ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/6 ገጽ 29-31
  • ናይ ቃል ኣምላኽ ተማሃሮ ምምራቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ቃል ኣምላኽ ተማሃሮ ምምራቕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓደስቲ ሚስዮናውያን ዝኸውን እዋናዊ መተባብዒ
  • ቃለ⁠-​መጠይቓት
  • ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጊልዓድ ይመጹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ሚስዮናውያን ይልእኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ብየሆዋ ተሓጐሱ ባህ ድማ ይበልኩም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/6 ገጽ 29-31

ናይ ቃል ኣምላኽ ተማሃሮ ምምራቕ

ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብነት ብምቕዳሕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ብምስባኽ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። እዚ ዕዮ እዚ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ መበል 102 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ ምረቓ ፕሮግራም ኣትኵሮ ተገብረሉ።

ብ1 መጋቢት 1997 ኣልበርት ሽሮደር: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ል ፕወ እተባህለ ናይ ፈረንሳይኛ ጋዜጣ ዝወጸ ዓንቀጽ ኣትኵሮ ገበረ። ብዛዕባ እቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣብ ኢጣልያ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምስባኽ ዘውጽኣቶ መደብ ዝገልጽ ነበረ። እቲ ዓንቀጽ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዞባ ክወዳደሩ ከለዉ [እቶም ናይ ቫቲካን ሚስዮናውያን] ጥራሕ ኢዶም ምእንቲ ከይኰኑ: ልኡኻታ ነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ነቲ ሰናይ ቃል ‘ብምዕዳል’ ክኢላታት ዝዀኑ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ምእንቲ ክጋጠምዎም: ቫቲካን ሓደ ሚልዮን ቅዳሓት ናይ ወንጌል ማርቆስ እውን ከይተረፈ ኣሕቲማ ኣዳለወት።”

እቶም 48 ተመረቕቲ: ካብ መንጎ እቶም ንቓል ኣምላኽ ኣብ ምስፋሕ ነቲ ክእለት ዝነበሮ ኣገባብ ስብከት የሱስ ዝቐድሑ ኢዮም። ካብ ሸሞንተ ሃገራት ኢዮም ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ: ፓተርስን ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ዝመጹ። ኣብቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ትምህርቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣጽኒዖምዎ ኢዮም። ትምህርቶም ታሪኽ ናይ ማሕበር ኣምላኽ: ተግባራዊ መዳያት ናይ ሚስያናዊ ህይወት: ከምኡውን ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዘጠቓለለ እውን ኢዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ድማ ናብቲ እተላእክሉ 17 ሃገራት ንዝገብርዎ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንምድላዎም ብዝብል ዕላማ ኢዩ ተገይሩ። ክምረቑ ከለዉ: ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ 5,015 ዝዀኑ ሰማዕቲ ኣብቲ ሓጐስ ተኻፊሎም ኢዮም። እዞም ናይ ጊልዓድ ተማሃሮ: እንታይ ናይ መወዳእታ ተግባራዊ ዝዀነ ምኽሪ ኢዮም ተቐቢሎም፧

ንሓደስቲ ሚስዮናውያን ዝኸውን እዋናዊ መተባብዒ

ድሕሪ እቲ ኣቦ⁠-​መንበር ዘቕረቦ ናይ መኽፈቲ ፕሮግራም ሓሳባት: ራልፍ ዎልስ እተባህለ ኣብ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ፐርሰነል ኮሚቴ ተሓጋጋዚ: ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ዝኸውን ተግባራዊ ምኽሪ ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ሓጺር ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ ቀንዲ ኣርእስቱ “ምፍቃር ዘክሩ” ዝብል ነበረ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3: ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፍቕሪ እናኣጥፍአት ከም እትኸይድ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተነበየ ኣመልከተ። ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:⁠1⁠-​7 ዘሎ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዝገልጽ ሓሳባት ብምስምማዕ ኢዩ ነዚ ምኽሪ እዚ ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ዝሃቦም:⁠- “ንስኻትኩም: ከም ሚስዮናውያን መጠን ካብቲ ካባኻትኩም ዝድለ ሰዓታት ዝያዳ ተምጽኡ ትዀኑ። ካብዚ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብኩምዎ ምልምማድ ብዙሕ ፍልጠት ረኺብኩም ኢኹም። ወይ ድማ ኣብቲ እተመደብናዮ ጨንፈር ቀናኣት ኴንና ዝያዳ ሰዓታት ንዓዪ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ምፍቃር እንተድኣ ረሲዕና ኵሉ ጻዕርታትናን መስዋእትታትናን ከንቱ ኢዩ ዝኸውን።”

ኣብቲ ፕሮግራም ቀጺሉ ዝነበረ ተዛራቢ ካሪ ባርባር: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ኢዩ፣ ንሱ ድማ “የሆዋ ናብ ዓወት ይመርሓና ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ኣቕረበ። ዋላ እኳ ስደት እንተሃለወ: ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ንእሽቶ ኣጀማምራኦም ኣትሒዙ: የሆዋ ኣምላኽ ናይታ መንግስቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ናብ ዓወት መሪሕዎም ኢዩ። ብ1931 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሽዑ ዝፍለጥሉ ዝነበሩ ስም: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኻር ዝብል ስም ሓዙ: እዚ ድማ ነቶም ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዘምጽእ ነበረ። ሓው ባርባር “እዞም ኣብ መበል 102 ኣብ ጊልዓድ ምልምማድ ዝወሰዱ ሚስዮናውያን: ኣብቲ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ነቲ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ንኽምሃሩ ኣጋጣሚ ኣብ ምሃብ ዘሎ ክቡር ዝዀነ ዕዮ: ዓቢ ግደ ናይ ምህላው ሰፊሕ መሰል ኣለዎም” ኢሉ ገለጸ። እዚኣቶም ኣብቲ ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምልምማድ ዝወሰዱ: ንስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ ካብቲ ብ1943 ኣብ 54 ሃገራት ተሰቢኽሉ ዝነበረ ሕጂ ናብ 233 ሃገራት ንኸስፋሕፋሕ ዝሓገዙ 7,131 ሚስዮናውያን ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ተዛራቢ: ሎይድ ባሪ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል: ኣብ መበል 11 ክፍሊ ናይ ጊልዓድ እተመረቐ: ኣብ ጃፓን ድማ ንልዕሊ 25 ዓመታት ከም ሚስዮናዊ ኰይኑ ዘገልገለ ኢዩ። “በዚ ነገርዚ ጽናዕ” ብዝብል ቀንዲ ኣርእስቱ ገይሩ መተባብዒ ሃበ። ነቶም ተማሃሮ “ዝበዝሕ ሓጐስኩም ካብ ምጽማም ኢኹም ክትረኽብዎ” በሎም። ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮ ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቲኦክራስያዊ መደብ ምጽማም እንታይ ዓስብታት ይምጽእ፧ “ልዕሊ ኵሉ ምጽማምና ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ። . . . ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኻ ምሕላው ዓቢ ዕግበት ከም እትረክብ ይገብር። . . . ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትኩም ናይ ስራሕ መደብ ገይርኩም ሓዝዎ። . . . ዓስብኹም ድማ ‘ጽቡቕ ገበርካ’ ዝብል ልቢ ዘምውቕ ክኸውን ኢዩ።” (ማቴዎስ 25:⁠21 NW ፣ ምሳሌ 27:⁠11) ሓው ባሪ ኣብ መደምደምታ ዝርርቡ: እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እቲ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝፍጽምሉ ግራት እቲ ቀንዲ ህይወቶም ንኽኸውን ቈራጽነት ብምግባር ‘በዚ ነገር እዚ ክጸንዑ’ ኣጸቢቑ ነገሮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

እቲ ኣብ ብዙሕ ናይ ጊልዓድ ክፍልታት ኣብ ምምሃር ግደ ዝነበሮ ካርል ኣዳምስ ድማ “እንታይ ኢኹም ክትርእዩ፧” ዝብል ሕቶ ኣልዓለ። እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብ መደባቶም ዝርእይዎ ነገራት: ኣብቲ ስጋዊ ኣዒንቶም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኣዒንቲ ልቦም እውን እተመርኰሰ ምዃኑ ኣመልከተ። (ኤፌሶን 1:⁠18) እዚ ድማ በቲ እቶም እስራኤላውያን ሰለይቲ ንምድሪ ተስፋ ክስልይዋ ክኸዱ ከለዉ ዝነበረ ኵነታት ብኣብነት ተገልጸ። ብስጋዊ ኣረኣእያ ክርኣ ከሎ: እቶም 12 ሰለይቲ ብምሉኦም ሓደ ዓይነት ነገራት ኢዮም ርእዮም: እንተዀነ ግን: ክልተ ሰባት ጥራይ ኢዮም ንምድሪ ተስፋ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዝረኣይዋ። ሚስዮናውያን እውን ንነገራት ብእተፈላለየ መገድታት ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ገለ እቲ ከገልግልሉ ዘለዎም ሃገራት ድኽነት: ስቓይ: ከምኡውን ተስፋ ምቝራጽ ይርእዩ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብኣሉታዊ ኣረኣእያ ክርእይዎን ነታ ሃገር ክገድፍዋን የብሎምን። ሓው ኣዳምስ: ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝነበረ ክፍሊ ትማሃር ዝነበረት ሓንቲ ሚስዮናዊት ዝበለቶ ነገሮም: ከምዚ በለት:⁠- “እዚ ተመክሮታት እዚ: ኣብዚ ክጸንሕ ከም ዝግባኣኒ ኣገንዚቡኒ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመጻኢ ዝኸውን ተስፋ ይደልዩ ኢዮም። ህይወቶም ከም ዘመሓይሹ ክገብሮም እደሊ ኢየ።” ሓው ኣዳምስ: ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነቲ ዝምደቡሉ ሃገራት የሆዋ ክፍሊ ናይቲ ክገብሮ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ገነት ከም ዝዀነ ገይሩ ከም ዝወሰኖ ገይሮም ክርእይዎ: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ድማ ኣባላት ናይታ ኣብ ሓዳስ ዓለም እትህሉ ማሕበር ክዀኑ ዘለዎም ገይሮም ክሓስብዎም ብምትብባዕ ዝርርቡ ወድአ።

ናይዚ ፕሮግራም እዚ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: በቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ቅድሚ ምዃኑ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ዋላስ ሊቨራንስ ኢዩ ተዋሂቡ። ኣርእስቱ ድማ “ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ዘደንቕ ዕዮታት ብምስትውዓል ተመላለሱ” ዝብል ነበረ። ብምስትውዓል ምምልላስ ክበሃል ከሎ ብብልሓት: ብጥበብ: ከምኡውን ጥዑይ ዘይተሓላለኸ ውሳነ ብምግባር ምምልላስ ዘጠቓልል ኢዩ። ናይ እስራኤል ንጉስ: ሳኦል: ከምዚ ካብ ምግባር ኢዩ ሰኒፉ።​—⁠1 ሳሙኤል 13:⁠9⁠-​13፣ 15:⁠1⁠-​22

ሓደ ካብቲ ብምስትውዓል ክትመላለሰሉ ዝከኣል መገዲ: ሓድሽ ኣነባብራ ኣብ ምልምማድ ዝህሉ ብድሆታት ምቕባል ኢዩ: እዚ ድማ ሓድሽ ቋንቋ ምምሃርን ነቶም ሰባት ምፍላጥን ዘጠቓልል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ እያሱን ካሌብን ነታ ኣምላኽ ዝመደበሎም ምድሪ ምስ ሰዓሩ ኣጸቢቖም ዝጸንዑ: እቲ ሚስዮናውያን ብድሆታት ኣብ ምግጣምን ዕንቅፋታት ኣብ ምስናፍን ዘጥርይዎ ተመክሮታት ብመንፈስ ከሐይሎም ይኽእል ኢዩ።

ቃለ⁠-​መጠይቓት

እቲ ስዒቡ ዝነበረ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ተኸታታሊ ቃለ⁠-​መጠይቓት ዘጠቓለለ ነበረ። ሃርሎድ ጃክሰን ነቲ ሕጂ 85 ዓመት ገይሩ ዘሎ ዩሊሲዝ ግላስ: ተሓዝ መዝገብን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን መምህርን: ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሉ። ኣብ ግራት ዘለዉ ብዙሓት ሚስዮናውያን ነቲ ዝህቦ ዝነበረ ተኣማንነት ዘለዎ ትምህርትን ምልምማድን ገና ይዝክርዎ ኢዮም። ቀጺሉ ማርክ ኑማር: ቅድሚ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ኣባል ምዃኑ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት: ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልገለ: ሕጂ ድማ ናይ ጊልዓድ መምህር ዘሎ ናብ መድረኽ መጸ። ኣብቲ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ትምህርቶም ዝነበሮም ኣገልግሎት ዝምልከት ነቶም ተማሃሮ ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። እቲ ዝሃብዎ ተመክሮታት ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝግደሱ ሰባት ከም ዘለዉ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ ነይሩ።

ድሕርዚ ሮበረት ሲራንኮ ከምኡውን ቻርለስ ሞሎሃን: ምስቶም ኣብቲ ቦታ ኣብ ካልእ ቤት ትምህርቲ: ናይ ጨንፈር ፐርሰነል ንምዃን ዘለማምድ ቤት ትምህርቲ: ዝማሃሩ ዝነበሩ ተመክሮ ዘለዎም ሰብኡት ተዘራረቡ። እቲ ነቶም ተመረቕቲ ክፍሊ ዝሃብዎ ምኽሪ: ትሕትናን ንሕብረት እታ ጉባኤ ኣስተዋጽኦ ምግባርን ዘለዎ ኣድላይነት ዘጠቓለለ ነበረ። እቶም ተመረቕቲ ብዛዕባ ኣብቲ ሚስዮናዊ ዕዮ ከጋጥሞም ዝኽእል ነገራት ኣቐዲሙ እተቐርጸ ሓሳባት ክሕዙ ከም ዘይብሎም: ኣብ ክንድኡስ ንእግረ⁠-​መገዶም ዘጋጠሞም ኵሉ ክቕበልዎ ከም ዘለዎም ሓሳባት ሃቡ። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ: ብዘይጥርጥር ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ከም መማህራን ቃል ኣምላኽ ኰይኖም መዝነቶም ክፍጽሙ ከኽእሎም ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ቴዶር ያራካዝ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል: ነቶም ሰማዕቲ “እንታይ ንመን ይጸልዎ ኣሎ፧” ብዝብል ኣርእስቲ ተዛረቦም። ከም ክርስትያናት መጠን ፍረ መንፈስ ከነንጸባርቕ ከሎና: ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ክንገብር ከም እንኽእል ገለጸ። “ብማሕበር የሆዋ እተላእኩ ሚስዮናውያን ንሰባት ብጥዑይ: መንፈሳዊ ብዝዀነ መገዲ ብምጽላው ዝነኣድ ጸብጻብ ኣቕሪቦም ኢዮም” በለ። ድሕርዚ በቲ ናይ ሚስዮናውያን ጽቡቕ ኣብነት ተተንኪፎም ንኣምላኽ ንኸገልግልዎ እተሓገዙ ሰባት ዝሃብዎ ሓሳባት ጠቐሰ። “ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኺቦምዎ ዘለዉ ጽቡቕ ስም እትዕቅብዎን ነቶም ብቑዓት ንምርካብ ድማ ኣብቲ እተመደብኩምሉ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ኣባይቲ ምኵሕኳሕ እትቕጽሉን ይግበርኩም። . . . ብተወሳኺ በቲ ቅኑዕ: ንጹህ ጠባይኩም ንመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ተቓወምዎ: ንውዳሰን ክብርን የሆዋ ድማ ጽቡቕ ጽልዋ ዘሎኩም ኩኑ” ብምባል ዝርርቡ ደምደመ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፕሮግራም: እቲ ኣቦ⁠-​መንበር ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ሰላምታ ኣቕረበ: ድሕርዚ ድማ ነቲ ዲፕሎማ ዓደሎም ከምኡውን ናይቶም ሚስዮናውያን መደብ ገለጸ። ካብኡ ቀጺሉ ሓደ ካብቶም ተመረቕቲ ነቲ እተዋህቦም ትምህርቲ ብምምስጋን እቶም ተመረቕቲ ዝገበርዎ ውሳነ ኣንበበ። ብንጹር: እቲ ናይ መበል 102 ክፍሊ ናይ ምረቓ ፕሮግራም ንዅሎም ኣብኡ ዝነበሩ ሰማዕቲ ነቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምስፋሕ ንቕድሚት ንኽቕጽሉ ዝያዳ ብቘራጽነት ከም ዝለዓዓሉ ገይርዎም ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 102 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ

(1) ክሪስቲን ዳፊ፣ ዳን ኣሌክሲስ፣ ራዳ ሃርፍ፣ ጁን ሊ፣ ቫለሪ ኮሪ፣ ቴሪ ኖርተም፣ ኒልሲያ ሞራ፣ ፍራንኪ ጆርነት (2) ሊል ዩፕቪክ፣ ካት ሲህ፣ በኒ ሃርት፣ ማርሽ ኪኮሪያ፣ ስቲቨን ሊ፣ ሲልቭያ ራስትል፣ ኪምብርሊ ዙልን፣ ክሪስቲን ኮሌት (3) ዲክ ሲህ፣ ዣንማሪ ፒትሉ፣ ፍራንሲን ፒትሉ፣ ናንሲ ቦኮክ፣ ካርል ቶርም፣ ኣኒታ ምስሎ፣ ኬዳ ሪቻርድሰን፣ ደቪድ ኖርተም (4) ጆኒ ሃርፍ፣ ኬነት ዦርነት፣ ኣን ባርበር፣ የት ሎቤርቶ፣ ራፍኤላ ሎቤርቶ፣ ማርትን ሙክስሎው፣ ሮናልድ ሞራ፣ ሚካኤል ሃርት (5) ስቲቨን ቶርም፣ ኣንድሪው ራስትል፣ ሮበርት ድያዝ፣ ሂደ ድያዝ፣ ማሪዣን ዋይዘር፣ ጃክ ዋይዘር፣ ጋሮ ኪርኮርያን፣ ኣለን ዞሊን (6) ራመንድ ኣሌክሲስ፣ ደቪድ ባርበር፣ ሄርማን ዩፕቪክ፣ ክሪስቶፈር ዳፊ፣ ቶማስ ኮሌ፣ ማይክል ሪቻርድሰን፣ ስቲቨን ቦኮክ፣ ግሌን ኮሪ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ