ትዝክሮዶ፧
ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብጥንቃቐዶ ኣስተብሂልካሎም፧ ከምኡ ገይርካ እንተ ዄንካ: ነዚ ዝስዕብ ክትዝክሮ ማራኺ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ:-
◻ ከመይ ገይሮም ኢዮም ሎሚ ብዙሓት ምርዕዋት ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ዝሰዓብዎ፧
ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ሓያለይ እተፈላለያ ጉባኤታት ኣገልጊሎም ኢዮም። ብዙሓት ቀናኣት ዘመናውያን ክርስትያናት ድማ ንዕኦም ብምምሳል: ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ንምኻድ ገዛእ ርእሶም ኣቕሪቦም ኢዮም። ረብሓታት መንግስቲ ክዓቢ ብምርኣይ ከምኡውን ክቡር ክርስትያናዊ ምሕዝነት ክትኵስኵስ ብምኽኣል ዝመጽእ ሓጐስን ዕግበትን እውን ተመኪሮምዎ ኢዮም።—12/15 ገጽ 24
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣረኣእያ ሚዛናዊ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ወይኒ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ህያብ ኢዩ ይብል። (መዝሙር 104:1, 15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ነቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብዛሕ ይዅንኖ ኢዩ። (ሉቃስ 21:34፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:8፣ ቲቶስ 2:3 1 ጴጥሮስ 4:3)—12/15 ገጽ 27
◻ እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ሃጌ እንታይ ጕሉሕ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዘለዋ፧
መጽሓፍ ሃጌ 38 ቍጽርታት ዝሓዘት እኳ እንተዀነት: ስም ኣምላኽ 35 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ የሆዋ ዝብል ስም በቲ “ጐይታ” ዝብል መዓርግ ክትካእ ከሎ: ከምዚ ዝበለ ትንቢት ትርጕም ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል።—1/1 ገጽ 6
◻ ካብ ናይ ዳዊትን ምናሴን ሓጢኣት እንታይ ትምህርቲ ክንወሰድ ንኽእል፧
የሆዋ ንዳዊትን ምናሴን—እስራኤላውያን እውን ምስኦም—ሓጢኣቶም እኳ እንተ ሓደገሎም: ገና ግን ናይ ሓጥእ ተግባሮም ሳዕቤናት ክወርዶም ነበሮ። (2 ሳሙኤል 12:11, 12፣ ኤርምያስ 15:3- 5) ብተመሳሳሊ መገዲ: የሆዋ ንዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ዝሓድገሎም እኳ እንተዀነ: ክእለ ዘይክኣል ናይ ተግባራቶም ሳዕቤን ግን ክህሉ ይኽእል ኢዩ።—1/1 ገጽ 27
◻ በየናይ መገዲ ኢየን ‘ኣእጋር ናይቶም’ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ‘ብስራት ዘውርዩ’ “ጽቡቓት” ዝዀና፧ (ኢሳይያስ 52:7)
ሓደ ሰብ ንኻልኦት ክሰብከሎም ኢሉ ክኸይድ ከሎ ዝንቀሳቐስ ብእግሩ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣእጋር ብሓቂ ነቲ ሰብ ኢዩ ዝውክል። ስለዚ ነቶም ነቲ ብስራት እታ መንግስቲ ዝሰምዑን ጽቡቕ ምላሽ ዝህቡን ብዙሓት ሰባት: ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ልኡኻት ኣእጋር ብሓቂ ንኽትርእየን ጽቡቓት ኢየን።—1/15 ገጽ 13
◻ ነቲ ‘ወንጌል ምስባኽ’ እንታይ ክልተ ዕማማት ዝሓዘ ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 9:16)
መጀመርታ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ክንእውጅ ኣሎና። እቲ ኻልኣይ መዳይ ናይዚ ዕዮ እዚ ድማ ነቶም ነቲ ኣዋጅ ናይታ መንግስቲ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ምምሃር ዝሓዘ ኢዩ።—1/15 ገጽ 23
◻ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ናይ መንግስቲ መዝሙራት ብምዝማር እንታይ ጥቕምታት ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
ምዝማር ንፈጣሪና ዘሎና ስምዒታት ንምግላጽ ኣጋጣሚ ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 149:1, 3) ኣብቲ ናይ ጉባኤ መዝሙር ብምሉእ ልብና ክንዝምር ከሎና ኣእምሮናን ልብናን ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ፕሮግራም ብግቡእ ከም ዝዳሎ ይኸውን። ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዝሰፍሐ ግደ ንኽህልወና ኸኣ ከለዓዕለና ይኽእል።—2/1 ገጽ 28
◻ ካብ መዓልቲ ምላድስ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ (መክብብ 7:1)
ሓደ ሰብ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ምስቲ ንዝሞቱ እሙናት ሰባት ከተንስኦም ዝኽእል የሆዋ ጽቡቕ ስም ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ ክሓይሽ ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25)—2/15 ገጽ 12
◻ መጽሓፍ መክብብ ብብሕቲ ክትሕግዘና ዝግብኣ ስለምንታይ ኢያ፧
ኣብ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያን እነተኵረሉ ነገርን ምእንቲ ከነቃንዕ ንነፍሲ ወከፍና ክትሕግዘና ትኽእል ኢያ። (መክብብ 7:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17)—2/15 ገጽ 16
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥሩፋት ድዮም፧
ኣይኰኑን። ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነት እኳ እንተለዎም: ከምቲ ናይታ ስያመ ኣጠቓቕማ እንተድኣ ኰይኑ ግን ጥሩፋት ኣይኰኑን። ኣንጻር እቶም ምስኦም ዘይሰማምዑ ክኸዱ ኢሎም ኣድማታትን ጐንጽን ኣይጥቀሙን ኢዮም። ነቲ መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ ኢዮም ዝመስልዎ።—3/1 ገጽ 6
◻ ክርስትያናት እታ የሱስ ሕነ ኣምላኽ ከውርድ ኢሉ ዝመጸላ ልክዕ ግዜ ዘይምፍላጦም እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧
እዚ ንክርስትያናት ህርኩታት ንኽዀኑን ንየሆዋ ካብ ስሱዕ ድራኸታት ተበጊሶም ከም ዘየምልኽዎ ንምርግጋጽን ኣጋጣሚ ይህብ።—3/1 ገጽ 13
◻ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘታለለና ሓው ሕጋዊ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድና እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧
ኣብ ልዕሌና: ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ሰባት: ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ኣቐዲምና ኣብ ግምት ከነእቱ ይግብኣና፧ (1 ቈረንቶስ 6:7)—3/15 ገጽ 20
◻ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
ናይ ሓቂ ሓጐስ: ኣብ ሓቀኛ እምነትን ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝህሉ ጸቡቕ ርክብን እተመስረተ ኵነታት ልቢ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:3)—3/15 ገጽ 23
◻ ሓደ ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም ንኽዳንዩ ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ሰባት ንኽህሉ ምስ ዝጽዋዕ እንታይ ክገብር ይግባእ፧
ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም ንኽዳንዩ ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ሰባት ንኽህሉ ምስ ዝጽዋዕ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ምርዳእን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕልናን ተመርኲሱ እንታይ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ክውስን ኣለዎ። (ገላትያ 6:5)—4/1 ገጽ 29