኛታት ነይሮም ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዝነበረ ናይ ውግእ ከባቢታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ሃዲሞም ኢዮም። እቲ ኣብ ሃገራት ባልካን ዘሎ ውግእ—ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚታት ካብ “ዓሌታዊ ምጽራይ” ንምምላጥ—ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ኣባይቶም ጠንጢኖም ከም ዝሃድሙ ገይርዎም ኢዩ።
ስደተኛታት: ብፍላይ ድማ እቶም ናበይ ከም ዝኸዱ ወይ መጻኢ ግዜ ንዕኦምን ንስድራቤቶምን እንታይ ሒዝሎም ከም ዘሎ ዘይፈልጡ: ብዘይካ እቲ ክስከምዎ ዝኸኣሉ ጥሪት ካልእ ከይሓዙ ካብ ኣባይቶም ክወጹ እተገደዱ ሰባት ብርግጽ መጸናንዒ የድልዮም ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ካብቶም ኣዝዮም መሳኪን ዝዀኑ ግዳያት ግፍዒ ኢዮም፣ እዚኣቶም ምጽንናዕ የድልዮም ኢዩ።
ኣብቲ ዝያዳ ሰላማዊ ክፍልታት ምድሪ ድማ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ቁጠባዊ ኣገባብ ዓለም ባሮት ኰይኖም ኣለዉ። ሓቂ ኢዩ: ገለ ሰባት ኣኽል ታርፍ ስጋዊ ንብረት ኣለዎም። ዝበዝሑ ሰባት ግን: ድራር ዕለቶም ክረኽቡ መዓልታዊ ቃልሲ ኢዮም ዘካይዱ ዘለዉ። ብዙሓት እኹል መንበሪ ኣባይቲ ይደልዩ ኣለዉ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ድማ ስራሕ የብሎምን። ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሕተም ጋዜጣ ከምዚ ብምባል ይንበ:- “ዓለም ናብ ሓደ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ናይ ስእነት ስራሕ ቅልውላው ገጻ ትኸይድ ኣላ: ኣብ 2020 ዓመተ ምሕረት ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዝዀኑ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ኢዮም።” ብርግጽ እቶም ብቑጠባዊ መገዲ እተገፍዑ ሰባት “ብርታዐን ተስፋን”—መጸናንዒ—የድልዮም ኢዩ።
ገሊኣቶም ብሰንኪ እቲ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት: ገበነኛታት ኰይኖም ኢዮም። ሓቂ ኢዩ: እዚ ነቶም ግዳያቶም ዝዀኑ ሰባት መከራ ዝፈጥረሎም ኢዩ: ዝለዓለ መጠን ናይ ገበን ድማ ነቲ ናይ ግፍዒ ኵነታት የግድዶ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓደ ዘ ስታር (እንግሊዝኛ) እተባህለ ናይ ጆሃንስበርግ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ጋዜጣ ዝወጸ ኣርእስቲ ከምዚ ይንበብ:- “ኣብ ታሪኽ ናይታ ‘ካብ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ቅትለት ዝፍጸመላ ሃገር’ ፍልይቲ ዝዀነት መዓልቲ።” እታ ዓንቀጽ ነታ ኣብ ውሽጥን ከባብን ጆሃንስበርግ ዝነበረት ፍልይቲ መዓልቲ ኢያ ገሊጻታ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ኣርባዕተ ሰባት ተቐትሉ: ሾመንተ ሰባት ድማ መካይኖም ተጨውያ። ኣብቲ ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎ ከባቢ ናይቲ ከተማ: ዓሰርተው ሸውዓተ ስርቂ ተመዝገበ። ብተወሳኺ: ብዙሕ ብዕጡቓት እተፈጸመ ስርቂ ነበረ። ብመሰረት እቲ ጋዜጣ: ፖሊስ ነዛ መዓልቲ እዚኣ “ብተዛማዲ ዝተሓተ ገበን እተመዝገበላ” ምዃና ገሊጾም ኢዮም። ኣዝማድ ናይቶም ግዳይ መቕተልቲ ዝዀኑ ሰባት ከምኡውን እቶም ኣደዳ መስበርቲ ገዛን ምጭዋይ መኪናን ዝዀኑ ሰባት: መሪር ግፍዒ በጺሕዎም። ውሕስነትን ተስፋን—መጸናንዒ—የድልዮም ኢዩ።
ኣብ ገሊአን ሃገራት: ደቆም ንምዝርና ዝሸጡ ወለዲ ኣለዉ። “ስጋዊ ርክብ ንምፍጻም” ቱሪስት ዝውሕዙላ ኣብ እስያ እትርከብ ሓንቲ ሃገር: ክልተ ሚልዮን ኣመናዝር ከም ዘለዋ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኢዩ: ብዙሓት ካብኣተን ድማ ብቘልዑተን ከለዋ እተዓደጋ ወይ እተጨውያ ኢየን። ካብዘን መሳኪን ግዳያት እዚኣተን ንላዕሊ እተገፍዐ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ፧ ነዚ ሕሱም ንግዲ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ: ታይም መጽሔት ብዛዕባ እቲ ኣብ 1991 እተገብረ ዋዕላ ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ጸብጻብ ሃበ። ኣብኡ ድማ: “ካብ መፋርቕ 1970ታት ኣትሒዙ ኣብ ምሉእ ዓለም 30 ሚልዮን ደቀ ኣንስትዮ ከም እተሸጣ” ተገልጸ።
ርግጽ ኢዩ: ቈልዑ ግዳያት ዝዀኑ ንምንዝርና ክሽየጡ ከለዉ ጥራይ ኣይኰነን። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ከለዉ ብወለዶምን ኣዝማዶምን ኣካላዊ ማህሰይቲ ይወርዶም ወይ ድማ ብስጋዊ ርክብ እውን ከይተረፈ ይዕመጹ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ቈልዑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስምዒታዊ በሰላ ይስከሙ። ብርግጽ: ዘሕዝኑ ግዳያት ግፍዒ ስለ ዝዀኑ ድማ መጸናንዒ የድልዮም ኢዩ።
ግፍዒ ኣጸቢቑ እተዓዘበ ጥንታዊ ሰብ
ንጉስ ሰሎሞን በቲ ዝረኣዮ ሰብኣዊ ግፍዒ ኣስካሕኪሑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ ተመልከትኩ: እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።”—መክብብ 4:1
እቲ ጥበበኛ ንጉስ 3,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር እኳ እቶም ግፉዓት ዘጸናንዖም ሰብ ኣዝዩ የድልዮም ከም ዝነበረ ካብ ተገንዘበ: ሎሚኸ ድኣ እንታይ ምበለ ነይሩ፧ እንተዀነ ግን: ሰሎሞን ንገዛእ ርእሱ እውን ሓዊሱ እቲ ንወድሰብ ዘድልዮ መጸናንዒ ክህብ ዝኽእል ዘይፍጹም ሰብ ከም ዘየለ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንሓይሊ ናይቶም ገፋዕቲ ዝሰብር ካልእ ኣካል የድሊ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝገብር ኣካል ኣሎዶ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መዝሙር 72 ብዛዕባ ንዅሎም ሰባት ዓቢ መጸናንዒ ዝዀነ ሓደ ኣካል ትዛረብ ኢያ። እታ መዝሙር በቲ ኣቦ ሰሎሞን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት እተጻሕፈት ኢያ። ልዕሊ እታ ቀዳመይቲ ቍጽሪ “ናይ [“ብዛዕባ:” NW ] ሰሎሞን” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ንሓደ ዝፋኑ ዝወርስ ሰብ ኣመልኪቱ ከም ዝጸሓፋ ርዱእ ኢዩ። ብመሰረት እታ መዝሙር: እዚ ኣካል እዚ ካብ ግፍዒ ነባሪ ዕረፍቲ ዘምጽእ ክኸውን ነበሮ። “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: . . . ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።”—መዝሙር 72:7, 8
ዳዊት ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፈን ከሎ: ብዛዕባ ወዱ ሰሎሞን ይሓስብ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰሎሞን ንደቅሰብ ከምቲ ኣብ መዝሙር ተገሊጹ ዘሎ መገዲ ገይርካ ምግልጋል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምዃኑ ተገንዚቡ ኢዩ። ነዘን ናይ መዝሙር ቃላት ንጥቕሚ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዘይኰነስ: ብንኡስ መገዲ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ጥራይ ኢዩ ከውዕለን ዝኽእል ነይሩ። እምበኣር: እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታዊ መዝሙር ንሓደ ካብ ሰሎሞን ዝዓበየ ኣካል ከም ዘመልክት ርግጽ ኢዩ። እቲ ኣካል እቲኸ መን ነበረ፧ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
ሓደ መልኣኽ ምውላድ የሱስ ከበስር ከሎ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ . . . ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ” በለ። (ሉቃስ 1:32) ኣብ ርእሲ እዚ እውን: የሱስ ባዕሉ “ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ” ብምባል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሉቃስ 11:31) የሱስ ካብቲ ኣብ የማን ኣምላኽ ክቕመጥ ዝተንስኣሉ ግዜ ኣትሒዙ: ነቲ ኣብ መዝሙር 72 ዘሎ ቃላት ክፍጽመሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ: ማለት ኣብ ሰማይ ኢዩ ዘሎ። ብተወሳኺ: ኣርዑት ሰብኣውያን ገፋዕቲ ንኽሰብር ካብ ኣምላኽ ሓይልን ስልጣንን ተቐቢሉ ኢዩ። (መዝሙር 2:7-9፣ ዳንኤል 2:44) ስለዚ ነቲ ኣብ መዝሙር 72 ዘሎ ቃላት ዝፍጽሞ ኣካል የሱስ ኢዩ።
ግፍዒ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክውዳእ ኢዩ
እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ካብ ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግፍዕታት ሓራ ዝገብር ናጽነት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክዉን ክኸውን ኢዩ: ማለት ኢዩ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እተራእየ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስቓይን ግፍዕን: ከም ክፍሊ ናይቲ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ዝሕብር ምልክት ገይሩ የሱስ ኣቐዲሙ ተዛሪቡሉ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3 NW ) ካብ መንጎ እቲ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ነገራት “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ” ዝብል ነበረ። (ማቴዎስ 24:7) እዚ ክፍሊ ናይቲ ትንቢት ዝዀነ ነገር: ዳርጋ ካብቲ ብ1914 እተባርዐ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ክፍጸም ጸኒሑ ኢዩ። የሱስ ወሲኹ “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ: ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” በለ። (ማቴዎስ 24:12) ዓመጻን ፍቕሪ ዘይምህላውን: እኩይን ግፍዐኛን ወለዶ ኣፍርዩ ኢዩ። ስለዚ: የሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሪ ሓድሽ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን ኢዱ ዘእትወሉ ግዜ ግድን ቀሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:32-34) እዝስ ነቶም ኣብ የሱስ እምነት ዘለዎምን ንደቅሰብ መጸናንዒ ክኸውን ብመለኮታዊ መገዲ ከም እተሾመ ገይሮም ዝጽበይዎን ግፉዓት ሰባት እንታይ ትርጕም ክህልዎ ኢዩ፧
ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ምእንቲ ክንረኽበሉ: ንገለ ካብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ናይ መዝሙር 72 ተወሳኺ ቃላት ነንብብ:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።” (መዝሙር 72:12-14) ስለዚ እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ: ብሰንኪ ግፍዒ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይሳቐ ክገብር ኢዩ። ንዅሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት መወዳእታ ክገብረሉ ሓይሊ ኣለዎ።
ሓደ ሰብ ‘እዝስ ባህ ዘብል ይመስል: ይኹን እምበር ሕጂኸ ከመይ ይኹን፧ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትከ እንታይ መጸናንዒ ኣሎ፧’ ክብል ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ: ነቶም ግፉዓት ዝኸውን መጸናንዒ ኣሎ። ኣብዚ መጽሔት እዚ ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ዓንቀጻት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ፍቑር ወዱ የሱስ ክርስቶስን ጽኑዕ ርክብ ብምዅስኳስ ድሮ ብኸመይ ምጽንናዕ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ክገልጻ ኢየን። ከምዚ ዝበለ ርክብ ኣብዚ ግፍዒ ዝመልኦ እዋን ከጸናንዓና: ንሓደ ሰብ ድማ ካብ ግፍዒ ናጻ ናብ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሖ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ብጸሎት ገይሩ ንኣምላኽ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በሎ።—ዮሃንስ 17:3
[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]
ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ሰብ ንኻልእ ሰብ ኣይገፍዕን ኢዩ