ዓርኪ ኣምላኽ ዲኻ፧ ጸሎትካ እንታይ ከም ዝገልጽ
ክልተ ሰባት እናተዘራረቡ ከለዉ ሃንደበት ሰሚዕካዮምዶ ትፈልጥ፧ እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዘለዎም ማለት ኣጸቢቖም ዝፋለጡ እንተ ዀይኖም ወይ ዘይፋለጡ እንተ ዀይኖም: ሌላ ጥራይ ዘለዎም እንተዀይኖም ወይ ከኣ ዝቀራረቡን ዝተኣማመኑን ኣዕሩኽ እንተ ዀይኖም ንምውሳን ነዊሕ ግዜ ከም ዘይወሰደልካ ፍሉጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ጸሎትና ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክገልጾ ይኽእል ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ የረጋግጸልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ብርግጽ እኳ ድኣ ክንፈልጦ ኢዩ ዝዕድመና። አረ ኣዕሩኹ እውን ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 34:8፣ ያእቆብ 2:23) ምስኡ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና! (መዝሙር 25:14) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ክንውንኖ ካብ እንኽእል ነገራት እቲ ዝበለጸ ክቡር ነገር እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኢዩ። የሆዋ ንዕርክነትና ከም ክቡር ነገር ገይሩ ኢዩ ዝሕዞ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኣብቲ ምእንታና ክብል ህይወቱ ዘሕለፈ ሓደ ወዱ እነርእዮ እምነት እተመስረተ ኢዩ።—ቈሎሴ 1:19, 20
ስለዚ እምበኣር ጸሎትና ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን ሞሳን ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ጸሎትካ ክቡር እኳ እንተዀነ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ዕምቈት ዝጐደሎ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ልሙድ ኢዩ። ንኸተመሓይሾ ዝሕግዘካ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ምድልዳል ኢዩ።
ንጸሎት ግዜ ምርካብ
ዕርክነት ንምድልዳልን ንምምዕባልን ቅድም ቀዳድም ግዜ ይወስድ ኢዩ። ምናልባት መዓልቲ መዓልቲ ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ማለት ጐረባብትኻ: መሳርሕትኻ: መራሕቲ ኣውቶቡስ: ከምኡውን ኣብ ድኳናት ዝርከቡ ጸሓፍቲ: ሰላም ትበሃሃል ወይ እውን ትዘራረብ ትኸውን። እዚ ማለት ግን ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብሓቂ ዕርክነት ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ዕርክነት ምስ ሓደ ሰብ ካብ ናይ ላዕሊ ላዕሊ ዕላል ሓሊፍካ ውሽጣዊ ስምዒታትካን ሓሳባትካን ብምግላጽ ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ከተዕልል ከሎኻ እናዓበየ ኢዩ ዝኸይድ።
ብተመሳሳሊ መገዲ ጸሎት ናብ የሆዋ ኣጸቢቕና ክንቀርብ ይሕግዘና ኢዩ። ግናኸ እኹል ግዜ ክውፈየሉ ይግባእ፣ ካብቲ ኣብ ግዜ መኣዲ ዝቐርብ ሓጺር ናይ ምስጋና ጸሎት ዝያዳ ኢዩ ዘድሊ። ምስ የሆዋ ብዙሕ ብእተዛረብካ መጠን: ስምዒታትካን ድራኸታትካን ተግባራትካን ዝያዳ ፈላሊኻ ክትገልጾ ትኽእል። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ቃሉ ሰፊሩ ዘሎ መምርሒታት ከዘኻኽርና ከሎ ኣጸገምቲ ግድላት ባዕላቶም ክፍትሑ ይጅምሩ። (መዝሙር 143:10፣ ዮሃንስ 14:26) ብተወሳኺውን: ክትጽሊ ከሎኻ: የሆዋ ዝያዳ ህያው ይዀነልካ ነቲ ኣባኻ ዘለዎ ፍቕራዊ ተገዳስነቱን ሓልዮትን ከኣ ዝያዳ እናፈለጥካዮ ትኸይድ።
እዚ ብፍላይ ሓቂ ኰይኑ ዝርከብ ንጸሎትካ መልሲ ክትረክብ ከሎኻ ኢዩ። እወ: የሆዋ “ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር” ይኽእል ኢዩ! (ኤፌሶን 3:20) እዚ ማለት ግን ኣምላኽ ኣብ ክንዳኻ ተኣምራት ይፍጽም ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: በቲ እተጻሕፈ ቃሉ: እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብዘዳለዎ ጽሑፋት: ወይ ከኣ ካብ ኣፍ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዝወጽእ ቃላት ተጠቒሙ ዘድሊ ምኽሪ ወይ መምርሒ ክህበካ ይኽእል ኢዩ። ወይ ከኣ ንሓደ ፈተና ንምጽማም ወይ ንምቅዋም እቲ ዘድሊ ሓይሊ ክህበካ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:17) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ንኣልባብና ነቲ ሰማያዊ ዓርክና ብእነርእዮ ሞሳ ይመልኦ!
ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ንጸሎት ግዜ ክምድብ ኣለዎ። ኣብዚ ዘጨንቕ መዓልትታት እዚ ግዜ ከም ዘየለ ዘይከሓድ ኢዩ። ግናኸ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብሓቂ ትግደስ እንተድኣ ኴንካ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ሰብ እቲ እተሕልፎ ግዜ ትረክብ ኢኻ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ኣገባብ እሞ ኣስተብህለሉ:- “እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ: ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ: ዎ ኣምላኽ: ትናፍቕ አላ። ነፍሰይ ንኣምላኽ: ነቲ ህያው ኣምላኽ: ትጸምእ አላ: መኣዝ ኰን ክመጽእ: ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧” (መዝሙር 42:1, 2) ንኣምላኽ ንምዝራብ ከምኡ ዝኣመሰለ ናፍቖት ኣሎካዶ፧ ስለዚ እምበኣር ምስኡ ንምዝራብ ግዜ ዓድግ!—ምስ ኤፌሶን 5:16 ኣረኣእዮ።
ንኣብነት: እትጽልየሉ ገለ ናይ ብሕትኻ ግዜ ምእንቲ ክትረክብ ኣንጊህካ ምትንሳእ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 119:147) ሓድሓደ ግዜ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ የጋጥመካ ድዩ፧ ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: ነዚ ዘሸግር ግዜያት እዚ ዘሻቕለካ ነገራት ንኣምላኽ እትገልጸሉ ምቹእ ኣጋጣሚ ገይርካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 63:6) ወይ ከኣ ኣብ እዋን ቀትሪ ብተደጋጋሚ ሕጽር ሕጽር ዝበለ ጸሎት ምቕራብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ “ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ” በሎ።—መዝሙር 86:3
ንቝም ነገር ናይ ጸሎትና ምምሕያሽ
ሓድሓደ ግዜ እውን ንናይ ጸሎትካ ንውሓት ክትውስኸሉ ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ሓጺር ጸሎት ክትጽሊ ከሎኻ ብዛዕባ ፍሉጥ ዝዀነ ነገር ናብ ምዝራብ ትዝምብል ትኸውን። ነዊሕን ዓሚቝን ጸሎት ክትጽሊ ከሎኻ ግን ሓሳባትካን ውሽጣዊ ስምዒታትካን ብዝቐለለ መገዲ ክትገልጾ ትኽእል። የሱስ እንተወሓደ ሓንሳእ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓዲሩ ኢዩ። (ሉቃስ 6:12) ናይ ብሕትኻ ጸሎት ሃታሃታ እናበልካ እንተ ዘይኣቕሪብካዮ ዝያዳ ዕምቈትን ትርጕምን ዘለዎ ኰይኑ ከም እትረኸቦ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
እዚ ክበሃል ከሎ ብዙሕ ዝበሃል ዘይብልካ ክነሱ ሃለውለው ክትብል ኣሎካ ማለት ኣይኰነን፣ ወይ ከኣ ትርጕም ዘይብሉ ምድግጋም ክትገብር ኣሎካ ማለት እውን ኣይኰነን። የሱስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምበኣርስከ ኣቦኹም ከይለምንኩምዎ: ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ: ኣይትምስልዎም።”—ማቴዎስ 6:7, 8
ክትዘራረበሉ ደሊኻ ዘሎኻ ነጥብታት ኣቐዲምካ እንተድኣ ሓሲብካሉ ጸሎት ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ይርከብ። እቲ ዝሕተት ነገራት መወዳእታ የብሉን: ሒደት ንምጥቃስ ዝኣክል ከም እኒ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓጐስ: ድኻማትናን ዘይፍጽምናናን: ተስፋ ዘቝረጹና ነገራት: ቍጠባዊ ሻቕሎትና: ኣብ ስራሕ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥመና ጸቕጥታት: ናይ ስድራ ቤትና ድሕንነት: ከምኡውን ናይታ ዘሎናያ ጉባኤ መንፈሳዊ ኵነታት ዝኣመሰለ ኢዩ።
ክትጽሊ ከሎኻ ሓድሓደ ግዜ ኣእምሮኻ ናብ ምጋሽ ገጹ ይኸይድ ድዩ፧ እምበኣርከስ ኣተኲርካ ብኣቓልቦ ንምጽላይ ዝያዳ ጻዕሪ ግበር።ክትበርህ ኢለ ኢየ ንምጽላይ ወሲኸላ የሆዋ እንተዀነ ‘ናብ ጥርዓንና ከቕልብ’ ፍቓደኛ ኢዩ። (መዝሙር 17:1) ናብ ጸሎትና ንምቕላብ እምበኣር ልባዊ ጻዕሪ ንምግባር ፍቓደኛታትዶ ክንከውን ኣይግብኣናን፧ እወ: ‘[“ኣእምሮኻ:” NW ] ነቲ ናይ መንፈስ ከም ዝሓስብ [ግበሮ]’: ክገይሽ ኣይተፍቅደሉ።—ሮሜ 8:5
ንየሆዋ ንምጽዋዕ እንጥቀመሉ ኣገባብ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ከም ዓርኪ ገይርና ክንርእዮ ዝደልየና እኳ እንተዀነ: ምስቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ንዛረብ ከም ዘሎና ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 4 ከምኡውን 5 ቀሪቡ ዘሎ ዘፍርሕ ትርኢት እናስተንተንካ ኣንብቦ። ኣብኡ ዮሃንስ ዕቤት ናይቲ ብጸሎት እንቐርቦ ኣምላኽ ብራእይ ተመልከተ። ናብቲ “ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ” ክንቀርብን ክንዘራረብን ምኽኣልሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ኣዘራርባና ፈኲስ ወይ ከኣ ክብሪ ዘይህብ ኰይኑ ክርከብ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡ ግን ‘ቃላት ኣፍናን ሓሳባት ልብናን ኣብ ቅድሚኡ ብሁግ’ ምእንቲ ክንገብሮ ምሉእ ጻዕሪ ክንገብር ይግባእ።—መዝሙር 19:14
ይኹን እምበር ንየሆዋ ብውርጹጽ ኣዘራርባ ገይርና ክንምስጦ ከም ዘይንኽእል ክንግንዘብ ይግብኣና። ክሳዕ ክንደይ ብቕልል ዝበለ ኣዘራርባ ንግለጾ ብዘየገድስ እቲ ኣኽብሮት ዘለዎን ልባውን መግለጺታትና ባህ ኢዩ ዝብሎ።—መዝሙር 62:8
ኣብ ግዜ ሽግር መጸናንዕን ዝርድኣልካን
ሓገዝን መጸናንዕን ከድልየና ከሎ: ደገፍን ድንጋጸን ምእንቲ ክገብርልና መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢና እንጽጋዕ። ካብ የሆዋ ንላዕሊ ብቐሊሉ ክቕረብ ዝከኣል ዓርኪ ኸኣ የለን። ንሱ ‘ብጸበባ ፍጡን ረድኤት’ ኢዩ። (መዝሙር 46:1) ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ከም ምዃኑ መጠን እንታይ ነሕልፍ ከም ዘሎና ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ይርድኣልና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ መዝሙር 5:1፣ 31:7) ነቶም ኣብ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ዝርከቡ እውን ብሓቂ ይርሕርሓሎምን ይድንግጸሎምን ኢዩ። (ኢሳይያስ 63:9፣ ሉቃስ 1:77, 78) የሆዋ ዝርዳእ ዓርኪ ከም ዝዀነ ምግንዛብና: ናይ ልብናን ናይ ውሽጥናን ክንዛረቦ ናጽነት ኢዩ ዝስምዓና። ነቲ ውሽጣዊ ፍርህናን ጭንቀታትናን ንምግላጽ ክንድረኽ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ: ናይ የሆዋ ‘ምጽንናዕ ንነፍስና’ ብኸመይ ከም ‘ዘሐጕሳ’ ባዕልና ክንምከሮ ኢና።—መዝሙር 94:18, 19
ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ጌጋታትና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ዘይንበቅዕ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ምስ ዝብድለካ እሞ ይቕረ ክትብለሉ ምስ ዝልምነካ እንታይ ምበልካ፧ ከተጸናንዖን ምሕረትካ ከተረጋግጸሉን ኣይምተደረኽካንዶ፧ ካብ የሆዋ ድኣ እሞ ከመይ ገይርካ ካብዚ ንታሕቲ ክትጽበ ትኽእል፧ ነቶም ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እተጋገዩ ኣዕሩኹ ብልግሲ ኢዩ ይቕረ ዝብለሎም። (መዝሙር 86:5፣ 103:3, 8-11) እዚ ብምፍላጥ እምበኣር ከይተሰከፍና ጌጋታትና ክንናዘዘሉ ድሕር ኣይንብልን ኢና፣ ብዛዕባ ፍቕሩን ምሕረቱን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 51:17) ብምኽንያት ጕድለታትና መንፈስ ጭንቀት እንተድኣ ኣጋጢሙና: ካብቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ዘሎ ቃላት ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና:- “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: አምላኽ ካብ ልብና ዚዐበን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ: ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ።”
ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ምእንቲ ከነስተማቕሮ እምበኣር ኣብ ከቢድ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ኵነታት ክንዋሓጥ ኣየድልየናን ኢዩ። የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ንመንፈሳውን ስምዒታውን ድሕንነትና ክትንክፍ ዝኽእል ነገራት ይግደስ ኢዩ። እወ: ስምዒታትና: ሓሳባትና: ከምኡውን ሻቕሎትና ኣብ ጸሎት ክጥቀስ ዘይበቅዕ ኢዩ ኢልና ክንሓስብ ፈጺሙ ኣየድልየናን ኢዩ። (ፊልጲ 4:6) ምስ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ከተዕልል ከሎኻ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዘጋጥመካ ዓበይቲ ነገራት ጥራይ ዲኻ እትዛረበሉ፧ ብተዛማዲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት እውን ኣይተዕልሎንዶ ኢኻ፧ ብተመሳሳሊ መገዲ ‘ይሓልየልካ’ ምዃኑ ፈሊጥካ ዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወትካ ዘጋጥመካ መዳያት ከይተሰከፍካ ምስ የሆዋ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 5:7
ልክዕ ኢዩ: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ትዛረብ እንተድኣ ኴንካ ዕርክነት ነዊሕ ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ጸሎትናውን ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘተኰረ ክኸውን የብሉን። ንየሆዋን ነቲ ዘገድሶ ነገራትን ዘሎና ፍቕርን ተገዳስነትን እውን ክንገልጽ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:9, 10) ጸሎት ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምሕታት እንጥቀመሉ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኰነስ ምስጋናን ውዳሰን ንምቕራብ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እውን ኢዩ። (መዝሙር 34:1፣ 95:2) ስርዓታዊ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር ‘ፍልጠት’ ምውሳድ: ምስ የሆዋን ምስ መገድታቱን ብዝበለጸ ክንፋለጥ ስለ ዝሕግዘና በዚ መዳይ እዚ እውን ክድግፈና ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ብፍላይ መጽሓፍ መዝሙር ምንባብ ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ: ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ከመይ ገይሮም ሓሳባቶም ንየሆዋ ከም ዝገለጽሉ ድማ ኣስተብህል።
ዕርክነት የሆዋ ብርግጽ ክቡር ውህበት ኢዩ። ንጸሎትና ብዝያዳ ዓሚቝን ልባውን ብሕታውን ብምግባር ነዚ ዕርክነት እዚ ከም እነማስወሉ ነርኢ። ድሕርዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተመከሮ ሓጐስ ከነስተማቕር ኢና: ከምዚ በለ:- “ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 65:4
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእልታት]
ኣጋጣሚ ኣብ እተረኽበሉ ዘበለ: ምሉእ መዓልቲ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርብ ንኽእል ኢና