ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/4 ገጽ 8-13
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝፈሸለ ጻዕርታት ደቅሰብ
  • ነቲ ሱር ጠንቂ ምርካብ
  • መገዲ ሰላም
  • ነታ ናይ ሓቂ ሰላም ድለያ ሰዓባውን!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሰላም—ከመይ ጌርካ ትረኽባ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ‘ግዜ ሰላም’ ቀሪቡ ኢዩ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/4 ገጽ 8-13

ናይ ሓቂ ሰላም​—⁠ካበየናይ ምንጪ፧

“[የሆዋ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”​—⁠መዝሙር 46:9

1. ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መብጽዓ ናይ ሰላም ኢና እንረክብ፧

“ግብሪ ጽድቅስ ሰላም: ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ። ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታ­ታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።” (ኢሳይያስ 32:17, 18) ከመይ ዝበለ ማራኺ መብጽዓ ኰን ኢዩ! ብኣምላኽ እተዋህበ መብጽዓ ናይ ሓቂ ሰላም ኢዩ።

2, 3. ናይ ሓቂ ሰላም እንታይ ምዃኑ ግለጽ።

2 እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ሰላም እንታይ ኢዩ፧ ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ሃገራት ነቲ ዝቕጽል ውግእ ዝዳለዋሉ እዋን ኢዩ፧ ናይ ሓቂ ሰላም ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ እዚ ክእመን ዝኽእል መልሲ እንደልየሉ ሕቶታት ኢዩ። ብመጀመርታ: ናይ ሓቂ ሰላም ካብ ሕልሚ ንላዕሊ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ሰላም ክንዮ እቲ ዓለም ክትግምቶ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ዝሓልፍ ኢዩ። (ኢሳይያስ 64:4) ንሒደት ዓመታት ወይ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሕ ሰላም ኣይኰነን። ንዘለኣለም ዝቕጽል ኢዩ! ንሒደት ሓለፋ ዝረኸቡ ውልቀ⁠-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ: ሰማይን ምድርን: መላእኽትን ደቅሰብን ዝሓቍፍ ኢዩ። ናብ ህዝብታት ኵለን ሃገራት: ዓሌታዊ ጕጅለታት: ቋንቋታት: ከምኡውን ሕብርታት ዝዝርጋሕ ኢዩ። ዶባት ይኹን መሰናኽላት: ወይ ፍሽለታት ዘይዓጅቦ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 72:​7, 8፣ ኢሳይያስ 48:18

3 ናይ ሓቂ ሰላም: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰላም ማለት ኢዩ። ንግሆ ንግሆ ሓሳብ ውግእ ዘይብልካ ­ብምዃን: ብዛዕባ መጻኢኻ: መጻኢ ደቅኻ: ወይ መጻኢ ደቂ ደቅኻ ከይተጨነቕካ እትበራበረሉ ማለት ኢዩ። ምሉእ ናይ ኣእምሮ ሰላም ማለት ኢዩ። (ቈሎሴ 3:​15) ድሕሪ ደጊም ገበን ዘይህልወሉ: ድሕሪ ደጊም ዓመጽ ዘይህልወሉ: ድሕሪ ደጊም እተበታተና ስድራቤታት ዘይህልዋሉ: ድሕሪ ደጊም ኣባይቲ ኣልቦ ሰባት ዘይህልውሉ: ድሕሪ ደጊም ብጥሜት ዝስሓጉ ወይ ብቝሪ ዝኽርድዱ ሰባት ዘይህልውሉ: ከምኡውን ድሕሪ ደጊም ተስፋ ምቝራጽን ብስጭትን ዘይህልወሉ ኢዩ። ገና ካብዚ ዝበለጸ ድማ ናይ ኣምላኽ ሰላም ሕማም: ቃንዛ: ጓሂ: ወይ ሞት ዘይብላ ዓለም ማለት ኢዩ። (ራእይ 21:4) ናይ ሓቂ ሰላም ንዘለኣለም ከነስተማቕርስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ ዘሎና! ኵልና ሃንቀው እንብሎ ሰላምን ሓጐስን ከምዚ ዓይነትዶ ኸይኰነ፧ ክንጽልየሉን ክንዓየሉን ዘሎና ሰላም ከምዚ ዓይነትዶ ኣይኰነን፧

ዝፈሸለ ጻዕርታት ደቅሰብ

4. ሃገራት ምእንቲ ሰላም ዝገበርዎ ጻዕርታት እንታይ ኢዩ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

4 ንዘበናት ዝኣክል ሰባትን ሃገራትን ብዛዕባ ሰላም ተዛሪቦም: ንሰላም ዝምልከት ክትዕ ኣካይዶም: ብኣማእታት ዝቝጸር ናይ ሰላም ውዕላት ፈሪሞም ኢዮም። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብዚ ዝሓለፈ 80 ዓመታት: ገለ ሃገራት ወይ ጕጅለታት ኣብ ውግእ ዘይኣተውሉ እዋን ፈጺሙ ኣይነበረን። ብሓቂ: ሰላም ንደቅሰብ ትመልቆም ኢያ ዘላ። ስለዚ እምበኣር እቲ ሕቶ: ሰብ ኣህጉራዊ ሰላም ንምዕቃብ ዝገበሮ ኵሉ ጻዕርታት ዝፈሸለ ስለምንታይ ኢዩ: ሰብ ንዘለኣለም ክቕጽል ዝኽእል ናይ ሓቂ ሰላም ከምጽእ ዓቕሚ ዘይብሉኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ኢዩ።

5. ደቅሰብ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ጻዕርታት ብቐጻሊ ዝፈሸለ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 እቲ ሕጽር ዝበለ መልሲ: ሰብ ናብቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ሰላም ቍሊሕ ኣይበለን። ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ብምዃን: ሰባት ግዳይ ድኻማቶምን ጸይቅታቶምን ማለት ግዳይ ስስዐን ህርፋንን ከምኡውን ግዳይ ናይቲ ንስልጣንን ተፈላጥነትን ዘለዎም ጽምኢ ዝዀና ማሕበራት ኣቚሞም ኢዮም። ኣብቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝርከበሉ ትካላት ተማሂሮም: ናይ ረድኤትን ምርምርን ትካላት ድማ መስሪቶም ኢዮም: እዚ ድማ ንግፍዕን ዕንወትን ዝኸውን ተወሳኺ መገድታት ጥራይ ኢዩ ምሂዙ። ደቅሰብ ናብ ኣየናይ ምንጪ ኢዮም ክምርሑ ጸኒሖም፧ ኣበይከ ኢዮም ደልዮም፧

6, 7. (ሀ) እተኣሳሰራ መንግስታት ከመይ ዝበለ ታሪኽ ኢዩ ዘለዋ፧ (ለ) ናይ ሕቡራት ሃገራት ታሪኽ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧

6 ናብ 1919 ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርኢ ሰባት ነባሪ ሰላም ንምምጻእ: ኣብ እተኣሳሰራ መንግስታት ኢዮም ትውክልቲ ገይሮም። እቲ ሰላም እቲ ብ1935 ወተሃደራት ሙሶሊኒ ንኢትዮጵያ ምስ ወረርዋ: ብ1936 ድማ ኣብ ስጳኛ ውግእ ሓድሕድ ምስ ጀመረ በርዓነ። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ: እተኣሳሰራ መንግስታት ጠፍአት። እቲ ሰላም ዝበሃል ን20 ዓመታት እውን ይኹን ኣይጸንሐን።

7 ብዛዕባ ሕቡራት ሃገራትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ምድሪ ንነባሪ ሰላም ዝኸውን ገለ ናይ ሓቂ ተስፋ ሂባዶ፧ ፈጺማ ኣይሃበትን። ካብቲ ብ1945 ስርሓ ዝጀመረትሉ ግዜ ኣትሒዙ ልዕሊ 150 ውግኣትን ዕጥቃዊ ግርጭታትን ተኻይዱ ኢዩ! ናይ ውግእን ምንጭታቱን ምሁር ዝዀነ ዋይን ድየር እተባህለ ካናዳዊ: ንሕቡራት ሃገራት “ርህራሀ ወይ ደግነት ብምርኣይ ዝና ዘለዎም ሰባት እተኣከቡላ ዘይኰነትስ: ቀተልቲ እንስሳ ጓሶት ዝዀኑላ ማሕበር” ከምኡውን “ብዓቢኡ መደረ ጥራይ ዝካየደላ: ሓይሊ ዘይብላ ትካል” ብምባል ገለጻ።​—⁠ምስ ኤርምያስ 6:​14፣ 8:​15 ኣረኣእዮ።

8. ሃገራት ብዛዕባ ሰላም እኳ እንተ ተዛረባ: እንታይ ኢየን ዝገብራ ዘለዋ፧ (ኢሳይያስ 59:8)

8 ሃገራት ብዛዕባ ሰላም እኳ እንተ ተዛረባ: ኣጽዋር ምምሃዝን ምስራሕን ቀጺለን ኢየን። እተን ናይ ሰላም ዋዕላታት ብሓላፍነት ዘካይዳ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ እተን ኣጽዋር ኣብ ምስራሕ ቀዳሞት ዝዀና ሃገራት ኢየን። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘሎ ሓያል ንግዳዊ ረብሓታት: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ገለ 26,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰላማውያን ዓበይቲ ሰባትን ቈልዑን ዝቐትል ወይ ዘሰንክል ጨካን ነተጕቲ ሓዊስካ: ሞት ዘስዕብ ኣጽዋራት የፍሪ። ስስዐን ብልሽውናን ደረኽቲ ሓይልታት ኢዮም። ጉቦን መዕጸው ኣፍን ኣገደስቲ ክፍልታት ናይቲ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣጽዋር ኢዮም። ገሊኦም ፖለቲከኛታት በዚ ንግዲ እዚ ገይሮም ሃብቲሞም ኢዮም።

9, 10. ናይ ዓለም ፈላጣት ንውግእን ሰብኣዊ ጻዕርታትን ዝምልከት እንታይ ኢዮም እተዓዘቡ፧

9 ኣብ ታሕሳስ 1995: ናይ ፊዝክስ ሊቅን ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ተዓዋትን ዝዀነ ዩሴፍ ሮትብላት እተባህለ ወዲ ፖላንድ: ሃገራት ነቲ ምቅድዳም ኣጽዋር ደው ከብልኦ ጻውዒት ኣቕረበለን። ከምዚ ድማ በለ:⁠- “[ሓድሽ ቅድድም ኣጽዋር] ዝውገደሉ እንኮ መገዲ ንውግእ ብሱሩ ምርሓቕ ኢዩ።” እዝስ ክፍጸም ኢዩ ኢልካ ትሓስብዶ፧ ካብ 1928 ጀሚረን: 62 ሃገራት ፍልልያት ንምድቃስ ውግእ ከም ምርጫ ከይውሰድ ዝኽልክል ውዕል ኬሎግ⁠-ብሪያንድ ፈሪመን ኢየን። ካልኣይ ውግእ ዓለም ግን እዚ ውዕል እዚ ቁም ነገር ከም ዘይነበሮ ብርግጽ ኣርእዩ ኢዩ።

10 ኣሉ ክበሃለሉ ዘይክኣል: ውግእ ኣብቲ ሰብኣዊ ናይ ታሪኽ ጐደና ብቐጻሊ መዐንቀፊ እምኒ ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ: ገና ኸኣ ይቕጽል ኣሎ። ዋይን ድየር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ውግእ ኣብ ሰብኣዊ ስልጣነ ልሙድ ነገር ኢዩ: ልክዕ መሰታ ስልጣነ ዝዀነ ታሪኽ ድማ ኣለዎ።” እወ: ነፍሲ ወከፍ ስልጣነን ግዝኣትን ብኽብሪ ዝረኣዩ ናይ ውትህድርና ጀጋኑ: ቀዋሚ ሰራዊት: ውሩይ ውግኣት: ቅዱስ ዝበሃል ወተሃደራዊ ኣካዳሚታት: ከምኡውን እተጸፍጸፈ ኣጽዋር ነይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዘሎናዮ ክፍለ⁠-ዘበን ብኽልቲኡ ማለት ብኣዕናውነቱን ህይወት ብምጥፋእን ካብ ካልእ ዘበናት ንላዕሊ እተፈልጠ ኢዩ።

11. መራሕቲ ዓለም ኣብቲ ሰላም ንምድላይ ዝገበርዎ ጻዕሪ እንታይ መሰረታዊ ረቛሒ ኢዮም ሸለል ዝበሉ፧

11 መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ኤርምያስ 10:23 ዝርከብ መሰረታዊ ጥበብ ሸለል ከም ዝበልዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን:⁠- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” ኣምላኽ ሸለል እንተድኣ ተባሂሉ ናይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኵሉ እዚ ግን: ኣብ ስልጡን ሕብረተሰብ ውግእ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ ማለት ድዩ፧ ሰላም​—⁠እወ: ናይ ሓቂ ሰላም​—⁠ክርከብ ዘይከኣል ሕልሚ ኢዩ ማለት ድዩ፧

ነቲ ሱር ጠንቂ ምርካብ

12, 13. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መሰረታውን ዘይርአን ጠንቂ ውግእ ዝምልከት እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ሰይጣን ንቘላሕታ ደቅሰብ ካብቲ ንግድላት ዓለም ናይ ሓቂ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ነገር ዝጠወዮ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ነቲ ጠንቂ ውግእ ክንርድኦ የድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ዓለወኛ መልኣኽ ዝዀነ ሰይጣን ናይ መጀመርታ ‘ቐታሊ:’ “ሓሳዊ” ምዃኑ ከምኡውን ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ’ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:​44፣ 1 ዮሃንስ 5:​19) ነቲ ውዲታቱ ንምስፍሕፋሕ እንታይ ኢዩ ዝገብር፧ ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:3, 4 ከምዚ ነንብብ:⁠- “እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ: ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ።” ሰይጣን ደቅሰብ ነቲ ናይ ዓለም ግድላት መፍትሒ ደልዮም ቈላሕትኦም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይገበሩ ንምጥዋይ ዝከኣሎ ኢዩ ዝገብር። በቲ ፈላላዪ ዝዀነ ማሕበራዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ጕዳያት ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ንላዕሊ ዘገድስ መሲሉ ከም ዝርኣዮም ብምግባር ንሰባት የዐውሮምን ካብ መገዲ የውጽኦምን ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ምሉእ ዓለም እተራእየ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ሓደ ኣብነት ኢዩ።

13 ሰይጣን ነቲ ሓደ ህዝቢ: ዓሌት: ወይ ቀቢላ ካብቲ ኻልእ ዝለዓለ ምዃኑ ዘርኢ ሃገራውን ቀቢላውን ስምዒታት የለዓዕሎ ኢዩ። እቲ ንዘበናት ተጸቒጡ ዝጸንሐ ዓሚቝ ሱር ዘለዎ ጽልኢ ተወሳኺ ውግእን ግርጭታትን ንምልዕዓል እንደገና ይሕደስ ኣሎ። ፈደሪኮ ማዮር: ናይ ዪኔስኮ ጠቕላሊ ዳይረክተር: ብዛዕባ እዚ ዝንባለ እዚ: ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:⁠- “ኣብቲ ተጻዋርነት ዝውቱር ስርዓት ዝነበረሉ ቦታታት: ዜኖፎብያ [ንወጻእተኛታት ናይ ምፍራህ] ዝንባለ ዝያዳ ርኡይ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ: ግዜኡ ዘሕለፈ ዝመስል ዝነበረ ትምክሕታዊ ወይ ዓሌታዊ ዘረባታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበዝሐ ይስማዕ ኣሎ።” እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ እቲ ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር እተፈጸመ ጃምላዊ ማሕረድን ኣብ ሩዋንዳ እተራእየ ዓሌታዊ ምፍሳስ ደምን ኣብ ዜናታት ዝስማዕ ከምዚ ዝበለ ምዕባለታት ዝሕብር ክልተ ኣብነታት ኢዩ።

14. ራእይ 6:4 ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውግእን ሳዕቤኑን ብኸመይ ኢያ እትገልጾ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ: እቲ ንውግእ ዘመልክት ሓመር ፈረስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክጋልብ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ራእይ 6:4 ከምዚ ነንብብ:⁠- “ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ: ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ: ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ: ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ: ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።” ካብ 1914 ኣትሒዙ እዚ ምሳልያዊ ፈረሰኛ እዚ ‘ንሰላም ከርሕቓ’ ከሎ ርኢናዮ ኢና: ሃገራት ድማ ክታራዃዓን ኲናት ከካይዳን ጸኒሐን ኢየን።

15, 16. (ሀ) ኣብ ውግኣትን ምቅታልን ናይ ሃይማኖት ግደ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሃይማኖታት ዝገበርኦ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧

15 ኣብዚ ውግኣትን ምቅታልን እዚ ሃይማኖት ዝነበሮ ግደ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ዘይብሉ ኢዩ። ናይ ወድሰብ ደማዊ ታሪኽ ዝበዝሕ ብሰንኪ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘጋጊ ጽልዋ ኢዩ ተፈጺሙ ክበሃል ይከኣል። ናይ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ሃንዝ ኩን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “[ሃይማኖታት] ሕማቕን ኣዕናውን ብዝዀነ ኣገባብ እቲ ዝዓበየ ግደ ከም ዝነበረንን ገና ድማ ከም ዘለወንን ዘከራኽር ኣይኰነን። ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ቃልስታት: ደማዊ ግርጭታት: ብርግጽ ድማ ነቲ ዝግበር ‘ሃይማኖታዊ ውግኣት’ ብሓላፍነት ይሕተታሉ ኢየን፣ . . . ንኽልቲኡ ናይ ዓለም ውግኣት እውን ጠንቁ ንሳተን ኢየን።”

16 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ውግእን ቅትለትን ዘለዎ ግደ: ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧ ኣምላኽ ንሓሶት ሃይማኖት ዝምልከት ዘለዎ ክሲ ኣብ ራእይ 18:5 ተመዝጊቡ ይርከብ: ከምዚ ድማ ይብል:⁠- “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ።” ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምሽራኹ: ውጽኢቱ ኣምላኽ ሸለል ክብሎ ዘይክእል ናይ ደም ገበንን: ከምዚ ዝበለ እኩብ ሓጢኣትን ኢዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዚ ኣብ መስርሕ ምምጻእ ናይ ሓቂ ሰላም እምኒ መዐንቀፊ ዝዀነ ነገር ምሉእ ብምሉእ ክጸርጎ ኢዩ።​—⁠ራእይ 18:21

መገዲ ሰላም

17, 18. (ሀ) ዘለኣለማዊ ሰላም ክርከብ ከም ዝከኣል ምእ​­ማን ክውንነት ዘይብሉ ሕልሚ ጥራይ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ናይ ሓቂ ሰላም ከም ዝመጽእ ንምርግጋጽ ድሮ እንታይ ኢዩ ዝገብር ዘሎ፧

17 ሰባት በተን ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ወከልቶም ገይሮም ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ከምጽኡ ካብ ዘይከኣሉ: ናይ ሓቂ ሰላም ካበየናይ ምንጪ ኢዩ ዝመጽእ: ብኸመይከ ኢዩ ዝርከብ፧ ዘለኣለማዊ ሰላም ክርከብ ዝከኣል ኢዩ ኢልካ ምእማን ክውንነት ዘይብሉ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ ናብቲ ናይ ሓቂ ምንጪ ሰላም ቍሊሕ እንተድኣ ኢልና ሕልሚ ኣይኰነን። ምንጪ ናይቲ ሰላም እቲኸ መን ኢዩ፧ መዝሙር 46:9 የሆዋ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ” ብምባል ትምልሰልና። የሆዋ ድሮ ነቲ ንውግእ መወዳእታ ዝገብረሉ: ከምኡውን ናይ ሓቂ ሰላም ዘስፍነሉ መስርሕ ጀሚርዎ ኣሎ። ብኸመይ፧ ብ1914 ንየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሕጋዊ ናይ መንግስቲ ዝፋኑ ብምቕማጥ: ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝዓበየ ናይ ሰላም ትምህርታዊ ወፈራ ድማ ብምቅልጣፍ ኢዩ ዝገብሮ ዘሎ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:13 ዝርከብ ትንቢታዊ ቃላት ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:⁠- “ኵላቶም ደቅኺ ­ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።”

18 እዚ ትንቢት እዚ ስርዓተ ምኽንያትን ውጽኢትን: ማለት ነፍሲ ወከፍ ውጽኢት ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ናይ የሆዋ ትምህርቲ: እቲ ምኽንያት ኢዩ፣ ፈተውቲ ኲናት ንዝዀኑ ሰባት ድማ ናብ ምስ ኣምላኽ ሰላም ዘለዎም: ሰላም ድማ ዝፈትዉ ሰባት ይቕይሮም። እቲ ውጽኢት ከኣ ንሰባት ፈተውቲ ሰላም ዝገብሮም ናይ ልቢ ምቕያር ኢዩ። እዚ ንኣልባብን ኣተሓሳስባን ሰባት ዝቕይር ትምህርቲ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብነት ናይቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክስዕቡ ከለዉ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣብ ምሉእ ዓለም ይዝርጋሕ ኢዩ ዘሎ።​—⁠ኢሳይያስ 9:6

19. የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰላም እንታይ ኢዩ ዝማሃረ፧

19 የሱስከ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰላም እንታይ ኢዩ ዝማሃረ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝህሉ ሰላም ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝህሉ ናይ ሰላም ዝምድናታት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ካብ ጽጹይ ሕልና ዝመጽእ ውሽጣዊ ሰላም ኢዩ ተዛሪቡ። ኣብ ዮሃንስ 14:27 የሱስ ንሰዓብቱ እተዛረቦም እዚ ዝስዕብ ቃላት ነንብብ:⁠- “ሰላም እሐድገልኩም: ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ: ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።” የሱስ ዝህቦ ሰላም ካብቲ ናይ ዓለም እተፈልየ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

20. የሱስ ከመይ ዝበለ መገዲ ገይሩ ኢዩ ናይ ሓቂ ሰላም ዘምጽእ፧

20 ብመጀመርታ: የሱስ ዝህቦ ሰላም ምስ መልእኽቲ ናይታ መንግስቱ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ። እታ ብየሱስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዝቘመት ጽድቃዊት ናይ ሰማይ መንግስቲ: ንውግእን መለዓዓልቱን መወዳእታ ክትገብረሎም ምዃና ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 14:1, 3) ነቲ ኣብ ጐድኑ ዝሞተ ገባር ክፉእ ክህቦ እተመባጽዓሉ ሰላም ዝመልኦ ገነታዊ ኵነታት ከተምጽእ ምዃና ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ቦታ ኣይሃቦን: ኣብ ክንድኡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: [“ሎሚ:” NW ] ብሓቂ እብለካ አሎኹ” በሎ።​—⁠ሉቃስ 23:43

21, 22. (ሀ) ናይ ሓቂ ሰላም ከመይ ዝበለ ብዘደንቕ መገዲ ዘናብር ተስፋ ኢዩ ዝህብ፧ (ለ) ነቲ በረኸት እቲ ብዓይንና ምእንቲ ክንርእዮ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

21 የሱስ መንግስቱ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እምነት ዘርእዩ ሕዙናት ምጽንናዕ ከተምጽኣሎም ምዃና እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ዝህቦ ሰላም ነቲ ብዘደንቕ መገዲ መናበሪ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ ኣብ ዮሃንስ 5:​28, 29 ዝርከብ ዘተባብዕ ቃላቱ ዘክሮ:⁠- “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።”

22 ነቲ ግዜ እቲ ብተስፋዶ ትጽበዮ ኣሎኻ፧ እተፍቅሮም ሰባት ብሞት ስኢንካዶ ኢኻ፧ እንደገና ክትርእዮም ትህንጠዶ፧ እምበኣር: ነቲ የሱስ ዝህቦ ሰላም ተቐበሎ። ከምቲ ናይታ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ንየሱስ እተዛረበቶ ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር ዝበለት እምነት ትሃልኻ። እቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ዘሕጕስ መልሲ ግን ኣስተብህለሉ:⁠- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧”​—⁠ዮሃንስ 11:24⁠-26

23. ናይ ሓቂ ሰላም ምእንቲ ክትረክብ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ንስኻውን ነዚ መብጽዓ እዚ ክትኣምኖ ካብኡ ድማ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብምርካብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣድላይነት ርጡብ ፍልጠት ብኸመይ ኣጕሊሕዎ ከም ዘሎ ኣስተብህል:⁠- “በቲ [“ርጡብ:” NW ] ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት [“ብርጡብ ፍልጠት:” NW ] ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንጽሊ አሎና።” (ቈሎሴ 1:​9, 10) እዚ ርጡብ ፍልጠት እዚ የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ሓቀኛ ሰላም ምዃኑ ከእምነካ ኢዩ። ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ: ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ” ኣብ ምባል ክትሓብር ምእንቲ ክትክእል ሕጂ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ እውን ክነግረካ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 4:8

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

◻ ምእንቲ ሰላም እተገብረ ሰብኣዊ ጻዕርታት ብቐጻሊ ዝፈሸለ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ናይ ውግእ ሱር ጠንቂ እንታይ ኢዩ፧

◻ ነባሪ ሰላም ክውንነት ዘይብሉ ሕልሚ ኢዩ ክበሃል ዘይከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ምንጪ ናይ ሓቂ ሰላም እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ሰላም ሕልሚ ኣይኰነን። ኣምላኽ ዝሃቦ መብጽዓ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብ 1914 ኣትሒዙ እቲ ሓመር ዝሕብሩ ፈረስ ዘጋልብ ምሳልያዊ ፈረሰኛ ንሰላም ካብ ምድሪ ከርሕቓ ጸኒሑ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሃይማኖት ከምኡውን ሕ.ሃ ሰላም ከምጽኡ ይኽእሉዶ፧

[ምንጪ ስእሊ]

UN photo

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ