ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተማህሩ
“ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ።”—መዝሙር 143:10
1, 2. (ሀ) መዓስ ኢና ክንማሃር ዘሎና: ከመይ ዝበለ ጭቡጥ ተስፋ ብምሓዝከ፧ (ለ) ብየሆዋ እተማህረካ ምዃን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ሓደ ሰብ ብህይወት ኣብ ዘለወሉን ንጡፍ ድማ ኣብ ዝዀነሉን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ቁም ነገር ዘለዎ ገለ ነገር ክማሃር ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ኣባኻን ኣብ ካልኦትን ሓቂ ኢዩ። ኣብ ግዜ ሞት ግን እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትማሃር ወይ ኣብቲ ኵነታት እቲ ኴንካ ክትፈልጥ ኣይክኣልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢዩ ዝብል። ኣብቲ ተራ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ፍልጠት የልቦን። (መክብብ 9:5, 10) እዚ ግን ምምሃርናን ፍልጠት ምድላብናን ከንቱ ኢዩ ማለት ድዩ፧ እዚ ኣብ ዓይነት ናይቲ እንማሃሮ ነገርን ኣብ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝረኸብናዮ ፍልጠትን እተምርኰስ ኢዩ።
2 ዓለማዊ ነገራት ጥራይ እንተድኣ ተማሂርና: ነባሪ ዝዀነ መጻኢ የብልናን። እቲ ዘሐጕስ ግን: ኣብ ኵለን ሃገራት ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ብምሓዝ መለኮታዊ ፍቓድ ይማሃሩ ኣለዉ። ናይዚ ተስፋ እዚ መሰረት: በቲ ምንጪ ናይቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ዝዀነ የሆዋ እተማሃርካ ኣብ ምዃን እተመርኰሰ ኢዩ።—መዝሙር 94:9-12
3. (ሀ) ናይ መጀመርታ ተማሃራይ ኣምላኽ የሱስ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰባት ብየሆዋ እተማህሩ ክዀኑ ምዃኖም እንታይ መረጋገጺ ኣሎና: ምስ እንታይ ፍረኸ፧
3 እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ: ከም ናይ መጀመርታ ተማሃራዩ መጠን: ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ኢዩ ተማሂሩ። (ምሳሌ 8:22-30፣ ዮሃንስ 8:28) የሱስ ድማ ብግዲኡ: ኣእላፋት ሰባት ካብ ኣቦኡ ክማሃሩ ምዃኖም ሓቢሩ ኢዩ። እቶም ካብ ኣምላኽ እተማሃርና ሰባት እንጽበዮ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ የሱስ ከምዚ በለ:- ‘ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። እቲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።’—ዮሃንስ 6:45-47
4. ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በቲ መለኮታዊ ትምህርቲ እተተንከፉ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ ተስፋታትከ ኢዩ ዘለዎም፧
4 የሱስ ካብቲ ነታ ምሳልያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ: ሰማያዊት ጽዮን: ኣመልኪቱ እተዘርበ ኢሳይያስ 54:13 ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብቶም ደቃ: ብመንፈስ እተወልዱ 144,000 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ፍሉይ ኣወዓዕላ ኣለዎ። ሎሚ ናይዞም መንፈሳውያን ውሉዳት ተረፍ ዝዀኑ ሰባት: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም መሪሕነት ብምውሳድ ንጡፋት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ነቲ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ዘቝሙ ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ የሆዋ እተማህሩ ብምዃን ይጥቀሙ ኣለዉ። ነቲ ናይ ትምህርቲ መስርሕ ሞት ከይዓናቐጾ ናይ ምምሃር ፍሉይ ተስፋ ኣለዎም። ብኸመይ፧ ካብቲ እናቐረብ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ክድሕኑን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ከስተማቕሩን ኢዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።—ራእይ 7:9, 10, 13-17
ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝዓበየ ኣተኵሮ ምግባር
5. (ሀ) ናይ 1997 ናይ ዓመት ጥቕሲ እንታይ ኢያ፧ (ለ) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዛዕባ ምክፋልከ ከመይ ኢዩ ክስምዓና ዘለዎ፧
5 ኣብ 1997 ኣብተን ልዕሊ 80,000 ዝዀና ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነተን “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ዝብላ ናይ መዝሙር 143:10 ቃላት ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝወን ኢዮም። እዚኣ ድማ ን1997 ናይ ዓመት ጥቕሲ ክትከውን ኢያ። እዘን ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ብግልጺ ዝርኣያ ቃላት: መለኮታዊ ትምህርቲ ንምርካብ ብሉጽ ቦታ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምዃኑ ንምዝኽኻር ክጠቕማ ኢየን: ኣብዚ ቦታ እዚ ድማ ኣብ ሓደ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ክንካፈል ንኽእል ኢና። በቲ ዝዓበየ መምህርና ምእንቲ ክንማሃር ኣብ ኣኼባታት ምስ ኣሕዋትና ክንሓብር ከሎና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ክስማዓና ይኽእል ኢዩ:- “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ: ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ።”—መዝሙር 122:1፣ ኢሳይያስ 30:20
6. በቲ ናይ ዳዊት ቃላት ገይርና እንታይ ኣፍልጦ ኢና እንህብ፧
6 እወ: ፍቓድ ናይቲ ጸላኢና ዝዀነ ድያብሎስ ወይ ፍቓድ ናይቶም ዘይፍጹማት ዝዀኑ ደቅሰብ ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ክንማሃር ኢና እንብህግ። ስለዚ: ከም ዳዊት ነቲ እነምልኾን እነገልግሎን ኣምላኽ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: . . . ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ” ብምባል ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። (መዝሙር 143:10) ዳዊት ምስቶም ሓሰውቲ ሰባት ክሓብር ኣብ ክንዲ ዝደሊ: ኣብቲ ኣምልኾ የሆዋ ዝካየደሉ ቦታ ክኸውን ኢዩ መሪጹ። (መዝሙር 26:4-6) ዳዊት መንፈስ ኣምላኽ ንስጕምትታቱ እናቃንዓሉ: ኣብቲ መገዲ ጽድቂ ክኸይድ ክኢሉ ኢዩ።—መዝሙር 17:5፣ 23:3
7. መንፈስ ኣምላኽ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ፧
7 እቲ ዝዓበየ ዳዊት: የሱስ ክርስቶስ: መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ክምህሮምን እቲ የሱስ ዝነገሮም ዘበለ ድማ ከዘክሮምን ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ኣረጋጊጽሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 14:26) የሆዋ ካብ ጴንጠቆስጠ ንነጀው ነቲ ኣብቲ እተጻሕፈ ቃሉ ዘሎ “መዓሙቝ ኣምላኽ” በብደረጅኡ ክገልጾ ጸኒሑ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:10-13) እዚ ድማ በቲ የሱስ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” (NW) ኢሉ ዝሰመዮ ዝርአ መትረብ ኣቢሉ ኢዩ ክግበር ጸኒሑ። ኣብቲ ነተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝቐርብ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዝውሰድ መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ ዘዳሉ።—ማቴዎስ 24:45-47
ኣብ ኣኼባታትና ፍቓድ የሆዋ እተማሃርና
8. ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ተሳታፍነት ክህልወካ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
8 እቲ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝውሰድ መጽናዕቲ ምስ ኣወዓዕላ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ኢዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ነቲ ናይ ህይወት ጭንቀታት ብዓወት ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብቲ ካልእ ትምህርትታት ከኣ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ወይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይውሰድ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ትምህርትታት ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንማሃር! ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዚ ኣኼባታት እዚ ክውሰድ ከሎ ኣደራሻት መንግስቲ ክሳዕ ኣፉ ኢዩ ቅጽጽ ዝብል። ኣብ ብዝሕ ዝበላ ሃገራት ግን: ቍጽሪ ተኣከብቲ ይንኪ ኣሎ። ስለምንታይ ኰን ይኸውን ኢልካ ትሓስብ፧ ገሊኦም ነቲ ስርዓታዊ ኴንካ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ኢልካ ዝግበር ምእካብ ዓለማዊ ስራሕ ከተዓናቕጾ ብምፍቃዶምዶ ይኸውን፧ ወይስ ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ንምክፋል እቲ መደብ እተጻበበ መሲሉ ከም ዝርአ ብምግባር: ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ወይ ተሌቪዥን ኣብ ምርኣይ ብዙሕ ሰዓታት ይሓልፍ ስለ ዘሎዶ ዀን ይኸውን፧ ነቲ ኣብ እብራውያን 10:23-25 ዝርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ትእዛዝ ዘክሮ። ሎሚ ‘እታ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ ንርእየሉ’ ኣብ ዘሎና እዋን: መለኮታዊ ትምህርቲ ንምርካብ ብሓንሳእ ምእካብ ዝያዳ ኣገዳሲዶ ኣይኰነን፧
9. (ሀ) ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንኣገልግሎት ዕጡቓት ክገብረና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ምስክርነት ምሃብ ኣረኣእያና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
9 ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሓላፍነትና ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ምዕያይ ኢዩ። ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ነዚ ዕዮ እዚ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከመይ ገይርና ክንፍጽሞ ከም እንኽእል ንኽምህረና እተዳለወ ኢዩ። ከመይ ገይርና ንሰባት ከም እንቐርቦም: እንታይ ከም እንብል: ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምስ እንረክብ ብኸመይ ከም እንምልስ: ከምኡውን ሰባት ንመልእኽትና ምስ ዝነጽግዎ እውን ከይተረፈ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኢና እንማሃር። (ሉቃስ 10:1-11) ኣብዚ ሰሙናዊ ኣኼባ እዚ ኣስላጢ ኣገባባት ክዝረበሉን መርኣያታት ክቐርብን ከሎ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መገዲ: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታታት: ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ: ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት: ወይ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት ክንሰብኽ ከሎና: ንሰባት ንምምሃር ብዝሓሸ መገዲ ንዳሎ ኢና። ምስቲ “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ዝብል ልመናና ብምስምማዕ: ከምቲ ጐይታና “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ብምባል ዘተባብዓና ንኽንገብር ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ክንጥቅመሉ ክንደሊ ኢና።—ማቴዎስ 5:16
10. ነቶም ‘ብቑዓት’ ብሓቂ ክንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኻልኦት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክንገብሮም እውን ንማሃር ኢና። ሓንሳእ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምስ ረኸብና ወይ ጽሑፍ ምስ ዓደልና: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ዕላማና ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ኢዩ። እዚ: ምስቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዝኣዘዞም ምእንቲ ክምህሩ ኢሎም ምስቶም ‘ብቑዓት ዝቕመጡ’ ዝነበሩ ዝመሳሰል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:11፣ 28:19, 20) ከም እኒ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ዝኣመሰለ ብሉጽ ሓገዛት ስለ ዘሎና: ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም ብሓቂ ኣደልዲልና እተዓጠቕና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 4:5) ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ክትካፈል ከሎኻ: ሓደ ካብቶም ፍቓዱ ብምፍጻም እኹል ብቕዓት ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃን ቅቡል ዝገብረካ ሓጋዚ ነጥብታት ክትርድኦን ድሕሪኡ ድማ ክትጥቀመሉን ጽዓር።—2 ቈረንቶስ 3:3, 5፣ 4:1, 2
11. ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዝርከብ ቃላት ዘለዎም እምነት ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧
11 ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ’ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) ‘እቲ ዓለማዊ ስርሐይ [ወይ ብናይ መርዓ ብጸይተይ/ብጻየይ] ዝቐርበለይ ጠለባት ኣብ ኣኼባ ንምክፋል ዝዓናቕጽ እንተድኣ ኰይኑ ነዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ኣብ ተግባር መውዓልክዎ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ብዙሓት ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንሓለፍቶም ክዛረብዎም ስጕምቲ ይወስዱ ኢዮም። ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእንቲ ክትካፈል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ካብ ስራሕ እተዕርፈሉ ግዜ ከም ዘድልያ ንሓላፊኣ ኣፍለጠቶ። ነቲ ሕቶኣ ድማ ተቐበሎ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣኼባታት እንታይ ከም ዝግበር ክፈልጥ ብምህንጣዩ ክካፈል ሓተታ። ኣብቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ንዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነግር ምልክታ ሰምዐ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ሓላፊኣ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ሓንቲ መዓልቲ ብምልእታ ከሕልፍ መደበ። ካብዚ ኣብነት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኢኻ እትረክብ፧
ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዲ ፍቓድ የሆዋ እተማህሩ
12. ቈልዑ ፍቓድ የሆዋ ምእንቲ ክማሃሩ: ክርስትያናት ወለዲ ብትዕግስትን ጽንዓትን ክገብርዎ ዘለዎም እንታይ ኢዩ፧
12 ይኹን እምበር: ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ምግባር እተማሃርና ንምዃን እተገብረ ምድላዋት ናይ ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ጥራይ ኣይኰነን። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ከለማምዱ: ክቐጽዑ: ከምኡውን ንየሆዋ ዝውድሱን ፍቓዱ ዝፍጽሙን ገይሮም ከዕብይዎም ተኣዚዞም ኢዮም። (መዝሙር 148:12, 13፣ ምሳሌ 22:6, 15) ከምዚ ምግባር ነቶም ‘ቘልዑ’ ናብቲ ‘ክሰምዕሉን ክማሃርሉን’ ዝኽእሉ ኣኼባታት ምውሳድ ዝሓትት ኢዩ: ይኹን እምበር: ብዛዕባ ኣብ ቤት ቅዱሳት ጽሑፋት ምምሃሮምከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ (ዘዳግም 31:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15) ብዙሓት ስድራቤታት ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ብጥንቃቐ መደባት ይገብራ: ጸኒሐን ግን ስርዓታዊ ካብ ምግባሩ ዝሒለን ወይ ድማ ኣቋሪጸንኦ ኢየን። ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ኣሕሊፍካዶ፧ ከምዚ ዝበለ ስርዓታዊ መጽናዕቲ ክህልወካ ዝነግር ትእዛዝ ዘይቅኑዕ ወይ ስድራቤትካ ኣዝያ እተፈልየት ብምዃና ኣብ ኵነታታ ከም ዘይሰርሕ ገይርካዶ ምደምደምካ፧ እቲ ኵነታት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ኣቱም ወለዲ በጃኻትኩም ነቲ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻና” ከምኡውን “ናይ ዘይምሕላል ዓስቢ” ዝብል ሰናይ ዓንቀጻት ድገምዎ።
13. ስድራቤታት ዕለት ጥቕሲ ብምንባበን ክጥቀማ ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧
13 ስድራቤታት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ምምርማር ዘሎ ዕለት ጥቕሲ ናይ ምንባብ ልምዲ ክህልዎም ይተባብዑ ኢዮም። ነቲ ጥቕስን ሓሳባቱን ምንባብ ጽቡቕ ኢዩ: በቲ ጥቕሲ ምምይያጥን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ግን ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ። ንኣብነት: ኤፌሶን 5:15-17 የንብቡ እንተድኣ ኣልዮም: ኣባላት ስድራቤት ንብሕታዊ መጽናዕቲ: ኣብ ገለ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምክፋል: ከምኡውን ንኻልእ ቲኦክራሲያዊ ዕዮታት ንምክያድ ዝጠቅም ‘ምቹእ ግዜ ዝዕድጉ’ ብኸመይ ምዃኑ ሓሳባት ክህብሉ ይኽእሉ ኢዮም። እወ: ስድራቤት ብሓባር ኰይኖም ዕለት ጥቕሲ ምስ ዝመያየጥሉ ንሓደ ካብቶም ስድራ ወይ ንብዝሕ ዝበሉ ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ [ዝያዳ መሊኦም ከም] ዘስተውዕሉ’ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ።
14. ዘዳግም 6:6, 7 ወለዲ እንታይ ዓይነት መማህራን ክዀኑ ከም ዘለዎም ኢያ እትሕብር: እዚኸ እንታይ ዝሓትት ኢዩ፧
14 ወለዲ ናይ ደቆም ትጉሃት መማህራን ክዀኑ ይግብኦም። (ዘዳግም 6:6, 7) እዚ ግን ስቕ ኢሎም ንደቆም ብቐሊሉ ተግሳጽ ወይ ትእዛዝ ናይ ምሃብ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። ኣቦን ኣደን ጽን በሃልቲ እውን ክዀኑ የድልዮም ኢዩ: በዚ መገዲ እዚ ኣየናይ ነገር ክግለጽ: ክንጸር: ብኣብነት ክበርህ: ወይ ክድገም ከም ዘድሊ ብዝሓሸ ክፈልጡ ይኽእሉ። ኣብ ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራቤት: ደቆም ብዛዕባ ዘይተረድእዎ ወይ ዘሻቕሎም ነገር ሕቶታት ክሓቱ ብምትብባዕ እቶም ወለዲ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝህሉ ገይሮም ኢዮም። በዚ ኸኣ ሓደ ኮተቴ ወዶም የሆዋ መጀመርታ የብሉን ንዝብል ሓሳብ ክርድኦ ጸገም ከም ዝነበሮ ፈለጡ። እቶም ወለዲ ነቲ ግዜን ህዋን መወዳእታ ከም ዘይብሎም ቅቡል ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ዝርከብ ሓበሬታ ክጥቀሙ ክኢሎም ኢዮም። እዚ ሓበሬታ እዚ ነታ ነጥቢ ንምብራህ ጠቐመ: ንወዶም ድማ ኣዕገቦ። ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣዝዩ ዘዕግብ ክኸውን ከም ዝኽእል ንኽርድኡ ብምሕጋዝ: ነቲ ደቅኻ ዘቕርብዎ ሕቶታት ብንጹርን ብቕዱሳት ጽሑፋትን ገይርካ ንምምላስ ግዜ ውሰድ። ህዝቢ ኣምላኽ—ንኣሽቱን ዓበይትን—ሎሚ ዝማሃርዎ ዘለዉ ካልእ ነገር እንታይ ኢዩ፧
ንኽፋቐሩን ክቃለሱን እተማህሩ
15. ሓቅነት ሕውነታዊ ፍቕርና ክፍተን ዝኽእል መዓስ ኢዩ፧
15 ምስቲ ናይ የሱስ ሓድሽ ትእዛዝ ብምስምማዕ: ‘ንሓድሕድና ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተማሂርና ኢና።’ (1 ተሰሎንቄ 4:9) ነገራት ቅሳነት ዘለዎን ጽቡቕን ክኸውን ከሎ: ንዅሎም ኣሕዋትና ከም እነፍቅሮም ይስማዓና ይኸውን። እንተዀነ ግን: ብሕታዊ ፍልልያት ምስ ዘጋጥም ወይ ካልእ ክርስትያን ሓውና ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ምስ ዘዀርየና ከመይ ይኹን፧ ኣብዚ እዋን እዚ ሓቅነት ፍቕርና ኣብ ፈተና ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 8:8 ኣረኣእዮ።) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝምህረና፧ ሓደ ካብቲ ክግበር ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ፍቕሪ ንኸነርኢ ምጽዓር ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:8) ናይ ብሕትና ረብሓታት ጥራይ ብምጥማት ብንኣሽቱ ጕድለታት ኣብ ክንዲ እንሓርቕ ወይ ዝወረደና ጕድኣት እንጽብጽብ: ፍቕሪ ንብዝሒ ሓጢኣት ክትከድኖ ከነፍቅድላ ኢልና ክንዓዪ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 13:5) እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና: ከመይሲ ቃሉ ዝምህሮ እዚ ኢዩ።
16. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ኣየናይ ዓይነት ውግእ ክሳተፉ ኢዮም ዝማሃሩ፧ (ለ) ዕጡቓት እንኸውን ብኸመይ ኢና፧
16 ብዙሓት ሰባት ፍቕርን ውግእን ዘየተሓሕዝዎ እኳ እንተዀኑ: ውግእ ገለ ካብቲ እንማሃሮ ዘሎና ነገራት ኢዩ: ግናኸ እተፈልየ ዓይነት ውግእ ኢዩ። ዳዊት ኣብቲ ግዜኡ ዝነበረ ውግእ ኣንጻር ጸላእቲ እስራኤላውያን ዝግበር ስጋዊ ቃልሲ ዘጠቓለለ እኳ እንተ ነበረ: ውግእ ከመይ ገይርካ ከም ዝካየድ ምእንቲ ክምህሮ ኣብ የሆዋ እተመርኰሰ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 17:45-51፣ 19:8፣ 1 ነገስት 5:3፣ መዝሙር 144:1) ብዛዕባ እቲ ሎሚ እነካይዶ ቃልሲኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣጽዋርና ስጋዊ ኣይኰነን። (2 ቈረንቶስ 10:4) ቃልስና መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንዕጠቕ ዝሓተና መንፈሳዊ ቃልሲ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:10-13) የሆዋ ብቓሉን በቶም እተመሓደሩ ህዝቡን ኣቢሉ ዕዉት መንፈሳዊ ቃልሲ ከነካይድ ይምህረና ኢዩ።
17. (ሀ) ድያብሎስ ካብ መገድና ምእንቲ ከውጽኣና እንታይ ሜላታት ኢዩ ዝጥቀም፧ (ለ) ብጥበብ ከነርሕቖ ዘሎና ነገራት እንታይ ኢዩ፧
17 ድያብሎስ ናብቲ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ንኸዝብለና ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ መታለልን ሰላሕታውን ብዝዀነ መገድታት ገይሩ መብዛሕትኡ ግዜ ዓለማዊ ፈተናታት: ከሓድቲ: ከምኡውን ካልኦት ተጻረርቲ ናይቲ ሓቂ ኢዩ ዝጥቀም። (1 ጢሞቴዎስ 6:3-5, 11፣ ቲቶስ 3:9-11) ቀጥታውን ናይ ገጽ ንገጽን መጥቃዕቲ ገይሩ ክዕወት ሒደት ዕድል ከም ዘለዎ እተረድአ ኢዩ ዝመስል: ስለዚ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ቁም ነገር ዘይብሉ ቀጻሊ ምዕዝምዛምናን ዕሽነታዊ ምጥርጣርናን ከም እንገልጾ ብምግባር ክዕንቅፈና ኢዩ ዝፍትን። ከም ጥንቁቓት ተዋጋእቲ መጠን: ልክዕ ከምቲ ንቐጥታዊ መጥቃዕቲ እነርእዮ ከምኡ ድማ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሓደጋታት ትኵራት ክንከውን ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 1:3, 4
18. ድሕሪ ደጊም ንርእስና ዘይምንባር ብሓቂ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
18 ንባህጊ ሰባትን ድሌት ሃገራትን ኣልዕል ኣቢልና ኣይንርእን ኢና። የሆዋ በቲ ናይ የሱስ ኣብነት ገይሩ: ልክዕ በቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ክንዕጠቕን ንፍቓድ ኣምላኽ ኢልና ድማ ክንነብርን ድኣምበር ድሕሪ ደጊም ንርእስና ኢልና ክንነብር ከም ዘይግብኣና ምሂሩና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ቅድሚ ሕጂ: ክቡር ዝዀነ ግዜ ብምብኻን ኣዝዩ ቅጥዒ ዘይብሉ: ዝሩግ ናብራ ህይወት ነሕልፍ ነይርና ንኸውን። እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ብዕብዳን: ብስኽራን: ብዘይስነ-ምግባራውነት እተፈልጠት ኢያ። ሕጂ ግን ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ንማሃር ኣሎና: ካብዛ ብልሽውቲ ዓለም ብምፍላይናስ ኣይነመስግንንዶ፧ ስለዚ ኣብቲ ዘርክስ ዓለማዊ ተግባራት ካብ ምእታው ምእንቲ ክንርሕቕ ብርቱዕ መንፈሳዊ ቃልሲ ነካይድ።—1 ጴጥሮስ 4:1-3
ንጥቕምና ኢሉ ይምህረና
19. ፍቓድ የሆዋ እተማሃርካ ምዃንን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን እንታይ ጥቕምታት ኢዩ ዘምጽእ፧
19 ፍቓዱ ምእንቲ ክንገብር ኢልና ብየሆዋ ምምሃር ብዙሕ ዝጠቕመና ምዃኑ ምፍላጥ ህጹጽ ጕዳይ ኢዩ። ንኽንማሃር: ድሕሪኡ ድማ ነቲ ብወዱን ብቓሉን በቶም እተመሓደሩ ህዝቡን ኣቢሉ ዝመጽእ መመርሒታት ምእንቲ ክንስዕብ: ጥንቁቕ ቈላሕታ ብምግባር ግዴና ክንፍጽም ከም ዝግብኣና ርዱእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18፣ እብራውያን 2:1) ከምዚ ብምግባር: ኣብዚ ቀዛፊ ዝዀነ እዋን ጸኒዕና ደው ክንብል: ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ማዕበል ድማ ክንድሕን ኢና። (ማቴዎስ 7:24-27) ሕጂ እውን ከይተረፈ: ፍቓዱ ብምግባር ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኢና: ጸሎትና ከም እተመለሰ ድማ ከነረጋግጽ ኢና። (ዮሃንስ 9:31፣ 1 ዮሃንስ 3:22) ናይ ሓቂ ሓጐስ ከኣ ከነስተማቕር ኢና።—ዮሃንስ 13:17
20. ኣብ ዓመት 1997 ነታ ናይ ዓመት ጥቕሲ ክትርእያ ከሎኻ ብዛዕባ እንታይ ከተስተንትን ኢዩ ጽቡቕ ዝኸውን፧
20 ኣብ ዓመት 1997 ነታ “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” እትብል ኣብ መዝሙር 143:10 እትርከብ ናይ ዓመት ጥቕሲ ከነንብባን ክንሓስበላን ቀጻሊ ኣጋጣሚ ክህልወና ኢዩ። ከምዚ ክንገብር ከሎና: ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ነቲ ኣምላኽ እተማህሩ ምእንቲ ክንከውን ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ንምስትንታን ንገለ ካብቲ ኣጋጣሚታት ንጠቐመሉ። “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር” ምዃኑ ብምፍላጥ: ንኸምዚ ዝበለ ምስትንታን ናይቲ ቃላት: ምስዚ ልመና እዚ ተሰማሚዕና ምእንቲ ክንመላለስ ከም መበራበሪ ንጠቐመሉ።—1 ዮሃንስ 2:17
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተማህሩ መን ኢዮም፧
◻ ኣብ ዓመት 1997 መዝሙር 143:10 ብኸመይ ኢያ ክትንክፈና ዘለዋ፧
◻ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ብኸመይ ኢና እንማሃር ዘሎና፧
◻ ንደቆም ክምህሩ ከለዉ ካብ ክርስትያን ወለዲ ዝድለ እንታይ ኢዩ፧