ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/5 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንቑሓት እንዀነሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/5 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተረኽበ ምርዳእ ናይታ ኣብ ማቴዎስ 24:⁠34 ዘላ “ወለዶ” እትብል ቃል: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ ንንውሕ ዝበለ እዋን ክደናጐ ይኽእል ኢዩ ንምባል ምኽንያት ዝህብ ድዩ፧

ፈጺሙ ከምኡ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተዓረየ ምርዳእ ናይዚ ጕዳይ እዚ: ንመወዳእታ ብዘይ ምቍራጽ ክንጽበዮ ክሕግዘና ኣለዎ። ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ክበሃል ዝከኣል፧

ከምቲ ናይ 1 ሕዳር 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገሊጻቶ ዘላ: የሱስ ነታ “እዚ ወለዶ እዚ” እትብል ሓረግ: ኣብ ሓደ እተወሰነ እዋን ይነብሩ ንዝነበሩ እኩያት ሰባት ንኸመልክት ኢዩ ተጠቒሙላ። (ማቴዎስ 11:​7, 16-​19፣ 12:39, 45፣ 17:14-​17፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:​5, 6, 14, 40) ንሓደ ካብ ንጹር ዕለት ብምጅማር ንእተወሰነ ንውሓት ዝቕጽል ግዜ እተዋህበት መግለጺ ኣይኰነትን።

ርግጽ ኢዩ: እቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዝብል ዓንቀጽ ናይታ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እቲኣ ኣብቲ “ናይ ህዝቢ ወለዶ ውሱን ቍጽሪ ዓመታት ዘለዎ እዋን ገይርካ ክርአ ኣይከኣልን ኢዩ” ከምኡውን “ናይ ሓደ ወለዶ ህዝቢ . . . ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ኢዮም ዝነብሩ” ዝብል ክልተ ቀንዲ ነጥብታት ኣተኲሩ ነይሩ ኢዩ።

“ወለዶ” መብዛሕትኡ ግዜ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኢና እንጥቀመሉ። ንኣብነት: ‘እቶም ኣብ ወለዶ ናፖልዮን ዝነበሩ ወተሃደራት ብዛዕባ ነፈርትን ኣቶሚክ ቦምብን ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበሮምን’ ንብል ንኸውን። ከምዚ ክንብል ከሎና ነቶም ኣብቲ ናፖልዮን ዝነበረሉ እዋን እተወልዱ ወተሃደራት ጥራይ ዲና እነመልክት ዘሎና፧ ነቶም ናፖልዮን ቅድሚ ሙማቱ ዝሞቱ ወተሃደራት ጥራይ ማለትና ድዩ፧ ብርግጽ ኣይኰነን፣ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል ከምዚ ዝበለ ኣጠቓቕማ ገይርና እተወሰነ ቝጽሪ ዓመታት ከነቕውም ኣይንፍትንን ኢና። ከምኡ ምባልና ብተዛማዲ ሓጺር እዋን ንምምልካት ድኣ እምበር: ነቲ ካብ ግዜ ናፖልዮን ጀሚሩ ዝቐጸለ ኣማእታት ዓመታት ንምምልካት ኣይኰነን።

እዚ ምስቲ ነቲ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኰይኑ ክንበ ከሎ ዝበሎ ነገር ዘሎና ምርዳእ ዝመሳሰል ኢዩ። ፍጻሜ ናይቲ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ ትንቢት እቲ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ከም ዝቐረበ ዘረጋግጽ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:32, 33) ብመሰረት ራእይ 12:⁠9, 10 ብ1914 ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ክትቀውም ከላ: ሰይጣን ናብ ከባቢ ምድሪ ተደርብዩ ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ: ሰይጣን ሕጂ ኣዝዩ ተቘጢዑ ከም ዘሎ ትገልጽ ኢያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ” ይፈልጥ ኢዩ።​—⁠ራእይ 12:⁠12 ሰያፍ ዝገብርናዮ ንሕና ኢና።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ እታ ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ “ተጠንቀቑ!” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ክህልዋ ግቡእ ዝነበረ። ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ ኸኣ እታ ቐጺላ ዘላ ቍጽሪ ከምዚ ትብል:⁠- “ናይቲ ፍጻመታት ልክዕ ግዜ ክንፈልጥ ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ኣቓልቦና​—⁠መዓልቲ ኣብ ምጽብጻብ ዘይኰነስ⁠—​ጥንቁቓት ኣብ ምዃን: ብርትዕቲ እምነት ኣብ ምዅስኳስ: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ኣብ ምዃን: ክኸውን ኣለዎ።” ድሕርዚ ንቓላት የሱስ ጠቐሰት:⁠- “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ . . . እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ።”​—⁠ማርቆስ 13:⁠33, 37

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ