ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/7 ገጽ 8-13
  • ‘እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይክድርብዮን ኢዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይክድርብዮን ኢዩ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እሙናት ክርስትያናት ክሳቐዩ ይጽበዩ ኢዮም
  • ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እንመሃሮ ነገራት
  • የሆዋ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ይሓልየሎም ኢዩ
  • ህያባት የሆዋ የናብረና ኢዩ
  • የሆዋ ‘ብዘመን ጸገማ መኸወሊና እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • የሆዋ ንዝጸበቦ የናግፎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ ግዜ ጸገም ሓጐስካ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/7 ገጽ 8-13

‘እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይክድርብዮን ኢዩ’

“ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።”—መዝሙር 34:19

1, 2. (ሀ) የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝባርኾም ዘሎ፧ (ለ) ብዙሓት ክርስትያናት ምስ እንታይ ኢዮም ዝጋጠሙ ዘለዉ: እንታይ ሕቶታትከ ኢዩ ዝለዓል፧

ንፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠1⁠-​4) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባላት ናይቲ ብፍቕርን ሕብረትን ዝልለ ኣህጕራዊ ሕውነት ኢዮም። (ዮሃንስ 13:⁠35) ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝን ሰፊሕን ፍልጠት የስተማቕሩ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 54:⁠13) የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ድንኳኑ ከም ኣጋይሽ ኴንካ ናይ ምንባር መሰል ስለ ዝሃቦም ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢዮም!​—⁠መዝሙር 15:⁠1

2 ኵሎም ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና ዘስተማቕሩ እኳ እንተዀኑ: ገሊኣቶም እተፈላለየ ዓይነት ስቓይ ከሕልፉ ከለዉ ገለ ኸኣ ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቦም ዝነብሩ ዘለዉ ኢዩ ዝመስል። ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ሓደ ንነዊሕ እዋናት ዝጸንሐ ዘሕዝን ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ: ካብዚ ኵነታት እዚ እፎይታ ዝረኽቡ ኰይኑ ድማ ኣይረኣዮምን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ተስፋ ኽትቈርጽ ባህርያዊ ኢዩ። (ምሳሌ 13:⁠12) እቲ ዝወርድ መከራታት ኣምላኽ ከም ዘይተሓጐሰ መረጋገጺ ድዩ፧ የሆዋ ንገሊኦም ክርስትያናት ክሓድጎም ከሎ ንገለ ክርስትያናት ግን ፍሉይ ዕቝብኡ ይገብረሎም ማለት ድዩ፧

3. (ሀ) የሆዋ ነቲ ህዝቡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራታት ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ድዩ፧ (ለ) እቶም እሙናት ኣምላኽቲ የሆዋ ከይተረፉ እውን ናይ ወድሰብ ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:⁠- “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል።” (ያእቆብ 1:⁠13) የሆዋ ንህዝቡ ዘዕቍብን ዘዐንግልን ኣምላኽ ኢዩ። (መዝሙር 91:​2⁠-⁠6) “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን [ኢዩ]።” (መዝሙር 94:⁠14) እዚ ክበሃል ከሎ ግን እሙናት ኣምለኽቲ ስቓይ ዝበሃል ኣይከሕልፉን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ኣገባብ ዘይፍጽምና ብዝወረሱ ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዩ ዝመሓደር ዘሎ። ዝበዝሑ ብልሹዋት ኢዮም: ሒደት ከኣ ምሉእ ብምሉእ እኩያት ኢዮም። ዋላ ሓደ ካባታቶም ካብ የሆዋ ጥበብ ክረክብ ቍሊሕ ዝብል የለን። እዚ ድማ ብዙሕ ሰብኣዊ ስቓይ ኣስዒቡ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ብእከይን ዝመጸ ዘሕዝን ሳዕቤናት ከርሕቕዎ ዝኽኣሉ ኵሉ ግዜ ከም ዘይኰነ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠22

እሙናት ክርስትያናት ክሳቐዩ ይጽበዩ ኢዮም

4. ኵሎም ክርስትያናት ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘለዉ እንታይ ኢዮም ክጽበዩ ዝኽእሉ: ስለምንታይከ፧

4 ሰዓብቲ የሱስ ክፍሊ ናይ ዓለም እኳ እንተዘይኰኑ ኣብ ማእከል እዚ ኣገባብ እዚ ኢዮም ዝነብሩ። (ዮሃንስ 17:⁠15, 16) ሰይጣን ብድሕሪ እዛ ዓለም እዚኣ ኰይኑ ዝዓዪ ዓብላሊ ሓይሊ ከም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተቓሊዑ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ስለዚ እምበኣር: ይቐልጥፍ ይደንጒ ብዘየገድስ ከቢድ ግድል ክጋጠሙ ከም ዘለዎም ኵሎም ክርስትያናት ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከምዚ በለ:⁠- “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9) እወ: እቲ ናይ ክርስትያናት ምሉእ ማሕበር ኣሕዋት ስቓይ ክጽበ ይኽእል ኢዩ።

5. የሱስ እሙናት ክርስትያናት ኣብ ህይወቶም ዘሕዝን ኵነታት ከሕልፉ ምዃኖም ብኸመይ ኢዩ ዘነጸሮ፧

5 ሽሕኳ ንየሆዋ ኣዕሚቝና ነፍቅሮ ንስርዓታቱ ኸኣ እሙናት እንተዀንና: ኣብ ህይወትና ዘሕዝን ነገራት የጋጥመና ኢዩ። የሱስ ኣብ ማቴዎስ 7:⁠24-27 ኣብ መንጎ እቶም ንቓላቱ ዝእዘዙን ዘይእዘዙን ብምንጽጻር ጠቒስዎ ዘሎ ምሳሌ ነዚ ሓሳብ እዚ ግልጺ ገይርዎ ኣሎ። ነቶም እዙዛት ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓደ ቤቱ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝሃነጸ ብልሂ ሰብኣይ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ነቶም ንቓሉ ዘይእዘዙ ኸኣ ምስ ሓደ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብኣይ ኣመሳሰሎም። ብርቱዕ ማዕበል ምስ መጸ እታ ኣብ ከውሒ እተሃንጸት ቤት ጥራይ ኢያ ክትድሕን ዝኸኣለት። ብዛዕባ ቤት ናይቲ ብልሂ ሰብኣይ ኣስተብህል:⁠- “ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። . . . ኣይወደቐትን።” የሱስ: እቲ ብልሂ ሰብኣይ ኵሉ ግዜ ሰላምን ቅሳነትን እናስተመቐረ ክነብር ኢዩ ዝብል ተስፋ ኣይሃበን። ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ናይቲ ሰብኣይ ብልህነት ነቲ ህቦብላ ብዓወት ንኽሰግሮ የዳልዎ ማለት ኢዩ። ኣብ ምሳሌ ናይቲ ዘርኢ ዝዘርእ ሰብኣይ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብኡ የሱስ እቶም እዙዛት ኣምለኽቲ እውን ከይተረፉ ምስቲ ‘ቅኑዕን ጽቡቕን ልቦም ብትዕግስቲ ፍረ ክፈርዩ’ ምዃኖም ይገልጽ።​—ሉቃስ 8:​4-​15

6. ኣብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ሓዊ ዝጻወሩ ነገራት ዝሃቦ ምሳሌ: ነቲ ናይ ሓዊ ፈተና ዝጻወርዎ መን ኢዮም፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ኣድላይነት ናይቲ ፈተናታት ንምግጣም ዘኽእለና ጽኑዕ ባህርያት ንምግላጽ ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሙ ኣሎ። እቶም ከም እኒ ወርቂ: ብሩርን ካልኦት ክቡራት ኣእማንን ዝኣመሰሉ ሓዊ ዝጻወሩ ነገራት ምስ ኣምላኻዊ ባህርያት ይመሳሰሉ። (ምስ ምሳሌ 3:⁠13⁠-​15፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠6, 7 ኣረኣእዮ።) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ስጋዊ ባህርያት ምስ ብሓዊ ዝነድድ ነገራት ተተሓሒዙ ኣሎ። ቀጺሉ ጳውሎስ ከምዚ ይብል:⁠- “እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ: ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ: ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ: እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ: ዓስቢ ኪቕበል እዩ።” (1 ቈረንቶስ 3:⁠10⁠-​14) ኣብዚ እውን እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ኵልና ገለ ዓይነት ናይ ሓዊ ፈተና ክንጋጠም ዘይተርፍ ምዃኑ ይገልጽ።

7. ብመሰረት ሮሜ 15:⁠4 ቅዱሳት ጽሑፋት ፈተናታት ንምጽማም ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሓድሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን መከራ ክጽመሙ ዝነበሮም እሙናት ኣገልግልቲ ኣምላኽ ዝዛረብ ብዙሕ ጸብጻባት ኣሎ። ይኹን እምበር የሆዋ ኣይሓደጎምን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ክብል ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ እዚ ኣብነታት እዚ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። (ሮሜ 15:4) ኣብነት ናይቶም ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ እናስተማቐሩ ከለዉ ብዙሕ መከራታት ዘሕለፉ ሰለስተ ሰብኡት ርአ።

ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እንመሃሮ ነገራት

8. ኣብ ጕዳይ ዮሴፍ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዘፍቀደ: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ፧

8 ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ስምረት የሆዋ ረኺቡ ነበረ። ገና ግን: ብሕምቀቱ እኳ እንተዘይኰነ እተፈላለየ መከራታት የሕልፍ ነበረ። ብገዛእ ኣሕዋቱ ተጨውዩ ብጭከና ተታሕዘ። ኣብ ዓዲ ጓና ከም ባርያ ተሸጠ: ኣብኡ ድማ ብሓሶት ተኸሲሱ ኣብ “ቤት ማእሰርቲ” ተዳጐነ። (ዘፍጥረት 40:⁠15) ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ “ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ: ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት።” (መዝሙር 105:⁠17, 18) ዮሴፍ ኣብ ግዜ ባርነቱን ማእሰርቱን የሆዋ ክፈትሖ ብተደጋጋሚ ለሚንዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት ኣጽኒዕዎ እኳ እንተነበረ ንገለ 13 ዓመታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ባርያን እሱርን ኰይኑ ኢዩ ኣሕሊፍዎ።​—ዘፍጥረት 37:2፣ 41:46

9. ዳዊት ንብዙሕ ዓመታት እንታይ ኢዩ ክጽመም ነይርዎ፧

9 ካልእ ተመሳሳሊ ኣብነት ድማ ናይ ንጉስ ዳዊት ኢዩ። የሆዋ ንእስራኤል ዝገዝእ ብቑዕ ሰብኣይ ክመርጽ ከሎ “ዳዊት ወዲ እሴይ . . . ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ሽሕኳ ዳዊት ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ስምረት ረኺቡ እንተ ነበረ: ብዙሕ ስቓይ ኢዩ ኣሕሊፉ። ሞት ዘስዕብ ሓደጋታት እናኣጋጠሞ ኣብ በረኻታት: ኣብ በዓትታት: ኣብ ኣጻድፍ: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ጓና ንብዙሕ ዓመታት ተሓቢኡ ኢዩ። ከም ኣራዊት እናተሃድነ ተስፋ ምቝራጽን ፍርህን ኣሕሊፉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብሓይሊ የሆዋ ተጸመመ። ዳዊት ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ብልክዕ “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ክብል ክኢሉ ኢዩ።​—መዝሙር 34:19

10. ንናቦትን ስድራቤቱን ከመይ ዝበለ ክቱር መከራ ኢዩ ዝወረዶም፧

10 ኣብ ግዜ ነብዪ ኤልሳእ ኣብ እስራኤል: ነቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝዀነ በዓል ዘይሰገዱ 7,000 ጥራይ ኢዮም ነይሮም። (1 ነገስት 19:⁠18፣ ሮሜ 11:⁠4) ናቦት: ሓደ ካባታቶም ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ናይ ሓደ ዘስካሕክሕ ዘይፍትሓዊ ተግባር ግዳይ ኰነ። ንኣምላኽ ጸሪፍካ ተባሂሉ ብሓሶት ብምኽሳሱ ዘሕፍር ኵነታት ኣጋጠሞ። ገበነኛ ተቘጺሩ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ መረጋገጺ ተዋሂቡ ብንጉሳዊ ኣዋጅ ብዳርባ እምኒ ክቕተል ተፈርዶ: ደሙ ድማ ኣኽላባት ለሓስዎ። ደቁ እውን ከይተረፉ ተቐትሉ! ይኹን እምበር ካብቲ ክሲ ንጹህ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣንጻሩ ዝመስከሩ መሰኻኽር ሓሰውቲ ኢዮም ነይሮም። ብምሉኡ እዚ ፍጻመ: እቲ ንጉስ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ምእንቲ ክወርስ ኢላ ንግስቲ ኢዛቤል ዝኣለመቶ እኩይ ውዲት ኢዩ ነይሩ።​—1 ነገስት 21:​1-​19፣ 2 ነገስት 9:​26

11. እቲ እሙን ዝነበረ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ እሙናት ስብኡትን ኣንስትን እንታይ ኢዩ ዝነግርና፧

11 ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ መከራ ዘሕለፉ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ሰለስተ ጥራይ ማለት ዮሴፍን ዳዊትን ናቦትን ኢና ርኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ታሪኻዊ ዝርዝር ጽሒፉ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ እቶም ‘ብልግጫን ብመግረፍትን: ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን እተፈተኑ: ብዳርባ እምኒ እተቐትሉ: እተመገዙ: እተፈተኑ: ተሰይፎም ዝሞቱ: ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዝዞሩ: ዝሰአኑ: ዝጸበቦም: ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ​—⁠ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ:​—⁠ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል ዝበሉ’ ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ። (እብራውያን 11:⁠36⁠-​38) እንተዀነ ግን የሆዋ ኣይደርበዮምን።

የሆዋ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ይሓልየሎም ኢዩ

12. ገለ ካብቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕልፍዎ ዘለዉ ወጽዓታት ከመይ ዝበለ ኢዩ፧

12 ብዛዕባ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከም ማሕበር መጠን መለኮታዊ ዕቝባ ክንረክብ ከምኡውን ካብዘን ዳሕሮት መዓልትታትን ካብቲ ዓቢ ጸበባን ክንድሕን ርግጸኛታት ኴንና ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 54:⁠17፣ ራእይ 7:⁠9⁠-​17) ይኹን እምበር: ከም ውልቀ⁠-​ሰብ መጠን ንዅሎም ሰባት “ጊዜን ኣጋጣምን” ከም ዝመጾም ንግንዘብ ኢና። (መክብብ 9:⁠11) ሎሚ መከራ ዘሕልፉ ብዙ​ሓት እሙናት ክርስትያናት ኣለዉ። ገሊኦም ክቱር ድኽነት ይጽመሙ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ጸበባ ዘለዎም ‘ዘኽታማትን መበለታትን’ ክርስትያናት ይዛረብ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠27) ካልኦት ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋታት: ውግእ: ገበን: ሓይሊ ብዘይግቡእ ምዝውታር: ሕማም: ከምኡውን ሞት ይሳቐዩ ኢዮም።

13. ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ እተሓበረ፧

13 ንኣብነት: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ኣብቲ ንኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘቕረባኦ ጸብጻብ ናይ 1996 ዓመት ኣገልግሎት: ገለ ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብምድጋፎም ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ገለጻ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ጕጅለታት ብኣማእታት ንዝቝጽሩ መሰኻኽር ካብቲ ሃገር ክወጹ ምስ ኣገደድዎም ሰለስተ ጉባኤታት ተበቲነን ኢየን። ኣብ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ብስንኪ ግርጭት ናይ ሓድሕድ ውግእ ገለ መሰኻኽር ተቐቲሎም ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ገለ ኣሕዋት ኣብ ርእሲ እቲ ድሮ ዝጸንሖም ጽንኩር ኵነታት ገንዘብ ብሰንኪ ብርቱዕ ህቦብላ ዘውረዶ ዕንወት ተጋዲዱ ኢዩ። ኣብቲ ድኽነትን ሕጽረት መግብን ክሳዕ ክንድዚ ከቢድ ግድል ዘይኰነሉ ካልእ ቦታታት ከኣ ኣሉታዊ ጽልዋታት ንናይ ገሊሎም ሓጐስ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ካልኦት እዚ ዘመናዊ ናይ ናብራ ጸቕጥታት ከቢድዎም ኢዩ። ገና ካልኦት ከኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ከለዉ ሰባት ብዘርእይዎ ዘይተገዳስነት ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ።

14. (ሀ) ካብ ናይ እዮብ ኣብነት እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ጭንቀት ከጋጥመና ከሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ክንዲ እንሓስብ እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧

14 እዚ ኵነታት እዚ ኣምላኽ ብኣና ከም ዘይተሓጐሰ ዝገልጽ መርትዖ ገይርካ ክትርጐም የብሉን። ብዛዕባ ኵነታት እዮብን እቲ ዘሕለፎ ብዙሕ መከራታትን እሞ ሕሰብ። “ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ኢዩ ነይሩ። (እዮብ 1:8) ኤሊፋዝ በደል ከም ዝፈጸመ ገይሩ ምስ ወቐሶ እዮብ ከመይ ዝበለ ጓሂ ዀን ተሰሚዕዎ ይኸውን! (እዮብ ምዕራፍ 4, 5, 22) መከራ እነሕልፍ ዘሎና ብገለ መገዲ ንየሆዋ ስለ ዘጕሃናዮ ወይ ከኣ የሆዋ በረኸቱ ስለ ዘሕደገና ኢዩ ኢልና ናብ ምድምዳም ክንህወኽ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ግዜ ጸበባ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ምሕሳብ ንእምነትና ከዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 3:⁠1⁠-​3, 5) ዘጨንቕ ኵነታት ከነሕልፍ ከሎና: የሆዋን የሱስን ዝዀነ ይኹን ኵነታት የጋጥም ብዘየገድስ ወትሩ ንጻድቃን ከም ዝቐርብዎም ምስትንታን ዝበለጸ ኢዩ።

15. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ዘሕልፍዎ መከራታት ኣጸቢቑ ከም ዝግደስ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ:⁠- “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ . . . ጭንቀትዶ: ጸበባዶ: ስደትዶ: ጥሜትዶ: ዕርቃንዶ: ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ እሞ: በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” (ሮሜ 8:​35, 38, 39) የሆዋ ብዛዕባና ኣጸቢቑ ይግደስ ኢዩ: ብዛዕባ ስቓይና ኸኣ ይፈልጥ ኢዩ። ዳዊት ገና ሃዲሙ ከሎ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠- “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ።” (መዝሙር 34:15, 18፣ ማቴዎስ 18:​6, 14) ሰማያዊ ኣቦና ይሓልየልና ኢዩ: ነቶም ዝሳቐዩ ኸኣ ይድንግጸሎም ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) ዝዀነ ይኹን ስቓይ የጋጥመና ብዘየገድስ ንምጽማም ዘድልየና ሓገዝ ይህበና ኢዩ።

ህያባት የሆዋ የናብረና ኢዩ

16. እንታይ ካብ የሆዋ ዝርከብ ምድላው ኢዩ ንኽንጽመም ዝሕግዘና: ብኸመይከ፧

16 ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ መከራ ዘይብሉ ህይወት ከነሕልፍ ክንጽበ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: “ድርቡያት ግና ኣይኰንናን።” (2 ቈረንቶስ 4:​8, 9) የሱስ ንሰዓብቱ ሓጋዚ ክሰደሎም ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። ከምዚ በለ:⁠- “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ።” (ዮሃንስ 14:16, 17) ኣብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰማዕቱ “ህያብ መንፈስ ቅዱስውን” ክቕበሉ ከም ዝኽእሉ ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠38) ሎሚኸ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዘና ድዩ ዘሎ፧ እወ! እቲ ናይ የሆዋ መስለጢ ሓይሊ ዘደንቕ ፍረታት ማለት “ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ⁠-​ተጻዋርነት: ሕያውነት: ሰናይ: እምነት: ልእመት: ርእሰ⁠-​ግትኣት” ኢዩ ዝህበና። (ገላትያ 5:​22, 23 NW ) ኵሉ እዚ ባህርያት እዚ ንምጽማም ዝሕግዘና ብዋጋ ዘይሽነን ባህርያት ኢዩ።

17. ብትዕግስቲ ንየሆዋ ንምጽባይ ዝገበርናዮ ቈራጽነትን እምነትን ዘጽንዑልና ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት እንታይ ኢዮም፧

17 መንፈስ ቅዱስውን እዚ ሕጂ ዘሎ ጸበባ ምስቲ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክነጻጸር ከሎ “ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን” ከም ዝዀነ ገይርና ክንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠16⁠-​18) ኣምላኽ ንዕዮና ይኹን ነቲ ንዕኡ ዘርኣናዮ ፍቕሪ ከም ዘይርስዖ ኣሚንና ኢና። (እብራውያን 6:⁠9⁠-​12) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መንፍስ ዝነፈሶ ቃላት ብምንባብ: ኣብነት ናይቶም ብዙሕ መከራታት እተጸመሙ ግናኸ ሕጕሳት እተባህለሎም ናይ ቅድም እሙናት ኣገልገልቲ የጸናንዓና ኢዩ። ያእቆብ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና።” (ያእቆብ 5:​10, 11) መጽሓፍ ቅዱስ: ፈተናታት ንምጽማም ዝሕግዘና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክዋሃበና ምዃኑ ይመባጻዕ። የሆዋ ብተስፋ ትንሳኤ ገይሩ እውን ይባርኸና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:⁠8⁠-​10፣ 4:⁠7) ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ኣብዚ መብጽዓታት እዚ ብምስትንታንን: ንእምነትናን ነቲ ብትዕግስቲ ንኣምላኽ ንምጽባይ ዝገበርናዮ ቈራጽነትን ከነደልድል ኢና።​—መዝሙር 42:5

18. (ሀ) ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4 እንታይ ንምግባር ኢና ተተባቢዕና ዘሎና፧ (ለ) ክርስትያን ተዓዛብቲ ብኸመይ ኢዮም ምንጪ ምጽንናዕን ዕረፍትን ክዀኑ ዝኽእሉ፧

18 ብተወሳኺ: የሆዋ ነቲ ናይ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከነስተማቕረሉ እንኽእል መንፈሳዊ ገነት ሂቡና ኢዩ። ኵልና ኣብ ንሓድሕድና ክንጸናናዕ ግደ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4) ብፍላይ ክርስትያን ተዓዘብቲ ዝዓበየ ምንጪ ምጽንናዕን ዕረፍትን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:⁠2) “ውህበት ሰብኡት” ከም ምዃኖም መጠን ነቶም ዝሳቐዩ ክሃንጽዎም: ‘ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ክዛረብወን’ (NW ) ከምኡውን ‘ነቶም ድኹማት ክድግፍዎም’ ተኣዚዞም ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠8, 11, 12 NW ፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠14 ) ሽማግለታት ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! : ከምኡውን ካልእ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እተዳለወ ጽሑፋት ጽቡቕ ገይሮም ክጥቀምሉ ይተባብዑ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠45⁠-​47 NW ) እዚ ጽሑፋት እዚ ንገለ ካብቲ ጭንቀት ዝፈጥረልና ግድላት ንምፍታሕ: አረ ንምክልኻል እውን ከይተረፈ: ክሕግዘና ዝኽእል ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። ኣሸጋሪ ግዜያት ከጋጥም ከሎ ኣብ ንሓድሕድና ብምጽንናዕን ብምትብባዕን ንየሆዋ እንመስሎ ይግበረና!

19. (ሀ) ንገሊኡ መከራታት ንምርሓቕ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብመሰረቱ: ኣብ መን ኢና ክንውከል ዝግብኣና: ፈተናታት ንምግጣም ክሕግዘና ዝኽእልከ እንታይ ኢዩ፧

19 ናብ ጫፍ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ኣናቐረብና ክንከይድ ከሎና: ኵነታት ናይዚ ኣገባብዚ ኸኣ እናኸፍአ ብዝኸደ መጠን: ክርስትያናት ብእተኻእሎም መጠን መከራ ከርሕቑ ይፍትኑ ኢዮም። (ምሳሌ 22:⁠3) ቅኑዕ ፍርዲ: ጥቁው ኣእምሮ: ከምኡውን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ፍልጠት ምህላው ጥበባዊ ውሳኔታት ንምግባር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 3:​21, 22) ዘየድሊ ጌጋታት ካብ ምፍጻም ምእንቲ ክንሕሎ ንቓል ኣምላኽ ንሰምዖን ንእዘዞን ኢና። (መዝሙር 38:4) ይኹን እምበር: ብወገንና ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ንስቓይ ካብ ናብራና ምሉእ ብምሉእ ከርሕቖ ከም ዘይክኣል ንግንዘቦ ኢና። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ብዙሓት ጻድቃን ከቢድ መከራታት የሕልፉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ‘እግዚኣብሄር ንህዝቡ [ከም] ዘይድርብዮ’ ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ንፈተናታት ክንጋጠሞ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 94:⁠14) እዚ ኣገባብ እዝን ወጽዓታቱን ቀልጢፉ ክሓልፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ እምበኣር “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ዝብል ውሳነ ይሃልወና።​—ገላትያ 6:9

እንታይ ኢና ተማሂርና፧

◻ እቶም ኣብ ማሕበር ክርስትያናት ዘለዉ ብምሉኦም እንታይ ፈተናታት ኢዮም ዘሕልፉ፧

◻ መከራ: የሆዋ ከም ዘይተሓጐሰ ዝገልጽ መርትዖ ከም ዘይኰነ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ከመይ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኢዩ፧

◻ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧

◻ ፈተናታት ንምጽማም ዝሕግዘና ገለ ናይ የሆዋ ህያባት ከመይ ዝበለ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ዳዊት: ናቦት: ከምኡውን ዮሴፍ መከራታት ዘሕለፉ ሰለስተ ሰባት ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ