ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዝመልኦ እዋን ብኸመይ ተስፋ ከም ዝርከብ
እዚ ዝስዕብ ኵነታት ከም ዘጋጠመካ ገይርካ ሕሰብ:- ኵሉ ንብረትካ ብምጥፍኡ: ጥራሕ ኢድካ ተሪፍካ። እቶም ኣብ ህይወትካ ምንጪ ሓጐስ ዝዀኑ ደቅኻ ሞይቶም። በዓልቲ ቤትካ ድማ ኣየተባባዓትካን። ጥዕናኻ ኸኣ ቃል ብቓሉ ጠፊኡ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ዘሳቒ ፈተናታት ዘለዋ ትዀነካ።
ኣብ ህይወትካ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ምስ ዘጋጥመካ: ብህይወት ንኽትቅጽል ምኽንያት ክትረክብ ትኽእልዶ፧ ወይስ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ምወደቕካ፧
እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሕማቕ ኵነታት ነቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነብር ዝነበረ እዮብ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ናይ ሓቂ ተመክሮ ኢዩ። (እዮብ ምዕራፍ 1, 2) ኣብቲ ኣዝዩ ተጨኒቑሉ ዝነበረ እዋን እዮብ “ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ” ብምባል ኣምሪሩ ሓዘነ። ንሞት ከም ዕረፍቲ ክዀኖ ሕራይ ኢሉ ምተቐበሎ ነይሩ። (እዮብ 10:1፣ 14:13) ይኹን እምበር: እዮብ ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ እኳ እንተነበሮ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ግን ሓልዩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ‘ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ዝባረኸሉ።’ “ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ” ድማ ብሰላም ሞተ።—እዮብ 42:12, 17
እዮብ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ሞሳ ዝዋሃበሉ ዘሎ ናይ ምጽማም ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ባህርያቱ ከም ዘመሓይሽ: ንኻልኦት ድማ ንሰናይ ግብሪ ከም ዝለዓዓሉ ገይርዎም ኢዩ። (ያእቆብ 5:10, 11) ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ድማ እቲ ኣበር ዘይነበሮ ንጽህና እዮብ ንልቢ የሆዋ አሐጒስዎ ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ስለዚ እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ስቓይ ዝነበሮ ኵነታት: ንእዮብን ንዅሎም እቶም በዚ ኣብነት እዚ ዝትንከፉ ሰባትን በረኸት ኣብ መወዳእትኡ ዘምጽእ ዕዉት ዝዀነ ኣምላኻዊ ባህርያት: እምነት: ከምኡውን ንጽህና ኢዩ ኣፍርዩሎም።
እተፈላለየ ፈተናታት እናጋጠመ ተስፋ ምግባር
ነቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት ዝመሳሰል ኵነታት ተሕልፍ ትህሉ ትኸውን። ሞት ናይ እትፈትዎ ሰብ ብስምዒት ከም እትጕዳእ ገይሩካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከቢድ ሕማም ንህይወትካ ቃንዛ ዝመልኦ ብርቱዕ ፈተና ይገብሮ ይኸውን። ብምኽንያት ዘሕዝን ፍትሕ ምሉእ ህይወትካ እተበታተነ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ናይ ቍጠባ ዕንቅፋታት ጥራሕ ኢድካ ከም እትተርፍ ገይሩካ ክኸውን ይኽእል። ዒላማ ናይቶም ብጽልኢ ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝጻረሩ ዘወርድዎ ስደት ኴንካ ክትከውን ትኽእል። ነቲ ዘጋጥመካ ፈተናታት ብዓወት ንምውጻእ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ: መጻኢኻ ምንም ተስፋ ዘይብሉ ዝመሰል ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ገይሩካ ይኸውን።—1 ጴጥሮስ 1:6
ኣብ ክንዲ ተስፋ እትቘርጽ: ንገዛእ ርእስኻ ‘ስለምንታይ ኢየ ዝሳቐ ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት። ኣብታ “በቲ እኩይ ተትሒዛ” ዘላ ዓለም ትነብር ስለ ዘለኻ ኢኻ ትሳቐ ዘሎኻ። (1 ዮሃንስ 5:19) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሳቐ ኣሎ። በቲ መንፈስ ሰይጣን ዘለዓዕሎ ኣንጻር መልእኽቲ እታ መንግስቲ ዝርአ ጽልኢ: በቲ ካልኦት ዘውጽእዎ ሕሱም ቃላት: ወይ ድማ በቲ ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ዘርዕድ ፍርሂ ኣምላኽ ዘይብሉ ተግባራት ብገለ መገዲ ኵላትና ንትንከፍ ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 NW
ኣብ ህይወትካ ገለ ዘርዕድ ነገር ምስ ዘጋጥም: ግዳይ ናይ “ጊዜን ኣጋጣምን” ኴንካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (መክብብ 9:11) ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኵነታት ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 5:12) ከቢድ ሓጢኣት ፈጺምካ እውን ከይተረፈ: ብምንሳሕ መንፈሳዊ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኻ: ብኣምላኽ እተደርበኻ ኰይኑ ኣይሰማዕካ። (መዝሙር 103:10-14፣ ያእቆብ 5:13-15) ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ይሓልየልና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም . . . ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ምዃኑ እምንቶ ከተሕድር ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 34:18) ዘጋጥመካ ዘሎ ፈተና ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ይኹን ከቢድ ብዘየገድስ የሆዋ ክትዋጽኣሉ ዘኽእለካ ጥበብ ክህበካ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 1:5-8) የሆዋ ንዅሉ በሰላ ከሕውዮ ከም ዝኽእል ኵሉ ግዜ ዘክር። ስምረቱ እንተድኣ ኣሎካ: ሽልማት ህይወት ንኸይትረክብ ክኽልክለካ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።—ሮሜ 8:38, 39
ካብ ፈተናታት ገለ ጠቓሚ ነገር ክርከብ ይኽእልዶ፧
“ኵሉ ሕማቕ መነባብሮን ጸልማት ግዜን ከም ጽላሎት ክሓልፍ ኢዩ” ዝብል ጥንታዊ ብሂል ኣሎ። እዚ ድማ ብሓጺሩ: ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ይኽፋእ ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ተስፋ ክትገብረሉ እትኽእል ምኽንያት ኣሎ ማለት ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ተጻሒፉ ዘሎ ቃል ኣምላኽ ዕላምኡ: “ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና” ኢዩ። (ሮሜ 15:4) ኵነታትካ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ይኹን ብዘየገድስ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መብጻዓታትን ስርዓታትን እተሓደሰ ሓጐስን ተስፋን ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ።
‘ጸበባ’ ምስቲ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ተዳልዩሎም ዘሎ ዘለኣለማዊ በረኸት ኣነጻጺርካ “ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን” ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት የርኢ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16-18) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ግዜ ፈተና እተጥርዮ ኣምላኻዊ ባህርያት: ካብ ዝና ወይ ድማ ስጋዊ ሃብቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ዋጋ ከም ዘለዎ እውን የርኢ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ስለዚ ድማ ስቓይ እውን ከይተረፈ ጥቕሚ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 5:8) አረ: ነቲ ኣብ ግዜ ፈተና እትማሃሮ ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓሉስ ዘይተጸበኻዮ በረኸታት ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ።
ከቢድ ፈተና ሕያዋይን ምቕሉልን ከም እትኸውን ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ቅድም ንሰባት ዘሕርቕ: ንመንፈሳዊ ዕቤትካ እውን ከይተረፈ ዕንቅፋት ዝኸውን ባህርይ ከም ዝነበረካ ትእመን ትኸውን። ምናልባት እቲ ባህርይ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእስኻ ምትእምማን ክኸውን ይኽእል። ብገለ ሽግር ምስ ተጠቓዕካ ግን: ክሳዕ ክንደይ ተሰባሪ ምዃንካ: ኻልኦት ሰባት ድማ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድልዩኻ ብሃደበት ትግንዘብ ትኸውን። እዚ ትምህርቲ እዚ ምሂሩካ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ዘድሊ ለውጥታት ከኣ ገይርካ እንተድኣ ኴንካ: እቲ ዘጋጥመካ ፈተና ጠቒሙካ ማለት ኢዩ።
ቅድም: ሕርቃንካ ኽትቈጻጸር ጸገም ስለ ዝነበረካ ካልኦት ምሳኻ ክቐርቡ ዘሸግሮም ነይሩ እንተድኣ ኰይኑኸ እንታይ ይኹን፧ እዚ ምናልባት ምስ ጥዕናኻ እተሓሓዘ ገለ ጭንቀት ኣስዒቡልካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 14:29, 30) ሕጂ ግን: ርእስኻ ምግታእ ንኸተርኢ ኣብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ እትምርኰስ እቲ ኵነታት ዝያዳ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
ልክዕ ከም ካልኦት: ምናልባት ንስኻውን ነቶም እተጋገዩ ብምሕረት ንኸይትርእዮም ድንጋጽ ይጐድለካ ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንስኻ ኣብ ሓደ ምሕረት ዘድልዮ ኵነታት ምስ እትወድቕ: ሕጂ ንኻልኦት ምሕረተኛ ናብ ምዃን ዝያዳ ከም እትዘብል ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ካልኦት ዘርኣዩኻ ልባዊ ድንጋጽ: ሓልዮት: ከምኡውን ምሕረት ንስኻውን ነቶም ተጋግዮም እተናስሑ ሰባት ተመሳሳሊ ባህርያት ከተርእዮም ዝግብኣካ ምዃኑ ከም እትግንዘብ ገይሩካ ኢዩ። እቲ ዘሕለፍካዮ ስቓይ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ ባህርያትካ ዝነበረ ጕድለት ከተዕርዮ ኣለዓዒሉካ እንተድኣ ኰይኑ: እዚ ካብቲ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ ዝረኸብካዮ ሓደ ጥቕሚ ኢዩ። ሕጂ ‘ምሕረት ኣብ ፍርዲ እትምካሕ’ ምዃና ተማሂርካ ኢኻ።—ያእቆብ 2:13፣ ማቴዎስ 5:7
እቲ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተዋህበካ ተግሳጽ ነቲ ዝነበረካ መሰላትን ካብ ካልኦት እትረኽቦ ዝነበርካ ክብረትን ከም እተጥፍእ ምስ ዝገብረካኸ፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ናይ ተግሳጽ ስጕምቲ ነታ ጉባኤ ንጽህቲ ንምግባራ ዝሕግዝ ኢዩ: እቲ ዕላማ ግን ነቲ እተጋገየ ሰብ ብመንፈስ ከም ዝጥዒ ንምግባር እውን ኢዩ። ብሓቂ ክርኣ ከሎ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።” (እብራውያን 12:11: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ተግሳጽ ሃሳዪ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ብትሕትና ዝናሳሕ ሰብ ግን ብዘይተስፋ ኣይገድፎን ኢዩ። እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት: በቲ ዝገበሮ ጌጋ ኣጸቢቑ ተገሲጹ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ተናስሐ: ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ብሉጽ እምነት ዘለዎ ሰብኣይ መጠን ናእዳ ኣትሪፉ ኢዩ።—2 ሳሙኤል 12:7-12፣ መዝሙር 32:5፣ እብራውያን 11:32-34
ፈተና: ኣብ ኣረኣእያኻ ዓሚቝ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ቅድም ቀልብኻ ኣብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተፈላጥነትን ዝለዓለ ማሕበራዊ ደረጃን ዘምጽእ ስጋዊ ሸቶታትን ዓወታትን ዘተኰረ ነይሩ ይኸውን። ምናልባት ምስ ቍጠባዊ ምልውዋጥ ወይ ዝነበረካ ስጋዊ ንብረት ምጥፋእ እተተሓሓዘ ፈተና ግን ንሓሳባትካ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር ከም ዘተኵር ገይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምስ ፊልጲ 1:10 ኣረኣእዮ።) ሕጂ ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ሓጐስን ነባሪ ዕግበትን ዘምጽእ እንኮ ነገር: ንቕዱስ ኣገልግሎት ዝምልከት መንፈሳዊ ነገራትን ሸቶታትን ምግባር ምዃኑ ትግንዘብ ኢኻ።
ኣብ የሆዋ ተወከል
ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ: ኣብ ኢድ እቶም ንክርስትያናዊ እምነት ዝጻረሩ ሰባት ብምውዳቕ ስደትን ስቓይን የስዕብ ይኸውን። ብምኽንያት እዚ ፈተና እዚ እተጸቐጥካ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን: ጥቕሚ ክርከቦ ዝከኣል ኢዩ። እዚ ፈተና እዚ ንእምነትካ የደልድሎ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ: ካልኦት ብፈተና ዝሳቐዩ ዘለዉ: ነቲ ናትካ ዘይምሕላል ርእዮም ክተባብዑን ክብርትዑን ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ሰናይ ጠባይካ ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ድማ ንየሆዋ ከኽብሩ ይለዓዓሉ ይዀኑ። እቶም ተጻርረትኻ እውን ከይተረፉ ክሓፍሩን ነቲ ሰናይ ግብርኻ ድማ ኣፍልጦ ክህብሉን ይኽእሉ ይዀኑ!—1 ጴጥሮስ 2:12፣ 3:16
መስጐጕቲ ክወርደካ ከሎ ተስፋ ምቝራጽ ምእንቲ ከተርሕቕ ኣብ የሆዋ ክትውከል የድልየካ። ቃሉ: ካብ ፈተና እትዓርፈሉ ግዜ ብርግጽ ከም ዝመጽእ የርኢ ኢዩ: እንተዀነ ግን ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ቀልጢፉ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ‘ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልኪ።’ (2 ተሰሎንቄ 3:13) ነቲ ፈተናታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉን ክትጽመምን ዘኽእለካ መገድታት ምድላይ ቀጽል። እቲ ኵነታት ተስፋ ዘይብሉ እንተ መሰለ እውን ከይተረፈ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።” (መዝሙር 55:22) በቲ ኣጋጢሙካ ዘሎ ሽግር ጥራይ ብምሕሳብ ኣብ ክንዲ ትወሓጥ: ንየሆዋ ምፍላጥካ: ኣብ መንጎ ህዝቡ ቦታ ምርካብካ: ከምኡውን ተስፋ ነባሪ ህይወት ምርካብካ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽካ ምዃንካ ሕሰብ።—ዮሃንስ 3:16, 36
ንኣእምሮኻ ኣብቲ ዘድሊ ነገራት ጥራይ ከም ዘተኵር ግበሮ። ንኽትጽመም ብርታዐ ክህበካ ብምሕታት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቅረብ። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) ነቶም ዘሳቕዩኻ ሰባት ዝዀነ ይኹን ሕነ ናይ ምፍዳይ ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ሕኸኮ። ነቲ ኵነታት ኣብ ኢድ የሆዋ ግደፎ። (ሮሜ 12:19) ክርስትያናዊ ባህርያት ብምዅስኳስ: ባህርያትካ ከተማሓይሸሉ እትኽእል መገድታት ምድላይ ቀጽል። (2 ጴጥሮስ 1:5-8) ነቲ እቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ንመንፈሳዊ ድሌታትካ ዝሓልዩ ሽማግለታት ዝገብርዎ እውን ሓዊስካ: ንነፍሲ ወከፍ ብኣሕዋትካ ዝግበረልካ ነገር ኣማስወሉ። (እብራውያን 13:7, 17) ንኣምላኽ እሙን ኵን: ነቲ ናይ ህይወት ሽልማት: ሞት እውን እንተዀነ ክምንጥለካ ከም ዘይክእል እምንቶ ብምግባር ድማ ናብኡ ኣተኲርካ ጠምት።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 17:3
ሕጂ መሪር ጓሂ ወይ ከቢድ ፈተና ተሕልፍ እንተድኣ ኣሊኻ: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን:” ኣኽል-ታርፍ ሓጐስ ድማ ንጓሂኻን መከራኻን ክትክኦ ኢዩ። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ዮሃንስ 16:20) ኣምላኽ ከምቲ ንእዮብ ዝባረኾ ምስ ዝባርኸካ: ጸበባ ብሓጐስ ክትካእ ኢዩ። እዚ ሕጂ እተሕልፎ ሽግራት ምስቲ ትረኽቦ ዓስቢ ፈጺሙ ክወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። (ምስ ሮሜ 8:18 ኣረኣእዮ።) እቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ምጽማምካ ንኻልኦት ከተባብዖም: ንዓኻ ድማ ምስቲ “ሓድሽ ሰብ” ዝመጽእ ባህ ዘብል ክርስትያናዊ ባህርያት ክትኵስኵስ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24፣ ቈሎሴ 3:10, 12-14) ስለዚ እምብኣር: ካብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ: ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ትብዓት ርኸብ።—1 ጴጥሮስ 4:19
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ከም እዮብ ኩን። ፈጺምካ ተስፋ ኣይትቝረጽ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ብምሉእ ልብኻ ኣብ የሆዋ ተወከል