ሕልና ጾርዶ ወይስ ክቡር ጥሪት፧
‘ሕልናይ ይርብሸኒ ኣሎ!’ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዳርጋ ኵልና ናይ ሕልና ወቐሳ የጋጥመና ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ካብ ቅልል ዝበለ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ምስኣን ክሳዕ ዘናውጽ ስምዒታዊ ቃንዛ ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። እተረበሸ ሕልና ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ወይ ዓሚቝ ዝዀነ ናይ ውድቀት ስምዒት እውን ከይተረፈ ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ።
በዚ መዳይ እዚ ክርአ ከሎስ: ሕልና ጾርዶ ኸይኰነ፧ ገሊኦም ጾር ከም ዝዀነ ይስምዖም ይኸውን። ኣብ ታሪኽ ምስ እንርኢ: ብዙሕ ባህልታት መብዛሕትኡ ግዜ ንሕልና ከም ባህርያዊ: መፋጥርትና ዝዀነ ክእለት ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ቀጥታ ብኣምላኽ እተዋህበ ናይ ስነ-ምግባር መምርሒ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዖም። በዚ ኸኣ ኢዩ ሕልና “ኣብ ሰብ ዝርአ ህላወ ኣምላኽ” “መፋጥርትና ዝዀነ ባህሪ” ከምኡ ድማ “ደሃይ ኣምላኽ” እውን ከይተረፈ ተባሂሉ እተጸውዐ።
ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሕልና ዝያዳ እተጥርዮ ክእለት—ካብ ናይ ወለድን ሕብረተሰብን ጽልዋ ዝመጽእ—ከም ዝዀነ ገይርካ ምውሳዱ ቅቡል እናዀነ መጺኡ ኢዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ: እቲ ሕልና ኢልና እንጽውዖ ነገር ብቐሊሉ ነቲ ናይ ወለድና ብሕታዊ ወግዕታትን እምነታትን ምቕባል ከም ዝዀነ ብምእማን: ሓደ ቈልዓ ካብ ዘይድለ ጠባይ ዝቝጠብ ብቐንዱ ከይቅጻዕ ስለ ዝፈርህ ኢዩ ብምባል ይከራኸሩ። ካልኦት ድማ ነቲ ሓደ ሕብረተሰብ ወግዕታትን መዐቀኒታትን ኣብ ምትሕልላፍ ዘለዎ ግደ ኢዮም ዝጠቕሱ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ናይ ሕልና ወቐሳ ኣብ መንጎ እቲ ክንገብሮ እንደልን ሓደ ጨቋኒ ሕብረተሰብ ድማ ክንገብሮ ዝደልየናን ነገር ዘሎ ምግርጫው ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ!
ዋላ’ኳ ንሕልና ዝምልከት ብዙሕ ክልሰ-ሓሳባት እንተሎ: ብተደጋጋሚ ግዜ ሰባት ሕልናኦም ከምኡ ክገብሩ ስለ ዝነገሮም ኣንጻር ወለዲ: ስድራቤት: ከምኡውን ኣንጻር ምሉእ ሕብረተሰብ ጸኒዖም ደው ኢሎም ኢዮም። ገሊኦም ኣንጻር ሕልናኦም ከይከዱ ክብሉ ህይወቶም ንምስዋእ እውን ከይተረፈ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም! እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ባህልታት ዓበይቲ ፍልልያት እኳ እንተለዎ: ከም ቅትለት: ስርቂ: ዝሙት: ሓሶት: ከምኡውን ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰለ ተግባራት ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታ ጌጋ ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። እዝስ ሕልና ባህርያዊ: መፋጥርቲ ከም ዝዀነ ዘረጋግጽዶ ኸይኰነ፧
ሕልና—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ብሓቂ ዝፈልጥ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ቅድሚ ዅሉ: “ንሱ [ኣምላኽ] ገበረና: ባዕላትና ኣይኰንናን።” (መዝሙር 100:3) ንኣፈጣጥራና ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ዝርድኦ። ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ሰብ ‘ብምስሊ’ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘፍጥረት 1:26) ሰብ ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ፈሊኻ ናይ ምግንዛብ ክእለት ዘለዎ ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: ሕልና ዘይንጸል ክፍሊ ባህሪ ሰብ ኢዩ ነይሩ።—ምስ ዘፍጥረት 2:16, 17 ኣረኣእዮ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝሰደዳ መልእኽቲ ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ: “እቶም ሕጊ [ናይ ኣምላኽ] ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኸላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም” ብምባል ድማ ጸሓፈ። (ሮሜ 2:14, 15) ኣብ ትሕቲ እቲ ንኣይሁድ እተዋህበ መለኮታዊ ሕጊ ዘይዓበዩ ብዙሓት ሰባት ብናይ ሕብረተሰብ ጸቕጢ ዘይኰነስ “ብባህርዮም” ተደሪኾም: ገና ንገለ ካብቲ ስርዓታት ሕጊ ኣምላኽ ይስዕብዎ ምንባሮም ኣስተብህል!
ስለዚ እምበኣር: ሕልና ጾር ዘይኰነስ መለኮታዊ ህያብ: ክቡር ጥሪት ኢዩ። ኣፍልጦ ክወሃበሉ ዘለዎ ግን: ጭንቀት ከስዕበልና ዝኽእል ምዃኑ ኢዩ። ብግቡእ ኣቓልቦ ምስ ዝግበረሉ ግን: ዓሚቝ ዕግበትን ውሽጣዊ ሰላምን እውን ክፈጥረልና ይኽእል ኢዩ። ክመርሓና: ክከላኸለልና: ከምኡውን ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ። ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:- “ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ክዕቀብ ዝከኣል እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ኣብ መንጎ ዝገብሮ ነገራትን ክገብሮ ከም ዘለዎ ኰይኑ ዝስምዖ ነገራትን ዘሎ ጋግ ከጽብቦ ምስ ዝጽዕር ጥራይ ኢዩ።” ሓደ ሰብ ነዚ ጋግ እዚ ከጽብቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንሕልናና ክንቀርጾን ከነለማምዶን ይከኣል ድዩ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።