መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ ክልተ
ነቲ ቃልቃል ዝብል ዝነበረ መጋርያ ዝያዳ ነዳዲ ክውሰኾ ኸሎ: እቲ ሃልሃልታ ንላዕሊ ገጹ ደየበ። እዚ ግን ተራ ዝነድድ ሓዊ ኣይ ነበረን። እቲ ጽዑቕ ባርዕ: ኣቕሽሽትን ኣቡናትን እናተዓዘቡ መጽሓፍ ቅዱሳት ኢዩ ዝኣትዎ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣቡን ናይ ለንደን ብሓዊ ኣንዲዱ ከጥፍኦ ኢሉ መጽሓፍ ቅዱሳት ብምዕዳግ ነቲ ተርጓሚ: ዊልያም ቲንድል: ተወሳኺ ሕታማት ንኸዳሉ ከይተፈለጦ ብገንዘብ ሓጊዝዎ ኢዩ!
ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ቃልሲ ዝነበሩ ወገናት ከምዚ ዝበለ ቈራጽ ስጕምቲ ክወስዱ ዝገበሮም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኣብታ ዝሓለፈት ሕታም: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ማእከላይ መዋእል ዝነበሮ ታሪኽ ርኢና ነይርና። ሕጂ ድማ ነቲ መልእኽትን ስልጣንን ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ጽልዋ ክገብር ጀሚርሉ ዝነበረ መፈለምታ ሓድሽ መዋእል ክንርኢ ኢና።
ሓደ ፊተውራሪ ይቕልቀል
ጆን ዊክሊፍ: ሓደ ሕፉር ናይ ኦክስፎርድ ምሁር: ‘ንሕጊ ኣምላኽ’ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር: ኣንጻር እቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ዝነበረት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ተግባራት ኣትሪሩ ሰበኸን ጸሓፈን። ነቶም ሎላርድስ ዝበሃሉ ተማሃሮኡ: ክሰምዕ ፍቓደኛ ንዝዀነ ኵሉ ሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ብእንግሊዝኛ ክሰብኩ ናብ ሃገረሰባት ዓዲ እንግሊዝ ለኣኾም። ብ1384 ቅድሚ ሙማቱ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ላቲን ናብቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ እንግሊዝኛ ምትርጓም ጀመረ።
እታ ቤተ-ክርስትያን ንዊክሊፍ እትጸልኣሉ ብዙሕ ምኽንያታት ረኸበት። መጀመርታ: ነቶም ካህናት በቲ ቅጥዒ ዘይነበሮ ናብርኦምን ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያቶምን ኰኒንዎም ኢዩ። ብተወሳኺ: ብዙሓት ካብቶም ደገፍቲ ዊክሊፍ ነቲ ዕጥቃዊ ምልዕዓላቶም ምኽኑይ ንምግባር ንትምህርትታቱ ብጌጋ ተጠቕምሉ። ዊክሊፍ ናይ ዓመጽ ምልዕዓላት ክግበር ፈጺሙ ዘይድግፍ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ካህናት ምስ ሞተ እውን ከይተረፈ ወቒሶምዎ ኢዮም።
ኣቡን ኣርንደል: ኣብታ ብ1412 ናብ ጳጳስ ዮሃንስ መበል 23 ዝጸሓፋ ደብዳበ: ንዊክሊፍ “እቲ ወትሩ ብሕማቕ ዝዝከር ጽዩፍን መትከኽን ሰብ: ወዲ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ኣበሳርን ውላድን ጸረ-ክርስቶስ” ብምባል ጠቐሶ። ኣርንደል ንዅነኔኡ ብምዝዛም “መስፈር ሓጢኣቱ ክመልእ ድማ: ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኣደ ተተርጒሙ ዝዝውተረሉ ሓድሽ ኣገባብ መሃዘ” ኢሉ ጸሓፈ። ንመራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ዘቘጥዖም ነገር: ዊክሊፍ ህዝቢ ብቛንቋኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ምድላዩ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋኦም ክረኽቡ ዝኽእሉ ሒደት ፍሉጣት ውልቀ-ሰባት ነይሮም ኢዮም። ሓንቲ ካብዚኣቶም እታ ብ1382 ነቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ክኸውን ዝነበሮ ሪቻርድ ካልኣይ እተመርዓወት ኣን በዓልቲ ቦሄምያ ኢያ ነይራ። እቲ ዊክሊፍ ብእንግሊዝኛ ዘዳለዎ ናይተን ወንጌላት ትርጕም ነበራ: ነዚ ድማ ቀጻሊ ኢያ ተጽንዖ ነይራ። ንግስቲ ምስ ኰነት: እቲ ብናይ ከባቢ ቋንቋ ኣብ እተዳለወ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበራ ጽቡቕ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝርጋሕ ዝጠቅም ነገራት ኣብ ምዕባይ ሓጊዙ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ኣይነበረን። ኣን: ተማሃሮ ካብቲ ኣብ ቦሄምያ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ ፕራግ ናብ ኦክስፎርድ ክመጹ ኣተባብዐት። ነቲ ናይ ዊክሊፍ ጽሑፋት ብውዕዉዕ ስምዒት ኣጽንዕዎ: ገለ ካብኡ ድማ ናብ ፕራግ ወሰድዎ። ትምህርታት ዊክሊፍ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕራግ ተፈታውነት ምርካቡ: ነቲ ኣብኡ እተማህረን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብኡ መምህር ዝዀነን ያን ሁስ ሓጊዝዎ ኢዩ። ሁስ ካብቲ ጥንታዊ ናይ ስላቮኒክ ትርጕም ክንበብ ዝኽእል ናይ ቋንቋ ቼዝ ትርጕም ኣዳለወ። ጻዕርታቱ ኣብ ቦሄምያን ጐረባብቲ ሃገራትን መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ልሙድ ክኸውን ሓጊዙ ኢዩ።
ቤተ-ክርስትያን ሕነ ትፈዲ
ዊክሊፍን ሁስን እቲ “ሕዋስ ዘይብሉ:” ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይተወሰኾ መንፈስ ዝነፈሶ በዅሪ ቅዱሳት ጽሑፋት: ካብቲ “ሓጺር መግለጺታት:” ኣብ ሕድጋት ናይቲ ቤተ-ክርስትያን እትድግፎ መጽሓፍ ቅዱሳት ዝርከብ ማእለያ ዘይብሉ ልምዳዊ መግለጺታት ንላዕሊ ስልጣን ከም ዘለዎ ምምሃሮም እውን ንካህናት ኣነዲርዎም ነበረ። እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም እቲ ተራ ህዝቢ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መልእኽቲ ቃል ኣምላኽ ክረኽቦ ድሌቶም ኢዩ ነይሩ።
ሁስ ናይ ሓሶት ሓለዋ ብምእማን: ብ1414 ናብቲ ኣብ ኮንስታንስ: ጀርመን: ዝነበረ ናይ ካቶሊክ ቤት ምኽሪ ንኣረኣእያኡ ክጣበቕ ብምትላል ከም ዝቐርብ ተገብረ። እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 2,933 ኣቕሽሽትን ኣቡናትን ካርዲናላትን ዝቘመ ኢዩ ነይሩ። ሁስ ትምህርትታቱ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሶት ምዃኑ ክረጋገጽ እንተድኣ ተኻኢሉ እምነቱ ክሓድግ ተሰማምዐ። እቲ ቤት ምኽሪ ዘገደሶ ጕዳይ ግን እዚ ኣይነበረን። ነቲ ስልጣኖም ምብድሁ ጥራይ: ብ1415 ዓው ኢሉ እናጸለየ: ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ከንድድዎ ንዓታቶም እኹል ምኽንያት ኢዩ ነይሩ።
ኣዕጽምቲ ጆን ዊክሊፍ ካብ መቓብር ተፋሒሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነድድ ትእዛዝ ብምትሕልላፍ: ኣብ ልዕሊኡ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ዝወሰደን ዘዋረዶን እውን እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኢዩ ነይሩ። እዚ ትእዛዝ እዚ ኣዝዩ ዘስገድግድ ስለ ዝነበረ: ብድሌት ጳጳስ ክሳዕ 1428 ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን። ከም ወትሩ ግን: ከምዚ ዝበለ ሕሱም ምጽራር ንቕንኢ ናይ ካልኦት ኣፍቀርቲ ሓቂ ኣየቕሃሞን። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ቃል ኣምላኽ ሓቲሞም ንምዝርጋሕ ዝነበሮም ቈራጽነት ወሰኸሉ።
ዕዮ ሕትመት ዝነበሮ ጽልዋ
ብ1450: ካብቲ ሁስ ዝሞተሉ ግዜ ድሕሪ 35 ዓመታት ጥራይ: ዮሃንስ ጉተንበርግ ተንቀሳቓሲት ዓይነት ማሕተም ብምምሃዝ ኣብ ጀርመን ሕትመት ጀመረ። እቲ ናይ መጀመርታ ዓቢ ስርሑ ድማ ብ1455 እተወድአ ሓደ ናይ ላቲን ቫልጌት ሕታም ኢዩ ነይሩ። ብ1495: ምሉእ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ጀርመን: ጣልያን: ፈረንሳ: ቼዝ: ዳች: እብራይስጢ: ካታላን: ግሪኽ: ስጳኛ: ስላቮኒክ: ፖርቱጋል: ከምኡውን ብቛንቋ ሰርብያ ኣከታቲሉ ተሓትመ።
ደዚደርዩስ ኢራስመስ እተባህለ ወዲ ዳች ምሁር: ብ1516 ብቛንቋ ግሪኽ ናይ መጀመርታ ምሉእ ሕታም ኣዳለወ። ኢራስመስ ቅዱሳት ጽሑፋት “ብዅሉ ናይ ወድሰብ ቋንቋታት ክትርጐም” ኢዩ ዝብህግ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብምትርጓም እቲ ዝነበሮ ዓቢ ተፈላጥነት ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ሰግአ። እንተዀነ ግን: ካልኦት ዝያዳ ትብዓት ዝነበሮም ሰባት ስዒቦም መጹ። ካብዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ፍሉጥ ዝዀነ ዊልያም ቲንድል ኢዩ ነይሩ።
ዊልያም ቲንድልን ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስን
ቲንድል ኣብ ኦክስፎርድ ኢዩ ተማሂሩ: ዳርጋ ብ1521 ኣቢሉ ድማ ናይ ገዛ መምህር ብምዃን ናብ ቤት ሰር ጆን ዎልሽ ከደ። ኣብቲ ሽሻይ ዝመልኦ ናይ ዎልሽ መኣዲ እቲ መንእሰይ ቲንድል መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካህናት ናይቲ ከባቢ ክካታዕ ኢኻ እትረኽቦ። ቲንድል መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ጥቕስታት ብምርኣይ ኢዩ ንሓሳባቶም ዝብድሆ ነይሩ። ድሕሪ ገለ እዋን: ስድራቤት ዎልሽ እቲ ቲንድል ዝብሎ ዝነበረ ተረድኦም: እቶም ካህናት ድማ ከምቲ ናይ ቀደሞም ኣይዕደሙን ከምኡውን ምዉቕ ኣቀባብላ ኣይግበረሎምን ነበረ። እዚ ነቶም ካህናት ኣንጻር ቲንድልን እምነቱን ክንድሩ ምኽንያት ከም ዝዀኖም ፍሉጥ ኢዩ።
ሓደ እዋን ኣብ ማእከል ክትዕ: ሓደ ካብቶም ናይ ቲንድል ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ “ካብ ብዘይ ሕጊ ጳጳስ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ምዃን ይሓይሽ” ብምባል ተዛረበ። ቲንድል “ንጳጳስን ንዅሉ ሕግታቱን እቃወሞ ኢየ። ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ብህይወት ክነብር እንተድኣ ኣፍቂዱለይ: ንሓደ ሓረስታይ ካብዚ ናትካ ንላዕሊ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝፈልጥ ክገብሮ ኢየ” ብምባል ክምልሰሉ ኸሎ ዝነበሮ ምርዳእ እሞ ገምቶ። ናይ ቲንድል ቈራጽነት ንጹር ኰነ። ጸኒሑ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ተራ ህዝቢ ነቲ ፍረ ነገር: መስርዕ: ከምኡውን ትርጕም ናይቲ ጽሑፍ ክርድኦ ምእንቲ ክኽእል: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ: ብቛንቋኡ እንተ ዘይቀሪብሉ: ንዝዀነ ይኹን ሓቂ ክቕበል ዘይክእል ምዃኑ ብተመክሮ ተረዲአ ኢየ።”
ኣብቲ ግዜ እቲ: መጽሓፍ ቅዱስ ገና ብእንግሊዝኛ ኣይተሓትመን ነበረ። ስለዚ ብ1523: ቲንድል ናይ ትርጕም ፕሮጀክት ንምጅማር ሓገዝ ኣቡን ተንስተል ክልምን ናብ ለንደን ከደ። ንጽገት ስለ ዘጋጠሞ ግን: ኣብ ዕላማኡ ንምብጻሕ ንዓዲ እንግሊዝ ኩቦ ደርብዩላ ከደ። ኣብ ኮለን: ጀርመን: እታ ናይ መጀመርታ ቤት ማሕተሙ ተወረት: ቲንድል ድማ ገለ ካብተን ዘይተጠረዛ ገጻት ናይቲ ክቡር ጽሑፍ ሒዙ ንስክላ ኣምለጠ። ይኹን እምበር: ኣብ ዎርምዝ: ጀርመን: ብውሕዱ 3,000 ቅዳሓት ናይቲ ብእንግሊዝኛ እተተርጐመ “ሓድሽ ኪዳን” ተወዲኡ ነበረ። እዚ ቅዳሓት እዚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተላእከ: ኣብ መጀመርታ ናይ 1526 ድማ ክዝርጋሕ ጀመረ። ገለ ካብዚ ድማ እቲ ኣቡን ተንስተል ዓዲጉ ዘንደዶ መጽሓፍ ቅዱሳት ነበረ: ኣይፈለጠን ድኣምበር: ንቲንድል ዕዮኡ ክቕጽል ይሕግዞ ኢዩ ነይሩ!
ምርምር ዝነጸረ ምርዳእ የምጽእ
ቲንድል ንዕዮኡ ከም እተሓጐሰሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) ገሊጽዎ ከም ዘሎ “ቅዱስ ጽሑፍ የሐጕሶ ነበረ: ነቲ ዝነበሮ ሓጐስ ዘንጸባርቕ ድማ ኣብቲ ጽሑፉ ማራኽን ህያውን ዝዀነ ነገር ኣሎ።” ናይ ቲንድል ሸቶ እቲ ተራ ህዝቢ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብእተኻእለ መጠን ልክዕን ቀሊልን ብዝዀነ መገዲ ተጻሒፉ ከም ዝረኽቦ ንምግባር ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ንዘበናት ዝኣክል ተዓቢጡ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ትርጕም ገሊጽሉ ኢዩ። ቲንድል ናይ ሞት ስግኣት ይኹን ናይቲ ሓያል ጸላኢኡ ዝነበረ ሰር ቶማስ ሙር ሕሱም ተቓውሞ ከይዓጀቦ: ነቲ ኣብ መጽናዕቱ ዝረኸቦ ነገራት ኣብ ትርጕሙ ተጠቕመሉ።
ኣብ ክንዲ ካብ ላቲን: ካብቲ ብኢራስመስ እተዳለወ በዅሪ ቋንቋ ግሪኽ ብምውሳድ: ቲንደል ንትርጕም ናይታ ኣ ·ጋ ʹፐ እትብል ናይ ግሪኽ ስያመ ዝያዳ ምሉእ ገይርካ ንምግላጻ ኣብ ክንዲ “ልግሲ” “ፍቕሪ” ተጠቕመ። ከምኡውን ኣብ ክንዲ “ቤተ-ክርስትያን” “ጉባኤ:” ኣብ ክንዲ “ናብ ካህን ምንዛዝ” “ምንሳሕ:” ከምኡውን ኣብ ክንዲ “ካህናት” “ሽማግለታት” ተጠቕመ። (1 ቈረንቶስ 13:1-3፣ ቈሎሴ 4:15, 16 NW፣ ሉቃስ 13:3, 5፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:17 ቲንድል) እዚ ምትዕርራያት እዚ ንስልጣን ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ነቲ ከም ናብ ካህናት ምንዛዝ ዝኣመሰለ ናይ ልምዲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ዘዕኑ ኢዩ ነይሩ።
ቲንድል ብተመሳሳሊ: ንመንጽሂ ቦታን ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ብምባል ነጸጎ: ነታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል ድማ ኣእተዋ። ብዛዕባ ምዉታት: ንሙር ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ንምዉታት ኣብ ሰማይ: ሲኦል ሓዊ: ከምኡውን ኣብ መንጽሂ ቦታ ብምእታው [ንስኻ] ነቲ ክርስቶስን ጳውሎስን ዘረጋገጽዎ ትንሳኤ ከንቱ ገበርካዮ።” ቲንድል ከምዚ ክብል ከሎ: ንማቴዎስ 22:30-32 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:12-19 ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ምዉታት ክሳዕ ግዜ ትንሳኤ: ህይወት ከም ዘይብሎም ልክዕ ገይሩ ይኣምን ነበረ። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5፣ ዮሃንስ 11:11, 24, 25) እዚ ድማ እቲ ናብ ማርያም ከምኡውን ናብ “ቅዱሳት” ናይ ምጽላይ ስርዓት ብምሉኡ ዋጋ የብሉን: ምኽንያቱ እዚኣቶም ክሰምዑ ወይ ኣብቲ ህይወት ዘይብሉ ኵነታቶም ብምዃን ከማልዱ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኢዩ ነይሩ።
ቲንድል ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይትርጕም
ብ1530: ቲንድል ናይ ፔንታቲዩክ: ናይተን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሙሽተ ቀዳሞት መጻሕፍቲ ሕታም ኣዳለወ። በዚ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ብቐጥታ ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጐመ ናይ መጀመርታ ሰብ ኰነ። ቲንድል ስም የሆዋ እተጠቕመ ቀዳማይ ናይ እንግሊዝኛ ተርጓሚ ኢዩ ነይሩ። ዴቪድ ዳንየል እተባህለ ምሁር ወዲ ለንደን: ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ስም ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ናብ ብርሃን ምውጽኡ ነቶም ናይ ቲንድል ትርጕም ዘንብቡ ሰባት ኣጸቢቑ ከም ዝመሰጦም እተረጋገጸ ኢዩ።”
ቲንድል ንጹር ጽሑፍ ንምድላው ይጽዕር ብምንባሩ: ንሓንቲ ናይ እብራይስጢ ቃል ንምትርጓም እተፈላለየ ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ኢዩ ተጠቒሙ። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ እብራይስጢ ሰዋስዋዊ ኣቃውማ ጠቢቑ ኢዩ ስዒብዎ። እቲ ውጽኢት ነቲ እብራይስጢ ብሓጺር ንምግላጽ ዘለዎ ሓይሊ ዝዓቀበ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ባዕሉ ከምዚ በለ:- “እቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ትሕዝቶ ካብ ምስ ላቲን ብዓሰርተ ኢድ ምስ እንግሊዝኛ ይሰማማዕ። እቲ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ኣገባብ ኣዘራርባ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ቃል ብቓል ናብ እንግሊዝኛ ምትርጓም ጥራይ ኢዩ ዘድልየካ።”
እዚ ብመሰረቱ ቃል ብቓል እተገብረ ምትርጓም: ነቲ ናይ ቲንድል ትርጕም በቲ ናይ እብራይስጢ መግለጺታት መኣዛ ከም ዝረክብ ኢዩ ገይርዎ። ገለ ካብኡ ንመጀመርታ ግዜ ክንበብ ከሎ ግር ዝብል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ ፍሉጥ እናዀነ ስለ ዝመጸ: መብዛሕትኡ ካብዚ መግለጺታት እዚ ሕጂ ክፍሊ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት: “ኤ ማን ኣፍተር ሂስ ኦውን ሃርት:” (ከም ኣብ 1 ሳሙኤል 13:14 ዘሎ): “ፓስኦቨር:” ከምኡውን “ስኬፕጎት” ገለ ካብኡ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ: ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቡ ሰባት ነቲ እብራይስጢ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ይፈልጥዎ: እዚ ድማ ዝያዳ ዕምቝ ዝበለ ምርዳእ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝህልዎም ይገብር።
መጽሓፍ ቅዱስን ቲንድልን ኣብ ትሕቲ እገዳ
ሓደ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ብቛንቋኡ ናይ ምንባብ ኣጋጣሚ ምርካቡ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኣብ ናይ ኣጭርቕትን ካልእ ኣቑሕትን ጥቕላላት ተሓቢኡ ናብታ ሃገር ሰሊዅ ክኣቱ ዝኸኣለ ኵሉ መጽሓፍ ቅዱሳት ብምዕዳግ ምላሽ ሃበ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ: ካህናት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ናይ መወዳእታ በዓል ስልጣን ክርአ እንተድኣ ጀሚሩ ዘለዎም ቦታ ከም ዝስእኑ ዘየጠራጥር ምዃኑ ሓሰቡ። ስለዚ: እቲ ኵነታት ነቲ ተርጓምን ደገፍቱን ብቐንዱ ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ ኰነ።
ቲንድል ብቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ብዘይ ምቍራጽ እናተሃድነ: ኣብ ኣንትወርፕ: በልጁም: ተሓቢኡ ስርሑ ቀጸለ። ገና ድማ: ነቲ መሕለፍ ግዜ ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ዕዮ—ንኻልኦት እንግሊዛውያን ስደተኛታት: ድኻታት: ከምኡውን ሕሙማት ምግልጋል—ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልትታት ወፈየሉ። ንዝበዝሐ ገንዘቡ ኸኣ ከምዚ ገይሩ ኢዩ ዝጥቀምሉ ነይሩ። ቲንድል ነቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ቅድሚ ምትርጓሙ: ሓደ ዓርኩ መሲሉ ዝቐረቦ እንግሊዛዊ ሰብኣይ ብገንዘብ ከድዖ። ኣብ ቪልቮርድ: በልጁም: ብ1536 ቅድሚ ምቕታሉ: እተን ናይ መወዳእታ ውዕዉዓት ቃላቱ “ጐይታ! ንኣዒንቲ ንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ክፈተን” ዝብላ ነበራ።
ብ1538: ንጉስ ሄንሪ ሻሙናይ ብናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ መጽሓፍ ቅዱስ ክቕመጥ ኣዘዘ። ሽሕ’ኳ ቲንድል ክብሪ እንተ ዘይረኸበ: እቲ እተመርጸ ትርጕም ግን ናቱ ኢዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ናይ ቲንድል ዕዮ ኣዝዩ ስለ እተፈልጠን እተፈትወን ብእንግሊዝኛ ንእተዳለወ “መብዛሕትኡ ስዒቡ ዝመጸ ትርጕማት መሰረት ብምዃን ኣገልጊሉ ኢዩ።” (ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል [እንግሊዝኛ]) ካብቲ ናይ ቲንድል ትርጕም ዳርጋ 90 ሚእታዊት ብቐጥታ ኣብቲ ናይ 1611 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ተቐዲሑ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ምርካብ ንዓዲ እንግሊዝ ዓቢ ለውጢ ማለት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝግበር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ምይይጥ ኣዝዩ ውዕዉዕ ብምንባሩ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅዳሴታት የተዓናቕፎ ነበረ! “ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንቓል ኣምላኽ ቀጥታ ባዕላቶም ምእንቲ ክርድእዎ ምንባብ ተማህሩ: ቈልዑ ድማ ምእንቲ ክሰምዑ ነቶም ዓበይቲ ሰባት ይሓብርዎም ነበሩ።” (ኤ ኮንሳይስ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ኢንግሊሽ ባይብል [እንግሊዝኛ] ) እዚ ግዜ እዚ ዝርጋሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ብኻልእ ቋንቋታትን ብዙሕ ወሰኽ እተራእየሉ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንቅስቓስ ግን ዓለምለኻዊ ጽልዋ ከምጽእ ነበሮ። እዚ ከመይ ኢሉ ክፍጸም ተኻእለ፧ ተወሳኺ እተረኽበ ነገራትን ምርምርን ነዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘሎና መጽሓፍ ቅዱሳት ዝተንከፎ ብኸመይ ኢዩ፧ ነዚ ኣብ ተኸታታሊ ኣርእስቲ እነቕርቦ ዘሎና ጸብጻብ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንዛዝሞ ኢና።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብ1526 እተዳለወ ናይ ቲንድል “ሓድሽ ኪዳን ”—ካብቲ ሃልሃልታ ሓዊ ዘምለጠ እንኮ ምሉእ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ
[ምንጪ ስእሊ]
© The British Library Board
[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክተሓላለፍ ከሎ ዝነበረ ኣገዳሲ ዕለታት
ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና
ናይ ዊክሊፍ መጽሓፍ ቅዱስ (ቅድሚ 1384) ተጀመረ
1400
ሁስ ብ1415 ተቐትለ
ጉተንበርግ—ኣብ ከባቢ 1455 መጀመርታ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ
1500
ብናይ ከባቢ ቋንቋታት መጀመርታ እተሓትመ
ብ1516 እተዳለወ ናይ ኢራስመስ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ
ብ1526 እተዳለወ ናይ ቲንድል “ሓድሽ ኪዳን”
ቲንድል ብ1536 ተቐትለ
ሄንሪ ሻሙናይ ብ1538 ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት መጽሓፍ ቅዱስ ክቕመጥ ኣዘዘ
1600
ኪንግ ጀምስ ቨርሽን 1611
[ስእልታት]
ዊክሊፍ
ሁስ
ቲንድል
ሄንሪ ሻሙናይ