ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/8 ገጽ 4-6
  • ንሕልናኻ ብኸመይ ከም እተለማምዶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሕልናኻ ብኸመይ ከም እተለማምዶ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣእምሮ: ልቢ: ከምኡውን ሕልናኻ
  • ጌጋ ምስ እንገብር
  • ‘ሰናይ ሕልና ይሃልኻ’
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሕልናኻ ዜተኣማምን መምርሒ ዚህብ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/8 ገጽ 4-6

ንሕልናኻ ብኸመይ ከም እተለማምዶ

“ጽሩይ ሕልና እቲ ዝበለጸ መተርኣስ ኢዩ።” እዚ ጥንታዊ ኣበሃህላ እዚ ንሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ዘጕልሕ ኢዩ:⁠- ንሕልናና ምስ እነቕልበሉ: ውሽጣዊ ሰላምን ስኒትን ነስተማቕር።

ይኹን እምበር: ከምዚ ክገብር ዝደሊ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ኣዶልፍ ሂትለር ንሰብ ካብቲ ሕልና ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕሱር ምትሃት: ወይ ምህውታት ሓራ ኣብ ዝገብር ምንቅስቓስ ተጸሚዱ ምንባሩ ገሊጹ ኢዩ። እቲ ራዕዲ ሰፊንዎ ዝነበረ ግዝኣቱ ሰባት ሕልናኦም ምስ ዘጕድሙ ክሳዕ ክንደይ ጨካናት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ዘስካሕክሕ ትርኢት ኢዩ ዘቕርብ። እንተዀነ ግን: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሕሱማት ገበነኛታት​—⁠እቶም ብዘይ ንሕስያ ዝጋሰሱን ዝቐትሉን​—⁠ካብዚ ብዘይንእስ መገዲ ጨካናት ኢዮም። ካብዞም ገበነኛታት እዚኣቶም ድማ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እቶም ብዕድመ ኣዝዮም ንኣሽቱ ዝዀኑ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢያ ሓንቲ ነዚ ተርእዮ እዚ እተጽንዕ መጽሓፍ: ሕልና ኣልቦ ዝዀኑ ቈልዑ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ሒዛ እትርከብ።

መብዛሕትኦም ሰባት ዓመጽ ዝመልኦ ገበን ክፍጽሙ ኢሎም ፈጺሞም ዘይሓስብዎ እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ግን ኣብ ጾታዊ ርኽሰት: ሓሶት: ወይ ኣብ ምጥፍፋእ ንምስታፍ ዓይነ⁠-ሕፍረት የብሎምን። ስነ⁠-ምግባር ብዓለም⁠-ለኸ ደረጃ የንቈልቍል ኢዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝግበር ዓቢ ክሕደት ኣመልኪቱ: ገለ ክርስትያናት ነቲ ናይ ዓለም ጽልዋ ኢዶም ክህቡ: በዚ ኸኣ “ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ” ክኸውን ምዃኑ ጽሒፉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) እቲ ናይ ብልሽውና ስግኣት ሎሚ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን ዝያዳ ሰፊኑ ኢዩ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት ሕልናኦም ንምሕላው ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም። ንሕልናና ብምልምማድን ብምምዕባልን ነዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

ኣእምሮ: ልቢ: ከምኡውን ሕልናኻ

ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:⁠- “ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ አሎ: ብክርስቶስ ሓቂ እብል አሎኹ: ኣይሕሱን እየ።” (ሮሜ 9:1) ስለዚ እምበኣር: ሕልና ክምስክር ይኽእል ኢዩ። ንሓደ ዓይነት ጠባይ መርሚሩ ክቕበሎ ወይ ክዅንኖ ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ዘሎና ክእለት እቲ ዝበዝሕ ፈጣሪና ኣብ ውሽጥና ዘንበረልና ኢዩ። ገና ግን: ሕልናና ክቕረጽን ክለማመድን ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ካብ ቃል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ” ይብል። (ሮሜ 12:⁠2) ንሓሳባት ኣምላኽን ፍቓዱን ኣብ ኣእምሮኻ ምስ እትተኽሎ: ሕልናኻ ዝያዳ ኣምላኻዊ ብዝዀነ መገዲ ክዓዪ ኢዩ ዝጅምር።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ንኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ክፈልጡ’ ሓጊዞምዎም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:3) በቲ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዘሎ ምድላው ኣቢሎም ድማ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ንጾታዊ ርክብ: ኣልኮላዊ መስተ: ሓዳር: ናይ ንግዲ ስምምዓት: ከምኡውን ንኻልእ ብዙሕ ኣርእስትታት ዝምልከት ናይ የሆዋ ኣምላኽ መዐቀኒታት ይምህርዎም ኢዮም።a (ምሳሌ 11:1፣ ማርቆስ 10:​6⁠-​12፣ 1 ቈረንቶስ 6:​9, 10፣ ኤፌሶን 5:​28⁠-33) ነዚ “ርጡብ ፍልጠት” ምውሳድ ኣምላኻዊ ሕልና ኣብ ምምዕባል ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ። (ፊልጲ 1:⁠9 NW ) ርግጽ ኢዩ: ሓደ ክርስትያን ሕልናኡ ብግቡእ ክዓዪ እንተድኣ ኰይኑ: ብስለት ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ምስ ረኸበ እውን ከይተረፈ ስርዓታዊ ብምዃን ንኣእምሮኡ ቃል ኣምላኽ ምምጋብ ክቕጽል ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 1:​1⁠-3

መጽሓፍ ቅዱስ ንሕልና ምስታ ስምዒታትናን ድራኸታትናን እተጠቓልል ምሳልያዊት ልቢ እውን የተሓሕዞ ኢዩ። (ሮሜ 2:​15) ሕልና ብግቡእ ክዓዪ እንተድኣ ኰይኑ ኣእምሮን ልብን ብሓደ ተሳንዩ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ሓበሬታ ካብ ምምላእ ንላዕሊ ምግባር ማለት ኢዩ። ንልብኻ​—⁠ውሽጣዊ ስምዒታትካ: ባህግታትካ: ከምኡውን ሃረርታኻ​—⁠እውን ክትቀርጾ ኣሎካ። በዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ምሳሌ ከም ‘ልብኻ ኣድንን:’ ‘ልብኻ ኣቕንዕ:’ ከምኡውን ‘ልብኻ ኣንብር’ ዝበል መግለጺታት ዝጥቀም። (ምሳሌ 2:2፣ 23:19፣ 27:23) ሓደ ካብቲ ንልብኻ እትቐርጸሉ መገዲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ብምስትንታን ብዛዕብኡ ድማ ኣዕሚቝካ ብምሕሳብን ኢዩ። መዝሙር 77:12 “ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ትብል። ምስትንታን ንውሽጣዊ ስምዒታትናን ድራኸታትናን ጽቡቕ ገይርና ክንፈልጦ ይሕግዘና ኢዩ።

ንኣብነት: ከም ወልፊ ትምባኾ ዝኣመሰለ ዘይጽፉፍ ኣመል ኣሎካ ንበል። ከም መብዛሕትኦም ሰባት: ነቲ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ሳዕቤናት ከም እትፈልጦ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣዕሩኽካን ስድራቤትካን ክትገድፎ እኳ እንተ ደፋፍኡኻ: ገና ግን ምግዳፉ ኣሸጋሪ ኰይኑ ረኸብካዮ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ምስትንታን ንሕልናኻ ብኸመይ ከበራትዖ ምኸኣለ፧

ከም ኣብነት: ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1 ዝርከብ “እምብኣርከ: ኣቱም ፍቁራተይ: እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወናስ: ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ከተስተንትነሉ ፈትን። ነቲ እዚ ቓላት እዚ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኣስተውዕለሉ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ጳውሎስ ዝዛረበሉ ዘሎ “ተስፋታት” እንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ብምንባብ: እቲ ቅድሚኡ ዘሎ ጥቕስታት “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣቦ ድማ እዀነኩም: ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም: ይብል እቲ ዅሉ ዚከአሎ ጐይታ” ከም ዝብል ክትዕዘብ ኢኻ።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​17, 18

ሕጂ እቲ “ርእስና ነንጽህ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ትእዛዝ ሓይሊ ይውስኽ! ኣመላትና ንምግዳፍ ሓያል መለዓዓሊ ብምዃን: ኣምላኽ ‘ክቕበለና:’ ማለት ኣብ ትሕቲ እቲ ሓልዮት ዘለዎ ጸግዑ ከንብረና ተመባጺዑ ኣሎ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ልክዕ ከምቲ ሓደ ወዲ ወይ ሓንቲ ጓል ምስ ኣቦኦም ዘለዎም ርክብ ገይረ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ አስተማቕርዶ እኸውን፧’ ኢልካ ሕተታ። ሓደ ጥበበኛ: ፈቃር ኣምላኽ ‘ክቕበለካ’ ወይ ከፍቅረካስ ኣዝዩ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ርክብ ንዓኻ ሓድሽ ነገር እንተድኣ ኰይኑ: ፈቃራት ኣቦታት ንደቆም ዘለዎም ፍቕርን ምፍታውን ዝገልጽሉ መገዲ ተዓዘብ። ድሕርዚ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ የሆዋን ከምዚ ዝበለ ምትእስሳር ከም ዘሎ ገይርካ ሕሰብ! ነዚ ዝያዳ ብዘስተንተንካሉ መጠን: ክንድኡ ድማ ንኸምዚ ዝበለ ርክብ ዘሎካ ባህጊ ይዓቢ።

ነዚ ዝስዕብ ግን ኣስተብህለሉ:⁠- ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክህልወካ ዝኽእል ‘ርኹስ ምትንካይ’ እንተድኣ ኣቋሪጽካ ጥራይ ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:⁠- ‘ወልፊ ትምባኾ ካብቲ ኣምላኽ ዝዅንኖ “ርኹስ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራትዶ ኸይኰነ፧ ትምባኾ ምዝውታር: ነፍሰይ ንዅሉ ዓይነት ጠንቅታት ጥዕና ከም እትቃላዕ ብምግባር “ንስጋ ምርካስዶ” ኸይኰነ፧ የሆዋ ጽፉፍ ወይ “ቅዱስ” ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንነፍሰይ በዚ መገዲ እዚ ኰነ ኢለ ከርክሳ ከሎኹስ ነቲ ግብረይ ክሰምሮዶ ይኽእል፧’ (1 ጴጥሮስ 1:​15, 16) ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ንመንፈስ’ ወይ ኣእምሮኣዊ ዝንባለ ‘ምርካስ’ እውን ኣጠንቂቑ ከም ዘሎ ኣስተብህል። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:⁠- ‘እዚ ወልፊ እዚ ንኣተሓሳስባይ ይቈጻጸሮ ድዩ፧ ወልፈይ ከርዊ ኢለኸ: ምናልባት ንጥዕናይ: ንስድራቤተይ: ወይ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎኒ ኣቃውማ እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ክሳዕ ዘእቱ እኸውን ድየ፧ እቲ ናይ ትምባኾ ወልፈይ ንህይወተይ ክጐድእ ዘፍቅደሉ ክሳዕ ክንደይ ኢየ፧’ ነዚ ክብድ ዝበለ ሕቶታት ምግጣሙ ወልፍኻ ደው ከተብል ትብዓት ክህበካ ይኽእል ይኸውን!

ልክዕ ኢዩ: ንወልፊ ትምባኾ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትቈጻጸሮ ናይ ካልኦት ሰባት ሓገዝን ደገፍን ትደሊ ትኸውን። ገና ግን: ገዛእ ርእስኻ ካብ ወልፊ ናጻ ምእ​ንቲ ክትገብር ብመጽሓፍ ቅዱስ ምስትንታን ሕል​ናኻ ንምልምማድን ንምሕያልን ብዙሕ ክሕግዘካ ይኽ​እል ኢዩ።

ጌጋ ምስ እንገብር

ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝከኣለና ንጽዕር እኳ እንተዀንና: ሓድሓደ ግዜ ዘይፍጽምናና ይዕብልለና እሞ ንጋገ። ድሕርዚ ድማ ሕልናና ድቃስ ይርብሸና: ጸቒጥናዮ ክንሓልፍ ድማ ንፍተን ንኸውን። ወይውን ኣዚና ተስፋ ንቘርጽ እሞ ኵሉ እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ኢልና እንገብሮ ጻዕርታት ከኣ ደው ነብሎ ንኸውን። ይኹን እምበር: ንዅነታት ንጉስ ዳዊት ዘክር። ምስ ባትሴባ ዝሙት ድሕሪ ምፍጻሙ: ሕልንኡ ረቢሽዎ ኢዩ። ነቲ እተሰምዖ ስቓይ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:⁠- “ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ: ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ።” (መዝሙር 32:4) የሳቒ ድዩ፧ ብርግጽ! እንተዀነ ግን እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ጓሂ ንዳዊት ክናሳሕን ምስ ኣምላኽ ንኽትዓረቕን ኣለዓዒልዎ ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 7:​10 ኣረኣእዮ።) እቲ ዳዊት ይቕረታ ክረክብ ኢሉ ዘቕረቦ መሪር ሓዘን ዝመልኦ ልመና: ካብ ልቢ ከም እተናስሐ ዘርኢ እኹል መረጋገጺ ኢዩ። ዳዊት ንሕልንኡ ጸቒጥዎ ስለ ዘይሓለፈ: ንኽልወጥን ኣብ መወዳእታ ድማ ሓጐሱ ንኽምለሰሉን ተሓጊዙ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 51

ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገር ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ድሕሪ ምጽንሖም ኣነባብራኦም ምስቲ ዝለዓለ ስርዓታት ኣምላኽ ከም ዘይሰማማዕ ምስ ፈለጡ ኣቋሪጾምዎ ኢዮም። ምናልባት ሕጋዊ መርዓ ከይገበሩ ምስ ኣንጻር ጾታ ይነብሩ ወይ ድማ ናይ ዘይጽፉፍ ኣመላት ባሮት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ሕልናኦም ድማ ኣሳቐዮም!

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንተድኣ ኣሊኻ: ነተን ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እተዛረበን ቃላት ኣስተብህለለን። ንሓጢኣት ናይቶም ደቂ ዓዱ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ኣቃልዖ “ልቦም ተወግኤ።” ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቘርጹ ግን: ነቲ ጴጥሮስ ንኽናስሑ ዝሃቦም ምኽሪ ኣቕለብሉ: ስምረት ኣምላኽ ድማ ረኸቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​37⁠-41) ንስኻውን ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ! ሕልናኻ ስለ ዝረበሸካ ንሓቂ ኣብ ክንዲ እትገድፎ ሕልናኻ ‘ንኽትናሳሕን ንኽትምለስን’ ከለዓዕለካ ኣፍቅደሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:​20) ቈራጽነትን ጻዕርን ብምርኣይ: ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ዘድሊ ለውጥታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

‘ሰናይ ሕልና ይሃልኻ’

መገድታት የሆዋ ምምሃር ትጅምር ዘሎኻ ኹን ወይ ከም ብሱል ክርስትያን መጠን ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ዘሎካ ብዘየገድስ: ናይ ጴጥሮስ ምዕዶ ግቡእ ኢዩ:⁠- ‘ሰናይ ሕልና ይሃልኻ።’ (1 ጴጥሮስ 3:​16) ሕልና ጾር ዘይኰነስ ክቡር ጥሪት ኢዩ። ንኣእምሮኻን ልብኻን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጥበብ ብምምጋብ ንሕልናኻ ኣለማምዶ። ሕልናኻ ከጠንቅቐካ ኸሎ ኣቕልበሉ። ንሕልናኻ ብምእዛዝ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ኣእምሮ ውሽጣዊ ሰላም ኣስተማቕር።

ንሕልናኻ ምልምማድን ምቕራጹን ቀሊል ዕዮ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምእንቲ ክሕግዘካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ። በቲ ንሱ ዝህበካ ሓገዝ ‘ብሰናይ ሕልና: ልግሚ ብዘይብላ እምነት’ ንኣምላኽ ከተገልግሎ ኽትክእል ኢኻ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረልካ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ምስታ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ክትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ብእኡ ምስትንታንን ሕልናና ከነለማምድ ይሕግዘና ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ