ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/8 ገጽ 8-14
  • ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ዘይፍጽምና ምትኳር ንተኣማንነት ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ
  • እቲ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይፍጽምና
  • ካብቲ ረቂቕ ኣገባብ ናይ ዘይተኣማንነት ተጠንቀቕ!
  • ተኣማንነት ብመስጐጕቲ እውን ኣይትነቓነቕን
  • ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/8 ገጽ 8-14

ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል

“ምስቲ እሙን ሰብ ብተኣማንነት ኢኻ እትመላላስ።”​—2 ሳሙኤል 22:26 NW 

1, 2. ኵልና ኣብታ ጉባኤ ክንርእዮ እንኽእል ገለ ናይ ተኣማንነት ኣብነታት ኣየኖት ኢዮም፧

ሓደ ምሸት ሓደ ሽማግለ ንክርስትያናዊ ኣኼባ ዝርርብ ይዳሎ። ነቲ ምድላው ኣቋሪጹ ከዕርፍ ምፈተወ ነይሩ: ኣብ ክንድኡ ግን ልቢ ዝትንክፍን ነቲ መጓሰ ዘተባብዕን ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታትን ምሳሌታትን እናደለየ ዕዮኡ ቐጸለ። ኣብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ምሸት ኣብታ ጉባኤ እቲኣ ብስራሕ ዝደኸሙ ኣቦን ኣደን ኣብ ገዝኦም ከምስዩ ምፈተዉ ነይሮም፣ ኣብ ክንድኡ ግን ብትዕግስቲ ንውሉዳቶም ኣዳልዮም ናብቲ ኣኼባ ከዱ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ገለ ጕጅለ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ሽማግለ ዝሃቦ ዝርርብ ይመያየጡ ነበሩ። ሓንቲ ሓብቲ: እቲ ሓው እቲ ሓደ መዓልቲ ስምዒታ ከም ዝሃሰያ ክትጠቅስ ተፈተነት፣ ኣብ ክንድኡ ግን ብዛዕባ ሓደ ካብቲ ዝጠቐሶ ነጥብታት ብተመስጦ ተዛረበት። ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነበረ ሓባራዊ ሰንሰለት እንታይ ምዃኑ ተገንዚብካዶ፧

2 እቲ ሰንሰለት ተኣማንነት ኢዩ። እቲ ሽማግለ ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ንምግልጋል ብተኣማንነት ዓየየ፣ እቶም ወለዲ ብተኣማንነት ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተኻፈሉ፣ እታ ሓብቲ ብተኣማንነት ነቶም ሽማግለታት ደገፈት። (እብራውያን 10:⁠24, 25፣ 13:⁠17፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2) እወ: ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ኣገልግልቲ ኣምላኽ ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ከገልግሉ ቈራጽነት ከም ዝገበሩ ኢና እንግንዘብ።

3. ንምድራዊት ማሕበር የሆዋ እሙናት ኴንና ክንጸንሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 የሆዋ ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም ክጥምት ከሎ ተኣማንነት ዝበሃል ዳርጋ ኣይርእን ኢዩ። (ሚክያስ 7:⁠2) ናይ ህዝቡ ተኣማንነት ክዕዘብ ከሎ ግን ልቡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብሓጐስ ዝመልእ! እወ: ተኣማንነትካ የሐጕሶ ኢዩ። ነቲ ናይ መጀመርታ ዓለወኛ ሰይጣን ግን የቘጥዖ ኢዩ: ሓሳዊ ምዃኑ ኸኣ የረጋግጾ። (ምሳሌ 27:⁠11፣ ዮሃንስ 8:⁠44) ሰይጣን ነቲ ንየሆዋን ነታ ምድራዊት ማሕበሩን ዘሎካ ተኣማንነት ንምድኻም ክፍትን ምዃኑ ትጽቢት ይሃልኻ። ሰይጣን ነዚ ዝገብረሉ ገለ መገድታት እስከ ንርአ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብኸመይ ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኴንና ክንጸንሕ ከም እንኽእል ዝሓሸ መገዲ ክንርኢ ኢና።​—2 ቈረንቶስ 2:​11

ኣብ ዘይፍጽምና ምትኳር ንተኣማንነት ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ

4. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ከተሕድር ቀሊል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቆራሕ ንማሕበር የሆዋ ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ሓደ ሓው ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ምስ ዝህሉ: ጌጋታቱ ዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ይኽእል ኢዩ። ‘ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥናስ ኣብ ዓይኒ ሓውና ዘሎ በሰር’ ክንርኢ ክንደይ ኰን ቀሊል ኢዩ! (ማቴዎስ 7:​1-5) ይኹን እምበር: ኣብ ጕድለታት ምጥማት ንዘይተኣማንነት የዕብዮ ኢዩ። ንመርድኢ: ነቲ ኣብ መንጎ ቆራሕን ዳዊትን ዘሎ ምንጽጻር ርአ። ቆራሕ ብዙሕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ነይሩ ኢዩ: ምናልባት ንብዙሕ ዓመታት ከኣ እሙን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ስልጣን ሃረፈ። ኣብ ስልጣን ናይቶም ቀንዲ ደቂ ሓወቦታቱ ዝዀኑ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከማርር ጀመረ። ሽሕ’ኳ ሙሴ ካብ ኵሎም ሰባት ዝተሓተ እንተነበረ: ቆራሕ ጕድለት ክረኽበሉ ሃሰስ ክብል ከም ዝጀመረ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ሙሴ ጕድለታት ርእዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ጕድለታት እዚ: ነቲ ቆራሕ ኣብ ልዕሊ ማሕበር የሆዋ ዘርኣዮ ዘይተኣማንነት ምኽንያታዊ ኣይገበሮን። ካብ ማእከል እቲ ማሕበር ጠፊኡ ኢዩ።​—ዘሁልቍ 12:3፣ 16:11, 31-​33

5. ዳዊት ኣንጻር ሳኦል ክዓሉ እተፈተነ ኰይኑ ተሰሚዕዎ? ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

5 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዳዊት: ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሳኦል ኰይኑ የገልግል ነበረ። እቲ ሓደ እዋን ቅኑዕ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል እኩይ ኰነ። ዳዊት ካብቲ ብቕንኢ እተላዕለ ናይ ሳኦል መጥቃዕትታት ክድሕን እምነት: ምጽማም: ከምኡውን ገለ ብልሓት ከይተረፈ ክህልዎ የድሊ ነበረ። ገና ግን ዳዊት ሕነ ክፈዲ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ: ኣብ ልዕሊ እቲ የሆዋ ዝቐብኦ ዘይእሙን ተግባር ምፍጻምሲ “እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በለ።​—1 ሳሙኤል 26:11

6. ሽሕ’ኳ ኣብ ሽማግለታት ድኻማትን ጕድለታትን ነስተብህል እንተዀንና: ፈጺምና ክንገብሮ ዘይብልና እንታይ ኢዩ፧

6 ገለ ካብቶም ኣብ ማእከልና መሪሕነት ወሲዶም ዘለዉ ሰባት ኣብ ፍርዲ እንተ ዝጋገዩ: ተሪር ቃላት እንተ ዝዛረቡ: ወይ ከኣ ኣድልዎ እንተ ዘርእዩ: ምናልባት ኣብታ ጉባኤ ናይ ምንቃፍ መንፈስ ብምንዛሕ ብዛዕባኦም መጕረምረምናዶ፧ ተቓውሞና ንምርኣይ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መብኰርናዶ፧ ኣይፋልናን እባ ድኣ! ከም ዳዊት ናይ ካልእ ሰብ ጕድለታት ንየሆዋን ንማሕበሩን ዘይእሙናት ክገብረና ፈጺምና ኣይነፍቅደሉን ኢና!​—መዝሙር 119:165

7. ምስታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ እተተሓሓዘ ማዕቢሉ ዝነበረ ገለ ብልሽው ተግባራት እንታይ ኢዩ፧ የሱስከ ብዛዕባ እዚ ከመይ ተሰምዖ፧

7 እቲ ዝዓበየ ናይ ተኣማንነት ሰብኣዊ ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኢዩ: ብትንቢታዊ መገዲ ኸአ ናይ የሆዋ “እሙን” ከም ዝዀነ ተገልጸ። (መዝሙር 16:⁠10 NW ) እቲ ብልሽው ኣጠቓቕማ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ: ንእሙን ምዃን ብድሆ ገይርዎ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ናይቲ ሊቀ ካህናት ዕዮን መስዋእትታትን ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገልግሎትን መስዋእታዊ ሞትን ከም ዘመልክት ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ሰባት ካብዚ ክማሃሩ ክሳዕ ክንደይ ንህይወቶም ኣገዳሲ ከም ዝዀነውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ቤት መቕደስ “በዓቲ ጐሓሉት” ኰይኑ ምስ ረኣዮ: ጽድቃዊ ቍጥዓ መልኦ። በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን ተጠቒሙ ኸኣ ንኸጽርያ ክልተ ግዜ ስጕምቲ ወሰደ።a​—ማቴዎስ 21:12, 13፣ ዮሃንስ 2:​15-​17

8. (ሀ) የሱስ ነቲ ናይ ቤት መቕደስ ምድላዋት ተኣማንነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ምስታ ጽርይቲ ማሕበሩ ኴንና ብምምላኽና ከም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

8 ገና እውን የሱስ ነቲ ናይታ ቤት መቕደስ ምድላዋት ብተኣማንነት ደጊፍዎ ኢዩ። ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ኣብታ ቤት መቕደስ ኣብ ዝግበር ዝነበረ በዓላት ተኻፊሉ ኢዩ: ዝበዝሕ ግዜ ድማ ኣብኡ ኰይኑ ይምህር ነበረ። ግዴታ እኳ እንተዘይነበሮ ነቲ ናይ ቤት መቕደስ ቀረጽ እውን ከይተረፈ ከፊሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 17:⁠24⁠-​27) የሱስ እታ ድኻ መበለት “ዅሉ ምግባ” ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ሳጹን ምጽዋት ብምቕማጣ ንኢድዋ ኢዩ። ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ: የሆዋ ነታ ቤት መቕደስ ንሓዋሩ ነጸጋ። ክሳዕ ሽዑ ግን የሱስ ነታ ቤት መቕደስ እሙን ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 12:⁠41⁠-​44፣ ማቴዎስ 23:⁠38) እዛ ሎሚ ዘላ ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ: ካብቲ ምስ ቤት መቕደሱ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ኣዝያ ዝለዓለት ኢያ። ሓቂ ኢዩ ፍጽምቲ ስለ ዘይኰነት ሓድሓደ ግዜ መኣረምታታት ይግበር ኢዩ። ይኹን እምበር ብብልሽውና ዝመልአት ኣይኰነትን: የሆዋ እውን ክትክኣ ኢሉ ኣይሓስብን ኢዩ። ኣብኣ ዘስተባህልናዮ ዝዀነ ይኹን ዘይፍጽምና ከም እንምረር ንኽገብረና ወይ ከኣ ነቓፍን ኣሉታውን መንፈስ ንኸነንጸባርቕ ክድርኸና ኣይነፍቅደሉ። ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ተኣማንነት ንቕድሓዮ።​—1 ጴጥሮስ 2:​21

እቲ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይፍጽምና

9, 10. (ሀ) እንነብረሉ ዘሎና ናይ ሰይጣን ኣገባብእንነብረሉ ዘሎና ዝወስኽከሉ: “ሜላታት” ምእንቲ ከይመስል ኢየ ኣብቲ ዘይእሙን ዝገብረካ ጠባያት ምእንቲ ከውድቐና ንዘይፍጽምና ዝምዝምዞ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧

9 ሰይጣን ንዘይፍጽምናና ብምምዝማዝ እውን ዘይተኣማንነት ከስፍን ይደሊ ኢዩ። እዚ እንነብሩሉ ዘሎና ናቱ ኣገባብ:ሜላታት ምእንቲ ከይትመስል ኢያ “እዚ እንነብረሉ ዘሎና” ወሲኸሉ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ጌጋ ዝዀነ ነገራት ክንገብር ብምፍትታን ንድኻማትና ይጥቀመሉ ኢዩ። ዓመት ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ይምብርከኹ ምህላዎም ድማ ዘሕዝን ኢዩ። ገሊኣቶም ክልተ ዓይነት ናብራ ብምስዓብ: ማለት እሙናት ክርስትያናት እናመሰሉ ኣብ መገዲ ናይ እኩይ ተግባራት ብምቕጻል ነዚ ዘይተኣማንነት እዚ ይውስኽሉ ኣለዉ። ሓንቲ ጐርዞ ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ናይ ንቕሑ! መጽሔት ዝወጽእ “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . ” ዝብል ተኸታታሊ ኣርእስቲ ዘለዎ ዓንቀጻት ምላሽ ክትህበሉ ከላ “እቲ ዓንቀጻት ታሪኽ ህይወተይ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ጸሓፈት። ፍቕሪ የሆዋ ምስ ዘይብሎም መንእሰያት ብምስጢር ምሕዝነት ትገብር ነበረት። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ “ህይወተይ ኣብ ሕሱር ኵነታት ወደቐት: ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ስለ እተጸመድኩ ክግሰጽ ነበረኒ። ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ተበላሸወ: እቲ ወለደይን ሽማግለታትን ኣባይ ዝነበሮም እምነት ድማ ጠፍአ።”b

10 እዛ ጐርዞ እዚኣ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ረኸበት: ናብቲ ናይ የሆዋ እሙን ኣገልግሎት ድማ ተመልሰት። እቲ ዘሕዝን ግን መብዛሕትኦም ሕማቕ ውጽኢት የጋጠሞም ኣሎ: ገሊኣቶም ከኣ ፈጺሞም ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ኣይተመልሱን። እሙን ምዃንን ነቲ ካብዛ እክይቲ ዓለም ዝመጽእ ፈተናታት ምጽራሩንሲ ክንደይ ኰን ዝሓሸ ኢዩ! ነቲ ንዓለማዊ ምሕዝነትን ሕሱር ምዝንጋዕን ዝኣመሰለ ጕዳያት ዝምልከት ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ መጠንቀቕታታት ስዓቦ። ኣብቲ ዘይእሙን ዝገብረካ ጠባያት ወትሩ ዘይትወድቕ ይግበርካ። እንተድኣ ወዲቕካ ግን: ዘይኰንካዮ ክትምስል ኢልካ ኣይትፈትን። (መዝሙር 26:4) ኣብ ክንድኡ: ሓገዝ ድለ። ክርስትያን ወለድን ሽማግለታትን ክሕግዙኻ ድሉዋት ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 5:​14

11. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ተስፋ ዘይብሎም እኩያት ገይርና ምሕሳብ ጌጋ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ኢዩ ኣተሓሳስባና ክንእርም ክሕግዘና ዝኽእል፧

11 ዘይፍጽምናና ብኻልእ መገዲ እውን ኣብ ሓደጋ ከውድቐና ይኽእል ኢዩ። ዘይእሙን ተግባር ዝፈጸሙ ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ ከሐጕሱ ካብ ምፍታን ኣቋሪጾም ኢዮም። ዳዊት ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ዘክር። ገና ግን: ብድሕሪ ሞት ዳዊት ነዊሕ ጺኒሑ: የሆዋ ከም እሙን ኣገልጋሊ ገይሩ ዘከሮ። (እብራውያን 11:⁠32፣ 12:⁠1) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ንምሕጓስ ካብ ምፍታን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ምሳሌ 24:⁠16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ይብለና። ብርግጽ እምበኣር: ብምኽንያት እቲ እንቃለሶ ዘሎና ገለ ድኻማት ብተደጋጋሚ ኣብ ከቢድ ዘይኰነ ሓጢኣት ምስ እንወድቕ: ‘ምትንሳእ’ እንተድኣ ቀጺልና: ማለት ልባዊ ነስሓ ብምርኣይ ናብ መገዲ እሙን ኣገልግሎት እንተድኣ ተመሊስና: ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ገና ጻድቃን ክንከውን ንኽእል ኢና።​—ምስ 2 ቈረንቶስ 2:⁠7 ኣረኣእዮ።

ካብቲ ረቂቕ ኣገባብ ናይ ዘይተኣማንነት ተጠንቀቕ!

12. ብወገን ፈሪሳውያን ዝነበረ ተሪርን ሕጋውን ኣመለኻኽታ ናብ ዘይተኣማንነት ዝመርሖም ብኸመይ ኢዩ፧

12 ዘይተኣማንነት ብረቂቕ ኣገባብ እውን ይመጽእ ኢዩ። ከም ተኣማንነት መሲሉ እውን ከይተረፈ ክርአ ይኽእል ኢዩ! ንኣብነት: እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ፊሪሳውያን ንገዛእ ርእሶም እሙናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ሓሲቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።c እንተዀነ ግን ተረርትን ነቓጻት ፈረድትን ስለ ዝነበሩ ነቲ ኣብ መንጎ እሙን ምዃንን ነቲ ብሰባት ዝቘመ ሕግታት ዘይዕጸፍ ሰዓቢ ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ክርእይዎ ኣይከኣሉን። (ምስ መክብብ 7:⁠16 ኣረኣእዮ።) በዚ መገዲ እዚ እምበኣር ነቲ ከገልግልዎ ዝነበሮም ህዝቢ: ነቲ ንምህረሉ ኢና ዝብልሉ ዝነበሩ መንፈስ ናይቲ ሕጊ: ከምኡውን ንየሆዋ ብሓቂ ዘይእሙናት ነበሩ። የሱስ ግን ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ መንፈስ ናይቲ ሕጊ እሙን ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ልክዕ ከምቲ መሲሓዊ ትንቢታት ኣቐዲሙ እተዛረቦ ንሰባት ሃኒጽዎምን ኣተባቢዕዎምን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 42:⁠3፣ 50:⁠4፣ 61:⁠1, 2

13. (ሀ) ክርስትያን ወለዲ ብኸመይ ኢዮም ዘይእሙናት ክዀኑ ዝኽእሉ፧ (ለ) ወለዲ ደቆም ክቐጽዑ ከለዉ እምብዛ ተረርቲ: ነቐፍቲ ምዃን ወይ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ከርሕቕዎ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

13 እቶም ድሩት ስልጣን ዘለዎም ክርስትያናት ካብቲ ናይ የሱስ መርኣያ ኣጸቢቖም ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት እሙናት ወለዲ ንደቆም ክግስጽዎም ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። (ምሳሌ 13:⁠24) ገና ግን ንንኣሽቱ ደቆም ብቝጥዓ እተለዓዓለ ተሪር ተግሳጽ ወይ ብዘየቋርጽ ተደራራቢ ወቐሳታት ገይሮም ኣየሕርቕዎምን ኢዮም። ንወለዶም ፈጺሞም ከሐጕስዎም ከም ዘይክእሉ ኰይኑ ዝስምዖም ወይ ከኣ እቲ ኣምልኾ ንወለዶም ኣሉታውያንን ወቐስትን ከም ዝገበሮም ጥራይ መሲሉ ዝስምዖም ውሉዳት: ጕሁያት ይዀኑ እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ ሓቀኛ እምነት ተነጺሎም ይፍለዩ።​—ቈሎሴ 3:​21

14. ክርስትያን ጓሶት ነቶም ዘገልግልዎም መጓሰ እሙናት ምዃኖም ከረጋግጹ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ብተመሳሳሊ መገዲ ክርስትያን ሽማግለታትን ገየ​ሽቲ ተዓዘብትን እቲ መጓሰ ንዘጋጥሞ ግድላትን ሓደጋታትን የቕልብሉ ኢዮም። ከም እሙናት ጓሶት መጠን ከኣ: መጀመርታ ምሉእ ጭብጥታት ከም ዝሓዙ: እቲ ዝብልዎ ዘበለ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ናይ ማሕበር ጽሑፋትን እተመስረተ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጾም ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ምኽሪ ይህቡ ኢዮም። (መዝሙር 119:⁠105፣ ምሳሌ 18:⁠13) ከምኡውን እተን ኣባጊዕ ንመንፈሳዊ ምህናጽን ምምጋብን ኣብኣቶም ከም ዝውከላ ይፈልጡ ኢዮም። ስለ ዝዀነ ኸኣ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ የሱስ ክርስቶስ ክመስልዎ ይደልዩ ኢዮም። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሰሙን ሰሙን እናኣፍረሱ ዘይኰነስ እናሃነጹን ንእምነቶም እናኣሐየሉን ነተን ኣባጊዕ ብተኣማንነት የገልግልወን ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠28፣ ኤፌሶን 4:⁠11, 12፣ እብራውያን 13:⁠20, 21

15. ገለ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ሰባት ዘይግቡእ ተኣማንነት ከም ዝነበሮም ብኸመይ ኢዮም ዘርኣዩ፧

15 ካልእ ናይ ዘይተኣማንነት ረቂቕ ኣገባብ ድማ ዘይግቡእ ተኣማንነት ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ናይ ሓቂ ተኣማንነት ካብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ከነርእዮ ዘሎና ተኣማንነት ሰጊርና ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ተኣማንነት ከነርኢ ኣየፍቅደልናን ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ብድርቅና ናብ ሕጊ ሙሴን ናብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብን ጠቢቖም ነበሩ። እንተዀነ ግን የሆዋ በረኸቱ ካብቶም ዓለወኛታት ህዝቢ ናብቶም ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ህዝቢ ዝቕይረሉ ግዜ መጸ። ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እተረኽቡን ነዚ ዓቢ ለውጢ እዚ እተቐበሉን ብተዛማዲ ኣዝዮም ሒደት ጥራይ ኢዮም። ኣብ ማእከል እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ከይተረፈ: ገለ ኣይሁድ ናብቲ ኣብ ክርስቶስ እተፈጸመ “ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት” ዝዀነ ሕጊ ሙሴ ምምላስ ይጸቕጥሉ ነበሩ።​—ገላትያ 4:9፣ 5:​6-​12፣ ፊልጲ 3:​2, 3

16. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንመኣረምታታት ብኸመይ ኢዮም ዝምልሽሉ፧

16 ብኣንጻሩ ግን ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ለውጢ ኣብ ዝግበሩሉ ግዜያት እሙናት ምዃኖም ባዕላቶም ኣረጋጊጾም ኢዮም። ብርሃን ናይቲ እተገልጸ ሓቂ ብቐጻሊ ክበርህ ከሎ መኣረምታታት ይግበር ኢዩ። (ምሳሌ 4:⁠18) ኣብዚ ቀረባ ግዜ: እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​34 ተጠቒሱ ዘሎ “ወለዶ” ዝብል ቃል ከምኡውን ፍርዲ ናይቶም ኣብ ማቴዎስ 25:⁠31⁠-​46 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ኣባጊዕን ኣጣልን’ ዝካየደሉ ግዜ ዝነበረና ምርዳእን ንገለ ዓይነት ስቪላዊ ኣገልግሎታት ዝምልከት ዝነበረና ኣመለኻኽታን ክንኵልዕ ሓጊዙና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45 NW ) ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰ​ኻኽር ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ዝምልከት ብድርቅና ናብቲ ቅድም ዝነበረ ምርዳእ እንተ ዝጠብቁ እሞ ወሰኽ ምግባር እንተ ዝኣብዩ: ብዘይጥርጥር ገለ ካብቶም ከሓድቲ ምተሓጐሱ ነይሮም። ከምዚ ግን ኣየጋጠመን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ህዝቢ የሆዋ እሙናት ኢዮም።

17. ሓድሓደ ግዜ ፍቑራትና ንተኣማንነትና ኣብ ፈተና ዘውድቕዎ ብኸመይ ኢዮም፧

17 ይኹን እምበር ዘይግቡእ ተኣማንነት ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ክትንክፈና ይኽእል ኢዩ። ሓደ እንፈትዎ ዓርክና ወይ ኣባል ናይ ስድራቤትና እውን ከይተረፈ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር መገዲ እንተድኣ መሪጹ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዓይነት ተኣማንነት እተዋጠርና ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ብባህርያዊ መገዲ ንኣባላት ስድራቤት እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ይስምዓና ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ንዓታቶም ዘሎና ተኣማንነት ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ፈጺምና ኣብሊጽና ዘይንርእዮ ይግበረና! (ምስ 1 ሳሙኤል 23:⁠16⁠-​18 ኣረኣእዮ።) ንበደለኛታት ከቢድ ሓጢኣት ክሓብኡ ኣይንሕግዞምን ኢና ከምኡውን ምስኣቶም ኴንና ኣንጻር እቶም ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሮም ከቕንዕዎም’ ዝፍትኑ ሽማግለታት ኣይንስለፍን ኢና። (ገላትያ 6:⁠1) ከምኡ ምግባር ንየሆዋ: ንማሕበሩ: ከምኡውን ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ዘይእሙን ምዃን ማለት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንሓደ በደለኛ ነቲ ዘድልዮ ተግሳጽ ከይቅበል ምኽልካሉ: ናይ የሆዋ መግለጽ ፍቕሪ ኣብቲ በደለኛ ከይበጽሕ ምዕጋቱ ማለት ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠5⁠-​7) “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን” ምዃኑ እውን ዘክር። (ምሳሌ 27:⁠6) ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ግልጽን ፍቕራውን ምኽሪ ንትዕቢት ናይ ሓደ እተጋገየ ፍቑርካ ከቝስሎ ይኽእል ይኸውን: ውዒሉ ሓዲሩ ግን ህይወት ዘድሕን ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ!

ተኣማንነት ብመስጐጕቲ እውን ኣይትነቓነቕን

18, 19. (ሀ) ኣከኣብ ንናቦት እንታይ ክገብረሉ ኢዩ ዝደለየ: ናቦትከ ስለምንታይ ኣበየ፧ (ለ) ናይ ናቦት ተኣማንነት ዋጋ ዘለዎ ድዩ፧ ግለጾ።

18 ሓድሓደ ግዜ እቲ ሰይጣን ተኣማንነትና ንምጥፋእ ዝገብሮ መጥቃዕቲ ቀጥታዊ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ናቦት ጉዳይ ርአ። ንጉስ ኣከኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ክሸይጥ ጸቕጢ ምስ ገበረሉ “እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ: እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ኢሉ መለሰሉ። (1 ነገስት 21:3) ናቦት ንቕጽና ዘይኰነስ ተኣማንነት ኢዩ ዘርኢ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ ዋላ ሓደ እስራኤላዊ ናይ መሬት ርስቱ ንሓዋሩ ከይሸይጥ ይኽልክል ነበረ። (ዘሌዋውያን 25:⁠23⁠-​28) ኣከኣብ ሰበይቱ ኢዛቤል ንብዙሓት ነብያት የሆዋ ክትቀትል ድሮ ኣፍቂዱላ ስለ ዝነበረ ናቦት እዚ ጨካን ንጉስ እዚ ከቕትሎ ከም ዝኽእል ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ! እንተዀነ ግን ናቦት ጸንዐ ድኣ።​—1 ነገስት 18:4

19 ሓድሓደ ግዜ ተኣማንነት ዋጋ ምኽፋል ዝሓትት ኢዩ። ኢዛቤል: ብገለ “ደቂ ብልያል” ገይራ: ናቦት ብዘይፈጸሞ ገበን ብሓሶት ከም ዝኽሰስ ገበረት። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንሱን ደቁን ተቐትሉ። (1 ነገስት 21:⁠7⁠-​16፣ 2 ነገስት 9:⁠26) እዚ ግን ተኣማንነት ናቦት ጌጋ ኢዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! ናቦት ካብ መንጎ እቶም ሕጂ ኣብ ተዘክሮ የሆዋ “ህያዋን” ዘለዉ: ክሳዕ ግዜ ትንሳኤ ኸኣ ዓሪፎም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 20:⁠38፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

20. ተስፋ ተኣማንነትና ክንዕቅብ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

20 እዚ መብጽዓ እዚ ነዞም ሎሚ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ዝርከቡ እውን ውሕስነት ይህቦም ኢዩ። ተኣማ​ንነትና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ዋጋ ከም ዝሓተና ንፈ​ልጥ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ንተኣማንነቱ ህይወቱ ከፊሉሉ ኢዩ: ንሰዓብቱ ኸኣ ዝሓሸ መገዲ ከም ዘየጋጥሞም ነጊርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠20) እቲ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዝነበሮ ተስፋ ንዕኡ ከም ዘናበሮ: ንሕናውን ብተስፋና ንናበር ኣሎና። (እብራውያን 12:⁠2) ስለዚ እምበኣር ኵሉ ዓይነት መስጐጕቲ ክጋጠመና ከሎ እሙናት ኴንና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና።

21. የሆዋ ንእሙናቱ እንታይ ውሕስነት ኢዩ ዝህቦም፧

21 ሓቂ ኢዩ: ሎሚ ካባና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ተኣማንነትና ዝወርድ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዘጋጥሞም ብተዛማዲ ኣዝዮም ሒደት ኢዮም። እንተዀነ ግን ህዝቢ ኣምላኽ መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ዝያዳ መስጐጕቲ ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ተኣማንነትና ንምዕቃብ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሕጂ ንተኣማንነትና ብምሕላው ኢዩ። የሆዋ ብዛዕባ መንግስቱ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዓቢ መዝነት ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ ምስ ህይወት እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ዕዮ ብተኣማንነት እንቕጽል ይግበረና። (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ንማሕበር የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ከጥፍኣልና እንተድኣ ዘየፍቂድናሉ ከምኡውን ካብ ዘይግቡእ ተኣማንነት ዘመሰለ ረቂቕ ኣገባብ ናይ ዘይተኣማንነት ንሕሎ እንተድኣ ኴንና: ሽዑ ዋላ እኳ ተኣማንነትና ብዝኸበደ መገዲ እንተ ተፈተነ ብዝሓሸ መገዲ እተዳሎና ክንከውን ኢና። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ: የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ እሙን ከም ዝኸውን ኵሉ ግዜ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ሳሙኤል 22:⁠26) እወ: ንእሙናቱ ክሕልዎም ኢዩ!​—⁠መዝሙር 97:10 NW

[እግረ-ጽሑፋት]

a የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንመኽሰብ ዝቘመ ንግዳዊ ትካል ንምጥቃዕ ተባዕ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝበሎ: እቲ ናይ ቤት መቕደስ ቀረጽ ብውሱን ጥንታዊ ናይ ኣይሁድ ሰልዲ ክኽፈል ነበሮ። ናብቲ ቤት መቕደስ ዝመጹ ዝነበሩ ብዙሓት በጻሕቲ እምበኣር ነቲ ቀረጽ ምእንቲ ክኸፍሉ ገንዘቦም ከሽርፍዎ ነበሮም። እቶም ሸረፍቲ ብምኽንያት እቲ ዝህብዎ ሸርፊ: እተወሰነ ገንዘብ ከኽፍሉ ይፍቀደሎም ስለ ዝነበረ ብዙሕ ገንዘብ ይረብሑ ነበሩ።

b ናይ 22 ታሕሳስ 1993፣ 8 ጥሪ 1994፣ ከምኡውን 22 ጥሪ 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።

c እቲ ማሕበሮም ካብቲ ንናይ ግሪኽ ጽልዋ ንምቅላስ ክፍለ⁠-​ዘበናት ኣቐዲሙ እተላዕለ ናይ ሃሲዲም ጕጅለ ኢዩ መጺኡ። ሃሲዲም ስሞም ካብታ “እሙናት” ወይ ከኣ “ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዘለዎም” ዝትርጕማ ቻሲ· ዲም  ΄ እትብሃል ናይ እብራይስጢ ቃል ኢዮም ወሲዶምዎ። ምናልባት እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ የሆዋ “እሙናት” ኢሉ ዝጠቕሶም ብገለ እተፈልየ መገዲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ከም ዝውዕል ገይሮም ሓሲቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝሙር 50:⁠5 NW ) ንሳቶምን እቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ፈሪሳውያንን ደረቓት: ብገዛእ ርእሶም ከኣ ንፊደል ናይቲ ሕጊ ዝከላኸሉ ኰኑ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ናብ ዘይተኣማንነት ከይመርሓና ክንክልክሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

◻ ዘይፍጽምናና ናብቲ ዘይእሙን ዝገብረካ ጠባያት ክመርሓና ዝኽእል በየናይ መገድታት ኢዩ፧

◻ ተኣማንነትና ብዘይግቡእ ኽንጥቀመሉ ንዝመጽኣና ዝምባለታት ብኸመይ ክንቃወሞ ንኽእል፧

◻ ኣብ ግዜ መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ ተኣማንነትና ክንዕቅብ ክሕግዝና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ቤትኤል ብተኣማንነት ምግልጋል

ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:⁠40) ጳውሎስ ሓንቲ ጉባኤ ንኽትዓዪ ‘ስርዓት’ ወይ ከኣ ምምሕዳር ከም ዘድልያ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሽማግለታት ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ውሳነታት ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። እዚ ኸኣ ንኣባላት ጉባኤ ናብ እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ትምህርቲ ቦታታት ምምዳብ: ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ኣኼባታት ምስራዕ: ከምኡውን ዞባ ተሸፊኑ እንተዀይኑ ምርግጋጽ ዝኣመሰለ ኢዩ። ሓድሐደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ናይ ተኣማንነት ፈተና ዘንብር ኢዩ። ብመለኮታዊ መገዲ መንፈስ ዝነፈሶም ትእዛዛት ኣይኰኑን: ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርጫ ድማ ከማልኡ ኣይክእሉን ኢዮም።

ሓድሓደ ግዜ ንገለ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተገብረ ተግባራዊ ስርዓታት እሙን ምዃን ብድሆ ኰይኑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ናይ ቤትኤል ኣብነት ሓጋዚ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውን። እታ ቤትኤል እትብል ስም: “ቤት ኣምላኽ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል ክትከውን ከላ ንዅለን 104 ጨነፍር ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: እንተላይ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እተዋህበ ስም ኢዩ። እቶም ኣብ ናይ ቤትኤል ኣብያተ ጽሕፈት ዝነብሩን ዝሰርሑን ወለንተኛታት እዚ ቦታታት እዚ ንናይ የሆዋ ኣኽብሮትን ፍርህን ዘንጸባርቕ ክኸውን ይደልይዎ ኢዮም።

ንቤትኤል ዝበጽሑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝርኣይዎ ስርዓትን ጽርየትን ርእይቶኦም ይገልጹ ኢዮም። እቶም ሰራሕተኛታት እተመሓደሩን ሕጕሳትን ኢዮም፣ ኣዘራርባኦምን ኣገባቦምን አረ ኵለንትናዊ ኣቃውማኦምውን ከይተረፈ ነቲ ብሱል: ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ክርስትያናዊ ሕልና ኢዩ ዘንጸባርቕ። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብተኣማንነት ናብ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ኢዮም ዝጠብቁ።

ብተወሳኺ: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብሓድነት ሓቢርካ ምንባር እትበሃል ንመምርሒ እትኸውን ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣዳልይሎም ኢዩ። እዛ መምርሒት እዚኣ ብሕያውነት እዞም ዓቢ ስድራቤት እዚኣቶም ሓቢሮም ክሰርሑ ዘኽእሎም ገለ ተግባራዊ ዝዀነ ስርዓታት ኣዳልያትሎም ኣላ። (መዝሙር 133:⁠1) ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ክፍሊ: መግቢ: ጽሬት: ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን መምርሒ ትህብ ኢያ። ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብሕታዊ ምርጫታቶም ካልእ ዓይነት ክኸውን ከሎ እውን ከይተረፈ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ብተኣማንነት ኢዮም ዝድግፍዎን ዝስዕብዎን። ነዚ መምርሒ እዚ ከም ሓደ ብተሪር ሕግታትን ስርዓታትን ዝመልአ መጽሓፍ ገይሮም ዘይኰነስ ሕብረትን ስምምዕን ንምምጻእ እተዳለወ ጠቓሚ መምርሒ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ተዓዘብቲ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ብተኣማንነት ኢዮም ዝድግፍዎ: ስድራ ቤትኤል ነቲ ቅዱስ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ምእንቲ ክስዕቡ ብኣወንታዊ መገዲ ንምህናጽን ንምትብባዕን ኢዮም ዝጥቀምሉ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]

እቲ እሙንን እቲ ሕጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን

ብ1916: ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን አንድ ኤቲክስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “እዚ ኣብ መንጎ እቲ እሙንን እቲ ሕጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ዝርአ ምፍልላይ ኣብ ኵሉ ግዜያትን ኣብ ኵሉ ቦታታትን ክርከብ ዝከኣል ኢዩ።” ከምዚ ብምባል ከኣ ይገልጽ:- “እቲ ሕጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ እተነግሮ ኢዩ ዝገብር: ሕጊ ኣይጥሕስን ኢዩ፣ ኣብቲ እተጻሕፈን ክንበብ ዝኽእልን ቃል እምነት ይገብር። ሓደ እሙን ሰብ ድማ ነዚ ይገብሮ ኢዩ: ግናኸ . . . ካብኡ ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ክፍጽም ትጽቢት ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ: ብምሉእ ኣእምሮኡ ኣብ ተግባሩ ኢዩ ዘተኵር: ኣመለኻኽታኡ ኸኣ ምስ መንፈስ ናይቲ ክብጻሕ ዘለዎ ጠቓሚ ነገር ኢዩ ዘሰማምዖ።” ጸኒሑ ድማ እዚ ኢንሳይክሎፔድያ እዚ ከምዚ በለ:⁠- “እሙን ምዃን ሕጊ ዘኽብር ካብ ምዃን ንላዕሊ ኢዩ: . . . እቲ እሙን ሰብ ብምሉእ ልቡን ሓሳቡን ዘገልግል ብምዃኑ ካብቲ ሕጊ ዘኽብር ሰብ እተፈለየ ኢዩ . . . ደይ መደይ ኢሉ ሓጢኣት ብምፍጻም: ክገብሮ ዝግብኦ ከይገበረ ስቕ ብምባል: ወይ ድንቍርና ብምግባር ክወድቕ ኣየፈቅድን ኢዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ