ምስፍሕፋሕ ጥሩፍነት
ጥሩፍነት—ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት: ኣብ ውሽጢ ፕሮተስታንት ዝግበር ናይ ውሑዳት ምንቅስቓስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተለዊጡ! ብሩስ ቢ. ላውረንስ እተባህለ ብዛዕባ ሃይማኖት ርእይቶ ዝህብ ሰብ: ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ጥሩፍነትa ኣገዳስን ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስትን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲን ክኸውን ኢዩ ኢሎም ዝሓስቡ ዝነበሩ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም ነይሮም ኢሉ ጸሓፈ።
እንተዀነ ግን: ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቐንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ብዛዕባ ጐነጽ ዘለዎ ናይ ጐደና ኣድማታት: ቅትለት: ናይ ጸረ ምንጻል ጥንሲ ምንቅስቓሳት: ብድፍኢት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ዝግበር ፖለቲካዊ ምጥውዋያት: ከምኡውን ሕማቕ ዝበሃል መጻሕፍቲ ብቓልዕ ንምቅጻል ዝገልጽ ጸብጻባት ኣብ ጋዜጣ ምውጽኡ ብቐጻሊ ንተግባራት ጥሩፋት ዘዘኻኽር ኢዩ። ናይ ኢጣልያ ሞንዶ ኤኮኖሚኮ እተባህለ ሰሙናዊ ፋይናንሳዊ ጋዜጣ: ጥሩፍነት ኣብ ኵሉ ቦታታት “ብስም ኣምላኽ መጥቃዕቲ የውርድ ኣሎ” ብምባል ገለጸ።
ጥሩፋት መብዛሕትኡ ግዜ ሕሉፋትን ደረቓትን: ምንጪ ናይ ምትንዃላትን ራዕዲ ንምፍጣር መጥቃዕቲ ዝፍጽሙን ገይርካ ኢዮም ዝርኣዩ። ሰባት ከም እኒ ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ዘሎ ኮሙንዮና ኤ ሊቤራዝዮና: ኣብ ኣይሁድነት ዘሎ ጉሽ ኢሙኒም: ኣብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ፕሮተስታንት ዘሎ ክርስችያን ኮአሊሽን ዝኣመሰለ ጕጅለታት እናዓበዩ ምኻዶም ኣጨኒቕዎም ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ጥሩፍነት ዘስፋሕፍሕ ዘሎ፧ እንታይ ኢዩ ዘለዓዕሎ ዘሎ፧ ምናልባት ከምቲ ዢል ካፔል እተባህለ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዘጽንዕ ፈረንሳዊ “ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ሕነ” ብምባል ዝገለጾ ክኸውን ይኽእልዶ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓደ ጥሩፍ ዝበሃል ሰብ ኣብ ልምዳውን: ሃይማኖታውን ወግዕታት ተሪር ዝዀነ እምነት ዘለዎ ኢዩ። ትርጕም ናይ “ጥሩፍነት” ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ዝያዳ ምይይጥ ክግበረሉ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Nina Berman/Sipa Press