ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 30-31
  • የሱስ ከም መሲሕን ንጉስን ተወደሰ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ከም መሲሕን ንጉስን ተወደሰ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ ጥንታዊ ትንቢት ተፈጸመ
  • ንንግስነት ዝምልከት መልእኽቲ
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • “እታ ጊዜ በጺሓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንመሲሕ ረኺቦምዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 30-31

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

የሱስ ከም መሲሕን ንጉስን ተወደሰ!

እቲ 9 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብብርቱዕ ጭድርታ ናብ የሩሳሌም ዝኣቱ ዝነበረ ጭፍራ ንብዙሓት ኣይሁድ ኣደንጸዎም። ቅድሚ በዓል ፋስጋ ሰባት ናብታ ከተማ ክውሕዙ ልሙድ እኳ እንተነበረ: ናይዞም በጻሕቲ እዚኣቶም ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ማእከሎም እቲ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብኣይ ኣገዳሲ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ: እቶም ህዝቢ ኸኣ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት: ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ: ሆሳእና ኣብ ኣርያም” እናበሉ ክጭድሩ ከለዉ ክዳውንቶም ከምኡውን ጨነፍር ስየ ቀቅድሚኡ የንጽፉ ነበሩ። ድሮ ኣብ የሩሳሌም ኣትዮም ዝጸንሑ ሰባት ከኣ ነቲ ጭፍራ ምስ ረኣይዎ ምስቲ ዝዕጅብ ዝነበረ ህዝቢ ተጸንበሩ።​—⁠ማቴዎስ 21:​7-9፣ ዮሃንስ 12:​12, 13

የሱስ ሽዑ ይውደስ እኳ እንተ ነበረ: ፈተናታት ይጽበዮ ከም ዝነበረ ግን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኢዩ: ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልትታት ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ክቕተል ኢዩ! እወ: የሱስ የሩሳሌም ሓደገኛ ከባቢ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ነዚ እናፈለጠ ኸኣ ኢዩ እናተራእየ ናብታ ከተማ ዝኣተወ።

ሓደ ጥንታዊ ትንቢት ተፈጸመ

ብ518 ቅ.ኣ.ዘ. ዘካርያስ የሱስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ክኣቱ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ኣቲ ጓል የሩሳሌም: እልል በሊ: እንሆ ንጉስኪ: ንሱ ጻድቕ: መድሓንን ትሑትን እዩ: ኣብ ኣድጊ: ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ። . . . ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብቲ ርባ ኸኣ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።”​—⁠ዘካርያስ 9:​9, 10

ስለዚ የሱስ 9 ኒሳን ናብ የሩሳሌም ምእታዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኢዩ ፈጺሙ። እዚ ብወዝቢ ዝመጸ ፍጻመ ኣይነበረን: ኣብ ክንድኡስ ብጥንቃቐ እተወጠነ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ኣቐዲሙ ገና ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ከለዉ: ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ብምባል መምርሒ ሃቦም:⁠- “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ: ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ: ዒሉኣ ድማ ምስኣ: ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፤ ጐይታ ይደልዮም አሎ: በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ።” (ማቴዎስ 21:​1-⁠3) የሱስ ብጻዕብ ኣድጊ ናብ የሩሳሌም ክመጽእ ዝደለየ ግን ስለምንታይ ኢዩ: ትርጕም ናይቲ እቶም ጭፍራ ዝገበርዎኸ እንታይ ነበረ፧

ንንግስነት ዝምልከት መልእኽቲ

መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ብቓል ዝዝረብ ብተግባር ዝርአ ነገር ኢዩ ሓይሊ ዘለዎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ትንቢቶም ዝያዳ ሓይሊ ንኽህብዎ ንነብያቱ መልእኽቶም ብተግባር ከም ዘርእዩ ዝገበሮም። (1 ነገስት 11:29-​32፣ ኤርምያስ 27:​1-⁠6፣ ህዝቅኤል 4:​1-⁠17) እዚ ሓለፍ ዝበለ ብተግባር ዝርአ መልእኽቲ ናይ ምትሕልላፍ መገዲ: ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ዘይስቆሮ ተዓዛቢ እውን ከይተረፈ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፉ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: የሱስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ከተማ የሩሳሌም ምእታዉ: ሓደ ሓያል ዝዀነ መልእኽቲ ኢዩ ብተግባር ኣርእዩ። ብኸመይ፧

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ጻዕብ ኣድጊ ዝለዓለ ክብሪ ንዝዋሃቦ ዕላማታት ኢያ እተገልግል ነይራ። ንኣብነት: ሰሎሞን ኣብታ ድቓላ ናይ ተባዕታይ ጻዕብ ኣድጊ ዝዀነት ናይ ኣቦኡ “በቕሊ” ተወጢሑ ኢዩ ናብቲ ንጉስ ኰይኑ እተቐብኣሉ ቦታ ዝኸደ።a (1 ነገስት 1:​33-​40) ስለዚ እምበኣር: የሱስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ምእታዉ: ንገዛእ ርእሱ ከም ንጉስ ገይሩ የቕርባ ነይሩ ማለት ኢዩ። እቲ ናይቶም ጭፍራ ተግባራት ድማ ነዚ መልእኽቲ እዚ ዝድግፍ ኢዩ ነይሩ። እቶም መብዛሕትኦም ገሊላውያን ከም ዝነበሩ ዘየጠራጥር ጕጅለ: ቀቅድሚ የሱስ ክዳውንቶም ምንጻፎም: ናይቲ ንንግስነት የሁ እተገብረ ህዝባዊ ኣዋጅ ዘዘክር ነበረ። (2 ነገስት 9:​13) ንየሱስ “ወዲ ዳዊት” ኢሎም ምጥቃሶም ከኣ ነቲ ንኽገዝእ ዘለዎ ሕጋዊ መሰል ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 1:​31-⁠33) ጨነፍር ስየ ምሓዞም ድማ ነቲ ንጉሳዊ ስልጣኑ ዝነበሮም ተገዛእነት ብግልጺ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ምስ ራእይ 7:​9, 10 ኣረኣእዮ።

ስለዚ እምበኣር እቶም 9 ኒሳን ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ዓጀብቲ: የሱስ እቲ እተቐብአ ናይ ኣምላኽ መሲሕን ንጉስን ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ ኢዮም ኣመላሊፎም። ርግጽ ኢዩ: የሱስ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ብምቕራቡ እተሓ​ጐሱ ኵሎም ኣይነበሩን። ብፍላይ ፈሪሳውያን የሱስ ከምዚ ዝበለ ንጉሳዊ ክብሪ ክዋሃቦ ፈጺሙ ዘይግባእ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነበሮም። ብዘይጥርጥር ካብ ሕርቃን እተላዕለ: “መምህር” ኢሎም ብምጽዋዕ: “ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም” በልዎ። የሱስ ከኣ “እዚኣቶም ስቕ እኳ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” ኢሉ መለሰሎም። (ሉቃስ 19:​39,​40) እወ: መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ኣርእስቲ ስብከት የሱስ ኢያ ነይራ። ሰባት ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ ነዚ መልእኽቲ እዚ ብትብዓት ክሰብኮ ነበሮ።

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

የሱስ ከምቲ ነብዪ ዘካርያስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ኣገባብ ገይሩ ንየሩሳሌም ክኣቱ ዓቢ ድፍረት ኢዩ ኣርእዩ። ከምዚ ምግባሩ ንጸላእቱ የቘጥዖም ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ንሰማይ ቅድሚ ምድያቡ: ንሰዓብቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩን’ ልኢኽዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19,​20) ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም እውን ድፍረት ይሓትት ኢዩ። ነቲ መልእኽቲ ንምስማዕ ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን ሕጕሳት። ገሊኣቶም ናይ ተገዳስነት ስምዒት ዘይብሎም ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ከኣ ይጻረርዎ ኢዮም። ገለ መንግስታት ነቲ ዕዮ ስብከት ቀይድታት ገይረናሉ ወይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣጊደንኦ ኣለዋ።

ምስ እዚ ዅሉ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ይስምዑ ወይ ካብ ምስማዕ ይቆጠቡ ብዘየገድስ ብስራት ናይታ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ክስበኽ ከም ዘለዎ ይፈልጡ ኢዮም። (ህዝቅኤል 2:​7) ነዚ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ እናፈጸሙ ኸለዉ በቲ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዝብል መብጽዓ የሱስ ይጸናንዑ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 28:​20

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ማርቆስ ጸብጻብ እቲ ጻዕብ “ሰብ ዘይተወጥሖ” ከም ዝነበረ ወሲኹ ይገልጽ። (ማርቆስ 11:2) ሓደ ገና ዘየገልገለ እንስሳ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ኣብ ቅዱስ ዕላማ ክውዕል ዝሰማማዕ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠ምስ ዘሁልቍ 19:​2፣ ዘዳግም 21:​3፣ 1 ሳሙኤል 6:​7 ኣረኣእዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ