ሓቀኛ ምዃን—ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ድዩ ወይስ ናይ ምርጫ፧
“ብተፈጥሮይ ሓቀኛ እኳ እንተ ዘይኰንኩ: ናይ ኣጋጣሚ ግን ሓድሓደ ግዜ ሓቀኛ እኸውን እየ።” ነዚ እተዛረበ እቲ ኣብ ናይ ዊልያም ሸክስፒር ዘ ዊንተርስ ተይል (እንግሊዝኛ) ዘሎ ጕሒላ ኦታላከስ ኢዩ። እዚ ነቲ ካብ ‘ጐራሕ ልቢ’ ዝመጽእ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድኻም—ሕማቕ ንምግባር ዘሎና ዝምባለ—ዝገልጽ ኢዩ። (ኤርምያስ 17:9፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) እዚ ግን ኣብዚ ጕዳይ እዝስ ምርጫ የብልናን ማለት ድዩ፧ ውርዙይ ባህሪ ምርኣይ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ጥራይ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን!
ደቂ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ከለዉ: ሙሴ ምስኦም ተዛሪቡ ነበረ። ኣብ ቅድሚኦም ክልተ ግልጺ ዝዀነ ምርጫታት ኣንበረሎም። ንትእዛዛት ኣምላኽ ብምቕባል በረኸቱ ክዓጽዱ ይኽእሉ ነበሩ: ወይ ድማ ንትእዛዛቱ ብምንጻግ መሪር ፍረ ሓጢኣቶም ክዓጽዱ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘዳግም 30:15-20) እቲ ምርጫ ናታቶም ነበረ።
ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎና: ንሕናውን ምርጫ ንገብር ኢና። ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ንምግባር ዋላ ሓደ—ኣምላኽ እውን ከይተረፈ—ዝግድደና የሎን። ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ብቕንዕና ‘ልብና ናብ እከይ ዝዘምበለ እንተድኣ ዀይኑ: ብኸመይ ቅኑዕ ዘበለ ክንገብር ንኽእል፧’ ብምባል ይሓቱ ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ ሓደ ሓኪም ስኒ: ኣስናን ናብ ዝገደደ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ተበሊዑ ወይ ድማ ተበላሽዩ ከይከውን ንምፍላጥ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝምርምሮ። ብተመሳሳሊ ድማ: ድኻምን እተበላሸወ ስነ-ምግባርን ምእንቲ ኸይህልወና ምሳልያዊ ልብና ክንምርምር የድልየና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ “ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ” ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 15:18-20
ኣስናን ጥዑይ ኰይኑ ምእንቲ ክቕጽል: ሓደ ሓኪም ስኒ ንዝዀነት ትኹን እተበላሸወት ስኒ ምሕዩ ኢዩ ዘውጽኣ። ብተመሳሳሊ ድማ: ካብ ልቢ “ኽፉእ ሓሳብ” ከምኡውን ክፉእ ባህግታት ንምውጻእ ቆራጽ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ። ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምርዳእን ንመገድታት ፈጣሪና ንፈልጦ ጥራይ ዘይኰናስ: ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር እውን ንማሃር ኢና።—ኢሳይያስ 48:17
ናይ እስራኤል ንጉስ ዳዊት: ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝነበሮ ቃልሲ ተወሳኺ ኣድላዪ ሓገዝ ተጠቒሙ ኢዩ። “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 51:10) እወ: ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እንተድኣ ተወኪልና: ንሕናውን ነቲ ሕማቕ ንምግባር ዘሎና ዝምባለ ከነሰንፍን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ከኣ ‘ሓድሽ መንፈስ’ ክንኵስኵስን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ እምበኣር: ተኣማንነት ንኣጋጣሚ ኣይንህቦን ኢና። ናይ ምርጫ ጕዳይ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ናብ የሆዋ ምጽላይ ከምቲ ንዳዊት ዝሓገዞ: ንዓናውን ሰናይ ንምግባር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ