ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 25-28
  • ንኻልኦት ንኽትኣምን ትፈርህዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልኦት ንኽትኣምን ትፈርህዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ፍርሂ ምርድኡ
  • እቲ ሓጹር ክፈርስ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ኣብ ስድራቤትካ እምነት ግበር
  • ኣብታ ጉባኤ እምነት ግበር
  • እምነት ክግበሮ ዝኽእል ርክብ
  • ንኣሕዋትካ እመኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • እሙን ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብግዜ ጸበባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 25-28

ንኻልኦት ንኽትኣምን ትፈርህዶ ኢኻ፧

‘ክዛረቦ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ሰባት ኣይርድኡኻን ኢዮም። ብናይ ገዛእ ርእሶም ሽግራት ኣዝዮም ትሑዛት ኢዮም። ንዓይ ዝኸውን ግዜ የብሎምን።’ ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኣለዎም: ስለዚ ኸኣ ሓሳባቶም ዓቢጦም ስቕ ይብሉ። ካልኦት ሰባት ከመይ ከም ዘለዉ ክሓትዎም ከለዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ኵነታቶም ክነግርዎም ይደልዩ: ግን ኣይገብርዎን። ናጻ ኰይኖም ሓሳባቶም ክገልጹ ኣይክእሉን።

ልክዕ ኢዩ: ካብ ካልኦት ሓገዝ ዘይደልዩ ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ኣጸቢቖም ሓገዝ ይደልዩ ኢዮም: እቲ ኣዝዩ ብሕታዊ ዝዀነ ሓሳባቶም: ስምዒታቶም: ከምኡውን ተመክሮታቶም ክገልጹ ግን ይፈርሁ። ሓደ ካብዚኣቶም ዲኻ፧ ብሓቂ ክትኣምኖ እትኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን ድዩ፧

ነቲ ፍርሂ ምርድኡ

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንኻልኦት ናይ ዘይምእማን ሃዋሁ ኢዩ ዘሎ። መንእሰያት ንወለዶም ኣይዛረብዎምን ኢዮም። ወለዲ ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ኣይክእሉን ኢዮም። ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ክዛረብዎም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ውሑዳት ኢዮም። ገሊኣቶም ኣብ ካልኦት ክውከሉ ብዘይምኽኣሎም ካብ ሽግሮም ንምህዳም ክብሉ ናብ ኣልኮል: ሓሽሽ: ወይ ድማ ናብ ፍኑው ዝዀነ ኣነባብራ ይምለሱ።​—ምሳሌ 23:29-35፣ ኢሳይያስ 56:12

ብሰንኪ እቲ ዝቕላዕ ዘሎ እዚ ዘይብሃል እምነት ምጕዳልን ዘይስነ⁠-ምግባራውነትን እቲ ኣብ ከም ኣቕሽሽቲ: ሓካይም: ቴራፒስትስ: ከምኡውን መማህራን ዝኣመሰሉ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ዝግበር ዝነበረ እምንቶ ጠፊኡ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ገምጋም ከም ዝገለጾ ልዕሊ 10 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ኣብ ዘይግቡእ ጾታዊ ብዕልግና ኣትዮም ኢዮም። ሓደ ጸሓፊ እዞም “እምነት ዘይግበረሎም” ኣቕሽሽቲ እዚኣቶም “ኣብቲ ሰብኣዊ ርክባት ዓሚቝ ስንጭሮታት: ሃጓፋት ከምኡውን ነቓዓት ይዅዕቱ ኣለዉ” ብምባል ሓሳባት ሃበ። እዚኸ ነተን ማሕበራቶም ብኸመይ ይትንክፈን፧ እዚ ምእማን ዝበሃል ከም ዝጠፍእ ይገብር።

እቲ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስነ⁠-ምግባራዊ ውድቀት: ዘይጥዑይ ስድራቤት ምህላው ከም ዘይንቡር ዘይኰነስ: ኣብቲ ሕብረተሰብ ልሙድ ከም ዝኸውን ብምግባር ኣብ ስድራቤት ቅልውላው ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ሓደ እዋን ገዛ ልምምድ እትወስደሉ ቦታ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ናይ መግቢ እዋን ጥራይ እትኸዶ ከም መዐደል ነዳዲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ሓንቲ ‘ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብላ’ ስድራቤት ዝዓበየ ቘልዓ: በጽሒ ምስ ኰነ ንኻልኦት ክኣምን ዘይምኽኣሉ ልሙድ ዝዀነ ውጽኢት ኢዩ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:3 NW

ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ ዓለም ኵነታት እናኸፍአ ክኸይድ ከሎ: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከሰምብድ ናብ ዝኽእል ተመክሮታት እናተቓላዕና ኢና እንኸይድ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ነብዪ ሚክያስ “ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክያስ 7:5) ንእሽቶ ዘጕሂ ነገር: ዝኣመንካዮ ምስ ዝጠልመካ: ወይ ሓደ ንህይወትካ ዘስግእ ከቢድ ፍጻመ ምስ ዘጋጥመካ ከምዚ ስምዒት እዚ ይስምዓካ ይኸውን ኢዩ። እንደገና ንኻልኦት ክትኣምን ከቢድ ኰይኑ ትረኽቦ: መዓልቲ መዓልቲ ብድሕሪ ስምዒታዊ ሓጹር ብምንባር ድማ ስምዒታዊ ባዶነት ተዕቢ። (ምስ መዝሙር 102:​1⁠-7 ኣረኣእዮ።) ሓቂ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ምሓዝ ንኽትቅጽል ይሕግዘካ ይኸውን: እንተዀነ ግን ‘ጓሂ ልቢ’ ነቲ ካብ ህይወት እትረኽቦ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓቂ ሓጐስ ይሰርቆ ኢዩ። (ምሳሌ 15:13) እቲ ሓቂ ግን: መንፈሳዊ: ስምዒታዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን ኣካላዊ ጥዕና ምእንቲ ክትረክብ እቲ ሓጹር ክፈርስ ኣለዎ: ንሰባት ምእማን ድማ ክትለማመድ ኣሎካ። እዚ ዝከኣል ድዩ፧ እወ: ይከኣል ኢዩ።

እቲ ሓጹር ክፈርስ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብ ካልኦት ምውካል ንዝጐሃየ ልቢ ዕረፍቲ የምጽኣሉ ኢዩ። ሃና ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ነይርዋ ኢዩ። ጽቡቕ ሓዳር: ምሉእ ናብራ ነይርዋ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣዝያ ጕህይቲ ነበረት። ዋላ እኳ “ብነፍሳ ተመሪራ” እንተ ነበረት ብጥበብ ድምጻ ከይተሰምዐ ከናፍራ ክሳዕ ዝወሳወስ ብዝገበራ ብርቱዕ ስምዒት “ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት።” እወ: ንየሆዋ ምስጢራ ኣካፊላቶ ኢያ። ድሕርዚ ነቲ ወኪል የሆዋ ዝነበረ ኤሊ ልባ ከፈተትሉ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ “[ሃና] መገዳ ኸደት: በልዔትውን: ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።”​—1 ሳሙኤል 1:​1⁠-18

ብሕታዊ ነገራት ምስ ካልኦት ምዝርራብ ዘምጽኦ ጥቕሚ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ይፍለጥ ኢዩ። ንኣብነት: ምስቶም ተመሳሳሊ ኵነታት ዘሕለፉ ሰባት ሓሳባትን ተመክሮታትን ምልውዋጥ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ተመራመርቲ “ስምዒታዊ ምፍላይ: ሕማም ኢዩ ዘስዕብ​—ብኣእምሮ ጥቁዋት ንምዃን ሓሳባትና ንኻልኦት ክንገልጸሎም የድልየና” ብምባል ደምዲሞም ኢዮም። ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ስነ⁠-ፍልጠት ተመራመርቲ ነቲ “ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ ሓቅነቱ ኣረጋጊጾምዎ ኢዮም።​—ምሳሌ 18:1

ልብኻ ንኻልኦት እንተ ዘይከፊትካ: ከመይ ገይሮም ኢዮም ክሕግዙኻ ዝኽእሉ፧ የሆዋ ኣምላኽ ልቢ ዘንብብ እኳ እንተዀነ: ውሽጣዊ ሓሳባትካን ስምዒትካን እንተ ዘይከፊትካዮ ንኣባላት ስድራቤት ይኹን ንኣዕሩኽ ልክዕ ከም እተዓጽፈ መጽሓፍ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9) እቲ ሽግር ምጥሓስ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዝኸውን: ቀልጢፍካ ዘይምንሳሕ ነቲ ኵነታት መሊሱ ዘግድዶ ጥራይ ኢዩ።​—ምሳሌ 28:13

ብርግጽ: ጓሂኻ ንኻልኦት ምምኻር ዘምጽኦ ረብሓ ካብቲ ጕድኣት ንላዕሊ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እዚ ክበሃል ከሎ ዘሎና ብሕታዊ ዝርዝራት ከይፈላለና ኵሉ ከነፍስሶ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። (ምስ መሳፍንቲ 16:18፣ ኤርምያስ 9:4፣ ሉቃስ 21:16 ኣረኣእዮ።) ምሳሌ 18:24 “ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ” ብምባል የጠንቅቐና: ቀጺሉ ግን “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ይብል። ከምዚ ዝበለ ፈታዊ ኣበይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል፧

ኣብ ስድራቤትካ እምነት ግበር

ሽግር ምስ ዝህልወካ ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ወይ ምስ ወለድኻ ክትመያየጠሉ ፈቲንካዶ፧ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣማኻሪ “ብዙሕ ሽግራት ንዘለዎ ሰብ: ዓሚቝ ምይይጥ ምግባር እቲ ቀንዲ ዘድልዮ ነገር ኢዩ” ብምባል ኣፍልጦ ይህብ። (ምሳሌ 27:9) ‘ንኣንስቶም ከም ነፍሶም ዘፍቅሩ’ ክርስትያን ሰብኡት: ‘ንሰብኡተን ዝእዘዛ’ ኣንስቲ: ከምኡውን ‘ንደቆም ብምዕዶ ጐይታ’ ከዕብይዎም ምእንቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓላፍነት ኣርዚኖም ዝርእዩ ወለዲ: ዝድንግጹ ሰማዕትን ሓገዝቲ መኸርትን ክዀኑ ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:22, 33፣ 6:4) የሱስ ብስጋዊ ኣረኣእያ: ሰበይቲ ይኹን ቈልዑ እኳ እንተ ዘይነበሮ በዚ መዳይ እዚ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝገደፈ!​—ማርቆስ 10:13⁠-16፣ ኤፌሶን 5:25⁠-27

እቲ ሽግር እቶም ኣባላት ስድራቤት ክፈትሕዎ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ምስ ዝኸውንከ፧ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ በይንና ክንከውን ኣየድልየናን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “መን እዩ ዚደክም: ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧” ኢሉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 11:29) “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ” ኢሉ እውን መዓደ። (ገላትያ 6:2፣ ሮሜ 15:1) ብዘይጥርጥር: ካብ መንጎ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሓት ‘ንጸገማ እተወለዱ ኣሕዋት’ ክንረክብ ንኽእል ኢና።​—ምሳሌ 17:17

ኣብታ ጉባኤ እምነት ግበር

ኣብተን ኣብ ዙርያ ምድሪ ዘለዋ ልዕሊ 80,000 ዝዀና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ከም ‘ደገፍቲ ሓጐስና’ ኰይኖም ዝዓዩ ትሑታት ሰብኡት ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 1:24) እዚኣቶም ሽማግለታት ኢዮም። ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” ሽማግለታት ከምዚ ክዀኑ ኢዮም ዝጽዕሩ።​—ኢሳይያስ 32:2፣ 50:4፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14

ሽማግለታት ‘ብመንፈስ ቅዱስ [ቅድሚ] ምሻሞም’ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት የማልኡ ኢዮም። ነዚ ምፍላጥ ድማ ነቲ ኣብኣቶም ዘሎካ እምንቶ ከደልድሎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:​2⁠-7፣ ቲቶስ 1:5⁠-9) ምስ ሓደ ሽማግለ እትገብሮ ምይይጥ ጽኑዕ ምስጢር ኰይኑ ኢዩ ዝተሓዝ። እምነት ክግበሮ ዝኽእል ምዃን ሓደ ካብቲ ናይ ሽማግለ ብቕዓታት ኢዩ።​—ምስ ዘጸኣት 18:21፣ ነህምያ 7:2 ኣረኣእዮ።

ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት “ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ” ኢዮም። (እብራውያን 13:17) እዝስ ኣብዞም ሰብኡት እዚኣቶም እምነት ክትገብር ኣየለዓዕለካንዶ፧ ኵላቶም ሓደ ዓይነት ባህርያት ከም ዘይብሎም ፍሉጥ ኢዩ። ገሊኣቶም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝያዳ ተቐረብቲ: ሕያዎት: ወይ ድማ ዝርድኡ ይመስሉ ይዀኑ። (2 ቈረንቶስ 12:15፣ 1 ተሰሎንቄ 2:7, 8, 11) ምስቲ ፍዅስ ኢሉካ ክትቀርቦ እትኽእል ሽማግለ ንምንታይ ዘይትማኸር፧

እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ዝኽፈሉ ክኢላታት ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ ንዓኻ ክሕግዙ ኢሉ ዘዳለዎም “ውህበት ሰብኡት” ኢዮም። (ኤፌሶን 4:​8, 11⁠-13፣ ገላትያ 6:1) ብኸመይ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ውሕሉል ብዝዀነ ኣገባብ ብምጥቃም ነቲ ናይ ምፍዋስ ሓይሉ ኣብቲ ብሕታዊ ኵነታትካ ከም ዝውዕል ክገብርዎ ኢዮም። (መዝሙር 107:20፣ ምሳሌ 12:18፣ እብራውያን 4:12, 13) ምስኻ ኰይኖምን ምእንታኻን ክጽልዩ ኢዮም። (ፊልጲ 1:​9፣ ያእቆብ 5:13⁠-18) ካብዞም ፈቃራት መኸርቲ እዚኣቶም ዝርከብ ሓገዝ ንዝጐሃየ መንፈስ ክፍውስን ናይ ኣእምሮ ሰላም እንደገና ክመልስን ብዙሕ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ።

እምነት ክግበሮ ዝኽእል ርክብ

ብኸመይ ከም ዝህነጽ

ሓገዝ: ምኽሪ: ወይ ጽን ኢሉ ዝሰምዓካ ሰብ ምድላይ ምልክት ናይ ድኽመት ወይ ስንፍና ኣይኰነን። ኵላትና ዘይፍጹማት ምዃንና: ዋላ ሓደ ድማ ንበይኑ ኰይኑ ኵሉ እቲ ዝድለ መልስታት ክረክብ ከም ዘይክእል ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ። ብርግጽ: እቲ ዝዓበየ መኻርን እምንቶ ከነሕድረሉ እንኽእልን ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ ኣምላኽ: ኢዩ። ምስቲ “እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ: ልበይ ብእኡ ተወኪሉ: ኣነውን ተረዲኤ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ንሰማማዕ ኢና። (መዝሙር 28:7) ክንጽሊ ከሎና ከይሓባእና: ከም ዝሰምዓናን ከም ዝሓልየልናን ብምትእምማን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ‘ልብና ከነፍስሰሉ’ ንኽእል ኢና።​—መዝሙር 62:7, 8፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

እንተዀነ ግን: ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታትን ካልኦትን ምእማን ክትለማመድ እትኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ መጀመርታ: ንገዛእ ርእስኻ መርምር። እቲ ዘሎካ ፍርሂ ብሓቂ ምኽንያት ዘለዎ ድዩ፧ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ድራኸታት ጥርጣረ ኣሎካዶ ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 13:​4, 7) ነቲ ኽወርድ ዝኽእል ጕድኣት ከተጕድለሉ እትኽእል መገዲ ኣሎዶ፧ እወ: ኣሎ። ብኸመይ፧ ምስ ካልኦት ሰባት ብብሕቲ ደረጃ: መንፈሳዊ ሃዋሁ ብዘለዎ ኵነታት ክትቀራረብ ጸዓር። ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ተዛረቦም። ኣብቲ ናይ ቤተ⁠-ቤት ዕዮ ምስኡ ሓቢርካ ዕየ። ምእማን ልክዕ ከም ክብረት ክጥረ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ስለዚ ዕጉስ ኩን። ንኣብነት: ንሓደ መንፈሳዊ ጓሳ ዝያዳ እናፈለጥካዮ ክትከይድ ከሎኻ ኣብኡ ዘሎካ እምንቶ ክዓቢ ኢዩ። ቀስ እናበልካ እቲ ዘሻቕለካ ነገራት ግለጸሉ። ነዚ ብግቡእ: ብድንጋጸ: ከምኡውን ብምስትውዓል እንተድኣ መሊሱሉ ድሕርዚ ዝያዳ ክትገልጸሉ ትኽእል።

እቶም ብጾት ኣምለኽቲ የሆዋ: ብፍላይ ድማ ሽማግለታት: ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ዘገብርዎ ርክብ ነቲ ክቡር ዝዀነ ባህርያት ኣምላኽ ክቐድሕዎ ኢዮም ዝፍትኑ። (ማቴዎስ 5:​48) እዚ ድማ ኣብታ ጉባኤ ናይ ምትእምማን ሃዋሁ ከም ዝህሉ ይገብር። ሓደ ናይ ነዊሕ እዋን ሽማግለ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣሕዋት ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓደ ነገር ኣሎ:- እቲ ሰብ ዝገበረ ይግበር ብዘየገድስ: እቲ ሽማግለ ናብቲ ሰብ ዘለዎ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኣየጥፍእን ኢዩ። ነቲ እተገብረ ነገር ኣይፈትዎን ይኸውን: ገና ግን ንሓዉ የፍቅሮ ኢዩ: ክሕግዞ ኸኣ ኢዩ ዝደሊ።”

ስለዚ እምበኣር: ሽግር ምስ ዝህልወና በይንና ዘሎና ኰይኑ ክስመዓና የብሉን። ንሓደ ጾርካ ንኽትስከም ክሕግዘካ ዝኽእል “መንፈሳዊ ብቕዓት” ዘለዎ ሰብ ኣዘራርቦ። (ገላትያ 6:1 NW) “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ [ንሰብ] ይጸቕጦ” ምዃኑ “ልኡም ዘረባ [ግና] መዓር ወለላ . . . ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና” ምዃኑ ዘክር።​—ምሳሌ 12:25፣ 16:24

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]

ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ንሓደ ብሕታዊ ሽግር ዘለዎ ዘመድ: ዓርኪ: ወይ መንፈሳዊ ሓው ክሕግዝ ይሕተት ይኸውን። ብኸመይ ከም እትሕግዝ ትፈልጥዶ ኢኻ፧

ሓደ ዕዉት መኻሪ

ተቐራቢ ኢዩ:- ማቴዎስ 11:28, 29፣ 1 ጴጥሮስ 1:​22፣ 5:​2, 3

ምቹእ ግዜን ቦታን ይመርጽ:- ማርቆስ 9:​33-​37

ነቲ ሽግር ክርዳእ ኢዩ ዝጽዕር:- ሉቃስ 8:​18፣ ያእቆብ 1:​19

ዕጉስ ኢዩ:- ቈሎሴ 3:​12-​14

ንሓደ እተደቝሰ ስምዒት ዘለዎ ሰብ ክዋጽኣሉ ይሕግዞ:- 1 ተሰሎንቄ 5:​14፣ 1 ጴጥሮስ 3:8

ናይ ገዛእ ርእሱ ድኽመት ይፈልጥ ኢዩ:- ገላትያ 6:3፣ 1 ጴጥሮስ 5:5

ውሱን ዝዀነ ምኽሪ ይህብ:- መዝሙር 19:​7-9፣ ምሳሌ 24:26

ምስጢር ይዓቍር:- ምሳሌ 10:19; 25:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ