ሰብኣዊ ድኻም ሓይሊ የሆዋ የጕልሕ
“ኵሉ ሰብ ሕጕስትን ዝብርሃን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ገይሩ ኢዩ ዝሓስበኒ ነይሩ። ንኻልኦት ኵሉ ሳዕ ኣብ ግድላቶም እሕግዞም ነበርኩ። ምስናይዚ ግን ብውሽጠይ እናደኸምኩ ዘሎኹ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ዘናውጽ ሓሳባትን ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጭንቀትን ጐዳኢ ሳዕቤናት የምጽኣለይ ነበረ። ካብ ሰባት እተገለልኩ ኰይኑ ክስምዓኒ ጀመረ። ዝነበረኒ ግዜ ኣብ ገዛ ደቂሰ ከሕልፎ ደለኹ። የሆዋ እሙት ንኽሓድገኒ ንኣዋርሕ ዝኣክል ለመንክዎ።” —ቫነሳ
ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ኣብነት: ሓድሓደ ግዜ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ብምንባር ዝመጽእ ሳዕቤናት ክትንክፎም ክትጽበዮ ዘሎካ ነገር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 NW ) አረ ገሊኦምሲ ብጓሂ ይድቈሱ ይዀኑ። (ፊልጲ 2:25-27) ተስፋ ምቝራጽ ነዊሕ እንተድኣ ቐጺሉ ንሓይልና ከድክሞ ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 24:10) እወ: ተስፋ ክንቈርጽ ከሎና ሓይሊ: ምናልባትውን ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” የድልየና ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7
የሆዋ ኣምላኽ: ምንጪ ናይ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኢዩ። እዚ ድማ ንፍጥረቱ ክንምርምር ከሎና ዝረጋገጽ ኢዩ። (ሮሜ 1:20) ንኣብነት: ብዛዕባ ጸሓይ ሕሰብ። ምድሪ ካብ ጻሓይ ብቐጻሊ ገለ 240 ትሪልዮን ሓይሊ ፈረስ ትወስድ። ይኹን እምበር እዚ ኣሃዝ እዚ ምስቲ ጠቕላላዊ ሓይሊ ጸሓይ ክወዳደር ከሎ ካብ ክልተ ቢልዮን ሓንቲ ክፋል ጥራይ ኢዩ። ጸሓይ ከኣ ምስቶም ሱፐርጃየንት ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዝዮም ገዘፍቲ ከዋኽብቲ ክትነጻጸር ከላ ንእሽቶ ኢያ። ሓደ ካብቶም ኦሪየን ተባሂሎም ዝጽውዑ እኩባት ከዋኽብቲ ሪገል ኢዩ፣ ካብ ጸሓይና 50 ግዜ እተዓጻጸፈ ግዝፊ ክህልዎ ከሎ: 150, 000 ግዜ እተዓጻጸፈ ሓይሊ ኸኣ የመንጭው!
እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሰማያዊ ምንጭታት ሓይሊ ዝፈጠረ ንባዕሉ ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ክህልዎ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 40:26፣ መዝሙር 8:3, 4) ነብዪ ኢሳይያስ እኳ ድኣ የሆዋ “ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን” ገሊጽዎ ኣሎ። ከምኡውን ኣምላኽ ንሓይሉ ምስ ዝዀነ ይኹን ብምኽንያት ሰብኣዊ ድኻም ከም እተሓለለ ኰይኑ ዝስምዖ ሰብ ከካፍሎ ፍቓደኛ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:28, 29) ነዚ ብኸመይ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ጉዳይ ተራእዩ ኣሎ።
ንፈተናታት ብዓወት ምግጣም
ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ እቲ ክጽመሞ ዝነበሮ ዕንቅፋት ነገሮም። ‘ኣብ ስጋ [ዘሎ] ግራጭ’ ገይሩ ድማ ገለጾ። (2 ቈረንቶስ 12:7) እዚ “ግራጭ” እዚ ናይ ጥዕና ግድል ምናልባትውን ናይ ምርኣይ ጸገም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ገላትያ 4:15፣ 6:11) ወይ ከኣ ጳውሎስ ነቶም ንሃዋርያነቱን ዕዮኡን እተቓወምዎ ናይ ሓሶት ሃዋርያትን ካልኦት መዕገርገርትን ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። (2 ቈረንቶስ 11:5, 6, 12-15፣ ገላትያ 1:6-9፣ 5:12) እቲ ‘ኣብ ስጋ [ዝነበረ] ግራጭ’ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንጳውሎስ ኣጸቢቑ ኣጨኒቕዎ ኢዩ: ንኸልግሰሉ ኸኣ ደጋጊሙ ጸለየ።—2 ቈረንቶስ 12:8
ይኹን እምበር: የሆዋ ንልመና ጳውሎስ ኣይተቐበሎን። ኣብ ክንድኡስ ንጳውሎስ “ጸጋይ [“ዘይትበቕዖ ሕያውነተይ:” NW ] ይአኽለካ” በሎ። (2 ቈረንቶስ 12:9) የሆዋ ከምዚ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘውርዶ ዝነበረ መስጐግቲ ክንሓስብ ከሎና: ይትረፍ ከም ሃዋርያ ኰይኑ ከገልግልሲ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክህልዎ ዝኸኣለ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ጥራይ ኢዩ!a (ምስ ዘካርያስ 2:8፣ ራእይ 16:5, 6 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ንጳውሎስ እቲ ወደ መዝሙር ናይ ምዃን መሰል “ይኣኽለካ” ኢዩ ዝብሎ ነይሩ። እዚ መሰል እዚ ነቲ ናይ ህይወት ብሕታዊ ግድላት ብተኣምራታዊ መገዲ ብምልጋስ ክስነ ኣይነበሮን። አረ ገለ ካብቲ ግድላትሲ ብምኽንያት እቲ ዝወሃበካ ተወሳኺ መሰላት እውን ከይተረፈ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:24-27፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12) ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ‘ስጋኡ [ዝነበረ] ግራጭ’ ክጽመሞ ጥራይ ኢዩ ነይርዎ።
ይኹን እምበር: የሆዋ ንጳውሎስ ብሕሰም ፈጺሙ ከም ዘይጠንጠኖ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም” በሎ። (2 ቈረንቶስ 12:9) እወ: የሆዋ ንጳወሎስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅነታቱ ክዋጽኣሉ ዘኽእሎ ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ናይ ጳውሎስ ‘ናይ ስጋ ግራጭ’ ህያው መረዳእታ ኰነ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ ኣብ ሓይሊ የሆዋ ክውከል ምሂርዎ ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ መረዳእታ እዚ ኣጸቢቑ ከም እተማህሮ እተረጋገጸ ኢዩ: ከመይሲ ዓመታት ጸኒሑ ንሰብ ፊልጲ “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ . . . በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ጽሒፉሎም ኢዩ።—ፊልጲ 4:11, 13
ንስኻኸ፧ ምናልባት ሕማም ወይ ከኣ ብዙሕ ጭንቀት ከምጽኣልካ ዝኽእል ኣብ ህይወት ዘጋጥም ኵነታት ዝኣመሰለ ገለ ዓይነት ‘ኣብ ስጋኻ [ዘሎ] ግራጭ’ ትጽመምዶ ኣሎኻ፧ ትጽመም እንተድኣ ኣሊኻ: ተጸናናዕ። ምናልባት የሆዋ ነቲ ዕንቅፋት ብትእምርቲ ዘየልግሶ እኳ እንተዀነ: ኣብ ናብራኻ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት እናኣቐደምካ ብዝኸድካ መጠን ንኽትዋጽኣሉ ዘኽእል ጥበብን ጽንዓትን ክህበካ ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33
ሕማም ወይ እናኣረግካ ምኻድ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈት ከምቲ እትደልዮ ንኸይትፍጽም ዝዓናቕፈካ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ ዘጋጥመካ ፈተና: ነቲ ንየሆዋ እትገብሮ ኣገልግሎት ከም ዝድርቶ ገይርካ ኣብ ክንዲ እትርእዮ: ኣብኡ ዘሎካ ትውክልቲ ንምውሳኽ ዝሕግዛካ ኣጋጣሚ ገይርካ ውሰዶ። ከምኡውን ናይ ሓደ ክርስትያን እንታይነት ዝምዘን ብመጠን እቲ ዝገብሮ ንጥፈት ዘይኰነስ ብእምነቱን ዕምቈት ፍቕሩን ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ምስ ማርቆስ 12:41-44 ኣረኣእዮ።) ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምፍቃር ክበሃል ከሎ ብናይ ካልእ ዓቕሚ ዘይኰነስ ዓቕምኻ ብዝፈቕዶ ዝከኣለካ ምግልጋል ማለት ኢዩ።—ማቴዎስ 22:37፣ ገላትያ 6:4, 5
እቲ ‘ኣብ ስጋኻ [ዘሎ] ግራጭ’ ከም እኒ ናይ እተፍቅሮ ሰብ ሞት ዝኣመሰለ ዘጨንቕ ኵነታት ዘጠቓለለ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ ስዓቦ። (መዝሙር 55:22) ሲልቪያ እተባህለት ክርስትያን ሰበይቲ ከምኡ ኢያ ገይራ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት: እቲ ካብ ዝምርዓዉ ን50 ዓመታት ዝኣክል ምስኣ ዝነበረ ሰብኣያን ክልተ ንኣሽቱ ደቂ ደቃ ሓዊስካ ትሽዓተ ካልኦት ኣባላት ስድራቤታን ብሞት ተፈለይዋ። ሲልቪያ ከምዚ ትብል:- “የሆዋ እንተ ዘይሕግዘኒ ነይሩ ብዘይመጠን ምሓዘንኩ ነይረ። ግናኸ ብጸሎት ዓቢ ምጽንናዕ እረክብ። ምስ የሆዋ ኸኣ ቀጻሊ ምዝርራብ እገብር። ንምጽማም ዘኽእል ሓይሊ ከም ዝህበኒ ኸኣ እፈልጥ ኢየ።”
እቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ነቶም ዝሓዝኑ ንኽጽመሙ ዝሕግዞም ሓይሊ ከም ዝህቦም ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! (2 ቈረንቶስ 1:3፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13) ነዚ ብምግንዛብ: ነቲ ጳውሎስ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሃቦ መደምደምታ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ: ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም: ብጸርፊ: ብሓሳር: ብምስጓጕ: ብጸበባ እሕጐስ እየ።”—2 ቈረንቶስ 12:10
ንዘይፍጽምና ብዓወት ምግጣም
ኵልና ካብቶም ቀዳሞት ወለድና ዘይፍጽምና ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:12) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣንጻር ባህግታት ናይዚ ድኹም ስጋ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኢና ዘሎና። ናይዚ “ኣረጊት ሰብነት” ፈተናታት ካብቲ ዝሓስብናዮ ዝያዳ ኣበርቲዑ ከም ዝሓዘና ኰይኑ ምስ እንርኽቦስ ክንደይ ተስፋ ዘቝርጽ ኰን ኢዩ! (ኤፌሶን 4:22-24 NW ) ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜያት ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጽሓፈ:- “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።”—ሮሜ 7:22, 23
ኣብዚ ኵነታት እዚ እውን እንተዀነ ካብቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ ሓይሊ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ምስ ብሕታዊ ድኻም ትቃለስ እንተድኣ ኣሊኻ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ግድል ክንደይ ግዜ ዝኣክል ክትቀርቦ ከም ዘሎካ ብዘየገድስ ሕድገቱ ክትረክብ ኣዕሚቝካ እናደለኻ ናብኡ ብጸሎት ምቕራብ ፈጺምካ ኣይተቋርጽ። እቲ “ልቢ ዚመዝን:” ከምኡውን ዕምቈት ቅንዕናኻ ክርኢ ዝኽእል የሆዋ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ተደሪኹ ዝጸረየ ሕልና ክህበካ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 21:2) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ናብቲ ኣንጻር ስጋዊ ድኽመታት እትገብሮ ቃልሲ ንምምላስ ዘኽእል ሓይሊ ክህበካ ይኽእል ኢዩ።—ሉቃስ 11:13
ምስ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ክንጋጠም ከሎና እውን ካብ የሆዋ ሓይሊ ክንረክብ የድልየና ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ብጻይና “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ” ይዛረበና ይኸውን። (ምሳሌ 12:18) ብፍላይ እዚ ካብ ሓደ ዝሓሸ ኢልና እንግምቶ ሰብ ምስ ዝመጽኣና ኣጸቢቑ ክሃስየና ይኽእል ኢዩ። ኣዚና ክንርበሽ ንኽእል ኢና። አረ ገሊኦምሲ ሕሉፍ ሓሊፎም ነዚ ቂም እዚ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞም ንየሆዋ ሓዲጎምዎ ኢዮም። እዚ ድማ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጌጋ ኢዩ!
ይኹን እምበር: ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምስ ዝህልወና ንናይ ካልኦት ድኽመታት ብግቡእ ክንርእዮ ክሕግዘና ኢዩ። ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ፍጽምና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ሰሎሞን “ሰብሲ ዘይብድል የልቦን” ብምባል የዘኻኽረና። (1 ነገስት 8:46) ንገለ ሰብዓ ዓመታት ዝኸውን ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገለ ኣርተር እተባህለ ክርስትያን እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ሃበ:- “እቲ ኣብ ብጾትና ኣገልገልቲ ዝርአ ድኽመታት እንታይ ዓይነት ክርስትያናዊ ኣቕዋም ከም ዘሎና ብምፍታን ንጽህናና ንኸነረጋግጽ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝኸፍተልና። ሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ኣብቲ ንየሆዋ እንገብሮ ኣገልግሎት ከተኣጓጕለና ነፍቅደሉ እንተድኣ ኴንና ንየሆዋ ዘይኰነስ ንሰባት ኢና እነገልግል ዘሎና። ብዘይዚውን ኣሕዋትና ንየሆዋ የፍቅርዎ ኢዮም። ነቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገራት ጥራይ ንጥምት እንተድኣ ኴንና ሕሱማት ሰባት ከም ዘይኰኑ ቀልጢፍና ክንግንዘብ ኢና።”
ንምስባኽ ዝኸውን ሓይሊ
የሱስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:8
ብመሰረት ቃላት የሱስ: እዚ ዕዮ እዚ ሕጂ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 233 ሃገራት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፍጸም ኣሎ። ካልኦት ሰባት ናብ ፍልጠት የሆዋ ክመጹ ንምሕጋዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ኵሎም ተደሚሩ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ ኣለዉ። ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም ቀሊል ዝኸውን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እቲ ዕዮ ስብከት ተኣጊዱ ወይ ቀይዲ ተገይርሉ ኢዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ዝዓይዎ ዘለዉ ሰባት ድኹማትን ዘይፍጹማትን ነፍሲ ወከፎም ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸገማትን ጭንቀታትን ዘለዎም ወይ ዘለወን ሰባት ምዃኖም እውን ርአ። ይኹን እምበር: እቲ ዕዩ ገና ይቕጽል ኣሎ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ወፈያኦም ብማይ ጥምቀት ገለጹ። (ማቴዎስ 28:18-20) ብሓቂ ድማ እዚ ዕዮ እዚ ብሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ። የሆዋ ብነብዪ ዘካርያስ ገይሩ “ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን” በለ።—ዘካርያስ 4:6
ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት እንተድኣ ኴንካ እቲ እትገብሮ ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ይኹን ብዘየገድስ ኣብቲ ዓቢ ዕዉት ዕዮ ግደ ኣሎካ። እንታይ ዓይነት “ግራጭ” ክትጽመም ከም ዘሎካ ብዘየገድስ: የሆዋ ‘ግብርኻን ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን’ ከም ዘይርስዖ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 6:10) ስለዚ ኣብቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ብርቱዕ ሓይሊ ምውካል ቀጽል። ክንጽመም እንኽእል ብሓይሊ የሆዋ ጥራይ ከም ዝዀንና ዘክር፣ ሓይሉ ኣብ ድኻማትና ኢዩ ፍጹም ዝኸውን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ልክዕ ኢዩ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ስለ ዝዀኑ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ኣምላኽ ርክብ ንምግባር ክመጽእ ምኽኣሉ: መረጋገጺ ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ።—ሮሜ 3:23
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዕዮ ስብከት ብሓይሊ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም