ኣብ ሪኢንካርነሽን ትኣምንዶ ኢኻ፧
ሙካንድባይ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝማሃር ወዱ “ኣብዚ: ኣብ ህንዲ: ቀደም ክትዓቢ ከሎኻ ነታ ብፍቕራ ተታሒዝካ ዝነበርካ ጐረቤትካ ዝነበረት ጓል ትዝክራዶ፧ ድሕሪ ውሑዳት ሰሙናት ክትምርዖ ኢያ። ክትፈልጥ ኣሎካ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ኢየ ዝነግረካ ዘሎኹ” ብምባል ጸሓፈሉ።
ኣቡኡ ከምዚ ዝበለ ወረ ንወዱ ዘካፈሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቅድም ቀዳድም ሙካንድባይ ነቲ ናይ ኰተቴ ፍቕሪ ዓመታት ይገብር ብሓይሊ ከም ዘቋርጽ ገይርዎ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ወዲ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽማሃር ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ሽዱሽተ ዓመታት ከኣ ምስታ ጓል ምንም ርክብ ከም ዘይነበሮ ሙካንድባይ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
ስለምንታይ ድኣ ኢዩ እሞ ዘተሓሳሰቦ፧ ሙካንድባይ ኣብ ሪኢንካርነሽን: ወይ ኣብ ዳግም ምውላድ ይኣምን ስለ ዝነበረ ኢዩ።a ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዝነበረ ናይ ዕድመ ኰተቴ ፍቕሪ ቀደም ሰብኣይ ሰበይትን ስለ ዝነበሩ እተፈጥረ እንተድኣ ኰይኑ: ሕጂ ኣብቲ ክምርዓውሉ ዝኽእሉ ዕድመ በጺሖም ክነሶም ክትፈላልዮም ጭካነ ኢዩ። ሙካንድባይ: እታ ጓል ኣብዚ ህይወት እዚ ንኻልእ ሰብ ቅድሚ ምምርዓዋ: ወዱ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክፈልጥ ጥራይ ኢዩ ደልይዎ።
ካልእ ኣብነት ድማ ርአ። ኣብ ሙምባይ: ህንዲ: ሓንቲ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ብዙሕ ስቓይ እናሕለፈት ብተደጋጋሚ ሆስፒታል ትኣቱ ነበረት። ሕማማ ሓደ ካብቲ ናይ ልቢ ቫልቭ ምብልሻው ኢዩ ነይሩ። እቶም ሃብታማት ወለዳ ጓሎም እናተሳቐየት ክርእይዋ ዓቕሎም ጸበቦም። እንተዀነ ግን: “ክንቅበሎ ኣሎና። ከምዚ ኰይና ዘላ ኣብቲ ናይ ቅድም ህይወታ ገለ ነገር ገይራ ክትከውን ኣለዋ” ኢሎም ሓሰቡ።
ኣብ ሪኢንካርነሽን ምእማን ኣብ ህይወት ናይ ሚልዮናት ሂንዱዝም: ቡድሂዝም: ጀይኒዝም: ሲኪዝም: ከምኡውን ካልኦት ካብ ህንዲ ዝመነጫ ሃይማኖታት ዓቢ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ። ኣብ ህይወት ዘጋጥም ተመክሮታት—ካብ ምፍቃር ጀሚርካ ክሳዕ ከቢድ ስቓይ—ሳዕቤን ናይቲ ቅድም ኣብ ህይወትካ ወይ ኣብ እተፈላለየ ህይወት ዝገበርካዮ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝሓስብዎ።
ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት እውን በዚ ናይ ሪኢንካርነሽን ሰረተ-እምነት ተሳሒቦም ኢዮም። ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሸርሊ ማክላን ኣብ ሪኢንካርነሽን ከም እትኣምን ትዛረብ። ናይ ቫንኮቨር: ብርትሽ ኮሎምብያ: ካናዳ ጻሓፊት ሎረል ፌለን እውን 50 ዝኸውን ናይ ዝሓለፈ ህይወት ተዘክሮታት ከም ዘለዋ ተዛረበት። ኣብቲ ኣብ 1994 ብሲኤንኤን/ዩኤስኤ ቱደይ እተገብረ ተኸታታሊ ፍቕዲ ድምጺ ካብ 1,016 በጽሕታት ልዕሊ 270 ዝዀኑ ኣብ ሪኢንካርነሽን ከም ዝኣምኑ ገለጹ። ኣብ ሪኢንካርነሽን ምእማን ክፍሊ ናይዚ ናይ ሓድሽ መዋእል ምንቅስቓስ እውን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ እምነት እዚ ዝድግፍ መርትዖ እንታይ ኢዩ፧
እቶም ኣመንቱ: ናይ ሪኢንካርነሽን መርትዖ “ናይቲ ቅድም ዝነበረ ህይወት ተዘክሮታት!” ኢዩ ይብሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ እታ ኣብ ባንኮክ ዘላ ራትና እትብሃል ጓል ሰለስተ ዓመት “ኣብ ዕድመ 60ታት ከላ ዝሞተት ሓንቲ ሃይማኖታዊ ሰበይቲ ከም ዝነበረት ዝገልጽ ናይ ቅድም ህይወታ ተዘክሮታት” ትዝ ክብላ ምጅማሩ ከም ድልዱል መርትዖ ናይ ሪኢንካርነሽን ተቐበልዎ።
ይኹን እምበር: ጥርጣረታት እውን ኣሎ። ነቶም ናይ ቅድም ህይወት ተዘክሮታት ኢዮም ዝበሃሉ ኸኣ ካልእ መግለጺታት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ።b ሓደ ናይ ሂንዱ ፈላስፋ ኣብታ ሂንዱዝም:- ኢትስ ሚኒን ፎር ዘ ሊበረሽን ኦቭ ዘ ስፒሪት እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ‘ብድሕሪ ሞት ዘሎ ተመክሮታት ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ’ ይብል። እንተዀነ ግን: “ብዛዕባ እንደገና ምውላድ ዝገልጽ ሰረተ-እምነት ካብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ምባል ክኸውን ይኽእል ኢዩ ምባል ዝያዳ ተቐባልነት ኣለዎ” ብምባል ገለጸ።
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ይድግፎ ድዩ፧ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽከ ብዛዕባ ምውታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝህብ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ: ትርጕም ናይ “ሪኢንካርነሽን ” ክገልጽ ከሎ “ናይ ነፍሲ ብሓደ ወይ ድማ ብእተፈላለየ መልክዓት እንደገና ምውላድ: እዚ መልክዓት እዚ ድማ ከም ሰብ: እንስሳ: ወይ ድማ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከም ተኽሊ ኴንካ እንደገና ምምጻእ ማለት ኢዩ” ይብል። እታ “እንደገና ምውላድ” እትብል ስያመ እውን ነዚ ኵነታት እዚ ንምግላጽ ትውዕል ኢያ: እታ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዋ ቃል ግን እታ “ሪኢንካርነሽን ” እትብል ኢያ። ብናይ ህንዲ ቋንቋታት እተዳለዉ ብዙሓት መዝገበ-ቃላት: ነዘን ቃላት እዚኣተን እናቐያየሩ ይጥቀሙለን ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ብስንኪ እቲ ኣብ ናይ ቅድም ህይወታ ዝገበረቶ ሓጢኣት ድያ ትቕጻዕ ዘላ፧