ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/8 ገጽ 4-7
  • ድሕነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሕነት ኣብ ኵለን ሃይማኖታትዶ ይርከብ ኢዩ፧
  • ብዛዕባ የሱስ ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ
  • ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ እውን ኣድላዪ ኢዩ
  • ብመንፈስን ብሓቅን
  • እምነት ንተግባር ይድርኽ
  • ድሕነት ንዓኻ እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል
  • ‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ድሕነት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ብየሱስ እመን”—ብየሱስ ምእማን ንድሕነት እኹል ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ጥራይ ከም ዚድሕኑ ድዮም ዚኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/8 ገጽ 4-7

ድሕነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ

‘ድሒንካ ዲኻ፧’ መብዛሕትኡ ግዜ: ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝሓቱ ሰባት ‘ንየሱስ ከም ናይ ብሕቶም መድሓኒ ገይሮም ስለ እተቐበልዎ’ ከም ዝድሓኑ ኰይኑ ይስምዖም። ገና ካልኦት ከኣ ብዙሕ ናይ ድሕነት መገድታት ከም ዘሎ ከምኡውን ‘የሱስ ኣብ ልብኻ ክሳዕ ዘሎ’ እትኣምኖ እምነት ይኹን እትኸዶ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘየገድስ ይስምዖም።

መጽሓፍ ቅዱስ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን” ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይዛረብ። (1 ጢሞቴዎስ 2:​3, 4) ድሕነት እምበኣር: ብዅሎም ዝቕበልዎ ሰባት ክርከብ ዝከኣል ኢዩ። ምድሓን ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብወገንካ ሒደት ጻዕሪ ጥራይ ብምግባር ወይ ከኣ ምንም ከይጸዓርካ ብቐሊሉ ዝርከብ ነገር ድዩ፧

እታ “ድሕነት” እትብል ቃል ካብ “ሓደጋ ወይ ጥፍኣት ምውጻእ” ማለት ኢያ። ናይ ሓቂ ድሕነት እምበኣር ቅሱን ናይ ኣእምሮ ኵነታት ካብ ምህላው ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ካብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሞት ምድሓን ማለት ኢዩ! ግናኸ ኣምላኽ ንመን ኢዩ ዘድሕኖ፧ ነዚ ንምምላስ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝማሃረ ንመርምር። ውጽኢት ናይቲ እንገብሮ ምርምር ከየገረመካ ኣይተርፍን ኢዩ።

ድሕነት ኣብ ኵለን ሃይማኖታትዶ ይርከብ ኢዩ፧

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ተዘራሪቡ ነበረ። ሽሕ’ኳ ኣይሁዳዊት እንተ ዘይነበረት: “ክርስቶስ ዚብልዎ” መሲሕ ክመጽእ ምዃኑ ብልክዕ ገይራ ትኣምን ነይራ ኢያ። (ዮሃንስ 4:⁠25) ንኽትድሕን ግን: እዚ እምነት እዚ ጥራይ እኹል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ የሱስ ነታ ሰበይቲ ብትብዓት “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ” ኢሉ ነጊርዋ ኢዩ። የሱስ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ድሕነት ክትረክብ እንተድኣ ኰይና ኣገባብ ኣምልኾኣ ከተተዓራሪ ከም ዝነበራ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ የሱስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።”​—ዮሃንስ 4:​22, 23

የሱስ ብዛዕባ ድሕነት ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ዝገለጸሉ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ነቶም ውሩያት ናይ ኣይሁድነት ሃይማኖታውያን ጕጅለ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ፈሪሳውያን ናይ ኣምልኾ ስርዓት መስሪቶም ነበሩ: ስምረት ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ገይሮም ከኣ ይኣምኑ ነበሩ። ግናኸ የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ዝበሎም ቃላት ጽን ኢልካ ስማዕ:- “ኣቱም ግቡዛት: ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ።”​—⁠ማቴዎስ 15:⁠7-9

ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኣብ ክርስቶስ ንኣምን ኢና ዝብሉ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ጕጅለታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ የሱስ ድሕነት ንምርካብ ዝሕግዛ ቅቡላት መገድታት ከም ዝዀና ገይሩ ሰሚርወንዶ ኢዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምግማት ኣየድልየናን ኢዩ: ከመይሲ የሱስ ኣነጺሩ ከምዚ በለ:- “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካበይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።”​—ማቴዎስ 7:​21-​23

ብዛዕባ የሱስ ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ

እዘን ናይ የሱስ ቃላት: ዓቢ ትርጕም ሒዘን ኣለዋ። ብዙሓት ውፉያት ሰባት ‘ፍቓድ ኣቦ ንምግባር’ ይሰንፉ ከም ዘለዉ የመልክታ። ሓደ ሰብ እምበኣር ከመይ ገይሩ ኢዩ ናይ ሓቂ ድሕነት ክረክብ ዝኽእል፧ ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4 ከምዚ ብምባል ትምልስ “[ኣምላኽ] ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ [“ርጡብ:” NW ] ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ [ኢዩ ዚፈቱ]።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ምስ ቈሎሴ 1:⁠9, 10 ኣረኣእዮ።

ድሕነት ንምርካብ እዚ ፍልጠት እዚ ወሳኒ ኢዩ። እቲ ሮማዊ ሓላው እሱራት ንሃዋርያ ጳውሎስን ነቲ መሳንይቱ ዝነበረ ሲላስን “ምእንቲ ኽድሕንሲ: እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም: “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም:” ኢሎም መለስሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠30, 31) እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ምእንቲ ክድሕኑ ዘድልዮም ዝነበረ ነገርሲ ኣብ ኣልባቦም ገለ ዓይነት ስምዒት ክስምዖም ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ቀዳማይ ነገር የሱስ መን ምዃኑ: እንታይ ከም ዝገበረ: ከምኡውን እንታይ ከም ዝማሃረ ገለ ምርዳእ እንተ ዘይህልዎም ብሓቂ ‘ኣብ ጐይታ የሱስ ክኣምኑ’ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም።

ንኣብነት የሱስ ብዛዕባ ምቛም ሰማያዊ ምምሕዳር ማለት “መንግስቲ ኣምላኽ” ምሂሩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠43) ብዘይዚውን ንክርስትያናዊ ስነ-ምግባርን ጠባያትን ዝምልከት ስርዓታት ሰሪዑ ኢዩ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) ንፖለቲካዊ ጕዳያት ዝምልከት ደቀ መዛሙርቱ ክወስድዎ ዘለዎም ኣቕዋም እውን ሰሪዑ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠19) ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም መስሪቱ ኢዩ: ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣብኡ ክካፈሉ መዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እወ: ‘ኣብ የሱስ ምእማን’ ክበሃል ከሎ ብዙሕ ነገራት ምርዳእ ማለት ኢዩ! ጳውሎስን ሲላስን እምበኣር እዞም ሓደስቲ ኣመንቲ ቅድሚ ምጥማቖም ‘[ነቲ ሓላው እሱራትን] ኣብ ቤቱ ንዝነበሩ ዅላቶምን ቃል እግዚኣብሄር ምንጋሮም’ ኣየገርምን ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 16:​32, 33

ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ እውን ኣድላዪ ኢዩ

ኣብ የሱስ ብሓቂ ናይ ምእማን ኣገዳሲ ክፍሊ ነቲ የሱስ ባዕሉ ዘምልኾ ኣምላኽ ምምላኽ ዘጠቓልል ኢዩ። የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ጸለየ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

ወዲ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣቓልቦ ሰባት ዝስሕብ ዝነበረ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ ኵሉ ግዜ ናብ ኣቦኡ ኢዩ ነይሩ። ኣነ እቲ ኵሉ ዝኽ​እል ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃንስ 12:​49, 50) ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: የሱስ ትሕቲ ኣቦኡ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምድላው ዘለዎ ቦታ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠41, 42፣ ዮሃንስ 5:⁠19) እወ: የሱስ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:⁠28) ቤተ-ክርስትያንካ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ክርስቶስን ዘሎ ናይ ሓቂ ርክብ ምሂራትካዶ ኢያ፧ ወይስ የሱስ እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ ኢልካ ክትኣምን ኢኻ ተማሂርካ፧ ድሕነትካ ቅኑዕ ምርዳእ ኣብ ምሓዝ እተመርኰሰ ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ጐይታ ጸሎት: የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ “ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ክጽልዩ ተላብይዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠9) ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት “ጐይታ” ኢሎም ብምትርጓም ንስም ኣምላኽ ቀቢሮምዎ ኢዮም። ኣብቲ ጥንታዊ ናይ “ብሉይ ኪዳን” ቅዳ​ሓት ግን: ስም ኣምላኽ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ግዜ ዝኸውን ተጠቒሱ ኣሎ! በዚ ኸኣ መዝሙር 83:⁠18 ከምዚ ትንበብ:- “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ።” ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ከተዘውትር ተማሂርካዶ፧ ዘይተማሃርካ እንተድኣ ኴንካ ድሕነትካ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ: ከመይሲ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ”!​—ግብሪ ሃዋርያት 2:​21፣ ምስ ዮኤል 2:​32 ኣረኣእዮ።

ብመንፈስን ብሓቅን

የሱስ ክርስቶስ ናብ ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣቓልቦ ገይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ገለ ገለ ጕዳያት ኣምላኽ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ከብርህ ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ “ጽሑፍ አሎ” ይብል ነበረ። (ማቴዎስ 4:⁠4, 7, 10፣ 11:⁠10፣ 21:⁠13) ኣብታ ዝሞተላ ምሸት የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ” ብምባል ጸለየ።​—ዮሃንስ 17:17

ካልእ ንድሕነት ዘድሊ ነገር እምበኣር ብዛዕባ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ምህላው ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16) ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክምልሶ ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ:- ናይ ህይወት ትርጕም እንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ እከይ ክቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ ኣምላኽ ንሰባት ብሓቂ ኣብ ናይ ሲኦል ሓዊ የሳቕዮምዶ ኢዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧a ሓደ ሰብ ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ ቅኑዕ ምርዳእ ከይሓዘ ንኣምላኽ ግቡእ ገይሩ ከምልኾ ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ኢዩ ዝበለ።​—ዮሃንስ 4:​23

እምነት ንተግባር ይድርኽ

ድሕነት ሓበሬታ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ምላሽ ዝህብ ልቢ: ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ እምነት ኢዩ ዘፍሪ። (ሮሜ 10:⁠10, 17፣ እብራውያን 11:⁠6) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ንሓደ ሰብ ንተግባር ኢዩ ዝድርኾ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም: ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም:  . . . ተነስሑን ተመለሱን” ብምባል ይምዕድ።​—ግብሪ ሃዋርያት 3:​19, 20Text adjusted

እወ: ድሕነት ንገዛእ ርእስኻ ምስቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ጠባይን ስነ⁠-​ምግባርን ስርዓታት ምስምማዕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ባህርይ ናይ ምልዋጥ ጽልዋ ስለ ዘለዎ እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ናይ ምሕሳውን ናይ ምትላልን ልምድታት ብቕንዕናን ሓቅን ከም ዝትካእ ኢዩ ዝገብር። (ቲቶስ 2:​10) ከም እኒ ግብረ⁠-​ሰዶም: ዝሙት: ከምኡውን ምንዝር ዝኣመሰለ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ተሓዲጉ ብንጹህ ስነ-ምግባራዊ ጠባያት ኢዩ ዝትካእ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11) እዚ ምልዋጥ እዚ ግን ኣብ ስምዒት እተመርኰሰ ካብ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጠባያት ንግዚኡ ምርሓቕ ማለት ዘይኰነስ ንቓል ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ካብ ምጽናዕን ኣብ ተግባር ካብ ምውዓልን ዝርከብ ነባሪ ለውጢ ኢዩ።​—ኤፌሶን 4:​22-​24

ድሕሪ ገለ ግዜ: ሓደ ቕኑዕ ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ሞሳን ምሉእ ወፈያ ክገብርን ብማይ ጥምቀት ገይሩ ክገልጾን ይድርኾ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:​19, 20፣ ሮሜ 12:1) ጥሙቓት ክርስትያናት ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ድሒኖም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:​21) ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ናይዛ እክይቲ ዓለም: ኣምላኽ ካብቲ ጸበባ እቲ ብምዕቃብ ምሉእ ብምሉእ ከድሕኖም ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:⁠9, 14

ድሕነት ንዓኻ እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል

ካብዚ ሓጺር ምይይጥ እዚ ድሕነት ‘ንጐይታ የሱስ ብልብኻ ካብ ምእማን’ ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል ንጹር ኢዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ምውሳድ: ኣብ ህይወትካ ድማ እቲ ዘድሊ ለውጥታት ምግባር ማለት ኢዩ። ከምዚ ምግባር ከቢድ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን: ይኹን እምበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ንምግባር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ክሕግዙኻ ፍቓደኛታት ኢዮም። ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ኣብ መገዲ ናይ ሓቂ ድሕነት ክትመላለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም።b

እቲ ዝመጽእ ዘሎ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኣዝዩ ብምቕራቡ: ከምኡ ምግባር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ኢዩ! ንቓላት ናይቲ ነብዪ እነቕልበሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ:- “እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም: ተአከቡ: ተአከቡ። ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”​—⁠ጸፎንያስ 2:⁠2, 3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ ንምምርማር በጃኻ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ርአ።

b ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ደሊኻ: በጃኻ ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። ወይ ከኣ ንሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ክትጽሕፈሎም ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ድሕነት ዝመጽእ . . .

◻ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ።​—ዮሃንስ 17:3

◻ እምነት ብምግባር።​—ሮሜ 10:17፣ እብራውያን 11:6

◻ ብምንሳሕን ብምምላስን።​—ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19, 20Text adjusted፣ ኤፌሶን 4:​22-​24

◻ ህይወትካ ብምውፋይን ብምጥማቕን።​—ማቴዎስ 16:24፣ 28:19, 20

◻ ብቐጻሊ ህዝባዊ ስብከት ብምግባር።​—ማቴዎስ 24:14፣ ሮሜ 10:10

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ: እተማሃርካዮ ኣብ ተግባር ምውዓል: ህይወትካ ምውፋይን ምጥማቕን ናብ ድሕነት ዝመርሑ ስጕምትታት ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ